ድለ

2020.10.14 ገዳም መነኮሳት ደናግል ክላውዙራ ዘቪቶርክያኖ! 2020.10.14 ገዳም መነኮሳት ደናግል ክላውዙራ ዘቪቶርክያኖ! 

ሓዲስ ገዳም ንምኽፋት ንፖርቱጋል ዝተብገሳ መነኮሳት ደናግል ክላውዙራ ዘቪቶርክያኖ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2020 ዓም ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምሂሮም ምስ ወድኤ ብትራፒስት ዝበሃላ ብብሕትውና ተዓጽየን ዝነብራ ብልማድ ክላውዙራ ዝበሃላ ኣባላት ደናግል ሰላም ኣብ ዝበሉሉ ግዜ እተን ደናግል ካብ ቪቶርክያኖ ዝበሃል ክፍሊ ሃገረ ጣልያን ዝመጻ ምዃነንን ኣብ ሃገረ ፖርቱጋል ሓዲስ ገዳም ክኸፍታ ምዃነንን ንቅዱስነቶም ምስ ገለጻሎም። እመምኔት ገዳም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ቤተክርስትያን ዝኾና እናቴ ጁስይ ማፊኒ ኣብ መግለጺኤን `ነቲ እግዚአብሔር ዝዓደለና ጸጋ ጸዋዕታ ምስ ካልኦት ንምክፋል ኢና ነዚ በግሶ እዚ ንወስድ ዘሎና ኢለን።

ዜና ቫቲካን!

ኣስተምህሮ ቅዱስነቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬ ንምስታፍን መነኮሳት ደናግል ክላውዙራ ዘቪቶርክያኖ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተራኽባ ኣብቲ ኣደራሽ ከምዘለዋን ሰላም ክብላኦም ከምዝደልያን ዝተሓበሩ ቅዱስነቶም ንምእመናን ብተፈላለየ ቋንቋ ኣብ ዘመስገነሉ ግዚ ከምዚ ክብሉ ፍሉይ ሰላምታ ነዘን ደናግል ኣቅሪቦም፣

ነተን ሓዲስ ገዳም ንምኽፋት ንሃገረ ፖርቱጋል ነቂለን ዘለዋ መነኮሳት ትራፒስት ዘቪቶርክያኖ ሰላምታይ አቅርብ። ከምዚ ሕጂ ዓዲልወን ዘሎ እግዚአብሔር  ብዝሒ ጸዋዕታ ክዕድለን ስለኤን ንጽሊ ኢሎም።

እዘን ኣብዚ ዓመታት እዚ ብዙሕ ጸዋዕታ ዝረኸባ ኣብ ገዳም ተዓጽየን ብብሕትውና እናነበራ ብቀጻሊ ስለ ምሉእ ዓለም ጸሎት ዘዕርጋ ወግሐ ጸብሔ ብውዳሴን ምስጋናን ብጽሞና ንእምላኽ ዝተወፈያ ብክላውዙራ ዝፍለጣ መንኮሳት ገዳም ቅድስት ማርያም እመ ቤተክርስትያን ኣብዚ ዓመታት እዚ ነቲ ብጸዋዕታ ዝባረኸን እግዚአብሔር ንምምስጋንን ገዳማተን ንምስፋሕ ኣብ ሃገረ ፖርቱጋል ሓዲስ ገዳም ንምኽፋተን ንዝመጽእ ሰንበት ክልተ ካብአን ከምዝለኣኻ ተመልኪቱ። እመምኔት ናይቲ ገዳም ከምዝሓበራኦ ንምሥረታ እቲ ገዳምን ንሕንጸቱን ብዝምልከት ዘድሊ መጽናዕቲ ማህንድሳት ተገሩ ብ2021 ዓም ህንጸት ከምዝጅምራ እንክሕብራ ሕጂ ግን ንግዜኡ ሕጊ አቡነ ቡሩኽ ዝኽተላ ዝጥቀማሉ ካልእ ገዳም ከም ኣጋይሽ ክቅበለን ምዃኑን ዳርጋ ሓደ ዓይነት ሕገ ገዳም ኣቡነ ብሩኽ ስለዝኽተላ ከምዝይጋየሻ ገሊጸን።

ብሓቂ ምስጋን ዝግብኦ ትዕድልቲ ጸዋዕታ!

ገዳም ቅድስት ማርያም እመ ኣምላክ ዘቪቶርክያኖ ብጠቅላላ 80 ዝኾና መነኮሳት ዝሓዘ እንክኸውን ከም መግለጺ እመምኔት ናይቲ ክሕነጽ ዘለዎ ገዳም ቅድስት ድንግል ማርያም እመ ቤተክርስትያን ሃገረ ፖርቱጋል እናቴ ጁሲ ማፊኒ ‘ኣብ ቪክቶርያኖ ዚኣክል ቦታ የብልናን ስለዚ ንሃገረ ፖርቱጋል ክንወፊ ወሲና ነዚ እንገብረሉ ምኽንያት ከኣ ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ሞሳ ንምምላስ እዩ’ ኢለን። እዚ ብሓቂ ዝምስገን ተግባር ኰይኑ እቲ ሕቶ ብ2017 ዓም ሃገረ ፖርቱጋል ግልጸት እኖና ቅድስት ድንግል ኣብ ሃገረ ፋጢማ መበል ሚእቲ ዓመት ኣብ ዘኽበረትሉ እንክኸውን ናይ ብራጋንሽእ ሚራንዳ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ኮርደይሮ ኣብ ሰባኻኦም ሲታዊ ልማድ መንፈሳውነት ዘለወን ደናግል ኣብ ሰበኻኦም ክህልዋ ሠናይ ድልየት ብምግላጾምን 80 ሄክታር ዝኸውን መሬት ብምውፋዮምን ተበገሰ።

እግዚአብሔር መጻኢ ናይ ኩሉ እዩ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቤተክርስትያን ካብ ቤተልሔምታ ትውጻእ ናብ ሻውላት መንባብሮን ማሕበረሰብን ትውፈር ንዝበልዎ ብግብሪ ንምትርጓም ዘንቀዳ ምዃነን ዝገልጻ እናቴ ጁሲ ገዳመን ገዳም ቪቶርክያኖ እውን ካብ ዘለዎ ንካልኦት ንምክፋል ነዚ ጻውዒት እዚ ተቀቢሉ ይነቅል ኣሎ ኢለን። ሽሕ’ኳ እቲ ቦታ ዝባደመን ብዙሕ ሰብ ዘይብሉን እንተኾነ ዳግም ማሕበራዊ ሕይወት ክዘርእን ካብቲ ዘሎ ምዕብልና ዝሓሸ ንተፈጥሮን ጽባቄኡን ዘንጸባርቅምዕብልናን ምድግጋፍን ዝመለለዩኡ ክበቁለሉ ዝከኣል እዩ እንክብላ መጻኢ ኩሉ ኣብ ኢድ እግዚኣአብሔር ባዕሉ እግዚአብሔር ከኣ መጻኢ ናይ ኩሉ ምዃኑ ገሊጸን። እዚ ግን ኩሉ ጥጡሕ እዩ ማለተን ከምዘይኮነ እኳ ደኣ ዘሎ ግድላትን ጸገማትን ብዙሕ ምዃኑ እንተኾነ ኣብ መለኮታዊ ሓልዮት እግዚአብሔር ተኣማሚና ሕይወት ክርስትና ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ሕይወት ምንኲስና ንዘሎ ጸገማት ኤውሮጳ መልሲ ነሩን ክኸውንን እዩ። ነቲ መጻኢ ኩሉ ነገራት ዝኾነ እግዚአብሔር ብትሑትን ድኻን ልቢ እንተለሚናዮ ተስፋ ዝመልኦ መጻኢ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክህበና እዩ እንክብላ መግለጺኤን ደምደማ።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 October 2020, 11:06