ድለ

ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሃገረ ቺለ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሃገረ ቺለ 

ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሃገረ ቺለ

ታሪኻዊት መዓልቲ፥ ንሰበኻ ፑንታ ኣረናስ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት፡ ... መስዋዕተ ቅዳሴ

ኣብ ቺለ ዞባ ማጂላኖ ዕለት 11 ሕዳር ዓባይ ዕለት ከምዝኾነትን፡ እዚ ኸኣ ኣብታ ናይ ሎሚ ሰበኻ ፑንታ ኣረናስ ቅድሚ 500 ዓመት ንፈለማ ግዜ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዓረርገሉ ዕለት ብምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ሰበኻ ጳጳስ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይታ ሰበኻ ወግዓዊ ድረ ገጽ ዕለት 8 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ንንባብ ከምዘብቀዖ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሃገረ ቺለ
ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሃገረ ቺለ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ጐይታ ብበሪ ክሳደ ማያት ባሕሪ ማጀላኖ ኣቢሉ ኣተወ” እዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት ሸሞንተ ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ከምዝኾነ ናይ ቺለ ብጽዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከመላኽት እንከሎ፡ ኣብ 1520 ዓ.ም. ሓው ፐድሮ ቫልደራማ ኣብቲ ኣብ ጉዕዞ ዓለም ብማያት ባሕሪ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ቀዳማይ ተባሂሉ ዝንገረሉ ብሀርናንዶ ደ ማጋላነስ (ፈናንዶ ማጂላኖ) ዝተመርሔ ጉዕዞ ባሕሪ ኣብታ ዝኣተዉላ ዞባ ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቺለ ከምዘዕረጉን፡ “ናይ ምትብባዕን ናይ ሓሴትን ምንጪ ንሰበኻ ፑንታ ኣረናስ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ቺለ እዩ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ በርናርዶ ባስትረስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥

ታሪኻዊት መዓልቲ፥ ንሰበኻ ፑንታ ኣረናስ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት፡ ብትኽል ዕለት 11 ሕዳር 1520 ዓ.ም. መለኮታዊ ሓልዮት ኣብቲ ክልተ ማያት ባሕሪ ዘራኽብ ክሳድ ማይ ኣብ ዘሎ ኮረብታ ጐቦ ክሩዝ፡ ናይቶም ናይ ሄርናንዶ ደ ማጋላነስ ተጓዓዝያን ባሕረይንታትን ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣባ ፐድሮ ደ ቫልደራማ ንፈለማ ጊዜ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣቢሉ በጽሔ፡

ከምዝበሉ ናይ ቺለ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓቤረታ ኣፍሊጡ።

እግዚኣብሔር ናብ ደቡብ ክፍለ ዓለም

ቅዱስነቶም፥ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዘዘኻኽሮ “ካብ ቅዱስ ቁርባን ናባና - ንኽቕድሰና -  ጸጋ ወሓዘ ቢሎም፥

ምእንቲ’ዚ በቲ እነብዕሎ ዘሎና ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሰበኻ ፑንታ ኣረናስ ኣቢሉ “እግዚኣብሔር ናብ ደቡብ ክፍለ ዓለም ኣተወ” ምኽንያቱ ብተራን ገርሄይናን መንፈስ ኣብቲ ዘይፍሉጥ ተባሂሉ ኣብ ዝሕሰብ ኣብ ዝነበረ መሬት መስዋዕተ ቅዳሴ ዓረገ፡ እዚ ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ከባቢ ንቤተ ክርስቲያን ኣናስር ኮነ፡ እዛ ዕለት ኣዚኣን እቲ ከባቢ እውን ንናይታ ሃገር ምእመናን ናይ መንፍሳዊ ንግደት ስፍራ ኮነ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቺለ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣስዒቡ፥

እዛ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መሬት ቺለ ብዓቢይ በዓለ ሊጡርጊያ ምእመናን ኣሳቲፉ ክካየድ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘይፈቕዶ እውን እንተኾነ፡ “ነቲ ኣብ ቺለ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ካብ ልቢ ዝነቕል ናይ ምስጋናን ሞሳን ነቲ ኣብ ጉዕዞ ዘሰንይ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሶም ንኸወክፉን ክዓግቶ ኣይኽእልን” ቢሎም ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “ነቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ብመንፈስ ስግደትን ኣምልኾን ምስጋና ንጐይታ ክንበርን፡ ጐይታ ንዓና ንሕዋት ብፍላይ ንድኻታትን ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝተነጸሉን ኣብ ምግልጋል መሰረት ሓድሽ ሕይወትን ሓድነት እዩ ከምዝበሉን፡ ናይ ህየንተ ክርስቶስ ኣብዛ መሬት ሓሳብን እምንቶን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘቀርመሎስ ኣማላድነት እናማዕደዉ፥ “ኣብ ጐይታ ክንኣምንን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ወንጌል ሓሴት ንኽንምስርክ ኣብ ፍቕርን ፍትሕን ፍቓዱ ንኽፍጽም መሃርና” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እታ ሰበኻ ንኣረጋውያን ኣብ ምእላይ

መላእ ናይ ሰበኻ ማጀላኖ ዘሳትፍ በቲ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቺለ ጭቡጥ ምልክት ንምኽዋን  መደብ ከምእተሓንጸጸን፡ ብጹዕ ኣቡነ ባስትስረስ ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቺለ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣብ ዞባ ማጂላን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተሰምየ ሕንጻ ነቶም  ዝክሪ ዝኾነ ኣረጋውያን ብፍላይ ነቶም ድምጾም ዘይስማዕን ኣብ ጽንኩር ድኽነትን ሕማምን ዝርከቡ ኣረጋውያን  ናይ መእለዪ ስፍራ ክኸውን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቺለ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ የመላኽት።

11 November 2020, 16:50