ድለ

ር.ሊ.ጳ ‘ስድራቤት ደስታ ፍቅሪ’ ንዝብል መልእኽቶም ዓመት ኣስተንትኖ ክግበር ወሲኖም።

ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ድሕሪ ክልተ ዓበይቲ ሲኖዶሳት ሓደ ሓፈሻዊ ሓደ ኸኣ ፍሉይ ሲኖዶስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣሞሪስ ለቲስየ ወይውን ደስታ ፍቅሪ ብዝብል ንሥድራቤት ዝምልከት ድሕረ ሲኖዶሳዊ ምዕዳን ጽሒፎም ከምዝነበሩ እዚ 19 መጋቢት 2016 ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ ካብ ዝመጽእ 19 መጋቢት 2021 ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓም ብዛዕባ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣስተንትኖን መጽናዕትን ክግበር ተወሲኑ። ዕለት 22 ሰነ 2022 ዓም ከኣ ዓለም ለኸ ርክብ ስድራቤታት ንዓሥራይ ግዜኡ ዝኽበረሉ ዕለት እዩ። እዚ ዝተመልከተሉ ከኣ ሰንበት 27 ታሕሳስ 2020 በዓለ ቅድስት ስድራቤት ኣብ ዝተዘከረሉ ምዃኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ንበዓለ ልደትን ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕትን ስዒባ እትዝከር ዓባይ በዓል በዓለ ቅድስት ስድራቤት ብምዃኑ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 28 ታሕሳስ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ‘ስድታቤታት መላእ ዓለምና በታ ኣብነታዊት ዝኾነት ቅድስት ስድራቤት ወንጌል ክድነቁ ብረድኤት ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ንሓዲስ ሰብኣውነትን ጭቡጥን ኩለንትናውን ምድግጋፍን መባዂዕቲ ይኹኑ’ እንክብሉ ግደ ስድራቤት ዓቢ ምዃኑ ተገንዚበን ኩለን ስድራቤታት ምናዳ ከኣ ክርስትያን ስድራቤታት ተራአን ብኣብነትን ብተግባርን ክበርክታ ጸዊዖም። ብዛዕባ ስድራቤት እንክንዛረብ ኣብ በዓል ቅድስት ስድራቤት ኰንካ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝቀረበ ስድራቤት ደስታ ፍቅሪ ምዃና ዝገልጽ ንለበዋ ኣበው ሲኖዶስ ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ዝጸሓፍዋ ሰነድ ምንጫ ቅድስት ስድራ ምዃና ብምግላጽ እዚ ከኣ ነታ ብኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ዝቆመት ስድራ ኣብነታ ምስዓብ ምዃኑ ገሊጾሞ ነበሩ። ቀንዲ ተልእኮ ቅድስት ሥድራ ከኣ ኣብ መደብ ድሕነት እግዚአብሔር ወዱ ሙቀት ስድራቤት ከምዘድለዮ የመልክት።

ወልደ እግዚአብሔር ሙቀት ሓንቲ ስድራ ኣድለዮ!

ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ዳግም ብምብራዑ እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክግበር ጀሚሩ ዝነበረ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔርን ኣስተንትኖን ዳግም ናብ መዝገበ መጻሕፍቲ ቫቲካን ተመሊሱ ብመራኸቢ ብዙሓ ክጋዋሕ ኣብ ዝጀመርናሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ በዓለ ልደት ዝዝከረት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምልስ ኢሎም በዓለ ልደት ብቀንዱ በዓለ ስድራቤት ኰይኑ ወልደ እግዚአብሔር ንከድሕነና ሙቀት ስድራቤት ከምዘድለዮ ገሊጾም። ቅዱስነቶም ንሙቀት ስድራቤት እንከብራህርሁ ናብ ደስታ ሓደ ሕጻን ኣብ ሕቁፉ ስድራ የመልክቱ እሞ ቅድስት ስድራ ንኢየሱስ ሕጻን ክወልዱን ክኲስኲሱን እንከለው ነቶም ኣብዚ ዓለም እዚ ሓዲስ ሕይወት ብምዝራእ ዕለት ዕለት ደቆም ብሙቀት ስድራ ቤትን ዘይሃስስ ደስታ ሕጻንነትን ከኲስኲሱ ምርኣይ ዘደንቅ ምዃኑ ገሊጾም።

“ከም ኩሎም ሕጻናት ወልደ እግዚአብሔር ሙቀት ሓንቲ ስድራ ከድልዮ እንከሎ ርኢኻ ምስትንታን ክሳብ ክንደይ ጥዑም ይመስለኩም። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩ ስድራቤት ኢየሱስ እታ ናይ ናዝሬት ስድራቤት ኩለን ስድራቤታት ዓለምና ርግጸኛ ኣብነትን መግለጽን ክረኽቡላ ዝኽእሉ እንኮ ስድራቤት ምዃና ትግለጽ።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ንናዝሬት ፍልይ ኣቢሉ ይጽውዕ እሞ ኣብዛ ናዝሬት እትበሃል ዓዲ ‘ሕጻን ኢየሱስ ይዓብን ይጸንዕን ከምዝነበረ ብጥበብን ምሉእ ጸጋ እግዚአብሔር ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ከምዝነበረ’ ሉቃስ ወንጌላዊ ይገልጽ። እዚ ግን ከም ነዕልለሉ ቀሊል ጉዳይ ከይመስለና ክንዮ መናድቅ ገዛ ስድራቤት ዘሎ ማለት ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዘሎ ግድል ንክገልጹ ቅዱስነቶም ‘ኣብ ውሽጢ መናድቅ ስድራቤት ሻቅሎት እኖና ድንግል ማርያምን ሓልዮት ቅዱስ ዮሴፍን ዝኸበቦ ኢየሱስ ሕጻን ገዛ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኰይና ኢየሱስ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብዚ ምድሪ እዚ ከስተማቅር ክኢሉ። ጽብሓት ምሥጢረ ስጋዌ ወልደ እግዚአብሔርከስ ኣብዚ ገዛ እዩ ክዕምብብ ዝጀመረ በዚ ከኣ ደስታ ሕጻንነት ጽቡቅ ገሩ ቀሲሙ ኢሎም። ስድራቤትከስ ቤተ ጸሎት ቤት ይቅርታን ምሕረትን ቤት ርሕራሔን ፍቃድ እግዚአብሔርን ዝፍጸመላ ቅድስት ስፍራ እያ።

ስድራቤት፡  ቤተ ጸሎት ቤት ይቅርታን ምሕረትን ቤት ርሕራሔን ፍቃድ እግዚአብሔርን ዝፍጸመላ!

ፍቅሪ ስድራቤት ብቀንዱ ካብ ዝሰርሓሎም ነገራት እቲ መሠረታዊ ዝኾነ ኲስኰሳ ኰይኑ እዛ ናይ ናዝሬት ስድራቤት እውን ነቲ ንስድራቤት ክመልእ ዘለዎ ኣብ ርክቦም ክህሉ ዘልዎ ፍቅሪ ከምዝውለድ ገሩ ብገርሀይና ርክብን ይቅሬታን ምሕረትን ብምውሓስን ብርሕራሔን ምሕረትን ፍቃድ እግዚአብሔር ምፍጻም ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብ ስድራቤት ገርሀይና ርክብ ክተስተማቅረሉ እትኽእል እታ ቤት ቤተጸሎት ሓቀኛን ዓሚቊን ንጹሕን ፍቅሪ ዝዓሰላ ኣብ ግዜ ግርጭት ምሕረትን ይቅርታን ኣብ ዕለታዊ ቃልሲ ናብራ ነንሕድሕድካ ብእተርእዮ ሓልዮትን ርሕራሔን ዝተቀለሰላን ፍቃድ እግዚአብሔር አመን ኢልካ እትቅበለላን ቤት ምስ እትኸውን እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ስድራቤት ነቲ ብሓጐስ ንዝህቡ ጥራይ ዝወሓብ ሓጐስ እግዚአብሔር ክትቅበል ክፍቲ ትኸውን ኢሎም። ነዚ እትገብር ስድራቤት ከኣ ወትሩ ርሕውትን ኣዎንታዊ ድርኺታት እትምንጩን ትኸውን።”

ርሕውትን ኣዎንታዊ ድርኺት እተመንጩን ስድራቤት!

 ቅዱስነቶም ናብቲ ካብ እግዚአሔር ዝመጽእ ሓጐስ ምስል ይብሉ እሞ፡ እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝመጽእ ደስታ ካብ ምሃብ ምፍላጥን ሂብካ ምኽኣልን ዝውለድ ኰይኑ ነዚ እትገብር ስድራቤት ንካልኦት ክፍቲ ንክትከውን እውን መንፈሳዊ ሓይሊ ትረክብ በዚ ከኣ ንኣሕዋትን ኣሓትን ተገልግል ዝተሓደሰን ዝሓሸን መጻኢ ንምህናጽ ትተሓባበር ልዕሊ ኩሉ ኣዎንታዊ ጽልዋትን ድርኺትን ፈጢራ ኣብነታዊ ስብከተ ወንጌል ብሕይወታ ትምስክር። እዚ ግን ኩሉ ልሙጽ ብዘይ ሰሓቦ ጉተቶ ብዘይ ክትዕ ዝኸይድ ከይመስል ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ የጠንቅቁ። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ እንተኾነ ኣብ ስድራቤት ዘይምስምማዕ ጸገማት ግጭት ዘሎ እዩ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ መርመራ ሕልና ገርካ ዕርቂ ምግባር እዩ። ከመይ ቀሊል ዝመስለና ዝሑል ናይ ዕለት ዝሑል ኲናት ብእዋኑ እንተዘይቅሂሙ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ።  ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ስለዚ ነተን ደጋጊመ ዝብለን ሠለስተ ቃላት ክደግመን ኣፍቅዱለይ ኣብ ስድራቤት ምናዳ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ፐርመሶ ግራስየ ከምኡ እውን እታ ንክትብላ ከባድ ዝኾነት ጉዳይ እስኩሳ ማለት ፍቃድካ/ኪ እንተኹይኑ ወይውን በጃኻ/ኺ እንዶ እግዚአብሔር ይሃበለይ ወይውን የቀንየለ ኣብ መወዳእታ ከኣ እታ ንክትብላ ከባድ ዝበልዋ ተጋግየ ይቅረ በለለይ/ልለይ ወይውን ኣይትሓዘለይ/ዝለይ እንክብሉ መኺሮም ንዝመጽእ ዓመት ከኣ ዓመት ኣስተንትኖ ብዛዕባ ስድራቤት ደስታ ፍቅሪ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳኖም ኣስተንትኖ ከምዝህሉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ብዛዕባ ደስታ ፍቅሪ እትብል ሓደ ዓመት ኣስተንትኖ ክግበር እዩ እዚ ከኣ ንትሕዝቶ እቲ ሰነድ ብዕምቈት ንምርኣይ ዕድል ዝህብ እዩ። እዚ ኣስተንትኖታት እዚ ንኩለን ማሕበራት ኣብያተ ክርስትያንን ስድራቤታትን ኣብዚ ጒዕዞ ንክሕግዝ ክዝርጋሕ እዩ። ካብ ሕጂ ጀሚረ ኣብቲ ዓመት ንዝወሃብ መምርሒታት ተቀቢልኩም ኣብ ግብሪ ንክተውዕሉ እዕድም። ነዚ ዘማእክል ከኣ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን ቅድስት መንበር እዩ። ንኩለን ስድራቤታት ናብታ ቅድስት ስድራቤት ናዝሬት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ናብቲ ሕያዋይ ሓዳርን ኣቦን ዝኾነ ቅዱስ ዮሴፍ ንስድራቤታት መላእ ዓለም ኣብ ጒዕዞአን ክድግፈን አማዕቊብ ኢሎም።”

ኣብ ፍጻሜ ትምህርቶም ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብቲ ዘዕርግዎ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ዝምሕጸንዋ ድንግል ማርያም ስድራቤታት መላእ ዓለምና ካብቲ ኣብነታዊ ዝኾነ ብመምርሒ ወንጌል ዝተጓዕዘ ስድራቤት ናዝሬት ንክመሃሩ በቲ ዘዕርግዎ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ብምምሕጻን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

28 December 2020, 12:46