ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ረፓብሊካዊት ከንያ ርእሰ ብሔር ተቐብሎም ከምዘዘራረቡን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ረፓብሊካዊት ከንያ ርእሰ ብሔር ተቐብሎም ከምዘዘራረቡን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ረፓብሊካዊት ከንያ ርእሰ ብሔር ተቐብሎም ከምዘዘራረቡን

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ናይ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ከንያን ዘሎ ህልው ግሩም ርክብን በዚ መሓቑፎ`ዚ ምእንቲ ማህበረሰብ ከንያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ዘለዋ ዓቢይ ኣበርክቶ

ዕለት 6 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ከንያን ክሌኣዊ ርክብን ዓልም ሓቆፍ ጉዳያትን ለብዒ ኮቪድ 19ን ክንክን ተፈጥሮን ስደተይናታትን ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስታት ዘማእከለ ምይይጥ ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን ረፓብሊካዊት ከንያን ከምእተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ረፓብሊካዊት ከንያ ርእሰ ብሔር ኡሁሩ ከንያታን ተቐብሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ከንያታ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ናይ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ከንያን ዘሎ ህልው ግሩም ርክብን በዚ መሓቑፎ`ዚ ምእንቲ ማህበረሰብ ከንያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ዘለዋ ዓቢይ ኣበርክቶ ከምእተሰመረሉን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ከንያን ኣብ ብዝሓ ጐድናውነት ብክፍለ ዓለምን ብዓለም ሓቆፍን ጽፍሕታት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ እውን ምይይጥ ምክንያዱ ኣፍሊጡ፥ ብዛዕባ ናይ ሓባር ረብሓን ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ከንያን ምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ እውን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምክንያዱ ኣፍሊጡ።

08 November 2020, 11:24