ድለ

ቅዱስ ሀሮኒሞስ ቅዱስ ሀሮኒሞስ 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 1600 ዓመት ውልደት ኣብ ሰማይ ቅዱስ ሀሮኒሞስ

ዓቢይ ኣንባብን ተንታንን ንኻልኦት ንኸፍልጥ ህንጡይን ፍልጠት ዘርጋሕን” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ይገልጽዎ። . . . ድሕሪ ክህነቱ ናብ ቍስጥንጥንያ ተቐይሩን ዓበይቲ ግሪካውያን ጽሑፋትን ሰነዳትን ናብ ቋንቋ ላቲን ዝተርጐመን

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ኣበው ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሀሮኒሞስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 30 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Scripturae Sacrae Affectus – ውፉይነት ንቕዱስ መጽሕፍ ብዝብል ኣርእስቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ሎሚ እቲ ብላቲን ቋንቋ ዝተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልወና ናይ ዝገበረ ቅዱስ ውርሻ ኵላትና ንኸነእንግድን ክንዕቅብን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዓዲሞም፡ መንእሰያት ነቲ ሀሮኒሞስ ሓዲጉልና ዝሓለፈ ውርሻ ክመራመሩን ከጽንዑን ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንኣናን ናይ 21 ክፍለ ዘመን ክርስቲያን፡ ናይ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ተክለ ሰብነት እዋናዊ እዩ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝኽሪ መበል 1600 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስን ሊቅ ናይ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት 30 መስከረም ክኸውን እንከሎ ናይቲ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ኣርእስቲ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ፍቕሪ ዝምስክርን፡ ሕይወቱን ዓበይቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳቱን ድርሰታቱን ንቤተ ክርስቲያን ሓዲግዎ ዝሓለፈ ውርሻ ኮነልና፡ “ጥንቁቕን ዓሚዩቕ ተመራማርን ተንተናን ነጋርን ኣስፋሕን ውዕዉዕ ቀናእ ኣፍቃሪ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጠበቓ ናይ እምነት ክርስትና ሓቒ፡ ክንየው መንፍሳዊ ኣቦን መናንን ጽኑዕ ባሕታውን”፡ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ናይ ሀሮኒሞስ ሕይወት

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ናይ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ታርኽ ብሓጹሩ እንክድህስሱ፥ ጽኑዕ ክርስቲያናዊ ሕንጸትን ውፉይ ንመጽናዕትን ጉዕዞታቱን መሓዙትን ተመክሮታቱን ብፍላይ ዝሓረዮ ሕይወት ብሕትውና ምስ እግዚኣብሔር ንምርኻብን - ብእግዚኣብሔር ንኽርከብን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ታሪኽ እዩ፡ ብጥልቂ ኣስተንትኖ ውሽጣዊ ፈተናን መንፈሳዊ ግድልን ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ካልኦትን ዘይፍጹምነት ብጥልቂ ኣብ ምስትውዓል ዝነበሮን፡ ናይ ንብዓት ልዑል ክብሪ ዘስተውዓለን”፡ገና ብንኡስ ዕድመኡ ጭቡጥ ህላዌ እግዚኣብሔር ዘስተውዓለ፡ “. . . ምሕረት እግዚኣብሔር ዝተሰቆሮ”፡ ኣብ መንእሰይ ዕድምኡ ናይ ሩፊኖ ዘኣኵይለያን ምስ ጎርጎሪዮስ ዘናዚያንሱስ ጽቡቕ ሌላ ዝነበሮን ኣብ ኣንጽዮኪያ ኣብ 379 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበለን . . . ምስ ኣጎስጢኖስ ናይ ነዊሕ ምልውዋጥ ሰታሪት ተመክሮ ዝነበሮን . . . ዓቢይ ኣንባብን ተንታንን ንኻልኦት ንኸፍልጥ ህንጡይን ፍልጠት ዘርጋሕን” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ይገልጽዎ። . . . ድሕሪ ክህነቱ ናብ ቍስጥንጥንያ ተቐይሩን ዓበይቲ ግሪካውያን ጽሑፋትን ሰነዳትን ናብ ቋንቋ ላቲን ዝተርጐመን . . . “ገለ ገለ እዋን ቅብጸት ተስፋ የጋጥመኒ ነይሩ፡ ደሓር ግና ብዝነበረኒ ብርቱዕ ናይ ምምሃር ድላይ ንቕድሚ እብል” ዝበሎ ቅዱሰንቶም ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም ሀሮኒሞስ ንመጽናዕትን ምርምርን ዝነበሮ ዓሚይቕ ድላይ ንኽነብሮ ይድርኾ ከምዝነበረ ይሕብሩ።

ምስ ሮማ ዝነበሮ ምትእስሳር

ኣብ 382 ዓ.ም. ናብ ሮማ ይምለስ እሞ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዳማዞ ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ይኸውን፡ . . . ኣብቲ እዋን ካብ ግሪኽ ናብ ላቲን ዝተተርጎመ ኣርባእቱ ወንጌላውያን ካልኦት ክፍሊ መጻሕፍት ሓዲስ ኪዳንን ብጥልቂ ይምርምር . . . ሮማ ንዘርኢ ክርስቶስ ልምዕቲ መሬት ምዃና የስተውዕል፡ . . . ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ካቴድራል ጽኑዕ መወከሲ ይኾኖ፥ ባዕሉ “ኣነ ብጀካ ንኽርስቶስ ካልእ ዝስዕቦ የብለይን፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ናይ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘተሓነጸትሉ ከውሒ ኣብ ሱታፌ እሓብር” እንክብል ከምዝገልጾ እዩ።

ኣብ ቤተ ልሄም

ድሕሪ ዕርፍቲ ር.ሊ.ጳ. ዳማሶ፥ ሀሮኒሞስ ናብ ቤተ ልሔም ይነቅል ኣብ ጥቓ በዓቲ ዘልደቱ መንፈሳውያን ንምእንጋድ ብዝብል ሸቶ ክልተ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ገዳም የቕውም፡ . . . ሕይወቱ ኣብ ቤተ ልሔም ኣብ መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተጸምደ እዩ ዝነበረ” ኣብ 420 ካብዚ ዓለም ብሞት ይፍለይ። እቲ ኵሉ ገና ዘይተረድኦ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ነቲ ዝፈልጦን ዝተረደኦን ብጥልቂ ንኸስተውዕሎ መታን ኣብ ሕቶ የእትዎን ይመያየጠሉን፡ ብርቱዕን መዳርግቲ ዘይብሉ ሓገዝ ካብ ጸሎትን ካብ መንፈስ ቅዱስን ምዃኑን እዚ እውን ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ላቲን ንኽትርጉም ከምዘብቀዖ ይምስክር።

መጽናዕት ንኻልኦት ንምግልጋል

“ናይ  ቅዱስ ሀሮኒሞስ መጽናዕቲ ኣብ ማህበረሰብን መጽናዕቱ ንማሕበረሰብን” እዚ ኸኣ ናይ ሲኖዶሳውነት ኣብነት ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ሓቢሮም፡ ንቤተ ክርስቲያንን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማትን ማሕበራዊ ሕይወትን ኣብነት ይገብሮ። “ቅዱስ መጽሓፍ ብሕዝበ እግዚኣብሔር ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ቅዱስ መጽሓፍ ሱታፌ እዩ፡ በዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ናብታ ንሕና ዝብል በዓል ቤት ንኣትው፥ . . . ሀሮኒሞስ ኣብቲ እዋን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝምልከት ዝለዓለ ዝበሃል ክትዕ ምግጣም ይጅምር፡ እምነት ንምክልኻል።

ቅዱስ ሀሮኒሞስ ንምፍላጥ ክልተ መፍትሕ

ናይ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ሕይወት - ተክለ ሰብነት ንምስትውዓል በቲ ሓደ ሸነኽ ኣማንን ጽኑዕ ፍቕሪ ንክርስቶስ ስቑል (1ቆሮ. 2.2፡ ፊሊ. 3,8,10 ረኣ) በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ትጉህን ጸዓተይናን ተመራማርን ናይ ጐይታ ምስጢር፡ እዚ  ክልተ መለለዪ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣርኣያ ይገብሮ። ንባሕታውያንን ንተመራመርትን . . . እውነተይና ፍልጠት ብፍሉይ ኣብ ፍቕሪ ንእግዚኣብሔር ዝጸንዔ ምዃኑ ይምስክር፡ ካብ ህንጥይናን ናይ ዓለም ካብ ምዃን ኣዚዩ ዝረሓቐ።

ፍቕሪ ንቕዱስ መጽሓፍ

“ፍሉይ ናይ ቅዱስ ሀሮኒሞስ መንፈሳዊ ተክለ ሰብነት - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም - እቲ ንቃል እግዚኣብሔር ዘለዎ ፍቕሪ እዩ”፡ ሀሮኒሞስ ቅዱስ መጽሓፍ ፍሉይ ትሑት ግልጸት እግዚኣብሒር ከምዝኾነ ብጥልቂ የቕርቦ፡ ጥንታዊ ቋንቋ እብራይስጥን ምስ ናይ ቺቸሮነ ዕምቆት ፍልጠት ቋንቋ ላቲን ዝቀራረብ ዓሚዩቕ ፈላጥ ቋንቋ ላቲንን ሓዲስ ኪዳን ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ናይ ክርስቶስ ሓቅን ሃብትን ንምእታው መላእ ቅዱስ መጽሓፍ ክጽናዕ ከምዘለዎ ብቃልን ተግባርን ዘመላኸተ።

ተኣዝዞ

ካልእ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘመላኽትዎ ናይ ሀሮኒሞስ ፍሉይ ጠባይ፥ ተኣዝዞ ንመለኮታዊ መጽሓፍ ዝብል እዩ - ንቕዱስ መጽሓፍ ብፍላይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፡ ቃሉ ብዓቢይ ስግደትን ኣምልኾን ጽን ምባል . . . ተኣዝዞ ነታ ናይ ግልጸት ህያው ባህሊ ንዝተቐበለት ቤተ ክርስቲያንን ነቲ ህያብን፡ ተኣዝዞ ዘይንጡፍ ወይ ልሙስ ሕራይ ብሃልነት ማለት ኣይኮነን፡ ንቑሕ ትውሳኤ ዝሓትት እዩ፡ ቅዱስ ሀሮኒሞስ እሙንን ንቑሕን ኣገልጋሊ ቃል እግዚኣብሔር መላእ ሕይወቱ ምእንቲ ኣሕዋት ኣብ እምነት እቲ ንኣኣቶም ዝተወሃቦም ኣብነት እምነት ንኽርድኡ መታን ሓለፋ ዝበለ ምዃኑ ቅዱስነቶም ይሕብሩ።

ሀሮኒሞስ ንእዋናዊ ተመራመርቲ ኣብነት

ሀሮኒሞስ ንኹላትና . . . ኩሉ ቅዱስ መጽሓፍ ዘንብብ ናብ ናይ ኢየስስ ምስጢር ዘመርሕ ምዃኑን ንናይ ቅዱስ መጽሓፍ ዓሚዩቕን ፍርያምን ንባቤ ጥልቂ ኣስተንትኖን ጥልቂ ናይ ፍልጠት ባህልን ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽር፡ ኵለንተታዊ ፍልጠት ቅዱስ መጽሓፍ፥ መንፈሳውን ታሪኻውን ስነ ጥንታውን ንቕኑዕ ልልያ ፍልጠት ቅዱስ መጽሓፍ የተባብዕ። ንእዋናዊ ዓለም ኣብነት ኣብ ጉዕዞ ፍልጠትን ምዕሟቕን ቅዱስ መጽሓፍ፥ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ሮማ ዝርከቡ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ተቕዋምን፡ ኣጎስቲናኒዩም ተቕዋም ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ኤኮለ ቢብሊከ ተቕዋምን ፍራንቸስካኑም ተቕዋም ቅዱስ መጽሓፍን ጠቒሶም፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ጥልቂ ፍልጠትን ብቕዓት ትንታነን ኣብ ናይ ቲዮሎጊያ ጽማሬ ድዩ ኣብ ስነ ምርምር ቅዱስ መጽሓፍን ኣፍልጦ ክህልዎም ዘብቅዑ ክኾኑ ተለብዮም፡ ኣፍልጦ ንቕዱስ መጽሓፍ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን እውን ቅዱስ መጽሓፍ ገንጺሉ ከንብብ እንከሎ ዘንብቦ ክርድኦ ዘኽእሎ ሕንጸት ክረክብን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ጥበብ ከስተማቕርን መርሕ ሕይወቱ መታን ክገብሮን እዩ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም ምእንቲ እዚ እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ከምዘቖሙ ይዝክሩ።

ኵላዊ ፍሉጥ - ዝርገሀ (Vulgata)

እቲ ዓቢይ ብዙሕ እውን ዝፍለጥ ናይ ሀሮኒሞስ ዓቢይ ስራሕ እቲ ናብ ቋንቋ ላቲን ዝተርጐሞ ብሉይ ኪዳን እዩ፡ ካብ ዕብራይስጥ ናብ ላቲን ቋንቋ ዝተርጐሞ፡ ኣብ እዋን ግዝኣተ ሮማ ቅዱስ መጽሓፍ ብቋንቋ ግሪክ እዩ ዝንበብ ዝነበረ ብላቲን ቋንቋ ምሉእ ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ ኣይነበረን በቲ ናይቲ እዋን ሕዝቢ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ተራ ቋንቋ ላቲን ብምጥቃም ሀሮኒሞስ ናብ ቋንቋ ላቲን ይትርጉም፡ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ተመራመርቲ እዚ መጽናዕቲ እዚ ክቕጽልሉን ንሓድሽ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ትርጉም ክነቓቕሑን ተላብዮም፡ ኣተሓሒዞም ኣብ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ክለሳ ሓድሽ ኪዳንን መዝሙረ ዳዊትን ከም ኣብነት ጠቒሶም፡ ከምዚ ዓይነት ህርኩት ጻዕሪ ክተባባዕ ሓደራ ይብሉ። ምልስ ቢሎም እውን ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ  ንዝግበር መጽናዕቲ ሀሮኒሞስ ብር.ሊ.ጳ. ዳማሶ ተበረታቲዑ እዩ ናብ ቤተ ልሔም ዝኸደ፥ ካብ ዕብራይስጥ ብሉይ ኪዳን ብቋንቋ ላቲን ይትርጉም። “ናይ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ሕዝቢ ኤውሮጳ ቅዱስ መጽሓፍ ከንብብን ክጽልዮን ከጽንዖን ዘብቅዖ ሀሮኒሞስ ብዝፈልጦ ቋንቋ ስለ ዝተርጎመሉ እዩ” ይብሉ።

ትርጉም ከም ብህልውትና

ሀሮኒሞስ በቲ ዝተርጎመ ቅዱስ መጽሓፍ ኣቢሉ ንመጽሕፍ ቅዱስ የበህልውት፡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ላቲናዊ ቋንቋን ባህልን የስርጽ፡ ብቋንቋኻ ዝዛረብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ሀሮኒሞስ በዚ ዓቢይ ዕዮ’ዚ ኣቢሉ ነፍሲ ወከፍ ባህልን ቋንቋን ክብረትን እወታውን ምዃኑን ንቅዱስ መጽሓፍ መጻእተይና ከምዘይኮነን የረጋግጸልና፡ እዚ ቤተ ክርስቲያን ዘሀብትም እዩ። . . . ዝንበብን ዝንበርን ቅዱስ መጽሓፍ! . . . ንማሕበረሰብ ብቋንቛኡ ዝተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ እዩ፡ ሓደ ማሕበረሰብ ዘራኽቦ ቋንቋ እንተዘይህልዎ ንሓድ ሕዱ ከመይ ገይሩ ምተራኸበ፥ ቅዱስ መጽሓፍ እውን ንናይ ነፍሲ ወከፍና ቋንቋ ዘይዛረብ ነይሩ እንተዘይከውን ናይ ምራኽብ ባህሊ ኣይምሃለወናን፡ ብዘይ እዚ ባህሊ’ዚ እንገዳ ዘቕርቡ ኣምበይኮናን፡ ስለዚ ተርጓሚ ናይ መራኸቢ ድልድ ሓናጺ እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ የብርሁ።

ኣብ ዝኽሪ መበል 1600 ዓመት ዕረፍቲ ሀሮኒሞስ

ቅዱስነቶም ኣብ ዝኽሪ መበል 1600 ዓመት ውልደት ኣብ ሰማይ ቤት ቅዱስ ሀሮኒሞስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝተፈላለዩ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ብዝግመቱ ቋንቋታት ከምእተተርጐመን ብዙሕ መዝገበ ቃላትን ናይ ሰዋስው መጻሕፍትን ንምቕራብ ተኻኢሉ እዩ፡ እዚ ብፍሉይ ናይ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ጻዕርን ጸሎትን ብቕዓትን እዩ፡ ንልኡካነ ወንጌል ምስጋና ይኹኖም ቅዱስ መጽሓፍ ይዝርጋሕን ይትርጎመን ናብ ኩሉ ይበጽሕን ይብህልውትን ኣሎ፡ ብድጋፍ ሓይሊ እግዚኣብሔር። ነዚ ኹሉ ጻዕሪ ግቡእ ክብሪ ምሃብን መታን ክሰፍሕ እውን ዓቕምን ብቕዓት ነዚ ዕላማ’ዚ ምስላዕ ከምዘድሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ የብርሁ።

ብድሆ ንመንእሰያት

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናይ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ተክለ ሰብነትን ንመጽናዕትን ስነ ምርምርን ዝነብሮ ፍቕርን ጸሚሮም፥ እቲ ናይ እዋንና ዓቢይ ብድሆ ናይ ሃይማኖት ጥራሕ ዘይኮነ መሃይምነትን ናይ ገዛእ ርእስና ባህሊ ስነ ትርጓመን ትንትናነን እሙን ዝኾነ ብቕዓት ጐዲሉ ምርኣይ እዩ፥ ብፍላይ ከኣ ንመእሰያት ዘጥቕዕ ዘሎ ዓቢይ ጸገም እዩ፡ . . . “ንመእሰያት ካብ ድልያ ውርሻታትኩም ያታዅምን ተበገሱ እብል። ክርስትና ናይቲ ነባሪ ዝኾነ ጠሪሹ ዘይስገር ናትኩም ክኸውን ናይ ዝግብኦ ባህሊ ወረስቲ ይገብረኩም፡ ናይዚ ታሪኽ እዚ ፍቕሪ ይሃልዅም፡ ጠመተኹም ኣብቲ ጭኑቕ ዝነበረ መንእሰይ ሀሮኒሞስ ኣቕንዑ፥ ከም ናይ ኢየሱስ ቃል ኣፍቃሪ፡ ዝነበሮ ኵሉ ሸይጡ ነቲ  ዓቢይ ናይ ባህሊ ሉል ዝዓደገን ጠምቱ፡ ሀሮኒሞስ ናይ ክርስቶስ ቤተ መዝገብ እዩ፥ ቢሎም እዚ ቤተ መዘብገብ’ዚ 1600 ዓመት የቑጽር ኣሎ፡ ሎሚ እውን ክርስቶስ ምፍቓር እቲ ኣብቲ ቃል  ዘሎ ፍቕሪ እንታይ ማለት ምዃኑ የብርሃልና፡ እዚ መበል 1600 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ሀሮኒሞስ፥ ንፍቕሪ ዝተጸውዔን . . . በቲ ግልጸት እግዚኣብሔር ንምፍላጥ ብርቱዕ ጭንቀትን ውዕዉዕ ስምዒትን ብዝነበሮ መንፈስ ንኽትንክፈፉ እላበው - ቢሎም - መለኮታዊ ቅዱስ መጽሓፍ ወትሩ ኣንብብ እኳ ደኣ ቅዱስ መጽሓፍ ወትሩ ካብ ኢድካ ኣይትራግፍ” ብዝብል ቃል  ሀሮኒሞስ ንመእሰያት ብዘቕረብዎ ምዕዳን ብምኽንያት መበል 1600 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ኣበውን ሊቅ ቤተ ክርስቲያንን ሀሮኒሞስ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ ምልእኽቲ የጠቓልሉ።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 1600 ዓመት ውልደት ኣብ ሰማይ ቅዱስ ሀሮኒሞስ
01 October 2020, 11:29