ድለ

ITALY HEALTH CORONAVIRUS COVID19 ITALY HEALTH CORONAVIRUS COVID19 

ፍራንቸስኮ ስለ እቶም ብለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ሓዘንን መከራን ዝርከብ ኣባይቲ ስድራ ይጽልዩ

ሎሚ ብፍሉይ ነቶም ኣብ ናይ ሕይወት መከራን ብዘይ ምርድዳእን ምግምማዕን ኣብ ጸገም ዝርከቡ እቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዝተወልደ ጐይታ ቅሳነትን ኣብ ጐደና ሰናይ ብሓድነት ንኽጓዓዙ ሓይሊ ክጽግዎም ምእንቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ስድራ እጽልይ!

ሰንበት ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምእንቲ ብለብዒ ኾሮና ተሕዋስ ኣብ ሓዘንን መከራን ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ብፍሉይ ንእግዚኣብሔር ኣወኪፎም ከምዝጸለዩን ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምብዳህን በቲ ለብዒ ዝተለኽፉን ኣብ ምእላይን ምሕካምን ዝርከቡ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ከምዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሓልዮትን ብፍሉይ ኣተኵሮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎምን ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ጸሎት ዝሓበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ቅድሚ ምፍናዎም ብለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ምእንቲ ኣብ ሓዘንን ኣብ ከቢድ ስቓይን ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ጸልዮም ኵሉ ኣብዚ ጸሎት እዚ ክሓብር ተላብዮም፥

ሎሚ ብፍሉይ ነቶም ኣብ ናይ ሕይወት መከራን ብዘይ ምርድዳእን ምግምማዕን ኣብ ጸገም ዝርከቡ እቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዝተወልደ ጐይታ ቅሳነትን ኣብ ጐደና ሰናይ ብሓድነት ንኽጓዓዙ ሓይሊ ክጽግዎም ምእንቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ስድራ እጽልይ!

ቢሎም፡ ኣተሓሒዞም እውን ዕለት ብዕለት ምእንቲ እቶም ብለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተጠቕዑን ነዚ ለብዒ እዚ ንምብዳህ ዝዓዩ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ብለጋስነትን ብህርኵት ጻዕርን ከቢድ ዋጋ ክሳብ ምኽፋል ብተወፋይነት ኣብ ጐድኒ ኣባይቲ ስድራን ነቶም ኣብ ጽሞና ንበይኖም ዝርከቡን ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ጠቒሶም፥

ነቶም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኮሎም እቶም ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕና ብዝተፈላለየ ሓላፍነት ተወዲቦም ብግብረ ቀዳምነት ኾሮና ተሕዋስ ንምብዳህን ኣብ ሕይወቶም ዘስዕቦ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍሎም እውን እንተኾነ ነዚ ኹሉ ጸይሮም ዘገልግሉ ንዘለዉ ኵሎም እሓስብ፡

ኣስዒቦም እውን ኣባይቲ ስድራ ሓድነቶም ንኽዕቅቡ ቅድሚ ዘዕረግዎ ጸሎት እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገውስ ኣስተንትኖ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም፥ ናይ ስድራ ቤት ሓድነት ክዕቅብ፥

“ብኽብረትካ/ብኽብረትኪ” - ብዘይ ህሩግታን ካልኦት ብምኽባር - “የቐንየለ” - ንሓድ ሕድ ኣብ ኣባይቲ ስድራ የቐንየለይ ምብህሃል ክህሉን፡ ክንድጋገፍ እንከሎና - ዘይምርድዳእን ምግርጫውን ምስ ዝህሉ “ይቕረታ” ምብህሃል፡ ሓድራኹም ቅድሚ ዓራርቦ ይቕረታ ምብህሃል፡ ጸሓይ ከይዓረበት ሰላም ኣብ ምግባር ትግሁ ሓደራዅም!

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 December 2020, 16:31