ድለ

ናይ ሓቋፍነትን - ካልኣ ናይ ምቕባል ከውሒ ናይ ሓቋፍነትን - ካልኣ ናይ ምቕባል ከውሒ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ኵሉ ተኣፋፊ እዩ

ብዙሕ እዋን ብዙሓት ብፍላይ ከኣ ግዱዓትን ድኻታትን ብቐዳምነት ክኽበሩን ክንክን ክግበረሎም ዝግብኦም ክቡራት ኣያቶም!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ታሕሳስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግዱዓት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ሕብረተሰብን ቤተ ክርስቲያንን ቅድዊ ሓቛፍነትን ግዱዓት ክፍሊ ሕብረተስብ ንጡፋት ኣካላት ምግባርን ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግዱዓት መርሕ ቃል፥ “ግድዓት ዝሓቁፍን ዝዋስእሉን ዘላቕን ድሕረ ኮቪድ -19 ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ” ዝብል ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኵሉን ናይ ነፍሲ ወከፍን ሕይወት ዘኽብር ናይ ሕይወት ባህሊ፥ ብፍላይ ከኣ ርኹባት ይኹን ስኡናት ዓበይቲ ይኹኑ ነኣሽቱ ግዱዓት ደረት ትርኢት ገይሮም ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኩላናት ኣብ ሓንቲ መርከብ ከምዝኾንና እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣረጋጊጹልና እዩ፡ ኣብዛ ኵላትና እንርከበላ መርከብ ብዙሕ ድኻም ዝስምዖም ከምዘለዉን ካብኣቶም ክኣ ግዱዓት ይርከብዎም፥

ናይ ምንባር ክብሪ ዘለዎ መን እዩ

ቅዱስነቶም ነቲ፥ “ጉድዓት ዝሓቁፍን ዝዋስእሉን ዘላቕን ድሕረ ኮቪድ -19 ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ” ዝብል ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግዱዓት መርሕ ቃል እናሓሰቡ፥ ኣብ ወንጌል ዝተገልጸ ኣብ ከውሒን ኣብ ሑጻን እትሕነጽ ቤት ዝብሎ ቃል ተወኪሶም፡ እቲ ዝነበረ ዓቢይ ሓደጋ ሎሚ እውን ኣሎ፥ ስለዚህ ቡሉጽ ንምሕናጽ የድሊ እቲ ክኸውን ዘለዎ እዚ ክነሱ ሎሚ ናይ ዘይተገዳስነት ባህሊ ዝውክል ኮይኑ ይረአይ፡ እዚ ባህሊ እዚ ገሊኣቶም ዕዳ ክኾኑን ገሊኣቶም ከኣ ናይ ምንባር ክብሪ ዘለዎም ቢሉ ዝፈልይ እዩ ከምዝበሉን፥ መን ይንበር መን ኣይንበር ዝውስን ዓለም፡

ብዙሕ እዋን ብዙሓት ብፍላይ ከኣ ግዱዓትን ድኻታትን ብቐዳምነት ክኽበሩን ክንክን ክግበረሎም ዝግብኦም ክቡራት ኣያቶም!

ናይ ክቱር ርእሰ ኣምልኾ ኣመለኻኽታ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ኣብ በርገሳዊ ተቕዋማት ነቶም ኣብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ንዝርከቡ ንምሑቛፍ ዝተወስደ ተባዕ ውሳኔ ኣፍልጦ ሂቦም፥ ይኹን ደኣ እምበር ብዙሕ እዋን ተኣፋፍነት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት እንታይነት ምዃኑ ይርሳዕ፥

ኣብዚ እዋን’ዚ ብምኽንያት ናይ ክቱር ርእሰ ኣምልኾን ጠቓምነትን ኣመለኻኽታ ተነጽሎነት እዩ ዝፈጥር ዘሎ፡ . . . ተኣፋፍነት ናይ ኵሉ እዩ፡ ብዙሓት ግዱዓት ክነሶም ናይ ሕይወት ሰናይነትን ዓቢይ ትርጉሙን ዝረኸቡ ኣለዉ፡ ገሊኣቶም ከኣ ከምዚ ዓይነት ናይ ኣካል ጸገም ዘይብሎም ክነሶም ኣልቦ ዕጋበትን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ክወድቁ ዝረአዩ ብዙሓት ኣያቶም፡

ናይ ሓቋፍነትን - ካልኣ ናይ ምቕባል ከውሒ

ናይ ሕይወት ባህሊ ምንቕቓሕ ማለት ኣብ ሓቛፍነት ጽናዕ ማለት እዩ፡ እዚ መሰረት እዚ ናይ ሓቛፍነት ከውሒ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ተቕዋማትን መርሓ ግብርታተንን ተበግሶታተን ኵሉ ዝጸንዓሉ ክኸውን ኣለዎ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ድኽነትን ዝርከቡ ዘማእክል፡ ሓቛፍነት ንነፍሲ ወከፍን ሰብኣዊ ፍጥረትን ብግሊ ዝምልከት ጉዳይ እውን እዩ፡ ማለት ዕለት ብዕለት ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን ማለት እዩ፥

ኣእንጋዲ ወጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን

እቲ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ንግዱዓት እተቕርቦ ኵለ መዳያዊ ግብረ ሰናይ ብፍሉይ ዝምልከት ኮይኑ፡ እምነት ንምትሕልላፍ ዝድግፍ ዝተመዓራረየ መጋበርያ ምስናድውን ምጥቃምን ግድን እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ለብዒ ኣብ ዝርኣስየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ምእመናን “ግዱዓትን ድኻታትን ዘአንግድ ኣገባብ ሕይወት” ክህልው ዝመርሕን ዝድግፉ ሕንጸት ንካህናት ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራትን ኣገዳሲ እዩ። ምእመን ዘገልግል መታን ክኸውን ኣብዚ መዳይ ዝሓንጾ ኣካል ብቐዳምነት ዝተሓንጸ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ።

ቅዱሳት ምስጢራት ናይ ምቕባል መሰልን ክብረትን

ኣተሓሒዞም እቶም ግዱዓት ንቑሕ ትውሳኤ ክህልዎም ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣደጊፎም፥

ግዱዓት ከም ኵሎም ኣባላት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ምስጢራት ናይ ምቕባልን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ናይ ምስታፍ መሰሎምን ክብሮምን ውሑስ ክኸውን በኣጽንዖት አተሓሳስብ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኵሉ ነቶም ግዱዓት ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፥ እምነቶም ክነብሩን ከብዕሉን መታን!

ስለዚህ ግዱዓት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ንቑሕ ሱታፌ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ፡ እዚ ብርግጽ ከቢድ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኵሉ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ከከም ንሱነቱ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ኣገልግሎት ጽዉዕ እዩ፥ . . .

በርገሳውያንን ኤቅለሲያውያንን ተቕዋማት ዓቕመን ኣዋዲደን ናይ ሓባር ‘ድላይ’ ብሉጽ ኣብ ምግባር ክዓያን እዚ ኸኣ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ እቶም ግዱዓትን ድኻታትን ዘአንግድ ጽኑዕን ብሉጽን ኣብ ሓቛፍነት ከውሒ ዝተሕንጸ ናይ ሓባር ቤት ንምቛም ዝኽእል እዩ፡

እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 December 2020, 21:03