ድለ

ኣብ ሮማ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመንበረ ታቦተ ሰማይ  - ኣብ ፊት እቲ ባዚሊካ ናይ ሮማ ሕንጻ ከንቲባ ቅርዓት ኣብ ሮማ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመንበረ ታቦተ ሰማይ - ኣብ ፊት እቲ ባዚሊካ ናይ ሮማ ሕንጻ ከንቲባ ቅርዓት 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማ ኣብ መርሓ ግብሪ ጸሎት ምእንቲ ሰላም

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት፡ ኣብቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ብሓባር ምእንቲ ሰላም ብዝብል ድላይ ኣብ ዘበገስዎ መደብ መሰረት

እቲ ካብ 1986 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝተበገሰ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም መደብ ናይ ሓባር ጸሎት፡ ለምዘበን ኣብ መበል 34 ስንዳአኡ ሓደ’ኳ ንበይኑ ኣይክድሕንን እዩ - ሰላምን ሕውነታውነትን ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ከምዝካየድ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ናይ ውግእን ለብዕን ኣደዳ ዝኾኑ ዜጋታት እውን ክሓብሩ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሉስ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመንበረ ታቦተ ሰማይ ብናይ ኣሲዚ መንፈስ ተሰንዩ ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ተዳልዩ “ሓደ’ኳ ንበይኑ ገዛእ ርእሱ ኣየድሕንን - ሰላምን ሕውነታውነትን”  ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ዘሳተፈ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክሓብሩ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም፥ ድሕሪ እቲ ናይ ጸሎት መደብ ብሓባር ኣብ ፊት እቲ ባዚሊካ ኣብ ዝርከበሉ ናይ ሮማ ሕንጻ ከንቲባ ፊት ኣብ ዘሎ ቅርዓት ብሓባር ጸሎት መእንቲ ሰላም ኣብ ዝምስክር መደብ ክሳተፉ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ብመንፈስ ኣሲዚ

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት፡ ኣብቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ብሓባር ምእንቲ ሰላም ብዝብል ድላይ ኣብ ኣሲዚ ዘበገስዎ መደብ መሰረት፡ በቢ ዓመቱ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘዳልዎ ክይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ናይ ለምዘበን መበል 34 ስንዳአኡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ማሕበራዊ ምፍንታት ብምኽባር ዝካየድ ከምዝኾነን ብመረብታዊ ውሕዘት እውን ምስታፍ ከምዝከኣልን ዓበይቲ ናይ መላእ ሃይማኖታት መንፍሳዊ መራሕትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ክሳተፉ ምዃኖም ብሩኒ ገሊጾም።

ብምኽንያት ኮቪድ - 19ን ዓሰርተታት ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ሶሪያ ውግእን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ ኣብ ዞባ ናጐርኖን ካራባክህ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ካልእ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ከብቅዕ ካብቲ ናይ ሓባር ጸሎት እቲ ዝዓበየ ንዅሉ ሰናይ ዝኾነ ሰላም ክረጋገጽ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ክቐርብ እዩ።

ናይ ጽሞና ጸሎት

ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ኣርባዕተ ሰሉስ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ከካብ ናይ ሃይማኖት ስፍራኦም ክሳተፉ ከምዝኾኑን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዝርከብሉ ብሓባር ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመንበረ ታቦተ ሰማይ ኣብቲ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክሓብሩ ከምዝኾኑን ድሕሪ እቲ ናይ ሓደ ሰዓት ናይ ጸሎት መደብ ኵሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መንፍሳዊ መራሕቲ ኣብ ኣደባባይ ናይ ሮማ ከተማ ከንቲባ ሕንጻ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዝሳተፍሉ ስነ ስርዓት ክሓብሩ ከምዝኾኑ ብሩኒ ገሊጾም፥ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ምእንቲ ሰላምን ምእንቲ እቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣደዳ ዝኾኑ ዜጋታትን ናይ ጽሞና ጸሎት ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ኣብ 2016 ዓ.ም. ሱታፌ ኣብ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ

ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ብሓባር መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ከምእተሳተፉን ኣብኡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እውን፥ “እቲ ዓውሎማዊ ዝኾነ ዓለም ከም ሓደ ስድራ ቤተ ሕዝብታት ኣብዚ ይርከብ፡ ዓውሎማዊ ኪደት ንናይ ሕዝብታት እውነተይና መሰረታዊ ጠለባት መልሲ ዝህብን ምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ምስሕሓብን ውጥረትን ኣብ ልዕሊ ጽልእን ክዕወት ኣብ ልዕሊ ፈላላይ መናድቕ ናይ ምራኻብ ባህሊ ክዕወትን - ቢሎም- ብጸሎት ናብ እግዚኣብሔር እንቐርብ እንተድኣ ኮይንና ንኣኡ ዝሰኣኖ ሓደ’ኳ የልቦን፡ ኵሉ ናይ ሰላም ኣንጠረይና ክኸውን ይኽእል” ብዝብል ሓሳብ ጻውዒት ምእንቲ ሰላም ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማ ኣብ መርሓ ግብሪ ጸሎት ምእንቲ ሰላም
17 October 2020, 15:10