ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ተጋድሎ ኣብ ዝሓትት ፍቕሪ እውን ይኹን ሕይወት ምእንጋድ

እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ኵሉ ንናይ ኩሎም ኣሕዋትና፡ ብፍላይ ናይቶም ተነቀፍትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ሕይወት ምኽባር ከነቓቕሕን ኣብቲ ገድላዊ ፍቕሪ ዝሓትት እውን ነቶም ሕይወት ዘአንግዱን ዝከናኸኑን ሓይሉ ክጽግው በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብተወላዲ ፖላንድ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ንጸልይ!

“ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ሕይወት ኵነትን ደረጃን ወትሩ ሕይወት ምእንጋድ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ካብ ፖላንድ ንዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ፖላንድ ቅዋም ሃገር ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጽርየት-ሓድግኣዊ ምንጻል ጽንሲ፡ ዘይቅዋማዊ እንክብል ንዘመሓላለፎ ውሳኔ ስዒቡ ዝተለዓዓለ ንዱር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መዓዝን ኣበይን ብዘየገድስ ሕይወት ንምክልኻል ዳግማይ ሓድሽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ልቢ፡ ናይ ኣሕዋትና ብፍላይ ናይቶም ተነቀፍትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ሕይወት ንምክልኻል ሕይወት ናይ ምኽባር ፍጹም ድላይ ከነቓቕሕ ንጸልይ” ከምዝብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ንመንፍሳውያን ነጋዶ ተወለድቲ ፖላንድ ሰላምታይ አቕርብ፡ ኣብዚ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መበል 100 ውልደቶም እንዝክረሉ ዘሎና እዋን፡ ዕለት 22 ጥቅምቲ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሊጡርጊያዊ ዝኽሪ ኣብዒልና፡ ንሶም ወትሩ ንዝተናዕቁን ተነቀፍትን ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ከምዝመዓዱን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ኵሉ ንናይ ኩሎም ኣሕዋትና፡ ብፍላይ ናይቶም ተነቀፍትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ሕይወት ምኽባር ከነቓቕሕን ኣብቲ ገድላዊ ፍቕሪ ዝሓትት እውን ነቶም ሕይወት ዘአንግዱን ዝከናኸኑን ሓይሉ ክጽግው በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብተወላዲ ፖላንድ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ንጸልይ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዛዕባ ጽንሲ ምንጻል ዝምልከት ሕቶ ኣብ ፖላንድ ዘለዓዕሎ ዘሎ ተቓውሞ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፖላንድ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ጽንሲ ምንጻን ብምኽንያት ጽሬት-ሓድግኣዊ ሓሳብ ኮነ ተግባር ምስ ናይ ሃገር ቅዋም ዘይቃደው እዩ እንክብል ናይታ ሃገር ቅዋም ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን ዘለዓዓሎ ንዱር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽል ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምፍንፋን ዝብልን ምትእኽኻብ ክልኵል ዝብል ውሳኔ እውን ይደንገግ፡ ነቲ ብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቃወም ዝካየድ ዘሎ ዘሰክፍ ተቓውሞ ሰልፊ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ምስሕሓብ ይፈጥር ከምዘሎን፡ ናይ ፖላንድ መራሔ መንግስቲ ማተኡች ሞራዋይችኪ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ንዱር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታንን ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ኣረመናዊ ተቓውሞን ግቡእ መልሲ ንምሃብ እደ ኣታውነት ሓይሊ ምክልኻል ክሓትት እየ ከምዝበሉ ይንገር።

ናይ ቅዋም ሃገር ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ

እቲ ናይ ቅዋም ሃገር ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ፥ እቲ ዝተጸንሰ ድቂ፥ ግዱዕን ኣበረይናን ጽንሲ ዝምልከት ምዃኑ እንተድኣ ተረጋጊጹ ፍቑድ ክኸውን ዝብል ኣብ 2019 ዓ.ም. 119 ናይታ ሃገር ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ንዘቕረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ፡ ምስ ናይ ሃገር ቅዋም ዝገራጨው እዩ ምእንቲ’ዚ ጽንሲ ምንጻል ክልኩል እንክብል ብይን ከምዝሃበ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ፖላንድ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ስታኒዝላው ጋደኪ፡ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ሕይወት ዝከላኸል እዩ፡ ሕይወት ኣብ ዝኾነ ይኹን መዓዝን ኣበይን ኩነትን ደረጃን ይረኸብ ክኽበር ኣለዎ ንዝብል ክብሪ ዘኽብር እዩ፡ እቲ ውሳኔ ካብዚ ዝተፈልየ ነይሩ እንተዝኸውን ናይ ሓደ ብሕጊ ናይ ዝምራሕ ደሞክራሲያዊ ሃገር መሰረታዊ ሕጊ ምንጻግ ምኾነ” ከምዝበሉ ይንገር። ኣብ ፖላንድ ጽንሲ ምንጻል፡ ናይታ ዝጸነሰት ኣደ ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕ ምስ ዝኸውንን ወይ ውን ብወሲብ ዓመጽ ዝጸነሰት ኣንተድኣ ኮይኑ ፍቑድ ዝብል ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ኣብ ፊት ኣባይቲ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ግብረ ዓመጽ

እቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ዝቃወሙ ዜጋታት ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንዱርን ምስ ሓይሊ ጸጥታ የሰሓሕብ ከምዘሎን ካብዚ ሓሊፉ እውን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 25 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይኣትዉን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ከይሳተፉን ከምዝዓገተን ክንገር እንከሎ፡ ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ጋደኪ፥ ብዛዕባ ናይ ሕይወት መሰልን ክብርን ትማልን ሎምን ጽኑዕ እዩ፡ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ወንጌላዊ ሕይወት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ከምዝሕብሮ፥ “ናይ ሓደ ንጹሕ ሰብ ሕይወት ደይ መደይ ኢልካ ምንጻል ብመንጽር ግብረ ገብ ወትሩ ግብረ እከይ እዩ፡ ስለዚህ ፈጺሙ ንሓደ ሰናይ ንእትብሎ መባጼሕ መጋበርያ ይኹን ከም ፍጻሜ ፍቑድን ቅቡልን ክኸውን ኣኽክእልን” ከምዝበሉ ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።    

28 October 2020, 22:34