ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኢጣሊያ ሓለዋ ጸጥታ ዞባ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ንተኣፋፍያን እትድግፉ

ነታ ንስኻትኩም “Virgo fidelis - እምንቲ ድንግል” ብዝብል መጸውዕ ንእተኽብርዋ ቅድስቲ ድንግል ማርያ ኣደነት ዑቕባ ኣቕርበኩም

ዕለት 17 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ጉጅለ ሓለዋ ጸጥታን ደሕንነትን ዞባ ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም፥ ወትሩ ንጐሆ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይነ እርእየኵም፥ “ብልበይ ሰላም እብለኵምን አመስግነኵምን፡ ንኣረጋውያንን ነቶም ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሓደራ ፍሉይ ኣተኵሮ ይሃልዅም” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዘለገሱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኢጣሊያ ሓለዋ ጸጥታ ዞባ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ንተኣፋፍያን እትድግፉ
ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኢጣሊያ ሓለዋ ጸጥታ ዞባ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ንተኣፋፍያን እትድግፉ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ጉጅለ ዞባ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም፡ ነዞም ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ስለ እቲ ምስ ናይ ኢጣሊያን ቫቲካንን ሓይሊ ጸጥታ ብምትሕብባር ዘቕርብዎ ኣገልግሎትን ውሕስነት ሰላምን ጸጥታን ምስጋናኦም ከምዘቕረቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ዋና ኣዛዚ ጀነራል ነቶም ሓይሊ ጸጥታ ወኪሎምን ምስ ቅዱስነቶም ኣላልዮም ቃል ሰላምታ ከምዘቕረቡን ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን

ዕለታዊ ኣገልግሎት ኣብ ዞባ ሃገረ ቫቲካን

እቲ ጉጅለ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዙሪያ ሃገረ ቫቲካንን ዘካይድዎ ሓለዋ ጸጥታን ናይ ሃገረ ቫቲካን መደባትን ብስርዓትን ጸጥታን ክሳለጥን ናይ መንፈሳውያን ነጋዶ ጸጥታን ደሕንነት ውሑስ ክኸውንን ብትዕግስትን ብስንድውነትን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኵነት ብምንባብ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ዝነኣድ ምዃኑ እንከመላኽቱ፥

ኣብ ዙሪያ ሃገረ ቫቲካን እትፍጽምዎ ኣገልግሎት ነቶም ተኣፈፍትን ኣብ ጸገም ንዝርከቡን ብፍላይ ነቶም ናይ ባህልና ኣናስርን ናይ ባህልና ህያው ተዘክሮን ንዝኾኑ ኣረጋውያን ጥቁብ ኣገልግሎት ንኸተቕርቡ ዝተጸዋዕኵም ኢኻትኩም፡ እዚ ኣገልግሎትኵም’ዚ ብእምንቶን ተወፋይነትኩምን ነቲ ኣብ መንጐ ሓይሊ ጸጥታን ሕዝብን ንናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ጥጡሕ ባይታ ይርአይ፡ ጭቡጥ ሓቂ እዩ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሓደ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ክራኸብ እንከሎ ድጋፍ ከምዝረክብ እምነት ኣለዎ!

ናይ ሓፍነት መንፈስን ኣተኵሮ ንሰብን

ኣብቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ኣብ እተካይድዎ ጻዕርን ኣገልግሎትን እተቕርብዎ ኣተኵሮን ብዙሕ እዋን በሕሉቕ ዝረኣይ ኣይኰነን፡ ይዅን ደኣ እምበር እግዚኣብሔር ይርእዮን ንሱ ኣይርስዖንን እዩ፡ ንብጻይን ነቲ ቀረባን ዘሎ ተወፋይነትኩም ናይቲ ቅሩብነትን ጥንቁቕነትን ዝሓትት ብመንፈስ መስዋዕትነትን ሓላፍነትን እተሳልጥው ተልእኾዅም ዝጠልቦን ኣቢልኵም ቀረባ ብምዃን እተገልግሉ ኢኻትኵም፥

ዜጋዊ ሓላፍነት እተነቓቕሑን ብጻዕርን በኣገልግሎትን ጸጥታን ደሕንነት ንማሕበረሰብን ንዜጋታትን ኣቢልኩም ናይ ሕይወት መሰልን ክብርን እትዕቅቡ ንኽትኰኑ አተባብዓኵም፡ ኣብ ኣገልግሎት ሙያዅም ወትሩ በቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብእግዚኣብሔር ዝፍቐር ብኣኡ ዝተፈጥረን ክኽበር ከምዘለዎ ዝብል ብምስትውዓል ኣሰንየኵም!

ህላዌኹም ዕጹብ እዩ

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃል ቅድሚ ምዝዛሞም ናይ ግሊ ዕለታዊ ተመክሮኦም ነቶም ኣባላት ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ፥

ነፍሲ ወከፍ ንጐሆ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዘሎ ቤተ መዝገብ ኣብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈተይ ክበጽሕ እንከለኹ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እጽልን ቀጺለ ብመስኮት ሓዋርያዊ መንበር ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እምልከትን ንኸተማ አማዕድው ደሓር እውን ንኣኻትኩም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓለዋ ጸጥታ እተካይዱ እጥምት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንጐሆ ብልበይ ሰላም እብለኩምን ኣመስግነኵምን!

ቢሎም፡ ናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ናይ እምነት ባህሊ ተረካቢ እዩ፡ ተኣማንነትን ለጋስነትን ነቲ ኣባሉ ዝኾንክምዎ ሓይሊ ጸጥታን ንዅሎም ነቶም ኣብ ቀለመንጠስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዝተረኽቡን ዘይተረኽቡን ኵሎም ኣባላት ነታ ንስኻትኩም “Virgo fidelis - እምንቲ ድንግል” ብዝብል መጸውዕ ንእተኽብርዋ ቅድስቲ ድንግል ማርያ ኣደነት ዑቕባ ኣቕርበኩም፡ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 October 2020, 17:50