ድለ

መዓስከር ስደተይናታት ኣብ ካንድሃር (ኣፍጋኒስታን) መዓስከር ስደተይናታት ኣብ ካንድሃር (ኣፍጋኒስታን) 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኢየሱሳውያን ኣገልግሎት ንስደተይናታት ማእከል

ሓሳበይ ቅድም ቀዳድም ናብቶም ናብቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ጸግዕን ሓገዝን ቅርበትን ዘናድዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ንስትዮን ሕጻናትን የብል፥ ር.ሊ.ጳ. ነዞም ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ቀረባ ምዃነይ ክስምዓኩምን ኣብ ጸሎተይ ህልዋን ኢኻትኩም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ቅዋመ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣገልግሎት ንስደተይታት ማእከል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቶም ኣብ ብሕትውናን ካብ ኣባይቲ ስድራኦምን ተፈልዮን ንዝርከቡ ናይ ሕውነት ኣእዳው ምዝርጋሕ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመርሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ዝተነሰረተን ዝመሓደርን ኣገልግሎት ንስደተይናታት ተቕዋም ኣብ ኣብነት ክርስቶስን ኣብ ኣስተንፍሶ ናይቲ ማእከል መስራቲ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ዝነበሩ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ዝጸንዔ እዩ፡ ከምቲ ኣይሁዳዊ ምስላ ዝብሎ፡ ኣብቲ ዝቐነነ ኪደት ታሪኽ ዓለም ብዘይ ምቁራጽ ንኹሎም ነቶም ሓልዮትን ቅርበትን ዘድልዮም ዝሓልን ቀረባን ንምዃን ዝስጉም ኣሎ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፥

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብምኽንያ ዝኽሪ መበል 40 ዓመተ እቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝመሓደር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ማእከል፡ ኣብዚ ዝኽሪ ታሪኻዊ ቅዋሜኡ ብጸሎት ከምዘሰንይዎን ከምዘተባብዑን ናብቲ ናይቲ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ቶማስ ኤች. ስሞኪች ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣረጋጊጾም፥

ሓሳበይ ቅድም ቀዳድም ናብቶም ናብቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ጸግዕን ሓገዝን ቅርበትን ዘናድዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ንስትዮን ሕጻናትን የብል፥ ር.ሊ.ጳ. ነዞም ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ቀረባ ምዃነይ ክስምዓኩምን ኣብ ጸሎተይ ህልዋን ኢኻትኩም፡ እዚ ድላይ’ዚ ንናይ ኵሉ ብፍላይ ነቶም ኣብ ጥልቂ ቀቢጸ ተስፋ ዝርከቡ ነቲ ካብ ዝቐውም መበል 40 ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ማሕበር ረድኤት ንቕዋመኡ ደራኽያን ንዝኾኑ ዘካይዱ ናይ ሓባር ሰናይ ምክንኻን ብመሰረቱ ክርስቲያናውን ኢግናዚያውን እዩ፡

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ካብ ሰማንያታት ክሳብ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን

ታሪኽ ብጋሴ እቲ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማእከል፥ ኣብ ሰማንያታት ምስ ታሪኽ “ቨትናማውያን ሕዝቢ ጀላቡ” ዝተተሓሓዘን እዚ ኸኣ ክሳብ እዋንና ክሳብ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎን ዝቕጽል ዘሎ ጉዕዞ እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶ ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፡ እቲ ለብዒ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ኤኮኖምን ማሕበራውን ብድሆታት ንምግጣም ኣብ ሓንቲ ጀልባ ብሓባር ከምዝርከብ ኣነጺሩ እዩ ከምዝበሉ ካምፓኒለ ኣፍሊጠን።

ኣእዳው ናብቶም ኣብ በይናውነት ንዝርከቡ ምዝርጋሕ

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዝቖመን ዝመሓደርን ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ማሕበር ኣብ 56 ሃገራት ጨናፍር ዘለዎ ኰይኑ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ግንባራት ግጭትን ውጥረትን ኣብ ዝረአየሉ ዞባን ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስን ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናንን ኣብቲ ብዝሒ ሕዝቡ ጽዑቕ ዝኾነሉን ማእከል ከተማታትን ዘገልግል እዩ፡ ማሕበራውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስን ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መዓስክራትን ኣብቲ ህጹጽ ናይ ተመዛበልቲ ስፍራን ዘገድስ ዝተፈላለዩ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክንክን ዘቕርብ ምዃኑ ዝዘከሩ ቅዱስነቶም፥

ዕዮታትና ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ምዃንን ምድጋፍን ዝብል ናይ ማሕበር ኢየሱሳውን ህርኩት ጻዕሪ ዝገልጽ እዩ፡

ከምዝበሉ ካምፓኒለ ኣመላኺተን።

ኣብ ዝኣተኻዮ ዝተአንገድካሉ ሕብረተ - ሰብ ኣብ ዝኽተሎ መደብ ሕንጸትን ንምውህሃድ ዝድግፍ  ሞያዊ ብቕዓት ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ “እተቕርብዎ ኣገልግሎት ሕይወታዊ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ምእንቲ ዕርክነት ነቶም ኣብ በይናውነት ዝርከቡን ካብ ኣባይቲ ስድራኦም ዝተፈልዩን ወይ ውን ብኣባይቲ ስድራ ዝተጠንጠኑን ብምስናይን ድምጾም ብምቕላሕን ብናይ ሕንጸትን ምዕባለን መደብ ናይቲ ማሕበር ኣቢሎም ክዓብዩ ዘኽእል ዕድል ዝፍጥር” ምዃኑ እንከዘኻኽሩ፥

ሕንጸት በቲ ማበሕበር ኣብ ኣገልግሎት ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ናይ ጐይታ ፍቕሪ ብምምስካር እትነብርዎ ሓልዮት ንእውነተይና ምትሕብባርን ዘላቕን ንናይ ሓባር ጉዕዞ መሰረት ናይ ምርኻብ ባህሊ እዩ”

ከምዝበሉ ካምፓኒለ ገሊጸን።

ንመጻኢ ብምጥማት

ክንየው ህልው እዋን ቅዱስነቶም ብጽኑዕ ተስፋ ናብ ጽባሕ ብምምዕዳው ንዅሉ ነቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝመሓደርን ዝተመስረተን ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተቕዋም ዝካይድ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣማልዶ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም፥

ንመጻኢ ኣብ ምምዕዳው ነቶም ዕለት ብዕለት እተሰንይዎምን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ብምክልኻልን ናይ ቀረባውነትን ምርኻብን ባህልን ንምንቕቓሕ ንዝጠልብ ህጹጽ ጻውዒት ብለጋስነትን መልሲ ንኽትህቡ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራውን ተቛማውን ተስፋ ብዘቑርጽ ብድሆታትን ከምዘይትስግሉን ተስፋ ከምዘይትቖርጹን እምነት ኣሎኒ፡

ከምዝበሉ ካምፓኒለ ኣፍሊጠን።

13 November 2020, 17:52