ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሎሚ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት ዝኽተመሉ እዋን እዩ

ብሓባር ንቕድሚት ንበል፡ ኵላትን ኣብ ሓባርነት! ከከም ምዃንና፡ ነቲ ንጹግ ዝገብር ለብዒ ጓሓፋይ ባህሊ ቦታ ዘይህብ ናይ ስኒትን ሓድነትን ስልጣኔ ኣብ ምሕናጽ ንቐድሚት ንበል

ዕለት 15 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናብቲ ኣብ ላተራነንሰ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ናይ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ሓልዮ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘተሓሳስብዎም ኣገዳስነቱ ዘመላኽትዎን “ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት” ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ናብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስነቶም ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፥ ነቲ ዝስካሕክሕ ለብዒ ዝኾነ ሰብ ከም ጓሓፍ ዝነጽግ ባህሊ ቦታ ንዘይህብ ዓለም ንምርግጋጽ ሓድሽ ጻዕሪ ኣብ መዳይ ሕንጸት ኣገዳሲ ምዃኑ ብዘፊሕ ከምዘብርሁ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዲኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕውነትን ተሓባባርነትን - ምትሕልላይን ሰላምን ፍትሕን ዝዓሰሎ ዓለም ንምሕናጽ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት ፍኖት ብምዃኑ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት ኣገዳስነቱ የነቓቕሑ፡ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዝተሓላለኸን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮናን ሰብኣዊ ርክባትናን ከይተረፈ ክተሓላለኽ ይገብሮ ከምዘሎ እንርዮ ዘሎና ሓቂ እዩ፡ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ቅዱስነቶም ስኑይ ማሕበረሰብ ንምሕናጽ ኣመለኻኽታትና እንቕይረሉን - እንልውጠሉን እዋን ከምዝኾነን ነዚ ንምርግጋጽ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት ናይ ግድን ምዃኑ የተሓሳስቡ፥ ሕንጸት ጸረ መርዚ ውልቃውነትን ተስፋ ናይ ዝህብ ኣኽእሎት መንበር ምዃኑ የመላኽቱ፥

ኮቪድ፥ ትምህርታዊ ዕንወት

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ 10 ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ብዘስዓቦ ቅልውላው ኤኮኖሚ ካብ ትምህርትን ሕንጸት መዳይ ክርሕቑ ዝብል ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻብ ጠቒሶም እዚ ነቲ ኣብ ዓለም 250 ሚሊዮን ሕጻናት ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ካብ ትምህርቲ ዓለም ንዝንጸሉ ብዝሒ ክብ ከምዘብሎን፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ መደብ ሕንጸት ዘሎ ፍልልይን ብማሕበራዊ መረብት ንኽካየድ ኣብ ዘገደደሉ እዋን ኣብ ኣቕርቦት መደብ ሕንጸት ዘሎ ኣድልዎ ክሳብ ክንደይ ዘሰክፍ ምዃኑን ብዙሓት ዜጋታት ናይቲ ሓድሽ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ መረብታዊ መራኽቦ ተጠቐምቲ ንኽኾኑ ዕድል ዘይብሎም ብምዃኖም እውን ካብ መደብ ሕንጸት ክሰናኸሉ ይገብር ከምዘሎ ዝርአይ ዘሎ ሓቂ ምዃኑ የብርሁ።

ድጋም ዘይኮነ ምህዞኣዊ ኪደት

ንኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ሃይማኖታትን መንግስታትን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣብ ሕንጸት ሰብኣውነት ብሓላፍነት ዘሳትፍን፡ ምስ መንእሰይ ወለዶን ንመእሰይ ወለዶን ሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት እንፍርመሉ እዋን እዩ። እቲ እንነብረሉ ዘሎና ታሪኻዊ እዋን ከይባኽን ጥቕማውነት ኣብ ዝብል ምሒር ኣመክንዮ ከይጸፈሔ ምስቲ ድጋም ዝብል ስነ መጐታዊ መስፈርት ከይተመሳሰለ ናይ ምህዞኣዊ ብቕዓት ዘለዎ ኪደት እንገዳን ምትሕብባርን ኣብ መንጐ ወለዶን ዕሴት ሰገርነትን ኣብ ዝብል ክብሪ ዝጸንዔ ሓድሽ ባህሊ ምትብባዕ ከምዘድሊ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ይላበዉ።

ጉዕዞ ሕይወት ኣብ ምትሕብባር ዝጸንዔ ተስፋ ከምዘድልዮ እነስተውዕሎ ዘሎና ሓቂ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ለውጢ ንናይ እዋናዊ ዓለም ብድሆታትን ሕጹጽ ጠለባትን መልሲ ንምሃብ ብቕዓትን ዘለዎን ንምስትውዓሉን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ሕጹጽ ጠለባት ዝርዳእን መፍትሒ ዘናድዩ ናይ ሎምን ጽባሕን ሰብኣውነት ዘዐንብብ ረባሕታ ሓድሽ ናይ ሕንጸት ኪደት ይጠልብ፡

ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ሕንጸት ናይ ዘይተገዳስነት ስነ መጐት ዝበትኽ ናይ ተስፋ ተግባር እዩ

ምእንቲ`ዚ ሓድሽ ባህላዊ ኣርኣያ ኣገዳሲ እዩ፡ ሕንጸት ነቲ ዘምክንን ዘልምስን ናይ ዘይተገዳስነት ባህሊ መልክኣ ሞት ፈንጺጉ ናይ ሓባራዊ ኣባላትነትና ንኸነእንግድ ዘብቅዕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከምዘለዎ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እንከብርሁ፥

ሕንጸት ዓለምን ታሪኽን ሰብኣውነት ንኽጥቀመሉ ዘብቅዕ ሓደ ስሉጡ ፍኖት እዩ፡ ሕንጸት ኣብ ግዜ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ናይ ፍቕርን ሓላፍነትን ተግባር እዩ። ስለዚህ ነቲ ውልቃውነትን ንኣይነትን ንዝብል ባህሊ ጸረ መርዚ እዩ . . . መጻኢና ምግምማዕ ክኸውን ኣይክእልን . . . ናይ ምሕሳብን ምሕላንን ናይ ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ዘተን ጽን ምብህሃልን ብቕዓትና ዘድክይ ኣነነት ዝምለኸሉ ክኸውን ኣይክእልን . . . ሎሚ ናይ ማሕበረሰብ ክፍለ ኣካል ዘዋስእ ናይ ህርኩት ህንጸት ጻዕሪ ወቕቲ እዩ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ዲኒኒ ኣስዒበን፥

ናይቲ ጻዕሪ ጭቡጥ ነጥብታቱ

ናይቲ ናይ ሕንጸት መደብ መወከሲ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ እዩ፡ ኣብ ግልጸትን ክርስቲያናዊ ሰብኣውነትን ዝጸንዔ፡ እዚ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ’ዚ መሰረት ንኽኸውን ድሉው እዩ፡ ሕንጸት ከምቲ ናይ ሰብኣዊ  መሰልን ክብርን ዝሓቶ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ  መሰልን ክብርን ብምዃኑ ንኹሉን ናይ ኩሉን መታን ክኸውን።

ንሓደ ሕውነታዊ ሰብኣውነት

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ምልስ ቢሎም ነቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ እናሓሰቡ፡ . . . ሰብኣዊ ፍጥረት ኵላዊ ቋንቋኡ ሕውነት ዝብል ክኸውን ከምዘለዎን ፍልልያት ናይ ሓባር ረብሓ ናብ ምንዳይ ቅድው መታን ክኸውን ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን የድሊ . . . ናይ ባህልን ናይ ስነ ምርምርን ስፖርትን ስነ ጥበብን ጋዜጠይናታትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰብ ሙያን ናይ ምክንኻንን ሰላምን ፍትሕን ሰናይን ጽብቔን ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምእንጋድን ናይ ሕውነትን ክብርታት ዘነቓቕሑ ክኾኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ይምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምእተላበዉ የመላኽታ።

መንእሰይ ወለዶ ዝተዓረዶ ሓደጋ

ነቲ ዝረአይ ከቢድ ጾር ዝኾነ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግህሰት ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ኮይንና ሕቖኻ ኢብካ ምሕላፍ ከይህሉ መታን ዝተሓደሰ ናይ ሕንጸት ኪደት ናይ ሓድሽ ወለዶ ገዓር ጽን ምባል የድሊ፡ ምእንቲ’ዚ ቅዱስነቶም እቲ ንበይናውነትን ኣብ መጻኢ ተስፋ ዘይምግባርን ጸቕጥን ጽግዕተይናነትን ጽልእን ኣጥቓዕነትን ንዓለቐይናነትን ሓደጋ ተቓሊዑ ዝርከብ መንእሰይ ወለዶን ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ናይ ወሲብ ዓመጽን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንመርዓ ምስግዳድን ሕጻናት ወተሃደራትን ዝሽየጡን ዝልወጡን ሕጻናትን ብሓድሽ ጊልያነት ዝተጠቕዑን ብጠቕላላ እቲ ንመንእሰይ ወለዶ ተዓሪድዎ ዘሎ ሓደጋን እቲ ብምዝመዛ ዝደምይ ዘሎ ናይ ሓባር ቤትናን ኩሉ ጸገማትን ዘርዚሮም፥ ነዚ ገዓር እዚ ጽን ዝብልን ዝብድህን መልሲ ዝህብ ሕንጸት ኣገዳስነቱ ብሰፊሕ የመላኽቱ።

ናይ ስኒት ስልጣነ፥ ኣይፋል ነቲ ለብዒ ጓሓፋይ ባህሊ

ኣብ ታሪኽ መጻኢ ግምት ብምሃብ ጽኑዕ መሰረታዊ ውሳኔ ዝውሰደሉ እዋን ከምዘሎን ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፥ ዓበይቲ ለውጥታት ኣብ ጠረጴዛ ዝተሓነጹን ዝሕነጹን ኣይኮኑን፥ ዝተፈላለዩ ተቕዋማትን ናይ ሓደ ሕብረሰብ ኣባላትን ሓደ እኳ ከይተነጸለ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ዘዋስእ ናይ ሰላም ሓነጸጽቲ ከምዘዉ ኣዘኻኺሮም፥

ብሓባር ንቕድሚት ንበል፡ ኵላትን ኣብ ሓባርነት! ከከም ምዃንና፡ ነቲ ንጹግ ዝገብር ለብዒ ጓሓፋይ ባህሊ ቦታ ዘይህብ ናይ ስኒትን ሓድነትን ስልጣኔ ኣብ ምሕናጽ ንቐድሚት ንበል

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዲኒኒ ሓቢረን።

16 October 2020, 14:46