ድለ

ፍራንቸስኮ ምእንቲ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያን ሊቢያን ይጽልዩ

ናይ ዕጥቃዊ ምስሕሓብ ፈተና ክንጸግን፡ ኩሉ ንጸሎትን ናብ ሕውነታዊ ምክብባርን ዘተን ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መገዲ ናብ ምፍታሕ ከብል እላበው

ዕለት 8 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘተ ክነግስ፡ “ዝኾነ ይዅን ተጻብኦነትን ዕጥቃዊ ምስሕሓብን ክግታእን” ኣብ ሊቢያ ዘሎ ህልው ኵነታት እውን ዘኪሮም “ናይ ሕዝቢ ስቓይ ከብቅዕን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክኽበር” ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውጡር ኵነታት ከምዘሻቕሎምን ብቐረባ እውን ይከታተልዎ ከምዘለዉን ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል እንከረጋግጹ፥

ናይ ዕጥቃዊ ምስሕሓብ ፈተና ክንጸግን፡ ኩሉ ንጸሎትን ናብ ሕውነታዊ ምክብባርን ዘተን ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መገዲ ናብ ምፍታሕ ከብል እላበው።

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሊቢያ

ቅዱስነቶም ሓሳቦም ናብ ሊቢያ ኣቕኒዖም፥ ነቲ ኵሎም ናይ ሊቢያ ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላት ዘዋስእ ዕለት 8 ሕዳር ኣብ ቱኒዝ ዝብገስ ናይ ዘተ ዓውደ ጉባኤ ጠቒሶም፥

ነቲ ናይ መላእ ሕዝቢ ሊቢያ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስቓይ ከብቅዕን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተበጽሔ ውግእ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክኽበርን ጭቡጥ ክኸውንን እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ (ኣብ ቱኒዝ መላእ ናይ ሊቢያ ላዕለዎት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ምእንቲ ሰላም ኣብ ሃገሮም ዝጸውዐ ናይ ዘተ ዓውደ ጉባኤ) መርሓ ግብሪ ናብ ስምምዕ ከብጽሕ እላበው፡ ምእንቲ ነቶም ሊባውያን ልኡኻትን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ዝተጸውዐ ዓውደ ጉባኤ ንጸልይ!

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝተኸስተ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማኣከላይ ኣመሪካ በቲ ተኸሲቱ ዘል ለብዒ ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ብተወሳኺ ኤታ እተሰምየ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ዘስዓቦ መጉዳእትን ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን እናሓሰቡ እቲ ዝለዓለ መጉዳእታ ኣብ ጓተማላ ዝረአይ ዘሎ ከምዝኾነን ነዚ ኹሉ እናሓሰብ፥

እግዚኣብሔር ነቶም ብዝተኸስተ ናይ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን፥ ንኣባይቲ ስድራኦምን ምጽንናዕ ክጽግውን እቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ዘለዉን እግዚኣብሔር ክድግፎም ንጸልይ፡

ብጹዕ መንእሰይ ተወላዲ ስፐይን

ኣብ 19 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ስፐን ምእንቲ እምነቱ ሰማዕትነት ዝተቐበለ ዓለማዊ ምእመን መንእስይ ዕለት 7 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ባርቸሎና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዕና ዝኣወጀትሉ ብጹዕ ኹዋን ሮይግ ይ ዲግለ ዘኪሮም፥

ኣብ ናይ ዕዮ መዳይ መስካሪ ኢየሱስ ክሳብ ሕይወቱ ንምስዋዕ እሙን ዝኾነን፡ ኣብነቱ ኣብ ኵላትና ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ብምልኣት ናይ ምንባር ድላይ ከተባብዕ በማላድነቱ ንጸልይ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መዓልቲ ምስጋና ኣብ ኢጣሊያ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብ ኢጣሊያ መዓልቲ ምስጋና ከምዝኾነን ናይ ለምዘበን መዓልቲ ምስጋና ንሃብቲ ማይ ዝተወከፈ ምዃኑ ዘኪሮም፥

ማይ ንሕርሻን ብሓፈሻኡ ንሕይወት ወሳኒ እዩ፡ ብጸሎተይ ንከባቢ ገጠራትን ብሕርሻ ንዝመሓዳደሩን ቀረባ እየ፡ ብፍላይ ነቶም ንኣሽቱ ሓረስቶት እሓስብ፡ ኣብዚ እዋን ቅልውላው ዕዮታቶም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት እቲ ናይ ሓባር ሃብቲ ዝኾነ ማይ ኵላዊ ጽሕፍቶኡ ክኽበር ንምክንኻን ሃብቲ ማይ ኣብ ዘቕረብዎ ለበዋ እሓብር!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 

 

08 November 2020, 16:14