ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ዝውለድ ኢየሱስ፡ እግዚኣብሔር ንዝሳቐይ ዓለም ናይ ዝዓደሎ ጸጋ “ትእምርቲ” እዩ

በዓለ ልደት ኢየሱስ ሰላምናን ሓጐስናን ሓይልናን ጸግዕናን ምዃኑ የዘኻኽረና፡ ግና ነዞም ህያባት እዚኣቶም ንምእንጋድ ንኡሳንን ድኻታትን ትሑታትን ኮይንና ክስምዓና ኣለዎ

በዓለ ልደት ንኣና ኢየሱስ ሰላምን ሓሴት ምጽንናዕን ምዃኑ ዘዘኻኽረና እዩ፡ ኮይኑ ግን ነዚ ህያብ’ዚ ንምእንጋድ ከምቶም ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ዝተወለደሉ መብሊ ማል ከምዝተረኽቡ ምዃን ይጠልብ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ነቶም ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዝቐውም ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ኣብ መብልዒ ማል ዘስተርእይ ቅርጻውን ስእላውን መግለጺ ሓወልትን ነቲ ዝቖመ ናይ ልደት ጽሕድን ዝለገሳ ሃገራት፥ ካብ ስሎቨኒያን ካብ ኢጣሊያ ናይ  ኣብሮዞ ክፍለ ሃገር ዝመጹ ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 11 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ሰዓት ሓሙሽተ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ልደቱ ዘስተርእይ ስእላዊ መግለጺ ከምዝመረቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ናይ በዓለ ልደት መግለጺ ዝኾነ ጽሕዲ ናይ ዝለገሰት ሃገረ ስሎቨኒያ ክፍለ ሃገር ኮቸቭጀ ዝመጹ ልኡካንን ከምኡ እውን እቲ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ውልደት ኣብ መብልዒ ማል ዘዘንትው ብስእለ ቅርጺ ዝትርኽ ህያብ ካብ ዝለገሰ ናይ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ኣብሩዞ ሰበኻ ተራሞ ኣትሪ ዝመጹ ልኡካንን ነቲ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ተደንጊጉ ዘሎ ናይ ሕጹጽ ሓደጋ እዋን ኣዋጅ ብምኽባር ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ናይ  በዓለ ልደት ጽሕድን ኣብ መብልዒ ማል ምርኢት ልደት ዘእግዚእነን፥ ናይ ተስፋ መልእክቲ እዩ

እቲ ንስሎቨኒያን ወኪሉ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተወ ጉጅለ ልኡካን ናይታ ሃገር ዝተፈላለዩ ሚስትራትን ልኡካነ መንግስታትን ካልኦት ላዕልዎት ኣካላትን ዘጠቓለለን ብናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትርን ብካርዲናል ሮደን ናይ ማሪቦር ሊቀ ጳጳሳትን ዝተመርሔ ምንባሩን እቲ ናይ ኢጣሊያ ካብ ኣብሩዞ ዝመጹ ልኡካን ብናይ ኣብሩዞ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሎረንዞ ለኡዚ ዝተመርሑን ናይታ ክፍለ ሃገር ናይ ከተማ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዘጠቓለለ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ነዞም ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ሎሚ ካብ ቀደም በዓለ ልደት እቲ ናይ ልደት ጽሕድን ናይ ልደት መግለጺ ስእለ ቅርጽን፥ ንሮማውያንን ንዅሎም ነቶም ነዚ ናይ ልደት መግለጺ ንኸበጽሑ ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶን ብጠቕላላ ንዅሉ ናይ ተስፋ ትእምርቲ እዩ” ቢሎም፥

እቲ ናይ በዓለ ልደት መግለጺ ጽሕድን እቲ መብልዒ ማል ጐይታ ዝተወልደሉ ስፍራን መግለጺ ምስጢረ ልደት መድሕን ብእምነት ንምንባር ዝድግፍ ናይ በዓለ ልደት ሃዋሁ ዝፈጥር እዩ፡ እቲ መብልዒ ማል ናይ ልደት ስፍራ ብዛዕባ ድኽነት - ግሩም ዝኾነ ድኽነት እዩ ዝዛረብ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ብጹዓን ዝገብረና ወንጌላዊ ድኽህነት እዩ፡ ነታ ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤትን ነቶም ኣብቲ መብልዒ ማል ዝነበሩን ከነስተንትን እንከሎና በቲ ዝገርም ትሕትናኦም ንኽንማረኽ ንፍቀድ!  

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እቲ ዝውለድ ኢየሱስ ንዓለም ናይ እግዚኣብሔር ናይ ጸጋ “ትእምርቲ” እዩ

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ልደት ዘእግዚእነ ወንጌላዊ ሉቃስ ዝጸሓፎ መሰረት ገይሮም፥ ማርያም ዮሴፍን ኣብ ቤተልሔም ኣብ ድልያ ዘዕርፍሉ ስፍራ ከምዝነበሩን፡ ማርያም ኵሉ ብልባ ትሕዞ ከምዝነበረትን ደሓር ኣብ መወዳእታ ናይ ትዕድልቲ ስፍራን ወንጌል ከምዝብሎ እቶም መልኣኽ ዘበሰሮም ብዛዕባ እቶም ናይ መብልዒ ማል ተዋሰእቲ ጓሶት ህላወን ዝብሉ ሓሳብ እናማዕደዉ፥

በዓለ ልደት ኢየሱስ ሰላምናን ሓጐስናን ሓይልናን ጸግዕናን ምዃኑ የዘኻኽረና፡ ግና ነዞም ህያባት እዚኣቶም ንምእንጋድ ንኡሳንን ድኻታትን ትሑታትን ኮይንና ክስምዓና ኣለዎ፡ ልክዕ ከምቶም ኣብቲ መብልዒ ማል ዝተረኽቡ ሰባት፡ ኣብዚ ኣብ መንጐ እቲ ለብዒ ዘስዓቦ ስቓይ ኵሉ ኣብዚ በዓለ ልደት’ዚ ኢየሱስ እቲ ሕጻንን ተኣፋፍን ንዓለም ናይ እግዚኣብሔር ናይ ጸጋ ትእምርቲ እዩ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ከም ሎሚ ሓደ ዓመት ኣብ መብልዒ ማል ምርኢት ልደት ዘእግዚእነ ዘብርህ መልእኽቶም

እቲ ቅዱስ ፍርንቸስኮ ዘኣሲዚ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል ዘዘንትው ዘቖሞ ትርኢት ጥልቂ ትርጉሙን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ዘብርህ Admirabile signum - ዘደንቅ ምልክታ ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ዕለት 1 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ግረቾ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ኣብ ፊት እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘቖሞ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ የዘኻኽረና።

12 December 2020, 17:52