ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ስምረትን ምሕዝነትን ደቂ ሰባት ዝንበራ “ማሕበረ - ሰብኣዊት” ኤውሮጳ እሓልም ር.ሊ.ጳ.፥ ስምረትን ምሕዝነትን ደቂ ሰባት ዝንበራ “ማሕበረ - ሰብኣዊት” ኤውሮጳ እሓልም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ስምረትን ምሕዝነትን ደቂ ሰባት ዝንበራ “ማሕበረ - ሰብኣዊት” ኤውሮጳ እሓልም

“ኤውሮጳ ጥዑይ ዓለማውነት፥ እግዚኣብሔርን ቄሳርን ዝተፈላለዩ ግና ተጻባእቲ ዘይኮኑላን . . . ንሰገርነት ክፍት ዝኾነ ምእመናን ብናጻነት እምነቶም ብውልቅን ብማሕበርን ዝገልጹላን ኣብ ሕብረተሰብ ሓሳብካ ዝግለጸላን”፡ ምንጽጻግ ብስም ቃለ ተኣምኖታውነት ዘብቀዓላን፡ ዓለማውነት ንኻልኦትን ንቀረባውነትን ብፍላይ ንእግዚኣብሔር ዕጽውቲ ምዃን ካብ ዝብል ዓይነት ዘይጥዑ ዓለማውነት ዝረሓቐት

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ተቕዋማት ሕብረት ኤውሮጳ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ካብ ውልቃውነት ዝነቅል ዓቢይ ስግኣት ዘይምርግጋጽ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ሕውነታውነት መሰረታዊ ለውጢ ክኽወን ዝላበው ናይ ኤውሮጳ ታሪኽን ክብርታትን ኣብ ዘዘኻኽር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ናይ ዝኽርታት መድብል ምጥማት ዘይኮነ ንዓለም ኣበርክቶ ክህልዎ ዝኽእል መጻኢ ምሕሳብ ከምዘድሊ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ዜና ቫቲካን

እቲ ናይ ስልጣኔ ዘመን ክውንጨፍ ዝደረኾ ኣርባዕተ ሕልምታት - በቲ ኣንኰ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ዝተደገፈ ኮይኑ፡ ካብቲ ቀዳማይ ሕብረት ኤውሮጳ ንምቛም ዘመላኸተ ገምርን ብስምረትን ምሕዝነትን ንዝሓበረ ሕዝቢ ቦታ ዝፈጠረ፡ እዚ ኸኣ ድሕሪ ዘስካሕክሕ ውግእን ፈላላይ መናድቕን ንደሓር ዝተሓንጸጸ እዩ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንመላእ ኤውሮጳ ክፉት መልእኽቲ ከምዝኾነን ኣብቲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንኤውሮጳ ዘለዎም ራእይን - ሚሳልን ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ልብዒ እናሓሰቡ፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስራቲ ሕልሚ ሮበርት ሹማን ከምኡ እውን ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሕልሚ ኣሳዂዖም፡ ክርስቲያናዊ መሰረቱ ብብርቱዕ ዝሓለወ ክኸውን ዝብል ምዃኑ የመላኽቱ።

እቲ መስቀለይና መገዲ፥ ምግምማዕ ወይ ከኣ ሕውነት እዩ

ነቲ ነዊሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዓሉ ዘለዉ ተዘክሮታት፡ ብቐዳምነት እቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ቅዋሜ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን፡ እዞም ክልተ ተዘክሮታትን ከኣ ኣብ መቓን ዝክሪ መበል 70 ዓመት ውሳኔ ሹማን ዝሳዃዕ ኮይኑ፡ ኤውሮጳ በዞም ተዘክሮታት እዚኣቶም ንምግምማዕን ውግእን ኣይፋ ዝበለትሉ ውሳኔን ምርጫን፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ነዚ ክምልስ ዝኽእል ዓቢይ ክኢላዊ ገምጋም ዝሓትት ታሪኻዊ ጉዳይ፡ ብኣጽንዖት ነቲ ናብ ሓድነት ንኽትብል ዝደረኻ ክብሪ የዘኻኽሩ። እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከም ሓደ ብርቱዕ ማሕበራውን ብሔራውን ምግምማዕ ክህሉ ዘገድድ ዝመስል ንዓቢይ ምርጫ ዝዕድም እዩ፡ እዚ ኸአ ወይ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓሰርተታት ዓመታትዝተራእየ ቀስ እናበለ ናብ ዘይምርድዳእ ዝመርሕ ዘሎ ሉኣላውነታውነትን ዘይምርድዳእን ምስሕሓባትን ዘምጽእ ዘሎን በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሕውነታውነት ዳግም ንኽንረክብ ይድርኸና፡ ኣብ ቅድመና እዚ ክልተ ምርጫ እዚ የንብር ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

“ኤውሮጳ ገዛእ ርእስኺ ርኸቢ - ምስ ገዛእ ርእስኺ ተራኸቢ”

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ክልተ መገዲ ኣብ ቅድመና የንብር፥ ናይ ኤውሮጳ ኣናስር፥ ድሕረ ውግእ ሕብረትን ሓድነት የበርትዕ ንዝብል ኣመለኻኽታ በቲ እቲ ሓደ ብገዛእ ርእሰይ ዝብልኝ እዚ ኸኣ ብሓደ ጉድናውነት ነቲ ንናይ ብሔራዊ ናይ ሃገራት ወሰናስን ሰገር ንዝኾነ ጸገም መፍትሒ ምድላይ ዝብል ዝርአይ ፈተና ከምዘሎን ኣስዒቦም ናይ ወንጌል ሓሴት ጠቒሶም - ሓድነት ካብ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ንላዕሊ እዩ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣገባብ ናይ ታሪኽ ሕንጸት ክኸውን ይኽእል እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ነቲ ዮሓንስ ጳዎሎስ ዳግማዊ ዕለት 9 ሕዳር 1982 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስተላ ተረኺቦም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የዘኻኽሩ።

ጥልቂ መበቆል

“ኤውሮጳ ገዛእ ርእሳ ክትረክብ - ኤውሮጳ ምስ ገዛእ ርእስኺ ተራኸቢ፥ ኣብ ዘመናት ናይ ሚሳል ፈጣሪነትን ኣመንጫዊትን ዝነበርኪ፡ ሎሚ እቲ ውዕዉዕ ስምዒትኪ ዘጥፋእኺ ትመስሊ፡ ኣብ ደውታ ናይ ተዘክሮታት መድብል እትግንጽሊ ኣይትዅኒ፡ ሓደ መዓልቲ እውን እቲ ሰናይ ተዘክሮ ደብዚዙ ኣብ ዘይ ተዘካርነት ክወድቕ እዩ። ገዛእ ርእስኺ ምርኻብ ምስቲ ኣብ ጥልቂ መበቆል ዝተኣሳሰረ ሚሳል ዳግም ምርኻብ ማለት እዩ፡ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ መጻኢ መስኮት ዝኾነ ሺሓዊ ታሪኽ ዳግም ንምብርካብ ኣይትፍርሒ - በቲ ጥንታዊ ግሪኻዊ ሕቶ ዝተነቕቕሔ ድላይነት ሓቂ ዘይምፍራሕ፡ ድላይ ፍትሕ ዝብል ርማዊ ቅዋም ንዘማዕበሎ ኵነት ዘይምፍራሕ፡ ነቲ ብምርኻብ ኣይሁዳውን ክርስቲያናውን ብህሊ ሃብታም ዝኽነ ድልያ ዘለኣለማውነት ዘይምፍራሕ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኤውሮጳ፥ሓንቲ ስድራ ቤት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ሕልሚ ዝብል ራእይ መሰረት ገይሮም፡ ኤውሮጳ ናይ ሰብን ሰባትን ብጻይ ትኹን፡ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኽበራላን ሰብ ብገዛእ ርእሱን ኣብ ገዛእ ርእሱን ክብረት እምበር ናይ ኤኮኖሚ ቀመር መጋብርያ ወይ ናይ ንግድ ኣቕሓ ዘይኮነሉን፡ ብሓጺሩ እዚ ዓይነት ግንዛቤ ዘለዋ፡ ስለዚህ “ሕይወት እተከላኸል” ስራሕን ሕንጸትን ባህልን እትከላኸል “ተኣፋፍያንን ድዅማትን ብፍላይ ኣረጋውያንን ህሙማንን እቶም ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትት ክንክን ጥዕና ዘድልዮምን ግዱዓትን እትከላኸል፡ . . . ስድራ ቤታዊትን ማሕበረሰብኣዊትን ኤውሮጳ እሓልም . . . ብኻልኣ ኣዘራርባ ናይ ሕዝብታት ስድራ ቤት . . . ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍልልያት ሃብቲ ዝኾነላ ኤውሮጳ”። ቅዱስነቶም ነዚ ሓሳብ እዚ “ማሕበረሰብኣዊት ኤውሮጳ ምትሕብባር ዝንበረላ ቤት ሕውነታውነት ወይ ከኣ ኣንጻር እዚ በይናውነት ዝንበረላን ናይ መጻኢ ብድሆ ንምግጣምን ንምብዳህን ብቕዓት ዘይብላ እያ እትኸውን” ኣብ መንጐ እዚ ክልተ ጫፍ ትርከብ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኤውሮጳ፥ ጠመተኣን ማዓጽዋት ርሁው ዝኾነላ መሬት

ቅዱስነቶም ሳልሳይ ሕልሚ፥ ተሓባባርን ለጋስን ኤውሮጳ ዝብል ጠቒሶም፥ ኣእንጋዲት እቲ ናይ ክርስትያናዊ ድግና ልዕል መግለጺ ዝኾነ ግብረ - ሰናይ ዝንበረላ ክትከውን በዚ ኸኣ ኩሉ ዘይተገዳስነትን ኢጐነትን ንምስናፍ ከምዝከኣል ኣመላኺቶም፡ ተሓባባሪ ምዃን ቀረባውነትን ምዃን ይጠልብ፡ እዚ ኤውሮጳ ስንድውትን ቀረባን ንምድጋፍ ድላይ ዘለዋን ብዓለም ሓቆፍ ናይ ምትሕብባር ተቕዋማት መሰረት ምስ ካልኦት ክፍለ ዓለም እትተሓባበር፡ ብፍላይ ምስ ኣፍሪቃ፡ ኣቲ ዝርአይ ብዙሕ ውጥረት ዓመጽን ንምውጋድ ሕጹጽ ጻዕሪ እተሳልጥ፡ ንስደተይናታት ብግብረ ረድኤት ጥራሕ ዘይኮነ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ብዘኽእሎም ጐደና እተሰንዮም፡ ብሓጺሩ ተሓባባሪት ማሕበረሰብኣዊት ኤውሮጳ እምነይ . . . ከምዝበሉ ዜን ቫቲካን ይሕብር።

ክንየው ቃለ ተኣምነታውነትን ፍኑው ዓለማውነትን

እቲ ራብዓይ ሕልሚ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ዘመላኸትዎ፥ “ኤውሮጳ ጥዑይ ዓለማውነት፥ እግዚኣብሔርን ቄሳርን ዝተፈላለዩ ግና ተጻባእቲ ዘይኮኑላን . . . ንሰገርነት ክፍት ዝኾነ ምእመናን ብናጻነት እምነቶም ብውልቅን ብማሕበርን ዝገልጹላን ኣብ ሕብረተሰብ ሓሳብካ ዝግለጸላን” ቃለ ተኣምኖታውነት ዘብቀዓላን፡ ዓለማውነት ንኻልኦትን ንቀረባውነትን ብፍላይ ንእግዚኣብሔር ዕጽውቲ ምዃን ካብ ዝብል ዓይነት ዘይጥዑ ዓለማውነት ዝረሓቐት፡ ንሰገርነት ክፉት ምዃን ዘየኽብር ፖለቲካ ሰብኣውነት ዘየኽብር ከምዝኸውን የብርሁ።

ዝጸሓፍ መጻኢ

ቅዱስነቶም መልእኽቶም፥ “ክርስትያን ኣብ ኵሉ ኣብ ዝዓይሉ መዳይ ለውጢ ዘነቓቕሑን ኤውሮጳ ንጠበቓታታ ቅዱሳትን ቅዱሳንን፥ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻን ቀርሎስን መጠዲዮስን ብሪጊጂዳን ካተሪና ዘሲየናን ተረዛ በነደታ ዘመስቀልን ዘማሕጽዋን ክኾኑን ተላብዮም፡ ብዘይጥርጥር ኤውሮጳ ንዓለም እተወፍዮ ብዙሕ ነገር ከምዘለዋን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዘተባብዕ ቃሎም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክንየው ቃለ ተኣምነታውነትን ፍኑው ዓለማውነትን
28 October 2020, 16:04