ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፥ ናይ ክርስቶስ ኢኻትኵም ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፥ ናይ ክርስቶስ ኢኻትኵም 

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፥ ናይ ክርስቶስ ኢኻትኵም

ጳጳሳዊ ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተወለድቲ ስዊዘርላንድ “ሓደ ክፍሊ ናይ መንእሰይ ሕይወቶም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምግልጋል የወፍዩ” ነዚ ሓሳብ እዚ ብኣጽንዖት ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ኣብዚ ናይ ምግልጋል ምርጫ’ዚ ናይ ኣባይቲ ስድራኹም ምርኻብ፥ ነቲ ወለዲ እምነትን ግብረ ገባዊ ሕንጸትን ሰናይ ኣብነትን ኣብ ምምሕልላፍ ዘለዎም ግደ ወሳኒ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ”

ዕለት 2 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ቃለ ማሕላ ንዝፍጽሙ ንሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተቐቢሎም፥ ናይዚ ጳጳሳዊ ወተሃደራዊ ኣካል ምስጢረ ጥምቀታዊ ጸዋዕታ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናይቲ ዕለት 6 ግንቦት 1527 ዓ.ም. ከተማ ሮማ ብወተሃደራት ላንድስከንኽት ተኸቢባ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ቀለመጦስ ሻብዓይ ንምክልኻል 147 ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ሕይወቶም ከምዝኸፈሉ ዘኪሮም እቲ ወረራ ዝተኻየደሉ እዋን ዘመተ ሮማ ብዝብል ታሪኻዊ መጸውዕ ዝግለጽ እውን ምዃኑ ጠቒሶም፥

እዛ ዕለት እዚኣ ናይቲ ሎሚ ኣካሉ ዝኾንኵምሉ ኣካል ታሪኽ ምልስ ቢለ ንኽዝክር ዕድል ይኾነኒ፥ ብፍላይ ከኣ ኣእምሮይ ናብቲ ዘመተ ኣብ ልዕሊ ሮማ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ እዋን ጳጳሳዊ ሓለው ጸጥታ ር.ሊ.ጳ. ንምክልኻል ክሳብ ገዛእ ርእስኻ ምስዋእ ዝብል ዝፈጸመዎ ገድሊ የብል፡ ናይቲ እዋን ኣብ ሎሚ ተዘክሮ ነቲ ዓቢይ ሓደጋ ዝኾነ ዘመተ መንፈስ፥ ኣብ እዋናዊ ማሕበራዊ ማዕቅፍ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ኣብ ቁሳዊ ሃረርታን ደላይነት ቁሳዊ ብዝብል ሚሳልን ኣገባብን ሕይወት ክሳብ መንፈስ ንዝቕንጥጥ ሓደጋ ገዛእ ርእሶም ኣቃሊዕም ዝነብርዎ ኩነት ዘዘኻኽር ታሪኽ እዩ!

ከምዝበሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

እሙናት ንኽርስቶስ

ጳጳሳዊ ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተወለድቲ ስዊዘርላንድ “ሓደ ክፍሊ ናይ መንእሰይ ሕይወቶም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምግልጋል የወፍዩ” ነዚ ሓሳብ እዚ ብኣጽንዖት ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ኣብዚ ናይ ምግልጋል ምርጫ’ዚ ናይ ኣባይቲ ስድራኹም ምርኻብ፥ ነቲ ወለዲ እምነትን ግብረ ገባዊ  ሕንጸትን ሰናይ ኣብነትን ኣብ ምምሕልላፍ ዘለዎም ግደ ወሳኒ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ”፡ ናይ ወለዳቶም ኣብኡ ምርኻብ ናይ ስዊዘርላንድ ካቶሊካውያን ተወፋይነት ዝምስክር ከምዝኾነ ብሰፊሕ ኣብሪህም፥ ወለዲ እምነትን ንብጻይ ናይ ምግልጋልን ድላይን ተግባርን ኣብ ምሕላፍ ኣብ ናይ ሎሚ ምርጫኹም እወታዊ ድርኾት እዩ፡ . . . እቲ  ኣብ ቅድስቲ መንበር እተሕልፍዎ ዓመታት ኣብ ሕይትኩም ፍሉይን እንኰን ተመክሮ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ሕይወትኩም ብናይ ክርስቲያናዊ ፍስሓ ንምምራሕን ብሕውነት መንፈስ ንሓድ ሕድኩም ምድግጋፍን ተመክሮ እትገብርሉ እዋን እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥

እትፍጽምዎ መብጽዓ እቲ ምስጢረ ጥምቀታዊ ጸዋዕታዅም እሙናት ናይ ምዃን ምስክርነት እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሰባትን ክርስቲያን ናይ ህልውናዅም ቀንደይና ተዋሳእቲ ንኽትኰኑ ንዝጸውዓኩም ክርስቶስ ምግልጋል ዘለኩም እምነት መግለጺ እዩ፡ ብሓገዙን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ናይ ሕይወት መሰናኽላትን ብድሆታትን ክትብድሁ ኢኻትኩም፡ ጐይታ ወትሩ ኣብ ጐድንዅም ምዃኑ ኣይትረስዑ፥ ዘጸናንዕ ህላዌ ከምዘሎ ክምስዓኵም ብልቢ እምነየልኵም!

ከምዝበሉ ኣፍሎጦም።

ኣፍልጦን ሞሳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ከምቲ  ልሙድ ሓደስት ናይ ጳጳሳዊ ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ቃለ ማሕላ ዝፍጽሙላ ዕለት እታ ኣብ ታሪኽ ኣካል ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽን ዓቢይ መስዋዕትነት ዝኸፈሉላ ዕለት 6 ግንቦት ክኸውን እንከሎ ለምዘበን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ከምእተሰጋገረን እቲ ናይ ለምዘበን ቃለ ማሕላ ዕለት 4 ጥቅምቲ ዝፍጸም ምዃኑ ሎሞናኰ ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ቃለ ማሕላ ስነ ስርዓት ብምኽንያት ለብዒ ዝተደንገገ ውሳኔ ብዘኽብር ኣገባብ ዝፍጸም ከምዝኾነን ኣዘኻኺሮም፥ ምእንቲ እቲ ብዙሕ ዝኾነ ዅሉ እትፍጽምዎ ጥራሕ ዘይኮነ ብኸመይ ከምእፍትጽምዎ ምኽንያት ኵሉ ከመስግነኵም እፈቱ! ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ኣብ መወዳእታ ሕይወትና እንታይ ብዝገበርናዮ ዘይኮነ ኣብቲ እንፍጽሞ ብእነንብሮ ፍቕሪ እዩ ዝበለቶ ጠቒሶም፡ ነቶም ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዝርላንድ ዝሓልይ ማሕበር ኣመስጋኒ ሰላምታይ አመሓላልፍ” ከምዝበሉ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፥ ናይ ክርስቶስ ኢኻትኵም
03 October 2020, 13:07