ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንተቕዋም ማሪያኑም፥ ዓለም ብዘይ ኣዴታት ኣልቦ መጻኢ እዩ ር.ሊ.ጳ. ንተቕዋም ማሪያኑም፥ ዓለም ብዘይ ኣዴታት ኣልቦ መጻኢ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ንተቕዋም ማሪያኑም፥ ዓለም ብዘይ ኣዴታት ኣልቦ መጻኢ እዩ

እቲ ናይ ኣባ ሩፕኒክ ቅብኢ መልእኽቲ፡ ማርያም ምሳና እንታይ እያ? ንነፍሲ ወከፍና ኢየሱስ ክወርድ፡ ክርስቶስ-ሰብ ምልኣት እግዚኣብሔር ሓደ ከማና ድኹም ኮነ፡ ንኣናን ምእንታናን ከማና ኮነ፡ ማርያን ንኢየሱስ ተእትውን ተሕልፍን ኢየሱስ ትወልድን፡ . . . ማርያም ባርኽና ንበላ

ኣብ ሮማ ናይ ጳጳሳዊ ማሪያኑም ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም መምሃራንን ተመሃሮን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ተቐቢሎም፥ “እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ናይ ማርያም ግዜ እዩ፥ ኣደ ሕይወት እትውለድን፡ ደቀንስትዮ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝከናኸና እያተን”፡ ክንደይ ኣዴታት እቲ ዝግብአን ክብሪ ዘይወሃበን ኮይነን ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናብ ቤተ ትምህርቲ ማርያም ምኻድ ማለት ናብ ናይ እምነትን ሕይወትን ትምህርቲ ምኻድ ማለት እዩ” እዚ ነቲ ናይ ጳጳሳዊ ማሪያኑን ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ትርጉምን ኣንፊቱን እዩ” ናይ ቅድስንቶም ቃል ምዕዳን በዚ ኣምር እዚ ተጸማሪ እዩ፡ እቲ ተቕዋም ካብ ዝቐውም 70 ዓመት የቑጽር ከምዘሎን ስነ ማርያማውነት ብማርያማዊ ኣገባብ ዝንበር ሕይወት እዩ፡ ንናይ ግዜ ማርያማዊ ምልክታ ብምንባብ ምስ ካልኦት ተቕዋማት ኣብ ዘድሊ እዋን እውን ናይ ሕዝባዊ ሃይማኖታዊ ድንጋጸን ኣብ ባህልን ስነ ጥበብን ኣብ ግጥምን ዘሰብእ ጽባቔን ተስፋ ብምስፋሕ (ሃይማኖተይናነት) ብምእራም ምትሕብባር” ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ናይ ኣደ ልቢ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ማርያም፥ ኣደን ጓለንስተይትን ብዝብላ ቃላት እንክገልጽዋ፥ እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን፥ እዋን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዩ፥ ስነ ማርያማዊ መጽናዕቲ ከምቲ ኣብ ብርሃን ኣሕዛብ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘመልክቶ፡ እዋን - ማርያም ዝብል ሓሳብ ኣሞርኵይዞም፡ ‘ናብቲ ናይ ማያምም ዓቢይ ናይ ምስጢር ልቢ ብምእታው ናይ ማርያም እጽቡ ድንቅነት ዳግም ምርካብ ኣገዳሲ እዩ” ማርያም “ኣደ” ኣደ ኣዴታት - ዝበለጸት ኣደ፡ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዝበለጸ ናይ ሕውነት ስፍራ ክኸውን እትገብር፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማርያም ኣደኣዊ ልቢ ዳግም ክትረክብ የድልያ፡ ንሓድነትን ንናይ መሬት መሰረታዊ ድላይ ህርመት፡ ናይ ኵሎም ደቃ ቤት ናብ ምዃን መታን ክትመለስ፡ ኵሉ ሓውን ሓብትን ንኹሉ ዝተነጸለ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይብሉ”፥

ብሓልዮት ሕይወት ዝወለድን ዳግም ዝወለድን ኣደነት የድልየና፡ ምኽንያቱ ጸጋን ክንክንን ተኻፊልክ ምንባርን ጥራሕ እዩ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝጥርንፍ፡ ዓለም ብዘይ ኣደ እሞ ሕስብ ነብል፡ መጻኢ ዘይብሉ ኮይኑ ምተረፈ፡ ጥቕምን መኽሰብን ንበይኑ መጻኢ ኣይህብን፡ በንጻሩ ኢማዕርነትን ኢፍትሓውነትን እዩ ዘዕብይ፡ ኣዴታት ግና ነፍሲ ወከፍ ውላድ ቤታውነት ክስምዖ ይገብራን ተስፋ ይህባን!

እንክብሉ ከምዘብርሁ ካፐሊ ሓቢረን።

ክብርቲ ጓለንስተይቲ

ሓድሽ ኪዳን ኣብ ወንጌል፥ ማርያም “ሰበይትን ሓዳስ ሔዋንን ካብ ቃና ዘገሊላ ክሳብ ቀራንዮ ምእንቲ ድሕነት ተመንግው፡ ጸሓይ ዝተኸድነት ዘርኢ ኢየሱስ እትከናኸን፡ ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት እተግብርን፡ ንኣና ሓደ ሕዝቢ እትገብር ጓለንስተይቲ፡ ቢሎም ኣብ ናይ ሕዝቢ መንፈሳውነትን ሃይማኖተይናነትን ብዛዕባ ማርያም ዝግለጽን ተሓሳቢ ገይሮም ስነ ማርያማዊ መጽናዕቲ ብምንቕቓሕን ኣብ ጥንቓቔ ክስዕቦን ክምልከቶን ከንጽሖን እውን ኣተሓሳሲቦም፡ “ንማርያማዊ ናይ ግዜ ምልክታ ትኵራት ምዃን” እንክብሉ ክዕድሙ እንከለዉ፥

ሓደ ካብቲ ናይ ጓለንስተይቲ ግደታት፥ ኣብ ድሕነት ታሪኽ ኣገዳሲ ዝኾነን ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለም እውን ዘገድስ፡ ክንደይ ደቀንስትዮ ዝግብኤን ክብሪ ዘይረኽባን ዘይወሃበንን ከምዘለዋን፡ እግዚኣብሔር ናብ ዓለም ዘምጸኤት ጓለንስተይቲ! ናብ ታሪኽ ጸጋታቱ ዘብጸሔት፡ ናታ ብልሓትን ኣገባብ ሕይወት የድልየና፡ ቲዮሎጊያ ረቒቕን ኣምራውነታዊ ዘይጭበጥ ኮይኑ ከይተርፍ ሃዋስን ትረኻን ሕይወታዊ መታን ኽከውን ናታ ብልሓትን ኣገባብ ሕይወትን የድልየና!

ስነ ማርያማዊ መጽናዕቲ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጓለንስተይቲ ካብቲ ናይ ሓባር ናይ ጸጋ ጥምቀት ክብሪ ዝነቐለ ግቡእን ክቡርን ቦታ ሓባሪ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ናይ ሕውነት ተቕዋም

ማርያኑም፥ “ተቕዋም ሕውነታውነት፥ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፡ ክፉት ንምዃን ዘሎ ፍርሒ ዝሰግር ትርኢቱ ከዕብን ከስፍሕን፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይነትን መንነታዊ መግለጺኡን ከስተውዕል መታን፡ ተዋሳኢ ምዃን እዚ ኸኣ ከም ኣዴታት ሕይወት ምሃብ ማለት ከምዝኾነ እንከመላኽቱ፥

ማርያም ኣደ፥ ናይ ምርኻብ ጥበብን ብሓባር ምጉዓዝን ትምህረና፡ ከም ሓደ ዓቢይ ስድራ ቤት ዝተፈላለዩ ስነ መለኮታዊ ባህልታትን መንፈሳዊ ወግዕታትን ኣብ ማርያምኑም ይተኣኻኻብ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ሃይማኖታውን ስነ መለኮታውን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን እዩ!

ናይ ሩፕኒክ ማርያም

ቅዱስነቶም ናይ ኣባ ማርኮ ኢቫን ሩፕኒክ ናይ ስነ ቅብኢ ስራሕ ዘኪሮም፥ ኣብቲ ስእሊ ኣባ ሩፕኒክ ማርያም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘንበርዋ ትመስል ይኹን ደኣ እምበር እቲ ናይ ቅብኢ መልእኽቲ ከምኡ ኣይኮነን፡ “ማርያም ኢየሱስ በእዳዋ ትቕበል ቀስ እናበለ ክወርድ ከኣ ትገብር፥

እቲ ናይ ኣባ ሩፕኒክ ቅብኢ መልእኽቲ፡ ማርያም ምሳና እንታይ እያ? ንነፍሲ ወከፍና ኢየሱስ ክወርድ፡ ክርስቶስ-ሰብ ምልኣት እግዚኣብሔር ሓደ ከማና ድኹም ኮነ፡ ንኣናን ምእንታናን ከማና ኮነ፡ ማርያን ንኢየሱስ ተእትውን ተሕልፍን ኢየሱስ ትወልድን፡ . . . ማርያም ባርኽና ንበላ፡ ኣነ ሕጂ ክባርኸኩም እየ፡ ኣባና ወትሩ ናይ ውሉድን ሕውነትን መንፈስ ክህልወና ንሕተት` ደቂ ማርያም ደቂ ቤተ ክርስቲያን፥ ኣሕዋትን።

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ካፐሊ ሓቢረን።

26 October 2020, 17:40