ድለ

ብጐይታ ወትሩ ተሓጐሱ! እንኮ ሕጊ ክርስትና ሓጐስ እያ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሣልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት ኣብ እትዝክረሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 13 ታሕሳስ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ‘ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ መራሒ ናይ ዘመኑ ኰይኑ ንምጽኣት ጐይታ ክጽበዩ ኣሰናድዩ። እዚ ከኣ ዓቢ ሓጐስ ዝህብ እዩ። ንተሓጉስ። ክርስትያን ሕጉ ኣብዚ ሓጐስ እዚ ምንባር ማለት ኣብ ትጽቢት ምጽኣት ጐይታ ምንባር ጥራይ እዩ ሕጉ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም መበል 51 ዓመት ክህነቶም ዘኪሮም ነቲ ልሙድ ንበዓቲ ልደት ዝኸውን ምስልታት ሕጻን ኢየሱስ ባሪኾም።

ዜና ቫቲካን!

ሣልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት ነቲ ቀድም ብትንቢት ኣብ ጸበባ ንዝነበሩ ሕዝበ እግዚአብሔር መሲሕ መድሓኒ ከምዝመጽእ ዝተነግረ እሞ እቲ መጺሕ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ ንኩሉ ሓጐስ ዝኸውን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ‘ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ’ እንክብል ምጽንናዕ ይእውጅ እሞ በዚ ምጽንናዕ እዝን በዚ ተስፋ እዝን ኩሉ ክሕጐስ ይዕድም ከክንዲ እታ ነዚ ምጽንናዕ እዝን እዚ ተስፋ እዝን እትቅበል ቤተክርስትያን ኰይኑ ከኣ ‘እግዚኣብሔር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሔር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ ኣሎ’ ይብል ኣብ ትንቢት ኢሳያስ 61። ከምኡ’ውን እዚ ትንቢት እዚ ምስ ተፈጸመን ድሕነት ምስ ተዓደለን እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ድሕነት ዝህቦ ሓጐስ ንተኸተልቲ ክርስቶስ ዘቅርቦ ሓደራ ‘ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ’ (1ተሰ 5.16-17) ንዝብሎ መሠረት ብምግባር ቅዱስነቶም ሕጊ ክርስትያን ሓጐስ ጥራይ ምዃና ገሊጾም። ነዚ ንምብርራህ ከኣ እዚ ሓጐዝ እዚ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ጐይታ ቀረባ ስለዝኾነ ከምቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን መነባብሮናን ሓደ ብጣዕሚ እንፈትዎ ሰብ ክበጽሓኩም እመጽእ ኣሎኹ ቢሉና ክንጽበ እንከሎና ዘሎ ታሕጓስ እዩ ኢሎም።

“ኣብ ሕይወት ክርስትናና ከኣ እዚ ሓጐስ እዚ ሎሚ ሣልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት ኣብ እንዝክረሉ ነቲ ‘ብጐይታ ወትሩ ተሓጐሱ’ ዝብል ምሕጽንታ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ እንዝክረሉ ኣብ ልባትና የጋውሕ። ተሓጐሱ ክብል እንከሎ ሓጐስ ክርስትና እዩ። ስለምንታይ ቢልና ምኽንያት እዚ ሓጐስ እዚ ምስ እንሓትት ጐይታ ቀረባ እዩ ዝብል መልሲ ንረክብ። መጠን ጐይታ ናባና ዝቀረቦ መጠኑ ከኣ ታሕጓስና ይዓቢ። መጠን ካብ ጐይታ ዝረሓቅናሉ ከኣ ኣብ ዓዘቅቲ ሓዘን ንርከብ። እዚኣ ንኣና ንክርስትያን ሕግና እያ። ክርስቶስ እናኣፍቀረካስ ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓጐስ ዘይብልካ እትኸውን። ሕስብ እሞ ነብሎ! ጐይታ ስለፍቅረኒ ልበይ ብሓጐስ ይመልእ ክንብል ኣሎና። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ሓጐስ ዮሓንስ መጥምቅ እዩ።”

ታሕጓስ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ!

ንምጽኣት ጐይታ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዩ ካብ ዝነበሩ ድሕሪ እኖና ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ዮሓንስ መጥምቅ ከምዝነበረ ዝገብለጹ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ ካብታ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ እንከሎ ገና ኣብ ጽንሲ ብዝነበረ ኢየሱስ ብታሕጓስ ካብ ዝተሰራሰረሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣጠሚቑ ተልእኮኡ ፈጺሙ እነሆ በግዕ እግዚአብሔር ኣነ ትሕት ክብል ንሱ ክልዕል ኣለዎ ኣነ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን ዓርኪ መርዓዊ ብድምጺ መርዓዊ ከምዝሕጐሶ እሕጐስ ኣሎኹ ክብል ይገልጾ።

“ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅከስ ብቃልን ሕይወቱ ብምውፋይን ቀዳማይ ምስክር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ መሲሕ እቲ መድሓኒ ምዃኑ ብምምልካት ተልእኮኡ ብዓወት ከምዝፈጸመ ኩሎም ወንጌላውያን ብሓደ ድምጺ ይምስክሩ። በዚ ከኣ ማእከል ኩሉ ሕመረት ናብራን ሕይወትን ድሕነትን ኢየሱስ ምዃኑ ብቃሉን ብመሥዋዕትነት ሕይወቱን መስኪሩ።”

ንኢየሱስ ማእከል ኩሉ ምግባር!

ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጾ ዕብየት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዳግም ብምዝካር ናይ ዘመነ ሓቀኛን ጽኑዕን ተባዕን መራሒ ሕዝቡ ከምዝነበረን  ኣብ መላእ ይሁዳ ብኩሎም ፍሉጥን ህቡብን እኳ እንተነበረ ወትሩ ናብ ጐይታ የመልክት ነበረ ነዚ ከኣ ከምቲ እኖና ቅዱስት ድንግል ማርያም ትገብሮ ዝነበረት ናብ ኢየሱስ ብምምልካት ኢየሱስ ማእከል ኩሉ ማእከል ድሕነት ማእከል ሕይወትን ተልእኮን ንክገብሩ ንዝመጽዎም ናብ ኢየሱስ የመልክቱ ነበሩ። ምንጪ ሓጐሶም ከኣ እዚ ነበረ። ሎሚ ንዓና ንክርስትያን እውን ምንጪ ሓጐስና እዚ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣተኲሮና ካብ ገዛእ ርእስና ኣሊና ኣብ ኢየሱስ ምስ እንገብር ንኢየሱስ ማእከል ሕይወትና ምስ እንገብር እዚ ሓጐስ እዚ ካባና ፈጺሙ ክፍለ ኣይእክልን። እዚ ንገዛእ ርእስኻ ምርሳዕ ወይ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘይምግዳስ ኣይኮነን ከመይ ኢየሱስ ብተግባር ማእከል ሕይወትካ ምስ ዝኸውን ካብዚ ዓለም ናብኡ ናይ ዝመጽእ ዝኾነ ወዲተባዕታይ ወይውን ጓልኣንስተይቲ ሕይወት ምሉእ ትርጉም ዝህብ ብርሃን እዩ። እዚ ሓይሊ ፍቅሪ እዚ ከኣ እዩ ካብ ገዛእ ርእሰይ ውጽእ ኢለ ሠናይ ካልኦት ክእልሽ እንከሎኹ ከም ውህበት ንርእሰይ ብሓዲስ መልክዕ ዝረክብ እምበር ዝጠፍእ ከምዘይኮንኩ የረጋግጸለይ።”

ነዚ ንምግባር ግን ከምዚ እንዛረቦ ቀሊል ከምዝኰነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብዚ ምስክርነት ናይ ጐይታ ንክበጽሕ ነዊሕን ጽንኩርን ጒዕዞ ከምዝፈጸመ ኣብ ዘጓነፎ ወሰንትን ወጠርትን ውሳኔታት ከኣ ሱር ነቀል ዝኾኑ ምርጫታት ከምዝገበረን ብዙሕ ነገር ራሕሪሑ ከምዝገደፈን ከምዝመነን ክንዝክር ሓደራ ኢሎም። በዚ ከምዝኸስ ንክርስቶስ ማእከል ምግባርን ብታሕጓሱን ኣብ ታሕጓሱን ምንባርን ቀሊል ጒዕዞ ከምዝይኮነ ንገንዘብ እውን ኢሎም።

“ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ንኩሉ መኒኑ። ነዚ ዝገበረሉ ከኣ ንእግዚአብሔር ቀዳምነት ክህብ ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ሓይሉን ቃሉ ንምስማዕ ነበረ። ንስብከተ ወንጌል ኣብነት ዝኾነናኸስ እዚ እዩ።”

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብነት ስብከተ ወንጌል!

ሽሕ’ኳ ሕይወት ቅዱስ ዮሓንስን ገድሉን ብጐይታ ታሕጓሱን ናይ ውልቁን ዘይድገሙን እንተኾኑ እቲ ዝህቦ ምስክርነት ግን ንትርጉም ሕይወት ሃሰስ ዝብልን ነታ ሕጐስ ጐይታ ንክረክብ ንዝደልን ኣብነት ክኾነና ከምዝኽእል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ነቶም ኣብ ቤተክርስትያን ንክርስቶስ ንካልኦት ክሰብኩ ዝተጸውዑ ዓቢ ኣብነት እዩ። ነዚ ከኣ ከም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ገዛእ ርእሶምን ካብ ዓለማዊ ናብራን ከምዝሞቱ ከምዝተቀብሩ ኰይኖም ብምፍላይ ሰባት ናብ ክርስቶስ እምበር ናብኦም ከምዘየተኲሩ ብምግባር ክፍጽምዎ ይኽእሉ። እታ እንብላ ሓጐስከስ እዚኣ እያ። እዛ ሓጐስ እዚኣ ከኣ ወላ ኣብቲ ጸልማት ዝዓብለሎ ዕለታት እውን ከይተረፈ ብእምነትና ክትስነ ኣለዋ። ጐይታ ወትሩ ምሳይ ምኻኑ ምፍላጥ! ጐይታ ማእከል ናይ ኩለንታይ ምግባር እዩ እቲ ምስጢር! እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ኣነስ ከምቶም ሕጉሳትዶ ወይስ ከምቶም ኣብ ሓመድ ድበ ዘመዶም ዝተርኽቡ ብሓዘን ዝተጐብኡ! ኢልና ንመርምር ኢሎም።”

እግዚአብሔር ብኣኣ ቀረባና ዝኾነ ድንግል ማርያም!

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ናብቲ ክመጽእ ዘለዎ እንከመልክትን እንክጽበን ኣብነት ሰብኽቲ ወንጌል እንተበልና ክንዮኡ ግን እታ ብኣኣ ኣቢሉ እግዚአብሔር ቀረባና ዝኾነ ምክንያተ ፍስሓነ ምኽንያት ሓጐስና ክትከውን ዝገበራ እኖና ድንግል ማርያም ኣላ።

“[ ሕጂ እምበአር ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር እንክንደግም ነዚ ኩሉ ብእኖና ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ ነስተንትን። ንሳ ነታ ቃል ድሕነት ጐይታ ብሱቊታ ተጸበየት። ሰሚዓቶ ተቀቢላቶ ጸኒሳቶ። ብኣኣ እግዚአብሔር ቀረባና ኮነ። ስለዚ ከኣ እያ ቤተክርስትያን ምክንያተ ፍሥሓነ ምኽንያት ሓጐስና ኢላ እትጽዋዓ። ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
13 December 2020, 12:19