ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ሕውነታውነትን ምክንኻን ተፈጥሮን እንኰ ፍኖት ንምዕባለን ሰላምን

“ናይ ግዜ ምልክታ ብግልጺ ከምቲ ዮሓንስ መበል 23ን ጳውሎስ ሻድሻይን ደሓር እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዘመላኸትዎ ሕውነትን ምክንኻን ተፈጥሮን እንኰ ናብ ኵለንተናዊ ምዕባለን ሰላምን ዝወስድ መገዲ እዩ”

ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብዛዕባ እታ ዕለት 3 ጥምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ከቲሞም ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበርዋ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶምን ብዛዕባ ምክንኻን ተፈጥሮን ከምኡ እውን ዕለት 4 ጥቅምቲ ቃለ ማሕላ ንዝፈጸሙ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሓደስቲ ኣባላትን ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድም ክብል ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝደረስክዋ ዓዋዲት መልእኽትን ደሓር እውን ነታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣስተንፍሶ ኣብ ዝኾኖም ኣብ ኣሲዚ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ነታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ንኽኽትሙ ኣብ ኣሲዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝተነበርሉ መንበረ ታቦት መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞምን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብቲ ናይቲ ቅዱስ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝተነበርሉ መንበረ ታቦት ተረኺቦምን ከቲሞም ንእግዚኣብሔር ከምዘወፈይዋ ሓቢሮም፥ “ናይ ግዜ ምልክታ ብግልጺ ከምቲ ዮሓንስ መበል 23ን ጳውሎስ ሻድሻይን ደሓር እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዘመላኸትዎ ሕውነትን ምክንኻን ተፈጥሮን እንኰ ናብ ኵለንተናዊ ምዕባለን ሰላምን ዝወስድ መገዲ እዩ” ኢሎም።

እታ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ሕትመቱ ንንባብ ከምዘብቀዓን ነቶም ኣብቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንኽሓብሩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ መንፍሳውያን ነጋዶ ከምእተዓደሎምን፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ - ይብሉ - ኣብ ጉዕዞ ሕውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መንጐ ምእመናን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ መንጐ ሕዝብታትን የሰንይ” ኢሎም።

ናይ ፍጥረት ወቕቲ

ኣስዒቦም ዕለት 1 መስከረም 2020 ዓ.ም. ተበጊሱን ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ናይ ፍጥረት ወቕቲ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተኻየደ መደብ ዘኪሮም፥ “ብሓባር ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ኣሕዋት ናይ ተፈጥሮ ኢዮበል ኣብዒልና” ምስ በሉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካቶሊካዊ ናይ ማሓድሮ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ኣባላትን ናይ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበር ይሴባሕን ንዅሎም ነቶም ኣብ ኵለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ኪደት ንዝዓዩን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም።

ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ

ቅዱስነቶም ነቶም ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ቃለ ማሕላ ንዝፈጸመ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሓደስቲ ኣባላት ዘኪሮም፡ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ወለዳቶም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ እዞም ተባዓት መንእሰያት ኣባላት ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ንቤተ ክርስቲያንን ንር.ሊ.ጳ. ዘገልግሉ እያቶም፥ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዘገልግሉ እያቶም ኵላትና ስለ ኣገልግሎቶም ብጣቕዒት ነመስግን” ኢሎም።

ብጹዕ ኦሊንቶ ማረላ

ዕለት 4 ጥቅምት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቦሎኛ ናይ ኪዮጃ ሰበኻ ካህን ኣባ ኦሊንቶ ማረላ ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ከምዝኣወጀትሎም ዘኪሮም፥ ጓሳ ከም ልቢ ክርስቶስ፥ ኣቦ ድኻታትን ኣቦ ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡን” እንክብሉ ገሊጾም፥ “እቲ ፍሉይ ዝኾነ ምስክርነቱ ንብዙሓት ነቶም ትሑታንን ተባዓት ኣገልገልቲ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንኽኾኑ ንዝተጸውዑ ኣርኣያ ይኹን” ምስ በሉ፥

ኮኾብ ማያት ባሕሪ

ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ ስኮዚያ ናይ ባሕረይናታትን ብሃብት ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ዝሓልይ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ” ብዝብል መጸውዕ ዝተበገሰ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቅዋሜ መበል 100 ዓመት ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፥ “ኣብዚ ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቅድስተ ማርያም ኮኾብ ማያት ባሕሪ ተዋፊሮም ብሓሴት ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወደባትን ኣብ ከባቢ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ኣባይቲ ስድራኦምን ዘገልግሉ ካህናትን ወለንተይናታትን አተባብዕ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም።

ፍራንቸስኮ፥ ሕውነታውነትን ምክንኻን ተፈጥሮን እንኰ ፍኖት ንምዕባለን ሰላምን
05 October 2020, 18:20