ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ሱታፌ ደቀንስትዮ ክብ ይበል

ኣገዳሲ ውሳኔ ኣብ ዝወሃበሉ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ናይ ደቀንስትዮ ሱታፌ ኵላውነተን ምሉእ ክኸውን ምንቕቓሕ የድሊ፥ ብምስጢረ ጥምቀት ምኽንያት ንዓለማውያን ምእመናን ብፍላይ ንደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ቦታ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣስዒቦም ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ብብርቱዕ ኣብ ዘዕንው ክህነታውነት ክሳብ ዘይተወድቀ ኣብ ኤቅለሲያዊ ሕይወት ሱታፌ ዓለማውያን ምእመናን ክብ ምባል ከመድልን ከምኡ እውን በዛ ዕለት’ዚኣ (ዕለት 10 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም.) ቤተ ክርስቲያን ብጹዕና ዝኣወጀትሉ ካርሎ ኣኩቲስን ከምኡ እውን ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ኣብቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ዘበገሶ ጸሎት መቑጸሪያን ከምዝሳተፉ ዝተወሃበ ሓበሬታ እናሓሰቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ናብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምልስ ቢሎም፥ ሱታፌ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ዝለዓለ ሱታፌ ክህልዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ሓደ’ዃ ቀሺ ወይ ጳጳስ ኮይኑ ዝተጠመቐ የሎን፥ ኩላትና ምስጢረ ጥምቀት ከም ዓለማውያን ምእመናን ኢና ዝተቐበልናዮ፡ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሰእቲ እያቶም!

ምስ በሉ “ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወሳኒ ሓላፍነት ንደቀንስትዮን ንዓለማውያን ምእመናን ዝለዓለ ቦታ ምሃብ ከምዘድልን ብፍላይ ንደቀንትዮ፡ ምኽንያቱ ብዙሕ እዋን ደቀንስትዮ ዕሽሽ ከብሃላ ስለ ዝረአይ”፥

ኣገዳሲ ውሳኔ ኣብ ዝወሃበሉ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ናይ ደቀንስትዮ ሱታፌ ኵላውነተን ምሉእ ክኸውን ምንቕቓሕ የድሊ፥ ብምስጢረ ጥምቀት ምኽንያት ንዓለማውያን ምእመናን ብፍላይ ንደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ቦታ ናብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወጅሒ ዘዕንውን ናይ ዓለማውያን ምእመናን መንፈሳዊ መስሕብ ዕሽሽ ናብ ዝብል ክህነታውነት ብዘይ ምውዳቅ ክብ ምባል የድሊ።

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥

ካርሎ ኣኵቲስ፥ “ሓድሽ ናይ ዘመንና ብጹዕ”

ቅዱስነቶም ቤተ ክርስቲያን ዕለት 10 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ብጹዕ ዝበለቶ “ወዲ 15 ዓመት ኣፍቃሪ ቅዱስ ቁርባን መንእሰይ” ካርሎ ኣኵቲስ እናሓሰቡ፥ “በቲ ንዓይ ይጥዓመኒ በሃላይ ዓለም ከይተቐየደ፡ ናይ ጊዜ ምልክታ ብምእንጋድ ኣብ ድኻታት ናይ ክርስቶስ ወጅሂ ዘለለየ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ናይ እዋንና ሓድሽ ብጹዕ ካርሎ ኣኵቲስ ምስክርነት “ንመንእሰያት እቲ እውነተይና ሓጉስ “ኣብ ሕይወትካ ንእግዚኣብሔር ቀዳምነት ኣብ ምሃብን ኣብ ኣሕዋት ብፍላይ ኣብቶም ዝተናዕቑ ኣብ ምግልጋሉን” ዝብል እዩ ኣንክብሉ ከምዘብርሁን፡

ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 18 ጥቅምቲ ተበግሶታት ማሕበር ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ

ቅዱስነቶም ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 18 ጥቅምቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ምእንቲ ሓድነትን ሰላምን ዘነቓቐሖ መደብ “ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ መንእሰያት ጸሎት መቕጸሪያ ክደግሙ” ከምዝኾኑን ናይ መላእ ዓለም ሕጻናትን መንእሰያትን ብፍላይ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቕዕ ኣብዚ ጸሎት መቑጸርያ‘ዚ ክሓብሩ” እላበው እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከምዝዛዘሙ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

12 October 2020, 22:19