ድለ

ዓለምና ንሓባራዊ ሰብኣዊ ሠናይ ነገር እንተተዓጢቑ ምህዞ ሮቦት ክሕግዞ ይኽእል! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ኣብ ምጅማር ወርሒ ናብ ኩሎም ምእመናን ዝዝርጋሕ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ኣብዛ ወርሒ እዚኣውን ከምቲ ልሙድ በቲ ዓለምለኸ መርበብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ እንክዝርጋሕ ንወርሒ ሓዳር ቅዱስነቶም ዝጽልዩሉን ኩልና ምሳኦም ሓቢርና ንክንጽሊ ዝዕድሙናን ጉዳይ ምህዞ ደቂ ሰባት ምናዳ ከኣ ሰብስርሖ ኣፍልጦ ኣርትፊሻል ኢንተሊጀንስ ንክብሪ ደቂሰባትን ፍጡር ዘበለ ኩሉ ዝሕሉ ክኸውን ተላቢዮም።

ዜና ቫቲካን

ዓለምና ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ደቂሰባት ካብ ዕለታዊ መነባብሮ ጀሚርካ ክሳብ ነባራዊ ነገራት ሕይወት ንምቅላል ዝተፈላለየ ምህዞታት ምስ ገበረ እዩ። ወዲሰብ ክቡር ፍጥረት ኣብ ርእሲ ምዃኑ እግዚአብሔር ኣእምሮን ነጻነትን ስለዝዓደሎ እዚ ምህዞታት እዚ ሓንሳእ ሓንሳእ ንዕንወቱ እውን ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ኣጽዋር ውግእን ካልእ ተጻይ ደቂሰባት ዝተመሃዙ ነገራትን እንተርኢና ዝተዘንገዔ ነገር ከምዘሎ ንግንዘብ። እዚ ከኣ እቲ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ወዲሰብ ማእከል ናይ ኩሉ ምዃኑ ምዝንጋዕ እዩ። ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዘዘኻኽርዎ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ ዘቅርብዎ ጸሎት ‘ንወዲሰብ ማእከል ዘይገበረ ዝኾነ ቅልጡፍ ምዕባሌ ካብ ሓደጋ ነጻ ኣይኮነን’ እንክብሉ እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ምሉእ ብዙሕ ዝዝረበሉ ብኣርትፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝፍለጥ ሰብሰርሖ ኣፍልጦ እውን እብ ምዕባሌ ዘመናዊ ማሕበረሰብና ብተክኖሎጂ ዓቢ ኣበርክቶ እኳ እንተለዎ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ወዲሰብ ምናዳ ኸኣ ንክብሪ ወዲሰብን ፍጥረትን ዝሕሉ ክኸውን ንጸሊ ኢሎም።

ዝኾነ ምዕብልና ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ከገልግል ኣለዎ!

እቲ ናብ መላእ ዓለም ዝተዘርገሐ ቪድዮ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ሕዳር 2020 ዓም ከም ወትሩ ብቋንቋ እስፓኒሽ ኰይኑ ‘እቲ ብኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝፍለጥ ሰብሰርሖ ኣፍልጦ ኣብዚ እንነብረሉ ዘመን መሠረታዊ ለውጢ ዘምጽኤ እዩ። እቲ ብሮቦታት ዝግበር ምህዞ ኣብ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ናይ ዓለምና ዘተኰረ እንተዀይኑ ዝበለጸ ዓለም ክምህዝ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌ እዚ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ንዘሎ ዘይማዕርነት ዘግፍሕ እንተዀይኑ ምዕባሌ ኣይኮነን’ እንክብሉ ንክብሪ ወዲሰብን ንፍጥረትን ንሠናይ ነገር ናይ ኩልናን ዘይሕሉ ምዕብልና ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ከምዝበዝሕ ይገልጹ እሞ መላእ ዓለም ኣብ ሓሳብ ጸሎቶም ኪሓብር ‘ኣብ መጻኢ ክመሃዙ ዘለዎም ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌታት ክብሪ ወዲሰብን ፍጥረትን ክሕልው እሞ ዝመሃዝ ሮቦታትስ ይኹኑ ብኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝፍለጥ ሰብሰርሖ ኣፍልጦ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ደቀሰባት ክኸውን ንጸሊ` ኢሎም።

ጉዕዞ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ!

ንሓሳብ ር.ሊ.ጳ ናብ ኩሉ ንከባጽሕ ዝቆመ መርበብ ዓለምለኸ ጸሎት ር.ሊ.ጳ እዚ ብኣርትፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝፍለጥ ሰብሰርሖ ኣፍልጦ ሓዲስ ከምዘይኮነ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝስርሓሉ ዝነበረ ምዃኑን ብምግላጽ ሎሚ ከም ሎሚ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ፍልጠትን ተክኖሎጅን ይጥቀሙሉ ከምዘለው ኣብሪሁ። ኣብ ዘሎናዮ ግዜ ዕለት ዕለት ኣጠቃቅማ ናይዚ መጋበሪ እዚ ብ37 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኢ ኣብዘን መወዳእታ ኣርባዕተ ዓመታት ከአ ልዕሊ 270 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ መጋበሪ እዚ ብዙሕ ሕቶታትን ጸገማትን ክምልስን ክፈትሕን ይኽእል።  ንኣብነት ንክእለት ተማሃሮ ንምምዛን ዝተፈላለየ ስንክልና ንዘለዎም ከም መተካእታን መመላእታን ምእካብ ሓበሬታትን ምዝርጋሖምን ንሕክምና ብዝርኢ እውን ንምርመራን ፍወሳን ኣብ ምሕጋዝ ኣበርክቶ ኣለዎ። ከምኡ እውን ባህርያውያን ሓደጋታት ኣቀዲምካ ኣብ ምፍላጥን ዘድሊ ምስንዳውን ምክልኻልን ንምግባርን የበርክት። እንተኾነ ከም ኩሉ ምህዞታት እዚ ምህዞ እዚ እውን ናይ ኩሎም ዘመደ ኣዳም ዕድልን ድሕነትን ከረጋግጽ ኣለዎ። በዚ ከኣ ንዝኾነ ምዕባሌ ሓላፍነቱ ወሲድካ ንጥቅሚ ዘመደ ኣዳም ክተውዕሎ ግድነት ኣሎ እንክብል ኣብሪሁ።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 November 2020, 10:58