ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቪየና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቪየና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቪየና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣብ ሕብረተሰብ ዓመጽን ጽልእን ከብቅዕን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክነቓቓሕ ልመናይ ናብ ጐይታ አቕርብ

ኣብ ኣውስትሪያ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ ዝተቐትሉ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብ ሕብረተሰብ ሰላማዊ ናይ ሓብር ናብራ ክነቓቓሕ” ዝላበው ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉን፥ “ብሓባር ሰላምን ሕውነትን ክሕነጽ ዘተባብዕ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ከምዘፈነዉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዝተቐትሉ፡ ንስድራ ቤት ምዉታትን ንመላእ ሕዝቢ ኦስትሪያን ዝተሰመዖን ሓዘን ዝገልጽን ናይቲ ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንዝቖሰሉ ቅርበቶምን ምእንቲ ቅልጡፍ ፈውስን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ነቶም ዝተቐትሉ ንምሕርት እግዚኣብሔር አወክፍ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዓመጽን ጽልእን ከብቅዕን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክነቓቓሕ ልመናይ ናብ ጐይታ አቕርብ” ከምዝበሉ የመላኽት።

ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ጽልእ ዘምክን

ቅዱስነቶም በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “እቲ ኣብ ቪየና ዘተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ዝተሰመዓኒ ሓዘንን ስቓይን እገልጽ፡ ምእንቲ እቶም ዝተቐትሉን ኣባይቲ ስድራኦምን እጽልይ፡ ዓመጽ ይኣክል! ብሓባር ሰላምን ሕውነታውን ንሕነጽ፡ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ጽልእ ዘወግድ” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነው ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በቲ ዕለት 2 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ቪየና ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ሓሙሽተ ዜጋታት ከምእተቐትሉን እቲ ግብረ ሽበራ ዝፈጸመ እውን ከምእተቐትለን ናይ ማህሰይቲ ሃደጋ ዝጓነፎም ዜጋታት 22 ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብኣቶም እቶም ሽዱሽተ ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞምን ናይ ኦስትሪያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒስተር ካርል ነሃመር ሓቢሮም፡ ምስቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ርክብ ዘለዎም ገበነይናታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓልን ንፍርዲ ንምቕራብን ጽኑዕ መርመራ ይካየድ ከምዘሎን፡ 14 ሰባት ንመርመራ ኣብ ግዚያዊ ቤት ማእሰርቲ ሓይሊ ጸጥታ ክጸንሑ ከምእተወሰነ ይሕብሩ።

03 November 2020, 23:05