ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብ2019 ዓም ምስ ዝተሾሙ ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብ2019 ዓም ምስ ዝተሾሙ ካርዲናላት 

ሢመት ሓደስቲ ካርዲናላት ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም!

ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃን ኤስያን ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ከምኡ እውን ኤውሮጳ ዝተመርጹ 13 ሓደስቲ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካህናትን ንሲመት ካርዲናልነት ከምዝተሓርዩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 25 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዘዕረጉሉ ግዜ ኣዊጆም። ኣብዛ ብመንፈስ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ተደፊኦም ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ዝጸሓፉሉ ፍሉይ ኣተኲሮ ከኣ ኣብ ደቂ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ከምዝገበሩ እውን ተመልኪቱ። መነመን ኮን ይኾኑ እዞም ካርዲናላት እንተበልና ዝርዝሮም ይስዕብ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ መግለጺኦም ንዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝጽውዕዎ ብኮንቺስተሮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ዝግበር ልሙድ ርክብ 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ከምዝሾሙን ዝርዝር ኣሽማቶም ከምዝገለጹን ዝዝከር ኰይኑ ሓጺር ታሪኻቶም ክነቅርበልኩም ኢና።

1. ብፁዕ ኣቡነ ማርዮ ግረች ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ቃላ ኣብ እትብሃል ሰበኻ ጎዞ ናይ ሃገረ ማልታ ዕለት 20 ለካቲት 1957 ዓም ተወልዱ። ድሕሪ ክህነቶም ብዕለት 26 ግንቦት 1984 ዓመ ኣብ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ላተራን ማስተርስ ኣብ ጳጳሳዊ ዪኒቨርሲቲ ኣንጀሊኩም ከኣ ብሕገ ቆነና ሊቅነቶም ኣመስከሩ። ናብ ሰበኻኦም ተመሊሶም ህየንተ ዳኛ ናይ መንፈሳዊ ቤትፍርዲ ሜጥሮፖሊስ ማልታ ከምኡ እውን ኣብ ዓቢይ ዘርአ ክህነት ማልታ ሕገ ቆነና መምህርን ኣባል ቤትምኽሪ ካህናት ናይቲ ሰበኻን ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሜታትን ኮሚሽናትን ኣባል ብምዃን ኣገልገሉ። ሕዳር 26 2011 ዓም ጳጳስ ናይ ሰበኻ ጎዞ ሸምዎም ክሳብ ብዕለት 2 ጥቅምቲ 2019 ዓም ምኽትል ጸሓፊ ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተሸሞም ንመንበረ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣገልገሉ። ዝሓለፈ መስከረም ዕለት 15 2020 ዓም ከኣ ዋና ጸሓፊ ሾምዎም።

2. ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ዋና ሓላፊ ንቅዱሳን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ኣብ ሞንተሮኒ ዲ ለቸ ሃገረ ጣልያን ብዕለት 22 ታሕሳስ 1947 ዓም ተወልዱ። ብዕለት 8 መስከረም 1971 ዓም ክህነት ተቀበሉ። ልዑል ትምህርቶም ኣብ ጳፓሳዊ ዪኒቨርሲቲ ላተራን ፈጺሞም ኣብ ተቊዋም ትምህርቲ ንባበ መለኮት ፑጝልያ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ክምህሩ ምስ ጸንሑ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ተሰይሞም ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2004 ዓም ተለወጡ። ዕለት 13 ሚያዝያ 2020 ዓም ዋና ጸሓፊ ናይቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሕዳሴ ኩርያ ሮማና ንክሕግዝ ዝቆመ ቤትምኽሪ ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ክኾኑ ተመርጹ። ዝሓለፈ 15 ጥቅምቲ 2020 ዓም ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዋና ሓላፊ ንቅዱሳን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ንክኾኑ ሸምዎም።

3. ብፁዕ አቡነ ኣንትዋን ካምባንዳ ሊቀ ጳጳሳት ኪጋሊ ሃገረ ርዋንዳ ብዕለት 10 ሕዳር 1958 ዓም ኣብ ኪጋሊ ተወልዱ። ሕማቅ ዕድል ኰይኑ ስድራቤቶም ብ1994 ዓም እንትርፊ ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝነብር ሓው ኩሎም በቲ ሽዑ ዝነበረ ውግእ ሃለቁ። ኣብ ብሩንዲን ኡጋንዳን ኬንያን ፍልስፍናን ተሎግያን ኣጽኒዖም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ርዋንዳ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብኣኦም ዕለት 8 መስከረም 1990 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ካብ 1990 ክሳብ 2005 ዓም ናይ ንኡስ ዘርአ ክህነት ንደራ (ኪጋሊ) ሓላፍን መምህርን ኰይኖም ኣገልገሉ። ናይ ኪጋሊ ካሪታስ ሓላፊ ከምኡ እውን ሰበኻዊ ኮሚሽን ፍትሕን ሰላምን እናመርሑ ብትምህርተ መልኮት ናይ ሞራል ዶክተረይት ካብ ሮማ ተኸታቲሎም ፈጸሙ። ብዕለት 7 ግንቦት 2013 ዓም ጳጳስ ሰበኻ ኪቡንጎ ተሾሙ። ብዕለት 19 ሕዳር 2018 ዓም ካብኡ ተቀይሮም ሊቀ ጳጳሳት ኪጋሊ ሾምዎም።

4. ብፁዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጎርይ ሊቀ ጳጳሳት ዋሺንግቶን ብዕለት 7 ታሕሳስ 1947 ዓም ኣብ ቺካጎ ግዝኣት ኢለኖይስ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ተወልዱ። ትምህርቲ ፍልስፍናን ተሎግያን ኣብ ዓዶም ኣጽኒዖም ብሊጢርግያ ኣብ ጳጳሳዊ ዪኒቨርሲቲ ቅዱስ ኣንሰልሞ ሮማ ዶክተረይት ኣመስኪሮም 9 ግንቦት 1973 ዓም ኣብ ሰበኻኦም ክህነት ተቀቢሎም ኣብቲ ዝተማህሩሉ ዘርአ ክህነት ሊጢርጊያ ካብ ምምሃር ጀሚሮም ብዙሕ ሥርሓት ኣካዪዶም ካብ 1980-83 መምህር ሊጡርጊያን ሥርዓትን ካርዲናል ኮድይ ከምኡ እውን ካርዲናል በርናርዲን ኰይኖም ኣገልገሉ። ብ1983 ዓም ሓጋዚ ጳጳስ ቺካጎ ብ2004 ዓም ከኣ መጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳስ ኣትላንታ ኮኑ። ካብ 2001-2004 እውን ዋና ጸሓፊ ረኪበ ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኰይኖም ኣገልገሉ። ዕለት 4 ሚያዝያ 2019 ከኣ ሊቀ ጳጳስ መትሮፖሊታ ዋሽንግቶን ተሾሙ።

5. ብፁዕ አቡነ ኾሰ ኣድቪንኩላ ሊቀ ጳጳስ ካፒዝ ሃገረ ፊሊፒን ብ30 መጋቢት 1952 ዓም ኣብ ዱማላግ ተወልዱ። ብዕለት 14 ሚያዝያ 1976 ዓም ክህነት ተቀበሉ። ኣባት ነፍሲ ዘርአ ክህነት ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ኰይኖም ብምግልጋል መምህርን ሊቀመምህርን ኰይኖም ኣገልገሉ።  ናብ ከተማ ማኒላን ሮማን እናተመላለሱ ትምህርቲ ሥነ ኣእምሮን ሕገ ቀኖናን ብምጽናዕ ማስተርስ ብሕገ ቆነና ገበሩ። ኣብ ዓዶም ተመሊሶም ከኣ ኣብ ዘርአ ክህነት ቪጋንን ንወቫ ሰጎቭያን ጃሮን ኣገልገሉ። ብ1995 ዓም ሓላፊ ዘርአ ክህነት ቅዱስ ፕዮስ ካፒዝ ተሾሙ። ምስዚ ኣብ ሰበኻዊ መንፈሳዊ ቤትፍርዲ ቃውመ ኪዳን ኰይኖም ኣገልግሉ። ዕለት 15 ሓምለ 2001 ዓም ናይ ሳን ካርሎስ ጳጳስ ተሾሙ። ንእምነት ናይ ዝሓሊ ኮሚሽንን ንተወላዶ ደቂመሬት ዝምልከት ኮሚሽን ኣባል ነበሩ።

6. ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ኣኦስ ብራክ ኣባል ንኡሳን ኣሓው ካፑቺኒ ሊቀ ጳጳስ ሳንትያጎ ናይ ቺለ ብዕለት 6 ሚያዝያ 1945 ዓም ኣብ ኣርታይዝ ሃገር እስፐይን ተወልዱ። ብ1983 ዓም ንቺለ ተላኢኾም ኣብ ቊምስና ከምኡ እውን ሓለቃ ማሕበር ካፑቺኒ ናይቲ ዓዲ ኮይኖም እንከገልግሉ ኣብ ናይቲ ሰበኻ መንፈሳዊ ቤትፍርዲ ኣውን ቃውመ ኪዳን ኰይኖም ኣገልገሉ። ብ18 ጥቅምቲ 2014 ዓም ናይ ኮፕያፖ ጳጳስ ተሾሙ። ብዕለት 23 መጋቢት 2019 ዓም ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሳንትያጎ ደ ቺለ ኮኑ። ታሕሳስ 27 2019 ዓም ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሊቀ ጳጳስ ሳንትያጎ ደ ቺለ ሸምዎም።

7. ብፁዕ አቡነ ኮርነልዩስ ሲም ጳጳስ ፑዝያ ዘኑሚድያን ሓዋርያዊ መስተናብር ብሩነይን ብዕለት 16 መስከረም 1951 ዓም ኣብ ሰርያ ናይ ብሩነይ ተወልዱ። ብኢንጄሪንግ እኳ ተመሪቆም እንተነበሩ መንገዲ ክህነት መረጹ። ዕለት 20 ጥቅምቲ 2004 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ሓዋርያ ኣመሓዳሪ ሓዋርያዊ ምምሕዳር ብሩነይ ሰይሞም ከም ቀዳማይ ሓዋርያዊ መስተናብር ብስም ጳጳሳዊ መንበር ፑዝያ ዘኑሚድያ ሾምዎም።

8. ብፁዕ አቡነ ኣውጉስቶ ፓውሎ ሎጁዲቸ ሊቀ ጳጳስ ስየና ኮለ ቫል ድአልሳ ሞንታልቺኖ ብዕለት 1 ሓምለ 1964 ዓም ኣብ ሮማ ተወልዱ። ብዕለት 6 ግንቦት 1989 ዓም  ክህነት ተቀቢሎም ብድሕሪኡ ኣብ ዘርአ ክህነትን ቊምስናታት ሮማን ኣገልገሉ። ብዕለት 6 መጋቢት 2015 ዓም ስዩመ ላባ ማርቲማ ተባሂሎም ናይ ሮማ ሓጋዚ ጳጳስ ተሰዪሞም። ምስዚ ናይ ሃገረ ጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ክፍሊ ስደተኛታት ጸሓፊ ኰይኖም ኣገልገሉ። ብዕለት 6 ግንቦት 2019 ዓም ሊቀ ጳጳስ ስየና ኮለ ቫል ድአልሳ ሞንታልቺኖ ኰይኖም ተሾሙ።

9. ሓው ማውሮ ጋምበቲ መጋቢ ቅዱስ ገዳም ዘኣሲዚ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 1965 ዓም ኣብ ካስተል ሳን ፕየትሮ ተርመ ቦሎኛ ሃገረ ጣልያን ተወልዱ። መካኒካል ኢንጂነሪንግ እኳ እንተኣጽንዑ ብ1992 ዓም ግን ፍራንቸስካዊ ጸዋዕታ ስለዝተሰምዖም ጒዕዞ ፍራንቸስካዊ ሕይወት ጀመሩ። ድሕሪ ነዊሕ ጒዕዞ መስከረም 20 1998 ዓም ዓቢ መብጽዓ ገበሩ። 8 ጥሪ 2000 ዓም ከኣ ክህነት ተቀበሉ። ብ2009 ዓም መካነ ሕውነት ቅዱስ ኣንጦንዮስ ቦሎኛ ሓለቃ መረጽዎም። ክሳብ ዕለት 22 ለካቲት 2013 ዓም ሓፈሻዊ መጋቢ ወይውን ዓቃቤ ቅዱስ ገዳም ኣሲዚ ኮይኖም ክሳብ ዝምረጹ ኣገልገሉ። እዚ ሓዲስ ተልእኮ ነርባዕተ ዓመት ካብ 2013-2017 እኳ እንተነበረ እንደገና ካብ 2017-2021 ንከልግሉ ዳግም ተመርጹ።

10. ብፁዕ አቡነ ፈሊፕ ኣሪዝመንዲ ኤስኪቨል ልሂቅ ጳጳስ ሳን ክሪስቶባል ደ ላስ ካዛስ ሃገረ መክሲኮ ዕለት 1 ግንቦት 1940 ዓም ኣብ ቺልተፐክ ሃገረ መክሲኮ ተወልዱ። 25 ነሐሰ 1963 ዓም መዓርገ ክህነት ለበሱ። ብዙሕ ኣገልገሉ። ካብ 1986-1989 ዓም ናይ ላቲን ኣመሪካ ተቊዋም ዘርአ ክህነታት መርሑ ስዒቡ እውን ኣብ ናይ ቸላም ማእከል ጸዋዕታ ሰርሑ። 7 ለካቲት 1991 ጳጳስ ታፓቹላ ኮይኖም ተሾሙ። ጸሓፊ ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ኣመሪካ ቸላም ኮይኖም እውን የገልግሉ ነበሩ። 31 መጋቢት 2001 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልእእይ ጳጳስ ሳን ክሪስቶባል ደ ላስ ካሳስ ሸምዎም። ክሳብ 3 ሕዳት 2017 ዓም ከኣ ኣገልገሉ።

11. ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማርያ ቶማሲ ሥዩመ ሊቀጳጳስ ዘኣዞሎ ሓዋያርያዊ ኑንስዮ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 1940 ኣብ ካሶኒ ዲ ሙሶለንተ ክፍለ ሃገር ቪንቸንሳ ሃገረ ጣልያን ተወልዱ። ዕለት 31 ግንቦት 1965 ዓም ኣባል ማሕበር ልኡካን ቅዱስ ካርሎ ኮይኖም ክህነት ተቀበሉ። ኣብ ሃገረ ጣልያንን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ኣገልገሉ። ኣብ ሰማንያታት ኣብ ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ስደተኛታት ቤትጽሕፈት ሓላፊ ኰይኖም ሰርሑ። ካብ 1989 ክሳብ 1996 ዓም ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ኰይኖም ኣገልገሉ። 27 ሰነ 1996 ስዩመ ሊቀ ጳጳስ ዘቸርቺኒያ ተባሂሎም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዋርያዊ ኑንጽዮ ከምኡ እውን ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተዓዛቢ ቅድስት መንበር ኰይኖም ተላእኩ። 24 ሚያዝያ 1999 ዓም ሊቀ ጳጳስ ኣዞሎ ኮኑ ጸኒሖም ከኣ ብዕለት 23 ታሕዛዝ 2000 ዓም ሓዋርያዊ ኑንጽዮ ኣብ ጅቡቲ ኮኑ። ካብኡ ተለዊጦም ከኣ ካብ 2003 ክሳብ 2016 ኣብ ጀነብ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤትጽሕፈትን ፍሉይ ተቁዋማትን ዓለምለኸ ውድብ ንግድን ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስት መንበር ኮይኖም ኣገልገሉ። ዕለት 9 ሚያዝያ 2016 ዓም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣባል ናይቲ ሎሚ ክፍሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሊ ዝበሃል ሽዑ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ፍትሕን ሰላምን ኣባል ንክኾኑ ሸምዎም።

12. ጥቀ ክቡር ኣባ ራንየሮ ካንታላመሳ ማሕበር ንኡሳን ኣኀው ካፑቺኒ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ብዕለት 22 ሓምለ 1934 ዓም ኮሊ ደል ትሮንቶ ሃገረ ጣልያን ተወልዱ። ኣብ ጀርመንን እስዊዘርላንድን ሚላኖን ትምህርቶም ምስ ኣጠናቀቁ ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዪኒቨርሲቲ መምህር ታሪኽ መሠረት ክርስትና ኰይኖም ከም ሓላፊ ትምህርቲ እምነታት ከምኡ እውን ኣባል ዓለም ለኸ ኮሚሽን ተሎግያ ኰይኖም ካብ 1975-1981 ኣገልገሉ። ንልዕሊ 12 ዓመት እውን ምስ ጉጅለ ወኪል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስ ጴንጠቆስጣውያን ኣብያተክርስትያን ዝግበር ዘተ ኣባል ኰይኖም ሰርሑ።  ብ1979 ዓም ግን ንኩሉ ገዲፎም ምሉእ ግዜኦም ኣብ ስብከተ ቃለ ወንጌል ገበሩ። ብ1980 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ሾምዎም ብ2005 ዓም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣጽደቁሎም ከምኡ እውን ብ2013 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በዚ ንክቅጽሉ ወሰኑ። በዚ ተልእኮ እዚ ኣብ ዘመን ምጽኣትን ዘመን ጾመ ኣርባዓን ር.ሊ.ጳ ንዝርከብዎም ኣባላት ቅድስት መንበር ሶሙን ሶሙን ሰፊሕ ኣስተንትኖ የቅርቡ። ኣብዚ ዘመነ ስብከቶም ዝሓተምዎም ብዙሓት መጻሕፍቲ ኣለው ካብኦም ዝበዝሐ ናብ ልዕሊ 20 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ።

13. ጥቀ ክቡር ሞንሲኞር ኤንሪኮ ፈሮቺ ቆሞስ ቊምስና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘመልኮታዊ ምሕረት ካስተል ለቫ ኣ ሮማ ብዕለት 27 ነሐሰ 1940 ዓም ኣብ ፒጾሊ ሃገረ ጣልያን ተወልዱ። ወዲ 11 ዓመት እንከለው ኣብ ጳጳሳዊ ዘርአ ክህነት ሮማ ዝጀመሩ ዕለት 13 መጋቢት 1965 ዓም መዓርገ ክህነት ምስ ተቀበሉ ናይቲ ዘርአ ክህነት ሓላፊ ተመሃሮን ምክትል ሓለቃን ኰይንም ሰርሑ። ቀጺሎም ኣብ ፕራቲ ፊስካሊ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ፍረሚናጦስ ምክትል ቆሞስን ቆሞስን ኮኑ። ኣብ ብዙሕ ተልእኮ ብምኻድን ናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ምኽሪ ኣባልን ሓላፍን ጸሓፍን ብምዃን ኣገልገሉ። ዕለት 13 ጥቅምቲ 1995 ዓም ናይ ር.ሊ.ጳ ልኡኽ ኣገልጋሊ ኮኑ። ካብ 2017 ዓም ከኣ ሓላፊ መካነ ንግደት መለኮታዊ ምሕረት ዲቪን ኣሞረ ካብ 2008 ጀሚሩ ከኣ ኣብኡ ናይ ዝርከብ ዘርአ ክህነት ሓለቃ ኮኑ። ባሕቲ መስከረ 2019 ዓም ከኣ ቆሞስ ቊምስና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘመልኮታዊ ምሕረት ካስተል ለቫ ኣብ ሮማ ኮኑ።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 October 2020, 11:51