ድለ

መእተዊ መንግሥተ ሰማያት ትሑት ኣገልግሎት ብዝብርከተሉ ማዕጾ ሰጊርካ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰንበት ዕለት 22 ሕዳር 2020ዓም ናይ ዓመተ ሊጡርግያ 2019-2020 መጨረሽታ ሰንበት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዓቢይ በዓል ክርስቶስ ንጉሥ እውን ትዝክር ብምንባራ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንክብረ በዓሉ ዝምልከት መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣዕረጉ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘እቲ ንኩሉ ክፈርድ ዝመጽእ ክርስቶስ ንጉሥ በቲ ዘርኣናዮ ፍቅርን ርሕራሔን ቅርበትን ሓገዝን ክፈርደና ምዃኑ ንዘክር` እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ከምቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ግዕዝ ቅዱስ ዮሓንስ ርእሲ ዓውደ ኣመት ኣብ ምዃኑ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ዓመት መወዳእታን መጀመርታን እውን ስለዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ መራኸቢ ድልድል ኦሪትን ሓዲስ ኪዳንን ስለዝኾነ ኣብ ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ ከኣ ንኣረጊት ዝሓለፈ ዓመትን ነቲ ዝጅመር ሓዲስ ዓመትን ዘራኽቦ! ኣብ ላቲናዊ ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ እውን ክርስቶስ ንጉሥ ብዓቢ ትሕትና  መጺኡ ድሕነት ዝኣወጀን ገና ብክብሪ ክመጽእ እሞ ንኩሉ ክፈርድን ትጽቢት ዝግበረሉ ከም መወዳእታ ሰንበት ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾን መሰጋገሪ ናብቲ ብዘመነ ምጽኣት ዝጅምር ሓዲስ ዓመት ሊጡርግያን  ከምቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ኣነ ኣልፋን ኦሜጋን መጀመርታን መወዳእታን እየ ዝበሎ ይቀርብ።

ቅዱስነቶም እውን ነዛ ‘ኣነ ኣልፋን ኦመጋን መጀመርታን ፍጻሜን ታሪኽ እየ’ ዝበላ ቃል መበገሲ ብምግባ እታ ምጅማር ትብል ድሮ ስለዝተፈጸመት ናይ ዕለቱ በዓል ነታ ኦመጋ ወይውን ፍጻሜ ከም እትምልከትን እዚ ኸኣ ናይ መወዳእታ ዕላማና ከምዝኾነ ገሊጾም። ትርጉም ታሪኽ በዚ መስርሕ እዚ ዝርዳእ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ዕላማና ኣብ ፍጻሜ ማለት ናብቲ ኦሜጋ ዝኾነ ንጉሥ ሰማይ ምድሪ ክርስቶስ ምብጻሕ እዩ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማለት ማቴ 25.31-46 ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ድሕሪ ቊሩብ ግዝያት ብሓሰውቲ መሰኻኽር ተኸሲሱ ብሓንኳል ፍርዲ ንሞት ዝፍረድ እሞ ንኩሉ ብትሕትና ዝቅበል ሓቀኛ ዳኛን ንጉሥ ሰማይ ምድርን ኰይኑ ንኩሉ ከከም ግብሩ ዝፈርድ ንሱ ምዃኑ በዛ ምሳሌ ከምዘብርህ እንተኾነ እዚ ንጉሥ ሰማይ ምድሪ ዝኾነ ጐይታ ብትሕትናን ምሕረትን ዝመልአ ምዃኑ ንዘክር ኢሎም።

ትሕትናን ምሕረትን ዝመልኦ ንጉሥ ኩላ ሰማይን ምድርን!

ሕይወት ንጉሥ ኩላ ሰማይ ምድሪ ዝኾነ ክርስቶስ ከም ሕይወት ሰዓብቱ ዝኾኑ ክርስትያን ዘጋጥሞ ስግንጢር ዝመልኦ እዩ ነሩ። ንሱ ብሞቱን ብትንሣኤኡን እዩ ጐይታ ታሪኽ ንጉሥ ኩላ ሰማይ ምድሪ ክንዮ ዘየሎ ዳኛ ኩሎም ምዃኑ ዝገለጸ። እቲ ደስ ዘብል ይብሉ ቅዱስነቶም እዚ ክርስትያናዊ ስግንጢርነት እዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምምላሱ እውን ይግለጽ ከመይ ነጋውስን ደያኑን ዓለምና ብዘፍርህ ግርማን ዘርዕድ ልዕናን እንክርኣዩ እዚ ናይ ነገስታት ንጉሥ ዝኾነ ጐይታ ኩሉ ፈራድ ኩሉን ክርስቶስ ግን ሕያዋይ ጓሳ ኰይኑ ብትሕትናን ምሕረትን መሊኡ እዩ ክመጽእ ኢሎም።

ናብቲ ምሳሌ ወንጌል ምልስ ኢሎም ከኣ ኢየሱስ ነቲ ኣብ መወዳእታ ክገብሮ ዘለዎ ፍርዱ ብምሳሌ ጓሳ ይገልጾ። እዚ ምሳሌ እዚ ምስ ትንቢት እውን ምትሕሓዝ ኣለዎ። አብ ሕዝቅኤል ነብይ 34፡11-17 ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር ባዕሉ ንህዝቡ ብዓቢ ተገዳስነት ከም ሓደ ጓሳ ከም ዝመርሕን ዝሕሉን ነንብብ፥ ምኽንያቱ እቶም ብእምነት ክጓስዩ ሓላፍነት ዝተዋህቦም እሙናት ኮይኖም አይተረኽቡን። አምላኽ ባዕሉ ነተን ዝጠፍአ ኽደልየን፥ ነተን ዝተባረራ ኽመልሰን፥ ንዝተሰብራ ኽዝንነን ንዝሓመማ ክፍውሰን እየ ይብል። ነቶም ብዋጋ እተን ድኹማት ንገዛእ ርእሶም ሃብታማትን ብርቱዓትን ዝገብሩ ኸአ አብ ቦታ ኩነኔ ክሰጎም ምዃኑ ምስ ዝሕብር ዓቢ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ ምስዚ ብምትሕሓዝ ስለዝምንታይ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ እንክመስሉ ‘እቶም ጓሶት ጨካናት መዝመዝቲ ክንዲ ንመጓሲኦም ዝቅልቡ ንገዛእ ርእሶም ዝቅልቡ ስሱዓት ብምንባሮም ጐይታ ባዕሉ ብኣካል መጓሲኡ ይጓሲ ካብ ዓመጽን ጒድለት ፍትሕን ከኣ ይከላኸለሎም’ ኢሎም።

ነዚ ትንቢት እዝን ፍጻሜኡን ንምዝኽኻር ቅዱስነቶም እዚ ትንቢት እዚ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ከምዝተፈጸመ ንወንጌል ዮሓንስ 10.11,14 ብምጥቃስ ከኣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣግሂዱ ‘ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ’ ዝበሎ የረጋግጽ። ኣብ ናይ ሎሚ ቃለ ወንጌል ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዘቅርቦ ምሳሌ ጓሳ ንጉሥ ምዃኑ ይገልጽ እንተኾነ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ እውን ኣይርስዓን ከመይ ንኣኣ ክደሊ ክዝንን ከሕዊ ስለዝመጸ እዛ በጊዕ እዚኣ መልክዕ ጓሳኣን ንጉሳን ለቢሳን ብጥሙያት ሕሙማት ጽሙኣት ጽጉማት ኣሕዋትን ኣሓትን ስለትውከል ነዚኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝግበር ኩሉ ኣብቲ ንሱ ከም ጓሳን ንጉሥን ኰይኑ ክፈርደሉ ዝመጽእ ዕለት መለክዒ ፍርዲ ከምዝኸውን ነፍሲወከፍ ከኣ በት ዘቅርቦ ፍቅሪ ወይውን ዝነፈጎ ፍቅሪ ከምዝፍረድ ይገልጽ ኢሎም።

ነፍሲወከፍና ብዘሃብናዮ ወይውን ብዝነጸግናዮ ፍቅሪ ክንፍረድ ኢና!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም እሞኸ ደአ እንታይ እዩ ነገሩ! እንታይከ ንግበር ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ፣ ጐይታ ኣነጺሩ ይነግረና ኣሎ መምዘኒ እቲ ፍርዲ ንዝኸማና ሰባት ዝሃብናዮን ዝነጽግናዮን ፍቅሪ እዩ ክኸውን። ኣየናይ ከምዝመጽን ከኣ ንሱ ባዕሉ ፍትሓውን ሓቀኛን ዳኛ ዝኾነ ንጉሥና ክርስቶስ ክፈርድ እዩ ኢሎም።

ናብ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ እታ ቃል ንጽርትን ሓጻርን እያ ‘እቲ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምዎ ንዓይ ከምዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ’ ትብል ኰይና ኣይትውሰኸላ ኣይትንከየላ። ስለዚ እንፍርዶ ብዛዕባ ስምዒት ወይውን ይዋእ መሽኪን ሓውይ ናይ ዝበልናዮ ቃላት ዘይኮነ ብተግባር ብዘርኣናዮ ፍቅሪ ናይ ምሕረት ሥራሕ ርሕራሔን ቅርብትን እዩ ክኸውን። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ጐይታ ኣብ መወዳእታ ዓለም ኣመት መጓሲኡ ክገብር እዩ ነዚ ከኣ ከም ጓሳ እዩ ዝገብሮ ኣባግዕ ካብ ኣጣል ምፍላይ ኣይክጽግሞን እዩ። ከመይ ንሱ ባዕሉ ንሕዝቡ ክጓሱ ዝተላእከ ወልደ እግዚአብሔር እዩ።

 እንታይ ኮን ይሓተና ይኸውን ኢሉ ንዝውጠም ሰብ ዝምልሱ እንክመስሉ ቅዱሰንቶም ኣብ መወዳእታ ኣስተምህሮኦም ዘቅረብዋ ሓሳብ ኣብታ ኣነ ትሑት ልቢ እዩ ኣነ ለዋህ እየ ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ ክስዕበኒ ዝደሊ መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ ንዝበሎ እተጠቃልል ሓረግ ‘ከምቲ ኣነ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾንኵዎ ክትመስለኒዶ ጽዒርካ! በቶም ጽጉማትን ድኻታትን ተወኪለ ኣብ ጸገም እንከሎኹ ንክትግደሰለይን ንክትሕግዝነን ገለ ቁሩብ ግዜዶ ወፊኻ! በቲ ኣነ ዝዕደልኩኻ ጸጋ ገለ ውጽእ ኢልካ ጽጉማት ክትረድእዶ ፈቲንካ! ኣብቲ ብብሕትውና ተሓዊጠሉ ዝንበርኩ ኩሉ ጸጊሙኒ ብቊስልታት መፈሳውን ሥጋውን እንክሳቀ ገለ ክተጸናንዓኒ ልብኻ ኣራሕሪሕካዶ! እንክብሉ ንኣስተንትኖ ምስ ዓደሙ። ነዚ ኩሉ ንምግባር ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ንክንኣቱ ካብታ ቀዳመይቲ ሓዋርያን ኣደን ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ክንመሃር እሞ በቲ መእተዊ መንግሥተ ሰማያት ዝኾነ ትሑት ኣገልግሎት ብዝብርከተሉ ማዕጾ ንክንኣቱ ብምዕዳም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 November 2020, 12:37