ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጆሴፍ ባይደን ብስልኪ ከምእተራኸቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጆሴፍ ባይደን ብስልኪ ከምእተራኸቡ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጆሴፍ ባይደን ብስልኪ ከምእተራኸቡ

ኣብዚ እዋናዊ ታሪኽ ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ካቶሊካውያን ፍሉይ ሓላፍነትና ናይ ሰላም መጋበርያ ምዃንን ሕውነታውን ሕድ ሕድዊ ምትእምማንን ምንቕቓሕ ዝብልን ንዝተሓደሰ ንእውነተይና ሃገራውነት መንፈስ ምጽላይን እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተካየደ ሕዝባዊ ናይ ርእሰ ብሔር መረጻ ተዓዋቲ ንዝኾኑ ንጆሰፍ ባይደን ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብስልኪ ምስ ባይደን ከምእተራኸቡ ዕለት 12 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጆሰፍ ባይደንን ናይ ስልኪ ርክብ ምክያዱን እዚ ናይ ቅዱስነቶም ብስልኪ ምስ ባይደን ዘካየድዎ ርክብ፡ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሎስ ኣንጀሎስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሴ ሆራሲዮ ጎመዝ ብስም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ሰዓሪ ንዝኾኑ ባይደን - ከም ካቶሊካውያንን ከም ዜጋታትን ቀዳምነት እንህበሉን ተልእኾናን ንጹር እዩ፡ ኣብዚ ምርኻብና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽንስዕብን ፍቕሩ ኣብ ሕይትና ንኽንምስክርን ኣብዛ ምድሪ መንግስቱ ንኽንሓንጽን እዩ! ኣብዚ እዋናዊ ታሪኽ ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ካቶሊካውያን ፍሉይ ሓላፍነትና ናይ ሰላም መጋበርያ ምዃንን ሕውነታውን ሕድ ሕድዊ ምትእምማንን ምንቕቓሕ ዝብልን ንዝተሓደሰ ንእውነተይና ሃገራውነት መንፈስ ምጽላይን እዩ። . . . እንክብሉ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ይዝከር።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስልኪ ርክብ ምስ ባይደን፥ ኣብቲ ብጹዕ ብቡነ ጎመዝ፥ ነታ ናይዛ ዓባይ ሃገር ጠበቓን ሓላዊትን ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምእንታና ከተማልድ ንምሕጸን፡ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡካንን መስረትን፥ ሓንቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ስበኣዊ ሕይወት ቅዱስነት ዝሰፍሓላን ናይ ሕልንና ናይ ሃይማኖትን ናጽነት ዝኽበረላን ዝብል ራእይ ክንክውን ብሕብረት ንኽንዓዪ ትሓግዘና ብዝብል ጸሎት ኣብ ዝዛዘም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝሓብር ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

13 November 2020, 18:03