ድለ

ር.ሊ.ጳ. ገና ፈውሲ ዘይረኸበ ኣብ ኢርፒንያ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ማህሰይቲ ይዝክሩ

እቲ ዓቢይ መዓት ዝኾነ ማእለያ ዘይብሉ ማህሰይቲ ዘስዓበ ርእደ መሬት ሎሚ እውን ምሉእ ብምሉእ ኣይሓወየን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሄር ደግሚም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ዕለት 23 ሕዳር 1980 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካምፓንያን ባሲሊካታን ብርእደ መሬት ዘጋጠመ ሓደጋ ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ እናሓሰቡ፡ ካብቲ እዋን ኣትሒዞም ኣብ ጽንኵር ኤኮኖሚያዊ ኵነት ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ሕዝብን ቅርበትን ድጋፍን ከይፍለዮም ከምእተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢርፒኒያ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ዕለት 23 ሕዳር 1980 ዓ.ም. ተኸሲቱ ዝነበረ ሞትን ማህሰይትን ውድመትን ዘስዓበ ርእደ መሬት፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 22 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘኪሮም፡ ንዞባታት ካምፓኒያን ባሲሊካታን በቲ ርእደ መሬት ዝተጐድኣ ጠቒሶም፥

እቲ ዓቢይ መዓት ዝኾነ ማእለያ ዘይብሉ ማህሰይቲ ዘስዓበ ርእደ መሬት ሎሚ እውን ምሉእ ብምሉእ ኣይሓወየን፡ እዚ ኸኣ ናይ መላእ ኢጣሊያ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽት፡ እቲ ኣብ መንጐ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዓ ዞባታት ዝፍጠር ምሕዝነት ናይ ሰሜንን ናይ ማከላዊ ከባቢ ዞባታትን ሎሚ እውን ነቲ ዘሎ ጽኑዕ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ዓቢይ ምስክርነት እዩ፡ እዚ ተበግሶ እዚ እቲ ኣድካሚ ዝኾነ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ናይ ዳግመ ሕንጸትን ብፍላይ ናይ ኢጣሊያ ናይ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ሕውነት ዝድግፍ እዩ፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ 1980 ዓ.ም. ዕለት 23 ሕዳር ተኸሲቱ ዝነበረ ርእደ ምሬት ኣብ ደቡብ ኢጣሊያ ብፍላይ ኣቨሊኖን ሳለርኖን ፖተንዛን ብዓቢይ ዝሃሰየን ሰለስተ ሺሕ ንሞት ልዕሊ ሸሞንተ ሺሕ ንማህሰይቲ 280 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ንምዝብልናን ከምዝዳረገ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ. ሎሚ እውን ብስእነት ስራሕ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ይሓስቡ

ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ንሮማውያን መንፍሳውያን ንጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ናይዛ ከተማ ሕዝቢ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ጸገም ንምብዳህ ዝተወሰነ ናይ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ወትሩ ኣኽበርቲ እንክብሉ ገሊጾምን ኣመስጊኖምን ነተን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጽንኩር ጸገም ንዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ዘኪሮም፥

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጸገም ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ሕስብ ኣብሉ፡ ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ዝነበሮም ስራሕ ዝሰኣኑን ሰብ ሓዳርን ኣቦንታትን ኣደንታትን ስድራ፡ እቲ ዝወረዶም ጸገም ዘስዓበሎም ከቢድ ኵነት ዘሕፍሮም ብዙሓት ከምዝኾኑን ስለ ጸገሞም ዘይዛረቡን፡ ምእንቲ’ዚ ንስኻትኩም ኢኻትኩም ክተድልይዎምን ክትረኽብዎምን ዝግባእ፡ እዚ ወሳኒ እዩ፡ ኢየሱስ ኣብኡ እዩ . . . ኢየሱስ ኣብኡ እዩ! ሓደራኹም ነዚ ፈጽሙ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 November 2020, 22:00