ድለ

ንሎሚ ዘድልዩና ክርስትያን ‘እዚ ኣይግበርን እዩ’ ዝብሉ ከም ኤልያስ ስለሓቂ ደው ዝበሉ እዮም! ር.ሊ

ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት ዝናም ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘቅረብዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሓዲስ ዙር ብዛዕባ ጸሎት ብምጅማር ‘ጸሎት ማለት ንሕይወትካ ንምጽብባቅ ዘይኮነ ነቲ ንኣሕዋትካ ክተገልግል ዝደፋፍእ እግዚአብሔር ምርካብ ምውሳእን እዩ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ንተጋባእቲ ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ዓዲሎምን ብትእምርተ መስቀልን ሥርዓተ ኣምልኾኣዊ ሰላምታን ነቲ መደብ ምስ ከፈቱ ካብ 1ይ ነገ 19,11-13፦

“እግዚአብሔር ከኣ ንኤልያስ ‘ወጺእካ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ደው በል’ በሎ። እንሆኦ ድማ እግዚአብሔር ሓለፈ። ቀቅድሚ እግዚአብሔር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ መጸ። ነቲ እምባታት ሰንጠቆ ነቲ ኣካውሕ ድማ ሰባበሮ። እግዚአብሔር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ እግዚአብሔር ግና ኣብቲ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ መጸ እግዚአብሔር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይንበረን። ድሕሪ ኢ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ደሃይ መጸ። ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ ወሲኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ ድምጺ ናብኡ መጺኡ ኣ’ኣታ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ` በሎ።”

ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ሎሚ ነቲ ብምኽንያት ንከባቢና ምክንኻን ዝብል ንከንዕሙቚ ኣቋሪጽናዮ ዝነበርና ብዛዕባ ጸሎት ዝጀመርናዮ ትምህርቲ ካብቲ ዘቋረጽናሉ ክንቅጽል ኢና። በዚ ጉዳይ እዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ካብ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ዓበይቲ ሰባት ኣብነት ነቢይ ኤልያስ ክንምልከት ኢና። ንሱ ኣብ ዘመኑ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ይብል ነበረ ኣብ ብዙሕ ቦታ እውን ተጠቂሱ ንረኽቦ ኣብ ገገሊኡ ናይ ሓዲስ ኪዳን ክፍልታት እውን ተጠቂሱ ንረኽቦ። ንኣብነት ኣብ ደብረ ታቦር ትርኢት ጐይታ ክልወጥ እንከሎ ንሱን ሙሴን ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዋስኡ ይረኤ (ማቴ 17,3) ከመይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዮሓንስ መጥምቅ እናኣነጻጸሮ ዳግማይ ኤልያስ እንክብል ኣብ (ማቴ 17.10) ይጠቅሶ።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኤልያስ ብሃንደበት እዩ ዝተቀልቀለ ማለት ምስጢራዊ ብዝኾነ መንገዶ ካብ ሓደ ንእሽቶ ቊሸት ማንም ዘይዝክሮ ዓዲ እዩ መጺኡ (1 ነገ 17,1)። ኣብ መወዳእታ ተልእኾኡ ምስ ፈጸ ንኤልሳዕ ተኪኤ ብሰረገላ ነበልባል ንሰማይ ይድይብ (2 ነገ 2,11)።  ስለዚኸስ ከምቶም ካልኦት ዓበይቲ ሰብ ታሪኽ ዝዝረቦ መበቆሉ ብዙሕ ዘይፍለጥ ካብኡ ዝበርተዔ ከኣ ፍጻሜኡ ከይረኣዩ ንሰማይ ይድይብ በዚ ከኣ ቅድሚ መሲሕ ምምጻኡ ከም ጸራጊ መንገዲ ንሱ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ።  

ቅዱስ መጽሓ ከምዘረጋግጸልና ኤልያስ ንጹርን ጽሩይን እምነት ዝነበሮ ሽሙ ከምዝሕብሮ ማለት ያህወ እግዚአብሔር እዩ ማለት ኰይኑ ኩሉ ምሥጢር ተልእኮኡ ኣብ ስሙ ተሓቢኡ ነበረ። ንምሉእ ሕይወቱ ከምኡ እዩ ብምንም ተኣምር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ነበረ። ምልክቱ ሓዊ ነበረ እዚ ከኣ ናይቲ ዘነጽሕ ሃይሊ እግዚኣአብሔር ምልክት እዩ። ስለዚከኣ ንሱ ብቀዳምነት ንክነጽሕ ኣብ ብርቱዕ ፈተነ ይኣቱ ክሳብ መወዳእታ ከኣ እሙን ኰይኑ ይርከብ። በዚ ከኣ ኣብነት ናይቶም ኩሎም ክሳብ መወዳእታ እሙናት ዝኾኑ ኣመንቲ እግዚአብሔር ፈተናን ስቃይን እንታይ ምዃኑ ዝፈልጡ በዚ ብምሕላፍ ከኣ ነቲ ስለኡ ዝተወልዱሉ ዕላማ ዝሰርሑ የመልክት።

ንሕይወት ኤልያስ ሒዛ ዝነበረት እንኮ ምንጪ ጸሎት ነበረት። ስለዚኾነ ከኣ ንሕይወት ምንኲስና ከም ኣብነት ኰይኑ ብዙሓት ንወፈያ ሕይወቶም ከም መንፈሳዊ ኣቦኦም ክኸውን ይመርጽዎ። ኤልያስ ናይ እግዚኣአብሔር ሰብ ስለዝኾነ ቀዳማይ እጃም ስራሑ ንቀዳምነት ልዑል እግዚአብሔር ምክልኻል ነበረ። እንተኾነ ንሱ እውን ምስ ድኻምነታቱ ተጸባጺቡ እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ኣየኖት ተመኲሮ ኮን ይኾና ዝዓበያ ምውሳን ከቢድ እዩ። እቲ ንሓሰውቲ ነቢያት ኣብ እምባ ቀርመሌዎስ ዝሰዓረሉ (1 ነገ 18,20) ወይውን ንሕይወቱ ከድሕን ኪሃድም እንከሎ ብድኻም ተሰኒፉ ‘ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን’ እሞ ውሰደኒ ክብል ሞቱ ዝተመነዮ (1 ነገ 19,4)። ኣብ መንፈስ ዝጽሊ ሰብ ካብቲ ድንቂ ዝኾነ ነገራት ዝረኣየሉ ማለት ዓወት ብዓወት ኰንካ ናእዳ ካብ ትረኽበሉ ድኻምነቱ እዩ ዝበለጸ ኰይኑ ዝረኽቦ። እንክጽንሊ እዚ ወትሩ የጋጥም እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ጽቡቅ ክስምዓና ክንሕጐስ ንኽእል ሓንሳእ ሓንሳእ ግን ናይ ስቃይ ጸሎት መንፈሳዊ ድርቀት ፈተና ዝበዝሖ ሁመት እውን የጋጥም እዩ። ጸሎት ከምኡ እዩ። እግዚአብሔር ክበጽሓካ ምፍቃድ ከምኡ እውን ሕማቅ ኩነታትን ፈተናታትን ክገርፈካ ምፍቃድ የድሊ። እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምናዳ ንፍሉይ ተልእኮ ንዝጽውዑ ሰባት ብተደጋጋሚ ንረኽቦ። ኣብ ሓዲስ ኪዳን እውን ጉዳይ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምኡ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ክንምልከት ንኽእል። ሕይወት እዚኦም ሓዋርያውን እውን ኣንተኾነ ናይ ክብርን ሓጐስን ከምኡ እውን ናይ ውርደትን ስቃይን ግዝያት ነርዎም እዩ።

ብካልእ ወገን ኤልያስ ናይ ኣስተንትኖ ሰብ ነበረ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብዛዕባ ኩነታት ዘመኑ ዕቱብ ተሳታፊ ንኣብነት ነቲ ርስተይ ክብል ዝሞተ ናቡተ ንግራት ወይኑ ደልዮም ምስ ቀተሉ ምስ ንጉሥን ንግሥትን ክገጥም ድሕር ኣይበለን (1 ነገ 21,1)። ሎሚ ከም ሎሚ ኣመንቲ ቀንኣት ክርስትያን ኰይኖም ከምቲ ናይ ኤልያስ ትብዓት ለቢሶም ኣብ ቅድሚ ሓላፍነት ምምሕዳር ዝተሰከሙ ቀጥ ኢሎም ቈይሞም ‘እዚ ኣይግበርን እዩ። እዚ ቅትለት እዩ’ ዝብሉ የድልዩና። መንፈስ ኤልያስ የድልየና ኣሎ። ኤልያስ ዘርእየና ጉዳይ እንተልዩ ኣብ ሕይወት ሓደ ዝጽሊ ሰብ ክልተ ክልተ ምርኣይ የለን ወትሩ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምስ ቆመ ንሱ ንከግልግል ብዝለኣኾ ከኣ ንኣገልግሎት ብጾቱ ይወፍር። ጸሎት ማለት ምናልባት ኣብ ቤት እግዚአብሔር ተሓቢካ ነፍስኻ ምጽብባቅ ከይመስለና እዚ ጸሎት ኣይኮነን እዚ ኣምሰሉነት እዩ። ጸሎትሲ ምስ እግዚኣአብሔር ፊት ንፊት ምግጣም እሞ ንኣሕዋት ክተገልግሎ ክልእከላ እንከሎ ፍቃደኛ ኰንካ ምብጋስ እዩ። ናይ ጸሎት መረጋገጺ ምስክርነትከስ ብተግባር ንብጾትና እነርእዮ ፍቅሪ እዩ። እቶም መጀመርያ ኣጽቅጥ ኣቢሎም ደሓር ዝጽልዩ ኣመንቲ ተጻይ ናይዚ እዮም። ከመይ እዚ ኣገባብ እዚ ብፍርሂ ተደሪኽካ ተገብሮ ብዘይ ምስትንታን እንታይ ከምእትጽሊ እውን ከይፈልጥካ ዝግበር ዳርጋ ብዘይ ዕላም ሱቊ ኢልካ ምጉያይ እዩ። እቶም ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘጋጥሞም ኣመንቲ ኢና ዝብሉ ብዙሕ ኢፍትሓዊ ነገራት ይገብሮ ከመይ ነቲ ብቀዳምነት ክገብርዎ ዘለዎም ማለት ናብ ጐይታ ከድካ ጸሊኻ መንፈስ ምልላይ ክህበካ ተማህሊልካ እንታይ ክትገብር ከምዘሎዎም ከብርሃሎም ስለዘይጸለዩ እዩ።

ቃል ቅዱስ መጽሓፍ እምነት ኤልያስ እውን ቀስ ብቀስ ከምዝዓበየት ምልክታት ይህበና። ንሱ ኣብ ኣጸላልያኡ ቀስ ብቀስ ከምዝዓበየ ይገልጽ። ገጽ እግዚአብሔር ምርኣይ እታ ንጽርቲ ዕብየት ጒዕዞ ጸሎቱ እያ። እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ጸሎቱኸስ ኣብቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ደረጃ ግልጸት እግዚአብሔር እዩ (1 ነገ 19,9-13)። እግዚአብሔር ኣብ ብርቱዕ ንፋስስ ይኹን  ኣብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምኡ ኣብ ሓዊ ዘይኮነ ኣብ ህዱእ ደሃይ ይግለጽ (12)፣ ነዚ ብዝበለጸ ዝገልጽ ናይ ጸጥታን ኣስተንትኖን ሙዚቃ ኣሎ። ኣምላኽ ኤልያስ ዝኾነ እግዚኣአብሔርከስ ብከምዚ እዩ ዝግለጽ። በዚ ትሑት ምልክት እዚ ገቢሩኸስ እግዚአብሔር ምስ ኤልያስ ይዋሳእ። እቲ ልቡ ክሳብ ትነጥር ዝሃድም ዝነበረ ሰላም ዝተሓረሞ ኤልያስ ከስ ነቲ ምንጪ ሰላም ይረክብ። እግዚኣአብሔር ኩሉ ግዜ ዘፍ ኢሉ ንዝደኸመ ሰብ ብኩሉ ኩሉ ፍሽለት ዝስምዖ ሰብ ብህዱእ ደሀይ ከምዚ ናይ ኤልያስ ይመጽእ እሞ ኣብ ልቡ ህድኣትን ሰላምን ከምዝለስ ይገብር።

ታሪኽ ኤልያስከስ እዚ ነበረ እንተኾነ ዳርጋ ንነፍሲወከፍና ዝተጻሕፈት ታሪኽ እያ። ኣብ ሕይወትና ሓደ መዓልቲ ወይውን ሓደ ምሸት ዘይንጠቅምን በይንናን ኰይኑ ክስመዓና ይኽእል። ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ ሓቀኛ ጸሎት መጺኣ ኣብ ኣፋፌት ልብና ኰይና እትኩሕኩሕ። ከምቲ ኣቦየ ኣቦየ እናበለ ደድሕሪ ዝስዕብ ንዝንበረ ኤልሳዕ ነቢይ ክፋል ባርኖስ ዝሃቦ ባርኖስ ኤልያስ ንኩልና ክእክበና ይኽእል እዩ። ዋላውን ተጋጊና እንተኾና ከምኡ ኣውን ብገለ ዘጒባዕብዑ ፍርሂ ወሪሩና እንተሎ ብጸሎት ናብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ንቅረብ እሞ ሽዑ ከም ብተኣምር ቅሳነትን ሰላምን ክምለሳ እየን። ኣብነት ኤልያስ ዝምህረናኸስ እዚ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

07 October 2020, 13:30