ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣሲዚ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ከቲሞም

ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ነቲ ብለብዒ ኮቪድ - 19 ዝቖሰለ ሰብኣዊ ፍጥረት ዳግም ተስፋ ንኽዓትርን ንኽትንስእን ግድን ዘድልይዎ ክብርታት ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ዘማእከለት ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም

ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣሲዚ ገዳም ኣሃው ፍራንቸስካውያን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቁዑ፡ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝተነብረሉ መንበረ ታቦት ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበሩን፡ እታ ዓዋዲ መልእኽቲ ንምስንዳው ኣብ ዝተገብሩ ምቅርራባት ንቀዳማይ ክፋል ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡን፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ኣዚዚ ኣብ ዝርከብ ገዳመ ቅድስቲ ኪያራ ማሕበር ደናግል ምብጻሕ ከምዘካየዱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንእሽቶን ናይ ጥልቂ ኣስተንትኖ ስፍራን ካብ መላእ ኵርናዕ ዓለም መንፈሳውያን ነጋዶ ዝውሕዝሉ ስፍራ፡ ኣብቲ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ናይ መቓብር ስፍራ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብታ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ኣሲዚ ድኻ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝተነብረሉ ስፍራ እታ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ነቲ ብለብዒ ኮቪድ - 19 ዝቖሰለ ሰብኣዊ ፍጥረት ዳግም ተስፋ ንኽዓትርን ንኽትንስእን ግድን ዘድልይዎ ክብርታት ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ዘማእከለት ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ከቲሞም ምስ ለገሱ፡ እቶም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ዝተረኽቡ ንዅላትና ወኪሎም ብሓጥቕዒት ሓጐሶም ከምዝገለጹ ዶኒኒ ይሕብራ።

መስዋዕተ ቅዳሴ ምንባር ክታምን

ቅድስነቶም ንቐዳማይ ክፋል ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ምስጋና የቕርቡ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ስብከት ከምዘየቕረቡን፡ ናይቲ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኪደት ብጥልቂ ዘብርህ ብፍላይ ከኣ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ምእመናን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ብዘይምዃኑ ጸሎትን ናይ ጽሞና ኣስተንትኖን ከምዝፈጸሙ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ቅዱስነቶም ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 4 ጥቅምቲ ዝበዓል ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዓመታዊ በዓል ዝቐርብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝተኸተለ ከምዝነበረ ገሊጸን፡ ነታ ዓዋዲት መልእኽቶም ምስ ከተሙ ንቐዳማይ ክፋል ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፡ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ሰኒዱን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ንኽትርጐም ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ንኢዶም ከምዘመስገኑን፥ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ክፍርሙ እንከለዉ፥

ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ትርጉምን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረን ቀዳማይ ክፍልታቱን ዝተኸታተሉ ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ብራይዳ ናብ መንበረ ታቦት ንዘቕረቡለይ ዓዋዲት መልእኽቲ እፍርም፡ ንሶም ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ካብ ብጋሴን ክሳብ ፍጻሜን ብቐረባ ዝተኸታተሉ ብምዃኖም ኣብዚ ምሳይ ክርከቡን ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንኸቕርቡለይ ክታመይ ንኸንብር ከምዝደለኹን፡ ኣባ ኣንቶኒዮ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ካብ ቋንቋ ስፓኒሽ ናብ ቋንቋ ፖርቱጋል ዝተርጐሙን ኣባ ክሩስ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ካብ ስፓኒሽ ቋንቋ ናብ ካልኦት ቋንቋታት ንምትርጓም ዝተኻየደ ዕዮ ዝተኸታተሉን ብሓፈሻኡ ንቐዳማይ ክፋል ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንምስናድን ንምቱርጓምን ምእንቲ ዘካየዶ ዓቢይ ዕዮ አመስግን!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ገዳመ መኖኮሳት ስፐሎን ኣሲዚን

ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣሲዚ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ኣብ ስፐሎ ኣብ ዝርከብ ቫለግሎሪያ ናይ መነኮሳት ደናግል ገዳም ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምስ በጽሑ ኣብ ገዳመ ቅድስቲ ኪያራ ናብ ዝርከባ መነኮሳት ምብጻሕ ኣካይዶም ነተን ገዳማውያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ናብቲ ካብ 1230 ዓ.ም. ናይቲ ተወላዲ ኡምብሪያ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ቅዱስ ዓጽም ናብ ዝተዓቀበሉ ባዚሊካ ምስ በጽሑ ብናይቲ ቅዱስ ገዳም ዘኣሲዚ ዓቃቢ ኣባ ማኡሮ ግራምበቲ ኣቀብብላ ምስ ተገበረሎም፡ ብዕስራ ፍራንቸስካውያን ኣሃውን ብናይታ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መርያም ዘመላእክት ኣብ ኣሲዚ ወኪል ር.ሊ.ጳ. ብጹዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒን ተሰንዮም ገዳማውያት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣተሓሒዘን ቅዱስነቶም ኣብ ኣሲዚ ንራብዓይ ግዜ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ የዘኻኽራ።  

Photogallery

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣሲዚ
03 October 2020, 22:25