ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ጃምላዊ ቅትለት፥ እግዚኣብሔር ናይ ኣሸበርቲ ኣልባብ ይለውጥ

ናይቶም ብከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ተግባር ናይ እግዚኣብሔር ስሙ ዘርክሱ ባዕሉ እግዚኣብሔር ልባቶም ክልውጥ እጽልይ!

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 26 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያ ኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመ ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቀት ዝፍጽሙ እግዚኣብሔር ልባቶም ክልውጥ ጸሎት ከምዘቕረቡን ምእንቲ እታ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዓመጽን ሽበራን ዝፍጽሙላ ሃገር ናይጀሪያ ክጽለይ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስጋና ይኹን፡ ኣብ ናይጀሪያ ዝፍጸም ግብረ ሸበራ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሉን ምእንቲ እታ ሃገር ክሓስብን ከምዝገበረን፡ ቅዱስነቶም ዕለት 2 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ምእንቲ ናይጀሪያ ክጽልየን “እግዚኣብሔር ናይቶም ኣሸበርቲ ኣልባብ ይለውጥ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ዕለት 26 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራ ፈጺመ እንክብል ዕለት 1 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. እስላማዊ  ሓይሊ ኣሸበርቲ ቦኮ ሓራም ከምዝፈለጠን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2020 ዓ.ም. ከምዚ ዓይነት ዘስካህክሕ ህልቀት ክፍጸም እቲ ኣብ ናይጀሪያ ዝተፈጸመ ብቐዳምነት ዝጥቀስ እዩ እንክብል ይሕብር፡ እቶም በቶም ብኣሸበርቲ ዝተቐትሉ 110 ሓረስቶት ከምዝነበሩን ክግለጽ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ሎሚ እውን በሸበርቲ ትደምይ ንዘላ ናይጀሪያ ጸሎተይ አረጋግጽ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ናይጀሪያ ሰሜናዊ ምብራቕ ልዕሊ ሚእቲ ዝግመቱ ሓረስቶት ኣብ ዕለታዊ ዕዮታቶም ተዋፊሮም እንከለዉ ብዘስካሕክሕ ተግባር ከምእተቐተሉን እግዚኣብሔር ነቶም ዝተቐትሉ ኣብ ሰላም ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራኦም ከጸናንዕን ናይቶም ብከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ተግባር ናይ እግዚኣብሔር ስሙ ዘርክሱ ባዕሉ እግዚኣብሔር ልባቶም ክልውጥ እጽልይ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ሓደ ናይቲ ገዛእ ርእሱ ቦኮ ሓራም ናይ ዝሰመየ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዕጥቁ ኣፍቲሖምን ሒዞምን ብዛዕባኦም ንናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ብዝብል  ምኽንያት ሕነ ክፈድይ ቢሉ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ዝፈጸሞ ግብረ ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ናይጀሪያ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ዝንቀሳቐስ ቦኮ ሓራም ናይቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ምስ ዝሰመየ ኣይሲስ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ከምዝኾነን ካብ 2000 ዓ.ም. ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ብውሕድ 36 ሺሕ ዜጋታት ንሞት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ንምዝብልና ከምዝዳረገን ዓሰርተ ደቀንስትዮ ከምዝጨወየን ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ቦርኖ ቁሸት ኮሾበ ኣብ ዕለታዊ ዕዮም ንዝነበሩ 110 ሓረስቶት ዝሓለፈ ዕለት 26 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ከምዝሰየፈ እውን ይንገር።

ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር ሙሃማዱ ቡሓሪን ናይ ግዝኣት ቦርኖ ኣመሓዳሪ ባባጋና ዙሉም ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ሓለዋ ጸጥታት ክበራታዖ ደጋፊ ሓይሊ ክልእዅ ምዃኖም ከምዝገለጹን ናይታ ሃገር ኣባላት ሓጋጊ ባይቶ ርእሰ ብሔር ቡሓሪ ንናይ ውሽጢ ሃገር ጸጥታን ደሕንነትን ጉዳይ ሓላፊ ካብ ሓላፍነቶም ክኣልይዎምን ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሓለዋ ደሕንነት ዝከታተል ኣካል ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ምትሕልላፍን ዝርጋሔን ናይ ውሽጢ ስቱር ሓበሬታ ከምእተፈጸመን ዝንገር ዘሎ ጉዳይ ብጥብቂ ክጻረይ ሕቶ ከምዘቕረቡ ክንገር እንከሎ~ መንግስቲ መግባዊ ርእሰ ብቕዓት ዝብል ሸቶ ብዝገበረ መደብ መሰረት ነቶም ዝተመዛበሉ ናብቲ ንቡር መነባብሮኦም ክምለሱን ይዓዪ ከምዘሎ ካብ ናጀሪያ ዝወሃቡ ሓበሬታ የመላኽቱ።

03 December 2020, 09:12