ድለ

ናይ ቤተ ክርስቲያን “ላዕለዋይ ባይቶ” - ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ናይ ቤተ ክርስቲያን “ላዕለዋይ ባይቶ” - ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት 

ናይ ቤተ ክርስቲያን “ላዕለዋይ ባይቶ” - ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት

ምስቲ ናይ ዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ ክጽውዑ ንሻብዓይ ግዜ ክኸውን እንከሎ ብጠቕላላ ምስቲ ናይ ዕለት 28 ሕዳር ቅዱስነቶም 101 ካርዲናላት ከምዝፈጠሩን

ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ብዝጸውዕዎ ሻብዓይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ባይቶ ጉባኤ ናይቲ ባይቶ ኣባላት ናብ 229 ክብ ከምዘበሉን ካብዚኣቶም እቶም 101 ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ናይ ምምራጽ በዓል መሰል ክኾኑ እንከለዉ፡ እዚ ሓበሬታን ጭብጥታትን’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን 900 ሚእቲ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ኵነት እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንገለ ዘመን ናይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ 30 ከምዝነበረን፡ ደሓር ር.ሊ.ጳ. ሲስቶ ሓምሻይ ኣብ 1586 ዓ.ም. ናብ 70 ክብ ክብል ከምዝገበሩን፡ ብመልክዓ ምድራዊ  ጭብጥታት ምስቲ ናይ ሎሚ ዝመሳሰል ኣይኮነን፡ ዮሓንስ መበል 23 እቲ ብር.ሊ.ጳ. ሲስቶ ሓምሻይ ተወሲኑ ዝነበረ ብዝሒ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ባይቶ ከምዝቐየሩን፡ ር.ሊ.ጳ. ሮንካሊ ኣብ ሰማያዊ ቤት ኣብ ዝተወለዱላ ዕለት ናይቶ ኣባላት ብዝሒ 82 ከምዝነበረን፡ ካብዚኣቶም እውን ክልተ ካብ እስያን ሓደ ካብ ኣፍሪቃን ብኣባልነት ዝርከብዎ ከምዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ዓለም ሓቆፋዊ ጉባኤ

ድሕሪ ቍሩብ ዓመታት ጳውሎስ ሻድሻይ ብዝሒ ናይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ባይቶ ኣባላት ናብ 143 ክብ ክብል ክብል ገይሮምን ንመጀመሪያ ጊዜ ካብ ኒውዚላንድን ስሪላንካን ዝመጹ ክልተ ብኣባልነት ዝሓቁፍ ከምዝኾነን፡ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ምስ ሓለፉ ብዝሒ ናይቶም ካርዲናላት ላዕለዋይ ጉባኤ ኣባላት ብጠቕላላ 129 ከምዝነበረን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣባላት ናይቲ ጉባኤ ካርዲናላት ናብ 231 ክብ ክብል ከምዝገበሩን ብጠቕላላ ካብ ሰብዓ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምንባሮም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር፡ ኣብ 2001 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ 42 ካርዲናላት ከምሰመዩን፡ እዚ ብዝሒ’ዚ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እቲ ዝዓበየ ስሜተ ካርዲናልነት ምዃኑ ይንገር። እቶም ብዕድመ ኣዚዮም ዝዓበዩ ኣብ 1985 ዓ.ም. ካርዲናል ዝተሰምዩ 96 ዓመት ዝዕድመኦም ጆሰፍ ቶምኮ ከምዝነበሩ እውን ዜና ቫቲካን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሱ ይሕብር።

እቶም ብዕድመ ዝደፍኡን እቶም ዝነኣሱን

በነዲክቶስ መበል 16 ሸውዓተ ሳዕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ባይቶ ካርዲናላት ከምዝጸውዑን 90 ካርዲናላት እውን ከምዝፈጠሩ ይንገር። ካብቶም ብበነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ዝተሰምዩ ብጠቕላላ ኣብዚ እዋን እዚ 39 ከምዘለዉን፡ ካብዚኣቶም እቶም 30 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ክኾን እንከለዉ እቶም 39 ከኣ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ብሕገ ቀኖና መሰረት ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎም እያቶም። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ 2006 ዓ.ም. ካርዲናል ዝተሰምዩ 96 ዓመት ዝዕድምኦም ፈረንሳዊ ኣልበርት ቫንሆየ እዮም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. 49 ዓመት ዝዕድመኦም ተወላዲ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይታ ሃገር ርእሰ ከተማ ባንጉዪ ሜጥሮጶሊታ ናዩዶነ ንዛፓላኢንጋ ካርዲናል ከምዝሰመዮንም ንሃገሮም ቀዳማይ ካርዲናል ከምዝኾኑን ኣብ ጉባኤ ካርዲናላት ብዕድመ ዝነኣሱ እውን እዮም።

ፍራንቸስኮ ናብ ወሰናስን ክፍለ ከተማታትን ህልውናን የማዕድዉ

ምስቲ ናይ ዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ ክጽውዑ ንሻብዓይ ግዜ ክኸውን እንከሎ ብጠቕላላ ምስቲ ናይ ዕለት 28 ሕዳር ቅዱስነቶም 101 ካርዲናላት ከምዝፈጠሩን ካብኣቶም እቶም 73 ብመሰረት ሕገ ቀኖና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ በዓል መሰል እያቶም። ቅዱስነቶም ዝሰርሕዎ ካርዲናላውነት ናብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ዘቕንዔ እዩ። ንመጀመሪያ ግዜ እውን ብሩነይን ሩዋንዳን ካርዲናል ክዕደላ ከምዝገበሩን፡ ማልታ ኣብ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ዕረፍቲ ብጹዕ ካርዲናል ፕሮስፐር ግረች ብዘይ ካርዲናል ከምዝጸንሔት ክዝከር እንከሎ ሕጂ ካብቶ ዕለት 28 ሕዳር ካብርዲና ዝስመዩ ተወላዲ ማልታ ከምዝርከብዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሪፓብሊካዊት ማእከላዊት ኣፍሪቃን ብሩነይን ርዋንዳን ዶመኒካን ቢርማኒያን ፓናማን ከፕ ቨርድን ቶጎን ባንግላደሽን ፓፗ ጊንያን ማለይዢያን ሎሰቶን ማሊን ስዊድንን ላኦስን ኤል ሳልቫዶርን ሉሰምበርግን ከምኡ እውን ንፈለማ ግዜ ጸሊም ኣመሪካዊ ናይ ዋሽንግተ ሜጥሮጶሊታ ካርዲናል ዊልቶን ግረጎርይን ዝሰመዩን ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተወልዱ ንዛፓላይንጋ (ናይ ባንጉይ ሜጥሮጶሊታ ካርዲናል)፡ ከምኡ እውን ካብ እዋን ዥንማሪየ ሉስቲገር ንደሓር ካብ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ካቶሊክ እምነት ሰዓቢ ኮይኖም ዝተለወጡ ናይ ስቶኮልም ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኣንደርስ ኣርቦረሊዪስ ይጥቀሱ።

ሓበሬታ

ናይ ባንግኮክ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ዝነበሩ ወዲ 91 ዓመት ታይላንዳዊ ሚካኤል ሚካይ ይኪቡንቹን ንሳላሳን ሸውዓተም ዓመት ኣባል ናይ ብጹዕን ካርዲናላት ጉባኤን ወዲ 90 ዓመት ኒውዚላንድ ተወላዲ ካርዲናል ቶማስ ስታፎር ዊሊያምስን ክልቲኦም ብዮሓንስ  ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1983 ዓ.ም. ካርዲናል ዝተሰምዩ እያቶም። ኣብዚ እዋን`ዚ ካብቶም ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣባላት ውሽጢ 26 ካብ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ዝመጹ ብጠቕላላ 51 ከምዝኾኑን ካብኣቶም እቶም 29 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም እያቶም፡ ብብዝሒ ክተነጻጽሮም እንከለኻ፥ እቶም ዝበዝሑ 9 ደቂ ሳሊዢያን እቶም ሸውዓተ ደቂ ማሕበር ኢየሱሳውያን ከምዝኾኑን ኣባ ማኡሮ ጋምበቲ ናይ ኣሲዚ ቅዱስ ገዳም ዓቃቤ ይጥቀሱ።

ብመልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ክረኣይ እንከሎ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዚዩ ዝሰፍሔ ክኸውን እንከሎ ብጠቕላላ ካብ 90 ሃገራት ዝተዋጽኡን ካብ ኣልባኒያ ክሳብ ቪየትናም ዝኸይድ እዩ፥ ኢጣሊያ 47 ካርዲናላት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 15፡ ስፐይን 14፡ ብክፍለ ዓለም ደረጃ ኤውሮጳ 106 ካርዲናላት፡ ኣፍሪቃ 30፡ እስያ 27፡ ሰሜን ኣመሪካ 26፡ ደቡብ ኣመሪካ 25 ማእከላይ ኣመሪካ 9 ካርዲናላት ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 November 2020, 23:53