ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንካርዲናል ጆርጅ ፐል ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም! ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንካርዲናል ጆርጅ ፐል ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም! 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንካርዲናል ጆርጅ ፐል ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ስለምስክርነቶም ኣመስጊኖሞም!

ዓመት ምስ መመላእታ ን400 መዓልታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣውስትራልያ ተሓዪሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብጌጋ እዩ ነጻ ኢኹም ተባሂሎም ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ናይቲ ሃገር ዝተነግሮም ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ንሮማ ከምዝተመልሱ እንክምልከት ሎሚ ንግሆ ምስ ቅዱስነቶም ከምዝተራኸቡ ቅድስት መንበር ኣመልኪታ።

ዜና ቫቲካን!

ብ2013 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ምስ ተረከቡ ቀዳምነት ካብ ዝሃብዎ ተሓድሶ ምምሕዳር ቫቲካን ቊጠባ ብምንባሩ ንቊጠባ ዝምልከት ቤትጽሕፈት ብምእዋጅ ሓላፊ ንክኸውን ንብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ካብ ኣውስትራልያ ጸዊዖም ብ2014 ዓም ሸምዎም። ብፁዕነቶም ነዚ ተልእኮ እዚ ተቀቢሎም ብዕቱብነት ክሳብ 2019 ዓም ከምዝሰርሑ እንክምልከት ኣብ ዓዶም ብዝተፈብረኸ ናይ ሓሶት ክሲ ንዓዶም ተመሊሶም ንልዕሊ ዓመት ምስ ተኣስሩ ጉዳዩ ተጻርዩ ጌጋ እዩ ነጻ ኢኹም ተባሂሎም ኣብ ዝሓልፈ ዕለታት ንሮማ ተመልሱ።  ወዲ 79 ዓመት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፐል ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተላዕለ ክሲ ንምጽራይ ካብ ወርሒ ሓምለ 2017 ክሳብ ቀረባ ግዜ ንጽሕናኦም ከርእዩ ተማጒቶም ተኣሲሮም ጉዳዮም ብዙሕ ግዜ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቀለብ ኮይኑ ነበረ። ኩነታት ምስ ተሓላለኸ ቅዱስነቶም ንጉዳዮም ከጻርዩ ዚኣክል ግዜ ሂቦም ከምዘፋነውዎም ናይቲ ግዜ እቲ ዜና ነበረ። እቲ ምዕራፋት ናይ ፍርዲ ኪደት ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ።

ኪደት ፍርዲ ብፁዕነቶም! ቀዳማይ ደረጃ ኩነኔ

ሕጽር ብዝበለ ኩነታት ከይዲ ፍርዲ ብፁዕነቶም እንክንምልከት እቲ ብ2017 ዓም ዝቀረበ ክሲ ንሶም ናይ መልበርን ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበሩሉ ብ1996ን ብ1997ን ዓም ንትሕቲ ዕድመ ዓሚጾም ዝብል ነበረ። ብወርሒ ሓምለ ናይቲ ዓመት ማለት 2017ዓም ቀዳማይ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ጀሚሩ ብወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓም ቤትፍርዲ መልበርን ዓገበኛ ኢሉ ይፈርዶም ንሽድሽተ ዓመት ብጽኑዕ ብሕታዊ ማእሰርቲ ክቅጽዑ ይውስን ብወርሒ ለካቲት 2019 ዓም ከኣ ተነጺሎም መቅጻዕቶም ሀ ኢሎም ይጅምሩ። መልሲ ብፁዕ ካርዲናል ፐል ግን ኣነ ንጹሕ እየ ትብል ነበረ።

መልሲ ብፁዕ ካርዲናል ፐል ‘ኣነ ንጹሕ እየ’

ብፁዕነቶም እዚ ኣብ ርእሶም ዝተባህለ ገበን ካብቲ ፈጺሞም ዝጽየፍዎን ከመይ ፈጺምካ ክትጻወሮ ዘይከኣል ዘስቅቅ ገበን ስለዝኾነ መዋዕለይ ምሉእ ተጻዩ ዝተጋደልኩ ደኣ እምበር ኣብዚ ዝሕመ በዚ ዝኽሰስ ኣይኮንኩን። ኣነ ንጹሕ እየ እንክብሉ ንጽናኦም ገለጹ። ጠበቃታቶም እውን ካብ መበገሥታ እቲ ክሲ ጀሚርካ ክሳብ ውሳኔ ቤትፍርዲ ነንሕድሕዱ ዝፋረስ ነገራት ከምዘለው እቲ ከም ጭብጢ ዘቅርብዎ ነገራት ከኣ ምንም ዝጭበጥ ከምዘይብሉ ስለዝተገንዘቡ ነቲ መግለጺ ንጽሕና ብፁዕነቶም ተቀቢሎም ይድግፍዎም ነበሩ። እዚ ኩሉ ክኸውን እታ ብምሉእ ሕልናኦምን ሓይሎምን ዘገልግልዋ ዝነበሩ ቅዱስ መንበርከ እንታይ በለት ኣብ ዝብል ነጥቢ ኩሉ ክሳብ ዝጻረ ንጸበ ዝብል መርገጽ ነበረ።

ቅድስት መንበር! ፍጹም ርግጽነት ክሳብ ዝርከብ ንጽበ!

ቅድስት መንበር ምስ መንግሥታት ዓለም ብዘለዋ ርክባት ትኽተሎ መምርሒ ስለዘለዋ እዚ ጉዳያት እዚ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ በቲ ልሙድ መንገዲ መግለጺታታ ማለት ብናይ ቅድስት መንበር ሕትመት ኣቢላ ንሥልጣን ቤትፍርዲ ሃገረ ኣውስትርላያ ንዘለዋ ልዑል ኣኽብሮት ብምግላጽ ንውሳኔታ ቤትፍርዲ ዘድሊ ክብሪ ከም እትህቦ እንተኾነ ብፁዕነቶም ንጹሕ እየ ይብሉ ስለዘለው ከም መሰሎም ከኣ እዚ ንክጻረ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ቤትፍርዲ ይግባይ ናይ ምባል መሰሎም ክሕሎን ጒዳዮም ክጻረን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ ኩሉ ክሳብ ዝጻረ ከኣ ብትዕግሥቲ ከም እትጽበ ገሊጻ ነበረ። ከምቲ ብፁዕነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ዝተጸየፍዎን ብዝተኻእሎም ዝተቃለስዎን ቅድስት መንበር እውን ኣብዚ ግድል እዚ ቅድመ ግንባር ምዃኑ ኣብሪሃ። ፍትሒ ንከይዕንቀፍ ዘድሊ ኩሉ ክግበር ቅዱስነቶም ንብፁዕነቶም ጉዳያቶም ንከጻርዩ ኣብ ዘፋነውሉ ግዜ ‘እዚ ጉዳያት እዚ ብፍጹም ርግጽነት ኣብ መዕለቢኡ ክሳብ ዝበጽሕ ንጥንቃቀ ዚኣክል ብፁዕነቶም ዝኾነ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ተልእኮ ክህነት ከይፍጽሙ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ከኣ ምስ ማንም ብሕልፊ ምስ ትሕቲ ዕድመ ዝኾነ ርክብ ከይህልዎም’ እውን ኢሎም ነበሩ።

ኣብ ይግባይ እውን እንትርፎ ሓደ ዳኛ ገበነኛ ተባህሉ!

ብፁዕነቶም ገበነኛ ተባሂሎም ኣብ ማሕዩር እንከለው ብወርሒ ሰነ 2019 ዓም ኣብ ከተማ ቪክቶርያ ናይ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ካልኣይ ገጽ ናይ ፍርዲ ይቅጽል ተኸላኸልቲ ብፁዕነቶም ዝተዋህበ ፍርዲ ዘይምኽኑይ ውሳኔ ኣብ ርእሲ ምዃኑ እቲ ከይዲ ፍርዲ ነንሕድሕዱ ዝፋለስ እዩ ኢሎም ተኸራኸሩ። ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ክርክር ብወርሒ ነሐሰ 2019 ዓም ክልተ ደያኑ ኣብቲ ዝቀደመ ውሳኔ እንክጸዑ ሓደ ዳኛ ግን ንሓደ ሰብ ገበነኛ ኢልካ ንምፍራድ ኩሉ እቲ ክስታትን ምስክርነታን ከም ጭብጢ ዝቀርቡ ነገራትን ክንዮ ማንም ምጥርጣር ርግጽነት ክህልዎም ኣለዎ እንተዘየሎ ሓደ ንጹሕ ሰብ ገበነኛ ኢልና ግጉይ ፍርዲ ከጋጥም እዩ እንክብል ተቋወመ። ኣብዚ እውን እንተኾነ ቅድስት መንበር ገና ከይዲ ፍርድን ፍጻሜኡን ክንጽበ ኢና በለት።  

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ብምሉእ ድምጺ ካርዲናል ፐል ገበነኛ ኣይኮኑን ይብል!

ጉዳይ ብፁዕነቶም ክንዮ ይግባይ ዘይትብለሉ ናይ ኣውስትራልያ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ብወርሒ መጋቢት 2020 ዓም በጽሔ። ደያኑ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ውዕሎ ፍርዲ ኣይፋል ናይ ዝበለ ዳኛ ይቅበሉ። ብድሕር’ዚ ብዕለት 7 ሚያዝያ 2020 እዚ ክንዮኡ ዘየሎ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሃገረ ኣውስትራልያ ብሸውዓተ ደያኑ ዝቆመ ዋዕላ የካይዱ እሞ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ውዕሎ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝተዋህበ ፍርዲ ነንሕድሕዶም ብዝፋለሱ ክስታት ዝተመሥረተ በዚ ኣጣራጣሪ ዝኾነ ሥነ መጎት ሒዝካ ዝግበር ፍርዲ ንንጹሕ ሰብ ክትኲንን ይከኣል ንዝብል መርገጺ ተቀቢሎም ንብፁዕነቶም ካብ ገበን ነጻ ክብል ይግባይ ዘይበሃሎ ፍርዱ ሃበ። ብፁዕነቶም ከኣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ትክክል ንምዃን ን400 ዕለታት ካብ ዝተኣሥሩሉ ተነጽሎ ዝተሓወሶ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ነጻ ተለቂቆም። ፍትሒ ማለት ሓቂ ንኩሉ ክውፈ እዩ ኢሎም።

ፍትሒ ማለት ሓቂ ንኩሉ ይወፈ ማለት እዩ! ካርዲናል ፐል

ብፁዕነቶም ንዝወረዶም ኢፍትሓውነትን ኣደራዕን በቲ ኣብ መወዳእታ ዝወጸ ፍትሒ ከምዝተኻሕሰ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝኸሰሶም ግለሰብ ከኣ ምንም ቂመ በቀል ከምዘይብሎም እንክገልጹ፣ እቲ ጒዕዞ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሓፈሻስ ይኹን ንሰበሥልጣን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣውትራልያን ኣብቲ ተጻይ ጾታዊ ዓመጽ ትሕቲ ዕድመ ዘጋይድዎ ቃልሲ ምንም ምውልዋል ከምዘይፈጠረ ኣመልኪቶም። እቲ ሕቶ ዝነበረ ይብሉ ብፁዕነቶም ‘ነዚ ዘስቅቅ በደል እዚ ኣነ ከምዝፈጸምኩ ወይ ከምዘይፈጸምኩ ንምርጋጋጽ ነበረ። እንተ ኣነ ኣይፈጸምኩዎን’ ኢሎም። እዚ ፍታሕ እዚ ካልእ ምንም ዓይነት ተደራቢ ቃንዛ ከይፈጥር ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ንምግላጽ ከኣ ‘እታ እንኮ ካብ ከምዚ ዚኣመሰለ ንነዊሕ ግዜ ዝተጓዕዘ ጸገምስ ይኹን እታ እንኮ መሠረት ፍትሒ ሓቂ እያ ምኽንያቱ ፍትሒ ማለት ሓቂ ንኩሉ ስለዝኾነ’ ኢሎም።

ብፁዕነቶም ኣብዚ ፈታኒ ግዜ ንኩሎም ስለኦም ዝጸልዩን ዝሓገዝዎምን ዘጸናንዕዎምን ኣመስጊኖም። ከክንዳኡ ኰይኖም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቈይሞም ፍትሒ ንክነግሥን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተላዕለ ብጸለመ ዝተበገሰ ናይ ሓሶት ጸሊም ደመና ጋሊሆም ንሓቂ ስለዘብርሁ ኣመስጊኖም።

ር.ሊ.ጳ ስለግዳይ ኢፍትሓዊ ፍርዲ ይጽልዩ!

ብፁዕነቶም ንኩሉ ሰጊሮም ነጻ ተባሂሎም ዝብል ዜና ናብ ር.ሊ.ጳ ዝበጽሔ ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ወግሐ ጸብሐ ካብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ንመላእ ዓለም ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ስለመላእ ዓለም ምሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ መጻናንዒ ቃላቶም ኣብ ዝህቡሉ ግዜ ነበረ። ሽዑ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ነዘን ዝስዕባ ቃላት ኢሎም ነበረኡ።

ኣብዘን ዕለታት ዘመነ ጾም ኣርባዓ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቀበሎ ሥቃይ፣ ሊቃውንቲ ሕጊ ብምሕርቃም ኣስናን ተጻዩ ተላዒሎም ጐይታ ናይዚ ምሕርቃም ኣስናን ግዳይ ኰይኑ ንጹሕ እንከሎ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈርደ። ኣነ ሎሚ ስለ እቶም ብምኽንያት ሕሰም ኢፍትሓዊ ፍርዲ ዝተቀበሉ ሰባት እጽሊ ኣሎኹ ኢሎም ነበሩ።

ቅድስት መንበር ነጻ ንዝብል ፍርዲ ብክብሪ ተቀበለቶ!

እታ ብትዕግሥቲ ፍትሒ ክወጽእ እጽበ ኣሎኹ ትብል ዝነበረት ቅድስት መንበር እውን ነቲ ዜና ምስ ሰምዔት ብመንፈስ ዕጋበት ከምትቅበሎ ወትሩ ብሥልጣን ፍርዲ ኣውስትራልያ ትተኣማመን ከምዝነበረት ገሊጻ። ምስዚ ኣተሓሒዛ ከኣ ብፁዕነቶም ወትሩ ንጹሕ ምዃኖም ምስ ገለጹን ሓቂ ንክትወጽእ ምስ ተጸብዩን ነበሩ እንክትብል ብብፁዕነቶም ንሳውን ትተኣማመን ከምዝነበረት ገሊጻ ነበረት።

ብድምጺ ንምክትታል!
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንካርዲናል ጆርጅ ፐል ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም!
12 October 2020, 15:55