ድለ

ጸሎት ንቅልውላው ልብና የሀድእ! ልብና ንእግዚአብሔር ይኸፍተልና! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፦ ‘ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኵሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ። እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ። . . . ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።’ (ሉቃ 2,39-40.51)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ጸሎት ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጒዕዞ ሎሚ ብዛዕባ እታ ጸልዪት ሰበይቲ ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ክንምልከት ኢና። እኖና ድንግል ማርያም ትጽሊ ነበረት። ገና ዓለም ብዛዕባኣ ምንም ኣፍልጦ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ ካብ ቤት ዳዊት ንዝኾነ ዮሴፍ ተሓጽያ እንከላ ገርሀይና ናብራ እናነበረት ትጽሊ ነበረት። ብዓይነ ሕልናና ነዛ ጎርዞ ናዝሬት ኣብ ጸሎት ተጸሚዳ ብሱቊታ እናኣስተንትነት ነቲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተልእኮ ዝህባ እግዚአብሔር እንክተዘራርቦ ክንስእላ ንኽእል። ንሳ ገና ካብ መጀመርያ ጸጋ ዝመልኣን ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ዝተጸንሰትን ነበረት እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ከጓንፋ ዘለዎ ኣደናቂ ተልእኮን ክትሰግሮ ዘለዋ ማዕበላዊ ባሕርን ምንም ኣፍልጦ ኣይነበራን። ብዛዕባ ሓንቲ ጒዳይ ጥራይ ርግጽቲ ነበረት እዚኣ ከኣ ንሳ ካብተን ታሪኽ ዝረስዔን ትሑታት ፍጥረታት ሓንቲ ምዃና እንተኾነ እግዚአብሔር ብከምዚኦም ዚኣመሰሉ ገርሀይናታትን ትሑታትን ንምጽኣት ወዱ የሰናዱ።

እኖና ድንግል ማርያም ሕይወታ ባዕላ ኣይኮነትን እትመርሕ ዝነበረት ወትሩ እግዚአብሔር ንልጓም ሕይወታ ሒዙ ናብ ዝደለዮ ክመርሓ ትጽበ ነበረት። ምእዝዝቲ ነበረት። በዚ ተኣዝዞኣን ንኩሉ ስንድውቲ ምዃናን ከኣ ነቲ ንመላእ ዓለም ዝኸውን ዓበይቲ መደባት እግዚአብሔር ክትዋሳእ ከኣለት። ትምህርተ ክርስቶስ ቊ.2617-2618 እኖና ድንግል ማርያም ኣብ መደብ ድሕነት እግዚአብሔር ብጥንቃቄ ጸኒዓ ትዋሳእ ከምዝነበረት ይገልጽ።

ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ኣብ ናዝሬት ከበሥራ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ኣብ ጸሎት ነበረት። እታ እነሆኹ ባርያ እግዚአብሔር ትብል ደቃቅን ዓቢ ትሕዝቶ ዘለዋን መልሳ ንመላእ ፍጥረት ብሓጐስ ከምዘንጸባርቅ ዝገበረት ተኣዝዞ ቅድሚ እቲ ፍጻሜ ብዘርኣየቶ ተወፋይነትን እሽታን ንፍቃድ እግዚአብሔር ፍቃዳ ኣብ ምግባር ዝተመሥረተ ነበረ። ከም እኖና ድንግል ማርያም ልብኻ ንእግዚአብሔር ክፊትካ ካብ ምኽኣል ዝዓቢ ኣብነት ስለዘየለ ክንክተሎ ዘሎና እዩ። ልባ ንጐይታ ከፊታ ‘ጐይታየ እቲ ንስኻ እትደልዮ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ይኹን’ ብዝብል መንፈስ እያ ንፍቃድ እግዚአብሔር ዝተቀበለት። ነዚ ከምዚ ዝበለ ተወፋይነት ከኣ እግዚአብሔር ወትሩ ምስ መለሸ እዩ። ክንደይ አመንቲ ኮን ይኾኑ ጸሎቶም ብከምዚ ኣገባብ እዚ ዘዘውትሩ! እቶም ትሑታት ልቢ ዝኾነ ብከምዚ ኣገባብ እዚ ይጽልዩ። ብትሕትና ከኣ ከም እኖና ድንግል ማርያም ‘ጐይታየ እቲ ንስኻ እትደልዮ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ይኹን’ ይብሉ። በዚ መንፈስ እዚ ዝጽልዩ ሰባት ነገራት እንተኣጸገሙ ሽግራት እንተወሓዙ ኣይቊጥዑ ተስፋ ኣይቆርጹ እኳ ደኣ ነቲ ጸገማት ትሕትና ብዝመልኦ ፍቅሪ ኣብ ነፍሲወከፍ ፍጻሜ መጠን እቲ ንጸገማት ብትሑት ፍቅሪ እንቅበሎ መጠኑ ከኣ መጋበሪ ጸጋ እግዚአብሔር ከምዝኾኑ ብምሉእ እምነት ይጽልዩ። ‘ጐይታየ እቲ ንስኻ እትደልዮ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ይኹን’ ገርሀይና ጸሎት እያ እንተኾነ ንሕይወትና ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ብምውፋይ ንሱ ክመርሓና ክነፍቅድ ኣሎና። ኩልና ብዘይ ምንም ተወሳኺ ቃላት በዚ መንገዲ እዚ ክንጽሊ ንኽእል ‘ጐይታየ እቲ ንስኻ እትደልዮ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ይኹን’።

ሓይሊ ጸሎትከስ ንማዕበላት ሕይወት ከህድእ ይኽእል። እንተኾነ ካብቲ ማዕበል ንላዕሊ እንናወጽን እንህወኽን ንሕና ስለዝኾና ነቲ ነገራት ከይለመና ክወሃበና ብዝቀልጠፈ ክንረኽቦ ንህንጠ። ሕይወት ግን ከምዚ ኣይኮነን። እዚ ህንጡይነት እዚ እዚ ታህዋኽ እዚ ይህውጸና የሕምመና እንተ ጸሎት ነዚ ህንጡይነት እዚ ከመይ ገቢሩ ከምዘህድኦ ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ። ንፍቃድ ኣምላኽ ክንቅበል ይልውጠና። ልበይ ተሃዊጹ ዕረፍቲ ምስ ሰኣንኩ እጽሊ እቲ ጸሎት ንልበይ ይኸፍት እሞ ንፍቃድ እግዚአብሔር ክቅበል ስንድው ይገብረኒ። እኖና ድንግል ማርያም ኣብተን ወሰንቲ ዝኾና ቊሩባት ደቃይቅ ብሥራት ቅድሚ ዝኣገረ ዝስምዓ ንዝነበረ ፍርሃት ኣርሒቃ ነቲ ብብዙሕ ሓያል ፈተነ ክትሓልፎ ዘለዋ ተልእኮ እውን ሕራይ እሺ ምባላ ተስተንትን ነበረት። ኣብ ጸሎትና እንተደኣ ነፍሲወከፍ ዕለት ካብ እግዚአብሔር እትልገሰልና ጸዋዕታ ምዃና ተረዲኡና ልብና ሃህ ኣቢልና ንኸፍት እሞ ልቢ ኣዕቢና ንኩሉ ንቅበሎ። ቀስ ብቀስ ከኣ ነታ ‘ጐይታየ እቲ ንስኻ እትደልዮ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ይኹን’ ትብል ንማሃራ እሞ ‘ኣብ ዝኾነት ጒዕዞ ሕይወተይ ከም እተሰንየኒ ጥራይ ኣረጋግጸለይ’ ንብል። እዚ ኣድላዪ እዩ። ንጐይታ ኣብ ነፍሲወከፍ ስጒምቲ ጒዕዞ ሕይወትና ምሳና ክህሉ ንለምኖ በይንና ኣይትሕደገና ንበሎ ናብ ፈተና ኣይተእትወና ንበሎ ኣብ ሕሱም ግዜ በይንና ኣይትሕደገና ንበሎ። እብ ፍጻሜ ኣቡነ ዘበሰማያት እንብሎ እዚ እዩ። ጸጋ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ ነዚ ክንልምን ዘምሃረና።

እኖና ድንግል ማርያም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ ሞትን ትንሳኤን ብጸሎት ኣሰንያቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነታ ሽዑ እትውለድ ዝነበረት ቤተክርስትያን ኣሰንያ ገና ተሰንየና እውን ኣላ። ኣብ ግሐ 1,14 እኖና ድንግል ማርያም ምስቶም ብዕንቅፋት መስቀል ተሸቊሪሮም ዘለዎ ሓዋርያት ሓቢራ ትጽሊ ነበረት ይብለና። ምስቲ ብፍርሒ ዝኸሓደ እሞ ተመሊሱ ብጣዕሳ በኽዩ ዝተንሰሐ ጴጥሮስ ሓቢራ ትጽሊ። እኖና ድንግል ማርያምከስ ኣብኡ ምስ ሓዋርያት ኣብ ማእከል እቶም ወዳ ማሕበሩ ከቁሙ ዝጸውዖም ደቂ ተባትዕዮን ደቂ ኣንስትዮን ኰይና ትጽሊ ነበረት። እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ማእከሎ ኰይና ካህን ኣይኮነትን  ኣደ እቲ ካህን ካህናት ዝኾነ ኢየሱስ እያ ኣብ ማሕበር ወዳ ከም ኣባል ማሕበር ወዳ ኰይና ኣብ ማእከሎም ኰይና ትጽሊ። ምሳኦም ትጽሊ ስለኦም እውን ትጽሊ። ከም ብሓዲሽ ከኣ ከምቲ ኣብ ብሥራት ዝነበረ ሕጂ እውን ጸሎት ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ሓርጐጽጐጽ ይቅድም። ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣደ እግዚአብሔር ኰይና ኣብዚ ፍጻሜ እዚ እውን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣደ ቤተክርስትያን ኮነት። ምስታ ትውለድ ዝነበረ ቤተክርስትያን ብሓባር ብምጽላይ ኣዲኣ ትኸውን ንሓዋርያት ከኣ ኣብተን ፈለምቲ ስጒምታት ተሰንዮም። ኣብ ጸሎት ኰይና መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝመጽእ ትጽበ ደሓር ቀዳሞት ስጒምታት ትጅምር። እዚ ኩሉ ግን ወትሩ ብሱቊታ ንኩሉ ኣብ ልባ ብምሓዝ ትገብሮ ነበረት። ጽሎት እኖና ድንግል ማርያም ብሱቊታ ዝግበር ነበረ። እንኮ ወንጌል ዘዘንትዋ እታ ኣብ ቃና ዘገሊላ ነቶም ሕፍረት ክውሕጦም ቀሪቡ ዝነበረ ሰብ መርዓ ክትረድእ ንወዳ ትልምን ስርሑ ክሰርሕ እሞ ነቲ ጸገም ክፈትሕ ትሓድጎ። ህልውናኣ ኸስ ማንም ከይፈለጦ ወይ ከይዘከሮ ናይ ጸሎት ህላወ እዩ። ኣብ ጽርሓ ጽዮን ምስ ሓዋርያት እናጸለየት ንቤተክርስትያን ትወልድ። ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቊ.2017 ‘ብእምነት እዛ ትሕቲ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ገቢሩ እቲ ካብ መጀመርታ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ውህበት እግዚአብሔር ማለት መንፈስ ቅዱስ ተቀባልነት ይረክብ’ እንክብል ኣደነት ቤተክርስትያና ይገልጾ።

ኣብ ሕይወት እኖና ድንግል ማርያምከስ እቲ ብዙሕ ዝነኣድ ተፈጥሮኣዊ ኣንስታዊ ርድኢት በቲ ብጸሎት ምስ እግዚአብሔር ዝነበራ ፍሉይ ርክብ ክብ ይብል። በዚ ከኣ ወንጌል እንክነንብብ ቅልቅል ትብል እሞ ህልም ትብል ደሓር ከኣ ኣብ ቀውጢ ዝኽዕነ ግዜ ንነገራት ሕይወት ክትህብ ትቅልቀል። ከመይ ንሳ ነቲ ልቢ ዝመርሕ ድምጺ እግዚአብሔር ወትሩ ክፍቲ እያ። እዚ ድምጺ እዚ ከኣ ንስጉምታታ ኣብቲ ንሳ እተድልየሉ ይመርሕ። እዚ ህላዌ እዚ ከኣ ሱቊታ ዝዓሰሎ ህላዊ ኣደን ሓዋርያን እዩ። እኖና ድንግል ማርያም ወትሩ ኣላ ከመይ ኣደ እያ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ኩነታት በዂሪ ወዳ ልዕሊ ማንም ዘጽንዔት ቀዳመይቲ ሓዋርያ ወዳ ብምዃና እውን ወትሩ ኣላ። ኣደ ኢየሱስ ብምዃና ‘ንዑ ናባይ ጸገማትኩም ኣነ ክፈትሖ ደሓን እዝስ ናባይ ግደፍዎ’ ኣይትብልን እንታይ ደኣ ‘ነቲ ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግብሩ’ እንክትብል ናብ ኢየሱስ ተመልከት። ሓቀኛ ሓዋርያኸስ ነዚ እዩ ዝገብር። ከም ኣደ ትጽሊ ከም ሓዋርያ እውን ትጽሊ።

ሉቃስ ወንጌላዊ 2,19 ነቲ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ሕጻንነት ኢየሱስ ትገብሮ ዝነበረት ‘ማርያም ከኣ ነዚ ኩሉ ኣብ ልባ እናኣስተንተነት ትሕዞ ነበረት’ እናበለ ይገልጾ። እዚ ማለት ካብ ዝደቀቀ ክሳብ ዝፈረየ ኣብ ከባቢ ሕይወት ወዳ ዝፍጸም ዝነበረ ኩሉ ኣብ ዕምቈት ልባ ይውህለል ነበረ ማለት እዩ። ሽሕ’ኳ ንተልእኮ ድሕነት በየናይ መንገዲ ክትፍጽሞ ምዃና ምርድኡ ይጽግማ እንተበረ ንኩሉ ማለት ነቲ ብሩህ ዕለታት ሓጐስ ከምኡ እውን ጸልማት ዝመልኦ ጽጉም ዕለታት ኣብ ልባ ትሕዞ ነበረት።  እዚ ከኣ ኩሉ ብጸሎት ክሓልፍን ብኣኡ ክልወጥን ስለነበሮ እዩ። ካብ ሰብኣ ሰገል ዝተቀበልቶ ውህበትስ ይኹን ንምድሪ ግብጺ እትገብሮ ህድማ ክሳብ እታ ጽግምቲ ዕለት ዓርቢ ስቅለት ንኩሉ ነገራት ኣብ ልባ ትሕዞ እሞ ብጸሎት ምስ እግዚአብሔር ትዋሳኣሉ ነበረት። ሓደ ሰብ ነዚ ኩልና ነገራት ዝሓዘ ባሕሪ ልቢ ማርያም ከም ክቡር ዕንቊ ይምስሎ እሞ እዚ ከኣ ብጸሎት ብዝስትንተኑ ምሥጢራት ኢየሱስ አቢሉ ንፍቃድ እግዚአብሔር ብምቅባል ዝቆመ ክቡር ዕንቊ ይብሎ። ንእኖና ድንግል ማርያም ክንመስል እንትንጽዕር ክንደይ ምጠዓመ ነሩ። ብሱቊታን ብተኣዝዞን ዝተዓለሰ ንቃል እግዚአብሔር ምቅባል ዝፈልጥን ከም ዘርኢ ሠናይ ቤትክርስትያን  ክዓቢ ዘፍቅድ ክፉት ልቢ ምውናን ክንደይ ኮን ምጠዓመ! እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 November 2020, 14:53