ድለ

እግዚአብሔርን ድኻታትን ከምዘየለው እናሓሰብኩም ኣይትንበሩ ኣይትጸልዩ እውን! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዘቅርበዎ ሓፈሻዊ ሶሙናይዊ ናይ ዕለተሮቡዕ ትምህርቲ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ ጸሎት መዝሙረ ዳዊት ዝጀመርዎ ክፍሊ ብምዝዛም እዚ ጸሎት እዚ ንእግዚአብሔር ስለገዛእ ርእስናን ስለኣሕዋትናን ስለመላእ ዓለምን ንክንምህለል ይምህረና እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ከምቲ ልሙድ ብትእምረት መስቀል ነቲ መደብ ምስ ከፈቱ ‘ኣብ ልቢ ረሲዕ ሓጢኣት እዩ ዚዛረብ! ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቱ ፍርሓት እግዚአብሔር የልቦን! ንጌጋኡ ክደልያን ንክቃወማን ግን ኣብ ገዛእ ርእሱ ይደናገር። ቃላቱ ክፍኣትን ምድንጋርን እየን። ንሠናይ ነገር ንምርዳእን ንምፍጻሙን ይኣቢ። ንእከይ ኣይጽየፎን። ኦ እግዚኣብሔር፣ ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት፣ እምንነትካውን ክሳዕ ደበናታት ይበጽሕ። ኦ ዎ ኣምላኽ፣ ሳህልኻ ኽንደይ ክቡር እዩ፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ይጽግዑ። ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም። ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፣ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ ኣሎና።’ (መዝ 36 2-9) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ከም ልማዶም ኣብ ማእከሎም ተዘዋዊሮም ሰላም ዘይምባሎምን ቡራኬ ዘይምዕዳሎምን ምኽንያቱ ብምግልጽ ዝጀመረ ነዚ ዚስዕብ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብምኽንያት ታህዋስ ኮቪድ 19 ኣገባብ ናይዚ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ቁሩብ ክንልውጥ ኢና። ንስኹም ብመሸፈኒ ከይተረፈ ተፈላሊኹም ኣሎኹም ኣነ ኸኣ ርሕቅ ኢለ ኣብዚ ኣሎኹ። እቲ ቀደም ዝገብሮ ዝነበርኩ ማለት ተዘዋዊረ ሰላም ክብለኩምን ክባርኸኩምን ናብኹም ክቀርብ ኣይክእልን። ከመይ ናባኹም ኣብ ዝቀረብኩሉ ግዜ ንስኹም ኩሉኹም ዕጉግ ኢልኩም ትእከቡ እሞ እቲ ኣብ መንጎና ክህሉ ዘለዎ ርሕቀት ኣይሕሎን። እዚ ከኣ ንክንልከፍ ተኽእሎ ስለዝፈጥር እዩ። ከምዚ ምግባር ደስ ኣይብለንን እንተኾነ ስለ ውሕስነት ጥዕናኹም እዩ።  ከክንዲ ናባኹም ቀሪበ ሰላም ዝብለኩም ካብ ርሑቅ ሰላም ንበሃሃል እንተኾነ ብልበይ ኣብ ጥቃኹም ከምዘሎኹ ፍለጡ። መኽፈቲ ትምህርትና ቃል ኣምላኽ ክንበብ እንከለ ሓደ ሕጻን ክበኪ ወይውን ክትበኪ ሰሚዕስ ናባኦም ገጸይ ቁሊሕ ምስ በልኩ እታ ኣደ ክትርርዎን ክትጠብዎን ምስ ረኣኹ እግዚአብሔር ከኣ ምሳና ከምኡ ከምዝኾነ ከምዛ ኣደ እዚኣ ኣብ ግዜ ጸገምና ከምዝረድኣና ምፍላጥ ክንደይ ኮን ይጥዕም። እዛ ኣደ እዚኣ ብኽንደይ ጥንቃቄ ነቲ ሕጻን ክትከናኸን ብዓቢ ርሕራሔ ክተጥቡ ምርኣይ ነዚ የዘክር። ኣብ ቤተክርስትያን ከምዚ ከጋጥም እንከሎ ማለት ሕጻናት ክበኽዩ ክትሰምዕን ነቲ ሕጻን ብርሕራሔ ትከናኸን ኣደ ምህላዋ ምፍላጥን ዓቢ ምስክርነት እዩ። ስለ እዚ ምስክርነት ማለት ዝሓሊ ኣቦ ምህላው ዘዘኻኽር ርሕራሔ ዝመልኦ ምስክርነት ኣደታት ነመስግነን። ኣብ ቤተክርስትያን ንዝበኪ ሕጻን ገኒሕኩም ሱቊ ክትበሉ ፈጺምኩም ከይትፍትኑ ፈጺምኩም ከመይ ርሕራሔ እግዚአብሔር ዝጽውዕ ድምጺ እዩ። ስለምስክነትክን አመስግን።

ናብ ትምህርትና ምልስ ምስ እንብል ሎሚ ነቲ ብመዝሙረ ዳዊት ምጽላይ ዝብል ትምህርተ ክርስቶስ ክንዛዝም ኢና። ኣብ መዝሙራት ዳዊት ብተደጋጋሚ እትርከብ ሓንቲ ኣሉታዊት ቃል ኣላ። ንሳ ከኣ ረሲዕ እትብል ኰይና እዚ ከኣ ነቲ ወይውን ነታ ብልቡ ልባ እግዚአብሔር ከምዘየሎ ዚሓስቡን ዚዓዩን ተመልክት። እዚ ሰብዚ ዚኣምኖ ልዑል ፈጣሪ ወይውን ዝፈርሆ የብሉን ንክፍኣቱ ከኣ ቀይዲ ዝኸውን የለን ዝፈርሆ ፍርዲ የለን ስለዚ ኣብ ሓንጐሉ ዝተቀጀሎ ዘበለ ጥራይ እዩ ዝገብር።

ስለዚ ከኣ እዩ መዝሙረ ዳዊት ኣብ እግዚአብሔር ዘሎካ እምነት ከም ምንጪ ሕይወትካ እትገልጸሉ ጸሎት ኰይኑ ዝጥቀም። ነቲ ዓበይቲ መማህራን ብሕትውና ቅዱስ ፍርሃት እግዚአብሔር ዝብልዎ ወትሩ ናብቲ ልዑል ፈጣሪ ፈጣሪ ምምልካት ብምልኣት ደቂሰብ ዝገብረና ካብ ሓደጋ ገዛእ ርእስና ዘድሕነና ድሩትነትካ ምስትውዓል እዩ። እዚ ምስትውዓል እዚ ከኣ ካብቲ ኣብዚ ግዝያዊ ሕይወትና ካብ ምትእምማን ኣድሒኑ ብዛዕባ እቲ ንየዋይ ዓለምን ሕይወትን ክንሓስብ ይሕግዘና።

ርግጽ እዩ ናይ ሓሶት ጸሎት ንካልኦት ከም እትጽሊ ንክተርኢ እሞ ናእዳ ንክተትርፍ ዝግበር ግብዝ ጸሎት እውን ኣሎ። እቶም ንክረኣዩ ጥራይ ናብ ቅዳሴ ዝኸዱ ካቶሊካውያን ወይውን ክዳኖምን ዘለዎም ነገራትን ንከርእዩ ንቤተክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ክርእይዎም እሞ ብዛዕባኦም ክድነቁ ዝኸዱ ዓይነት ሰባት ዝገብርዎ ጸሎት ናይ ሓሶት ጸሎት እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚኦም ጌጋ ከምዝገብሩ ይገልጽ ይገንሖም ከኣ እንክንጽሊ ከምኦም ከይንገብር ከኣ ይኽልክለና (ማቴ 6,5 ሉቃ 9,14)። እንተ እቲ ሓቀኛ ጸሎት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ሓዲሩ ብንጽሕናን ብልብናን እንክንጽሊ ንነገራት ብኣዕይንቲ እግዚአብሔር ከምእንምልከትን ከምእነስተንትንን ይገብረና።

ኣብ ጸሎት እንክንጽመድ ነፍሲወከፍ ተግባር ዕምቈት ይህልዎ። እዚኣ ሓሳብ እዚኣ ቁሩብ ውጥምና ትፈጥር ሕስብ እሞ ኣብልዎ ንዝኾነ ጸሎት ፍሉይ ዕምቈት ወይ ክብደት ሂብካ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምቅራቡ እሞ እግዚአብሔር ከኣ ንኩሉ ተቀቢሉ ከከም ሚዛኑን ዕምቈቱን ርእዩ ንኩሉ እንክልውጥን እንክምልስን እሞ ኣብ ሕልናኹም ሰኣሉ። ክንጥቀቀሉ ዘሎና ንእግዚአብሔር ክንልምን ጥራይ ዘይኮነ ወላ ንደቂሰባት ክንሓትት እንከሎና እውን ድኽምኽም ዝበለ ዘሰልቹ ልማዳዊ ጸሎት እዩ። እዚ ከም ሕንጻይ ቃላት ጥራይ ምድግጋም እምበር ጸሎት ኣይኮነን። ጸሎት ብልቢ እዩ ዝግበር። ጸሎት ማእከል ሕይወት እዩ። ጸሎት እንተልዩ ሓውኻን ሓፍትኻን ኣድለይቲ ይኾኑ። እቶም ጸላእቲ ከይተረፉ ኣድለይቲ ይኾኑ። ናይ ጥንቲ ብሂል ብዛዕባ ቀዳሞት መነኮሳት ‘እቲ ድሕሪ እግዚአብሔር ንኩሎም ደቂሰባት ከም እግዚአብሔር ዝምልከት መነኮስ ብፁዕ እዩ’ ዝብል ነበረ። ከም ሓቁ ንእግዚአብሔር ዝውድስ ዘኽብር ዝሰግድ ንደቂ እግዚአብሔር ዝኾኑ ደቂሰባት እውን የፍቅር። ንእግዚአብሔር ዘኽብር ንደቂሰባት እውን የኽብር።

ስለዚኸስ ጸሎት ንሸቀልቀል ሕይወት ወይውን ንዝመሳሰል ነገር ንምትህድዳእ እንጥቀመሉ መዘሓሓሊ ፈውሲ ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ጸሎት ብርግጽ ጸሎት ክርስትያን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ጸሎት ነፍሲወከፍና ሓላፍነትና ከምእንስከም ይገብረና። ነዚ ከኣ ኣብታ እንኮ ጐይታ ንሓዋርያቱ ዝመሃራ ጸሎት ‘ኣቡነ ዘበሰማያት’ ብንጹር ንምልከቶ።

ነዚ ኣገባብ ጸሎት እዚ ንክንመሃር ሓደ ዓቢ ቤትምህሮ መዝሙረ ዳዊት እዩ። መዝሙራት ዳዊት ብርቀትን ምጽብባቅ ቃላትን ከምዘይተደርሱ እንታይ ደኣ ቊስልታት መነባብሮ ሕይወት ሒዘን ናብ እግዚአብሔር ብገርህነት ዝቀርባ ልመናታት ምዃነን ርኢናዮ ኢና። ስለዝኾነ ከኣ ኩለን እዘን ጸሎታት እዚአን ኣብ ቤተመቅደስ ኢየሩሳሌም ደሓር ከኣ ኣብ ኩሉ ምኲራባት ኣይሁድ እተን ዓሚቊ ግላዊ ርክብ ዝገልጻ ጸሎታት ከይተረፋ ይዝውተራ ነበራ። በዚ ከምዚ ከኣ ከምቲ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘመልክቶ ‘ብዙሕ መግለጺታት ዝመለልይኡ ጸሎት መዝሙረ ዳዊት ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ቤተመቅደስን ኣብ ልቢ ደቂሰብን ይውለዱ’ (2588) እንክብል ይገልጾ። ከምኡ እውን እቲ ግላዊ ጸሎት ብመጀመርያ ካብቲ ናይ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝኾነ ሕዝበ እስራኤል ቀጺሉ ከኣ ካብቤተክርስትያን ይቅዳሕ።

መዝሙራት ዳዊት እውን ናይ ሓደ ግለሰብ ዓሚቚ ምስጢራቱን ሓሳባቱን ጸገማቱን ብቀዳማይ ኣካል ናብ እግዚአብሔር ቀሪቡ ደሓር ናይ መላእ ሕዝቢ ንብረት ኰይኑ ንኩሎምን ስለኩሎምን ዝጽለዩ ኮኑ። ጸሎት ክርስትያንከስ እዚ ምስትንፋስ ኰይኑ ንቤተመቅደስን ንዓለምን ዘተሓሕዝ መንፈሳዊ ገመድ ይኸውን። ጸሎት ኣብ ሓደ ህቡእ ኲርናዕ ቤተክርስትያን ክጅምር ይኽእል ደሓር ግን ኣብ ቅርዓት ኣብ ኩሉ ጐደናታት ከተማ ይዝርጋሕ። ብኣንጻሩ ኣብ ዕለታዊ ሸቀልቀልና እውን ናብ ቤተክርስትያን ተመሊስካ ሥርዓተ ኣምልኾኻ ክትፍጽም ይከኣል። መዓጹ ኣብያተ ክርስትያን መከልከሊ ዘይኮናስ ንገዓር ኩሎም ንምትሕልላፍን ንኩሎም ንምቅባልን መተሓላለፊ እየን።

ኣብ ጸሎት መዝሙረ ዳዊት ኩሉ ዓለም ዝተኻተተ እዩ። ንኣብነት ኣብ መዝሙረ ዳዊት ዝድገም ጸሎታት ንተስፋ መልኮታዊ ድሕነት ናብቶም ዝደኸሙ ንምብጻሕ ድምጺ ይኸውን። ኣብ መዝሙር 12,6 እንተተምልከትና ‘ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሔር እንክብል ከምኡ እውን መዝሙር 48.21 ‘ሰብ እንተሃብተመ ኣየስተውዕሉን እዩ ከምቶም ዝጠፍኡ እንስሳ እዩ’ እንክብል ብዛዕባ ሓደጋ ዓለማዊ ሃብቲ ይናገር። ወይውን ኣብ መዝሙር 33.10 ‘እግዚኣብሔር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፣ ንሓሳባት ህዝብታት የጥፍኦ። ምኽሪ እግዚኣብሔር ንዘለአለም እዩ፣ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውም።’ እንክብል እግዚአብሔር ንታሪኽ ደቂሰባት ብኸመይ ከምዝምልከቶ ይናገር።

 ብሓፈሽእ እግዚአብሔር ኣብ ዘለዎ ወዲሰብ እውን ክህሉ ኣለዎ። በዚ ጉዳይ እዚ ቅዱስ መጽሓፍ ንጹር እዩ። ‘ንሱ ኣቀዲሙ ስለዘፍቅረና ንሕና ነፍቅሮ’ ይብል። እግዚአብሔር ወትሩ ቅድሜና እዩ። ወትሩ ምስ ተጸበየና እዩ ከመይ ኣቀዲሙ ስለዘፍቅረና ኣቀዲሙ ይርእየና ኣቀዲሙ ከኣ ይርደኣና። ንሱ ወትሩ ምስ ተጸበየና እዩ። ሓደ ሰብ ንእግዚአብሔር አፍቅሮ እየ እንተበለ እንተኾነ ነቲ ዝርእዮ ሓው ዝጸልእ እንተኾነ ንሱ ሓሳዊ እዩ። ነቲ ዝርእዮ ሓው ዘየፍቅር ነቲ ዘይርእዮ እግዚአብሔር ከፍቅር ኣይክእልን። ዕለት ዕለት ብዙሕ መቁጸርያ እንተብጻሕካ ድሕሪኡ ኣብ ሕሜታ ካልኦት እንተወፈርካ ኣብ ውሽጥኻ ቂመ በቀል ኣተልን ጽልኢ ካልኦትን ስለእተዕዝዝ እዚ ጸሎት እዚ ጽሩይ ኣፍኣዊ ጸሎት ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዝግበር ሓቅነት ዘይብሉ ጽንዓት ዘይብሉ ጸሎት እዩ። ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበና ትእዛዝከስ እዚ እዩ ንእግዚአብሔር ዘፍቅር ንሓው እውን የፍቅር (1ዮሓ 4.19-21)። ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ሓደ ብንጹሕ ልቢ ንእግዚአብሔር ዝደሊ እሞ ክረኽቦ ዘይክእል ሰብ ይዛረብ እንተኾነ ንንብዓት ድኻታት እኳ ክንነጽግ እንተዘይከኣልና ንእግዚአብሔር ዘይምርካብ ግን ስቃይ ምዃኑ ይገልጽ። እግዚአብሔር ነቲ ኣተይዝም እንብሎ ህላዌኡ ዝኽሕድ ነቲ ኣብ ነፍሲወከፍ ሰብ ተሳኢሉ ዘሎ መልኮታዊ ምስሊ ክርኢ ንዘይደሊ ኣይጻወርን። እዚ ክሕደት እዚ ዕለት ዕለት ዘጓንፈና እዩ። ኣነ ብእግዚአብሔር እኣምን እየ እናበለ ካብ ካልኦት ዝርሕቅ ንካልኦት ዝጸልእ ኩነት እዩ። እዚ ተግባራዊ ክሕደት እዩ። ኣብቲ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ምስሊ እግዚአብሔር ርኢኻ ዘይምኽኣል ምርኻስን ክሕደትን ኰይኑ ነዚ ሒዝካ ኣብ ቤተመቅደስ ወይ መንበረታቦት ምቅራብ ከኣ ክንዮ ዘየለ በደል እዩ።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ጸሎት መዝሙረ ዳዊት ኣብ ፈተና ባዶሽነት ከይወድቅ ይሕግዘና እዚ ማለት ከኣ እግዚአብሔር ከምዘየሎ ድኻታት ከምዘየለው ገርካ ምንባርን ምጽላይን እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

21 October 2020, 06:59