ድለ

ሓይሊ ጸሎት ኩነኔ ኰይኑ ንዝመጸና ነገር ናብ ሠናይና ይልውጦ! ር.ሊ.ጳ

ለበዳ ኮቪድ 19 ሎሚ እውን ክንዕጾ ገዲዱና ኣሎ እሞ ስለ ሕሙማትን ሓካይምን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ ዘፋኖኻዮ ጋሻ እንክምለስ ጸገም ስለዝኾነ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ንዓለም ዘንቀጥቀጠ ለበዳ ኮቪድ 19 ሕጂ እውን ዳግም ስለዝተመልሰ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ በብቁሩብ ኣብ ንቡር ክምለስ ጀሚሩ ዝነበረ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ እውን ካብ መዝገበ መጻሕፍት ብመራኸቢ ብዙሓን እንከመሓላልፉ ጥንቃቄ ክግበር ስለሕሙማንን ኣለይቲ ሕሙማንን ክንጽሊ ተላቢዮም ብዛዕባ ጸሎት ኢየሱስ ንዝጀመርዎ ትምህርቲ ንምቅጻል ብትእምርተ መስቀል ነቲ መደድብ ምስ ከፈቱ ‘ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሐደሮም ኵሎም ናብኡ ኣምጽኡ። ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት። ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ። ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለዉን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ። ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኵሎም እምበር ይደልዩኻ ኣለዉ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ በሎም።’ (ማር 1.32-38) ዝብል ብዓረብን ቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሕማቅ ዕድል ኰይኑ ሎሚ እውን ኣብቲ ቀዳማይ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ 19 ዝነበርናዮ ኩነታት ካብ መዝገበ መጻሕፍት ብመስኮት መራኸቢ ብዙሓን ክንምሃር ተገዲድና ኣሎና። እዚ ንጥዕና ኩልና ብማለት ስለዝኾነ ዝምህረና ነገር እንተልዩ ካብዚ ሕማም እዚ ንክንከላኸል ሰበሥልጣን ምሕደራስ ይኹን ሓለዋ ጥዕና ዝብሉና ብግቡእ ንከታተል። ነዚ ብምርሕሓቅ ዝስመዓና ስቃይ ንጐይታ ነወፍዮ እሞ ንሠናይ ነገር ናይ ኩልና ንሕሰብ! ቅድሚ ዝኣገረ ብዛዕባ እቶም ምስ ሓመሙ ኣብ ሆስፒታላት ተዳጒኖም ካብ ኩሉ ዝግለሉ እንክንሓስብ ማዕረ ማዕረኦም ከኣ ሕይወቶም ከይበቀቁ ስለ ፍቅሪ ብጻይ ከም ጸዋዕታኦም ተቀቢሎሞ ምስኦም ዝዋደቁ ዘለው ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ወለንተኛታትን ኣብ ኣገልግሎት ሕሙማት ተዋፊሮም ዘለውን ንሕሰብ። ስለኦም ንጸሊ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎት ሕዝቢ እንከሎ ወትሩ ናብ ሓይሊ ጸሎት ይመላለስ ነበረ።  ወንጌላት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ጽምው ቦታ ክጽሊ በይኑ ይኸይድ ከምዝነበረ የዘንትውልና። እዚ ፍጻሜታት እዚ ገርሀይናን ዘይባተኽን ልሙድ ሕይወቱ ኰይኑ ነቲ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ጥቡቅ ዘተ ጸሎት የመልክት። እዚ ዝምስክሮ እንተልዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታትን ሕሙማትን ክሃልኽ እንተወዓለውን ነዚ ምስ ኣቦኡ ዝገብሮ ዓሚቊ ዘተ ጸሎት ፈጺሙ የቋርጾ ከምዘየነበረ እዩ። መጠን እቲ ግድነታት ሕዝቢ ከማልእ ዝጽዕተሉ መጠኑ ከኣ ነታ ምስ ቅድስት ሥላሴ ዘላቶ ውህደት ንምጥንኻርን ምስኦም ንከዕርፍን ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ብጸሎት ይዋሳእ ነበረ።

ኣብ ሕይወት ኢየሱስ ከስ ካብ ኣዕይንቲ ደቂሰባት ተሰዊሩ ዝነበረ ናይ ኩሉ መንቀሳቀሲ ዝኾነ ምስጢር ነበረ። ጸሎት ኢየሱስ ብጣዕሚ ምሥጢራዊ ነበረ ንሕና ገለ ከምዝነበረ ጥራይ ኢና ክንግምት እንኽእል እንተኾነ ንምሉእ ተልእኮኡ ንክንርዳእ ይሕግዘና። ኣብ ብብሕቱ ዝጽልየሉ ዝነበረ ግዝያት ቅድሚ ወጋሕታ ወይውን ለይቲ ምሉእ እንክጽሊ ኢየሱስ ምስ ኣቦኡ ኣብ ጥቡቅ ርክብ ይጥሕል ነበረ። እዚ ርክብ እዚ ርክብ ፍቅሪ ውሉድን ወላድን ኰይኑ ጽምኢ ንዘለዋ ነፍሰወከፍ ነፍሲ እውን ዘድሊ እዩ። ነዚ ከኣ ተልእኮ ስብከተ ወንጌሉ ካብ ዝጀመረሉ ክሳብ ፍጻሜ ሕይወቱ ኣዘውቲርዎ።

ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ሓደ ቀዳም ሰንበት ኣይሁድ ከተማ ቅፍርናሆም ዳርጋ ናይ ጐልጐል ሕክምና ትልወጥ። ጸሓይ ምስ ዓረበት ንኩሎም ሕሙማቶም ሒዞም ናብ ኢየሱስ ይመጹ ንሱ ኸኣ የሕውዮም ነበረ። እንተኾነ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዘህልኽ ተልእኮ ውዒሉ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ይስወር። ንክጽሊ ኣብ ሓደ ብሕትው ዝበለ ቦታ ይኸይድ። ዝጨነቆ ስምኦንን ብጾቱን ሃሰስ ኢሎም ምስ ረኸብዎ ‘ዋእ ኣታ መምህር ኩሎም እንድዮም ዝደልዩኻ ዘለው’ ኢሎም ይሓትዎ። ኢየሱስ እንታይ ይምልሽ! ንክሰብኽ ኣብ ካልእ ዓድታት ክኸይድ ኣሎኒ ነዚ እየ መጺኤ ይብሎም። ኢየሱስከስ ወትሩ ክንዮ ግምታትናን ድሌታትናን ምስ ሰገረ እዩ! ምስ ኣቦኡ ኣብ ዝግበር ጸሎትስ ይኹን ንክሰብኽ ናብ ካልኦት ሰባትን ዓድታትን ኣብ ዝኸደሉ ክንዮና እዩ።

ጸሎትስ ከስ ኢየሱስ ዝምርሓላ መዘወር እያ። ንምዕራፋት ጒዕዞ ተልእኮኡ ዝውስኑ ዝነበሩ ዓወታቱ ወይውን ኩሉ ተቀቢልዎ ደስ ኢልዎ ምሳና ኩን ዝብል ዕድመ ወይውን ከምዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ኩሎም ይደልዩኻ ኣለው ዝብል ዘስድዕ ሓረጋት ኣይኮነን። ንጒዕዞ ኢየሱስ ክንክተልከስ ሓርጎጽጎጽ ዝመልኦ መንገዲ እዩ። እንተኾነ ኣቦኡ ብዘስተንፈሰሉ ይእዘዝ ነበረ። ነዚ ከኣ ኣብቲ ብብሕቱ ዝገብሮ ጸሎት ኣቦኡ ዝበሎ ይሰምዕ ይኽተሎ ከኣ።

ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቊ.2607 ‘ኢየሱስ እንክጽሊ ጸሎት ይምህረና’ እንክብል ይገልጾ። ስለዚኸስ ካብ ጸሎትን ኣጸላልያን ኢየሱስ ሓድሓደ ጠባያት ጸሎት ክርስትና ክንምልከት ንኽእል።

ኣገባብ ጸሎት ኢየሱስ ከስ ብቀዳምነት ዝሰርዖ ጉዳይ ኣሎ እዚ ከኣ ቀዳማይ ጉዳይ ዕለት ምዃኑ እዩ። ኣብ ወጋሕታ ዓለም ቅድሚ ምብርባሩ ዝግበር ጉዳይ እዩ። ጸሎት ንኩሉ ነፍሲ ይዘርእ እንተዘየሎ ዳርጋ ሕጽረት እስትፋስ የጓንፍ። ብዘይ ጸሎት ሓንቲ መዓልቲ ክነሕልፍ እንተፈቲና ኩሉ ኩሉ ኣድካሚ ዘሰልቹ ይኸውን። ኩሉ እቲ ዘጋጥመና ክንጻወሮ ንጽገም ብሃሰሰ ለባም ከኣ ንጐዓዝ። እንተኢየሱስ ንድላይ ኣቦ ጽን ኢልካ ምእዛዝ ክሳብ ክንደይ ጥዑም ምዃኑ ይምህረና። ጸሎትከስ ንእግዚአብሔር ምርካቡን ጽን ቢልካ ምስማዑን እዩ። ዕለት ዕለት ዘጓንፉና ጸገማትከስ ዕንቅፋት ኣይኮኑና እንታይ ደኣ ኣብ ቅድመና ንዘሎ ንክንረኽቦን ጽን ቢልና ንክንሰምዖን እግዚአብሔር ዘቅርበልና ጻውዒት ምዃኖም ንርዳእ። ኣብ ሕይወትና ዘጓንፉና ፈተናታትከስ ኣብ ሕይወት እምነትን ፍቅርን ንክንዓቢ ዕድል ይኾኑና። ዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወት ምስ ድኻሙ ኣዝማምያ ጸዋዕታ ይሕዝ። ጸሎትከስ ነቲ ኣብ ሕይወትና ዘጋጥመና ኩሉ ናብ ሠናይ ነገር ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኣለዎ እንተዘየሎ ገሃነም ኰይኑ ክስመዓና እዩ። ጸሎት ንኣእምሮና ሰፊሕ ሃዋሁ ናይ ምኽፋትን ልብና ናይ ምስፋሕን ሓይሊ ኣለዎ።

ብካልኣይ ደረጃ ጸሎት ብዕቱብ ክትደጋግሞ ዘሎካ ጥበብ እዩ። ኢየሱስ ኳሕኩሑ ኳሕኩሑ ኳሕኩሑ ይብለና። ገለ ጸገም ከጓንፈና እንከሎ ሃንደበታዊ ጸሎት ንምጽላይ ዳርጋ ኩልና ክኢላታት ኢና እንተኾነ ኢየሱስ ዝምህረና ጸሎት ካልእ እዩ። እዛ ኢየሱስ ዝምህራ ጸሎት ሥነ ሥርዓት ኣለዎ ደጋጊምካ ምልምማድ የድልዮ ኣብ መንባብሮ ከኣ ዓንዲ ሕጊ ሕይወት ይኸውን። ብጽንዓት ዝግበር ጸሎት ወትሩ ቀጻሊ ለውጢ ተምጽእ። እዚ ከኣ ኣብ ግዜ ፈተና ከምእንሕይል ካብቲ ወትሩ ዘፍቅረናን ዝከላኸለልናን ከኣ ጸጋ ተውህበና።

ካልእ ጠባይ ጸሎት ኢየሱስ ኣላ ንሳ ከኣ ብሕትውና እያ። ዝጽሊ ሰብ ኣብ ዓለም ወዘንዘን ኣይብልን ምድረበዳታት ይመርጽ። ኣብቲ ጸጥታ ዝሰፈኖ ምድረበዳ ኣብ ዕመቊ ልብና እንሕዞም ብዙሕ ድምጽታት ይውለዱ። እዚ ድምጽታት እዚ እተን ጸቂጥና ክንሓብአን እንፍትን ሓቅታትን ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ ድሌታትን ይግለጽ። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ጽሞና እግዚአብሔር ይዛረበና። ነፍሲወከፍ ሰብ ንውሽጣዊ ሕይወቱ ንምምርማርን ንተግባራቱ ትርጉም ንምርካብን ንገዛእ ርእሱ ዝኸውን ጽሞና የልዮ። ብዘይ እዚ ውሻጣዊ ሕይወት እዚ ኣምሰሉታት ንኸውን ቊጥዓት ህውኻት ንኸውን። ህውኽ ምዃን ብጣዕሚ ሕማቅ እዩ። ስለዚ ናብ ጸሎት ክንከይድ ኣሎና። እዚ ውሳጣዊ ጸሎት እዚ እንተዘየሎ ካብ ኩነታት ክንሃድም ንፍትን ዋላ ካብ ገዛእ ርእስና ከይተረፍ ክንሃድም ንፍትን። ኣብ ህድማ ዘለው ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ንኸውን።

ኣብ መወዳእታ ጸሎት ኢየሱስ ዝምህረና ኩሉ ካብ እግዚአብሔር ከምዝመጽእ ናብ እግዚአብሔር ከኣ ከምዝምለስ የረድኣና። ሓንሳእ ሓንሳእ ንሕና ደቂ ሰባት ናይ ኩሉ ነገራት ጐይቶት ኰይኑ ይስምዓና ወይውን ንኩሉ ኣድናቆት ናብ ገዛእ ርእስና መሊስና ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ሓደ ጫፍ ክነጥር ንነብር። እንተ ጸሎት ሓቀኛ መንነትና ክንፈልጥ ትሕግዘና ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ርክብ ብምሕያል ምስ ኩሉ ፍጡር ኰና እግዚአብሔር ኣቦና ምዃኑ ንግንዘብ። ኣብ ፍጻሜ ጸሎት ኢየሱስ ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ንምግዳፍ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ደብረዘይት ቅድሚ ሕማማቱ ‘ኣቦየ ዚከኣል እንተዀይኑ ኢሉ ኣምሪሩ ዝልምን ኣብ ፍጻሜ ከኣ ፍቃድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን’ ዝበሎ እዩ። ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ምውዳቅ ብጣዕሚ ጥዑም እዩ። ምናዳ ብኩሉ ተሃዊጽና ንሕዞን ንገብሮን እንክጠብኣና ‘ኦ ኣቦ ፍቃድካ ይኹን’ እንክንብል መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ሓዲሩ ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ከምእንወድቅ ይገብረና።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ወንጌል ምልስ ንበል እሞ ነቲ መምህር ጸሎት ዝኾነ ኢየሱስ ዳግም ረኺብና ካብኡ ጸሎት ንመሃር። ታሕጓስን ሰላምን ከም እንረክብ ኣረጋግጸልኩም።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 November 2020, 18:19