ድለ

2019.01.24 ሓዋርያዊ ጒዕዞ ናብ ፓናማ 2019.01.24 ሓዋርያዊ ጒዕዞ ናብ ፓናማ 

‘ኩላትና ኣሕዋት’ ኢና እትብል ማሕበራሰብኣዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እነሀት!

ኣርእስቲ ናይ’ዛ መልእኽቲ ዝተመርጸሉ ካብ ቃል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኰይኑ ንኩሎም ፍጡራት ኣሕዋት ካብ ዝብል መዝሙር ፍጥረት ዝብል ድርሰቱ ከምዝኾነ እንክምልከት ከም መንቀሊ ከኣ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣቡዛቢ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተጀመረ ዘተን ብዝለዓለ መንገዱ ከኣ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝቅጽል ዘሎ ሕውነት ኩሎም ዘመደ ኣዳም ዝምልከት ሰነድን ምዕባሌታቱን ምዃኑ እንክምልከት ሎሚ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ‘ኩላትና ኣሕዋት’ ኢና ዝብል ስያሜ ዝተዋህበ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ሕብረተሰብ ር.ሊ.ጳ ተኣዊጃ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ዘተኲሩለን ነጥብታት ኩሎም ነበርቲ ዓለምና ነፍሰወከፍ ግለሰብን ማሕበራዊ ተቊውማትን እንተደኣ ዝበለጸ ዓለም ፍትሓውን ሰላማውን ዝኾነ ዝሓሸ መንባብሮ ክሃንጹ ደልዮም ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ቀንዲ መንገድታት ምዃነን ይሕብሩ። ነቲ ንኩሉ ዘዕኑ ክሳራ እምበር ዓወትን መኽሰብን ዘይብሉ ውግእ ብትሪ እንክቋወሙ ማዕረ ማዕረኡ እውን ነቲ ንመላእ ዓለምና ክሸምም ቀሪቡ ዘሎ ሸለልትነት እንታይ ገደሰኒ ዝብል ፍቅሪ ብጻይ ዝረሓቆ መንፈስ እውን ይኹኑኑ።

ነዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ሕብረተሰብና ኢሎም ብዙሓት ዝሰመይዋ መልእኽቲ እንክደርሱ ቅዱስነቶም ብቀዳምነት ዝሓትዎ ሕቶ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ኣብ ማሕበራዊ ናብራስ ይኹን ኣብ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ተቅዋት ብተግባር ክንስዕቦም እንኽእል ሕውነትን ፍትሕን ዝዓሰሎ ዓለም ንምህናጽ ክሕግዙና ዝኽእሉ ዝለዓሉ መምርሒታትን መንገድታትን ኣየኖት ኮን ይኾኑ! ትብል ሕቶ ዘንቀዱ እንክመስሉ በዛ ማሕበረሰባዊ ሓዋርያቲ መልእኽቶም ኩልና ኣሕዋት ኩሎም ኣሕዋት ትብል ካብታ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንኩሎም ፍጥረታት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብማለት ብቃል ወንጌል ተመሪሑ ዝደረሳ ማሕሌት ብእተደርሰት ኩላቶም ኣሕዋት ብእትብል ሓረግ መልኽቶም ይጅምሩ።

ብጠቅላላ ሾመንተ ምዕራፋት ዝሓዘ ሰነድ እንክኾን ኣብ ቀዳማይ ምሕራፍ ‘ጸላቶታት ዕጽው ዓለም’ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣብ ዘመንና ዝረኤ ዘሎ ብዙሕ ክፍኣተ ግብርታትን ጥንግንግነቶምን ይገልጽ። ምጥፍፋእ ንነገራት ዘይመልክዖም ምልባስ ንኣብነት ነተን ደሞክርሲ ናጽነት ሓርነት ፍትሒ ዝብላ መሠረታውያን ኣምራት ከም ድላዮም ዝጥምዝዙ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስ ተወሪሮም ብዛዕባ ናይ ሓባር ሠናይ ነገር ዘይምግዳስ ኣብ መኽሰብን መኽሰብ ንዘይብሉ ጐሓፍ ዝብል መንፈስን ዝተመሥረተ ሥርዓተ ዕድግን መሸጣን ምክታል ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ሽቅለት ኣልቦነትን ድኽነትን ዓሌታውነትን ዘይማዕርነት መሰላትን ንመሰላት ደቂ ሰብ ረጊጽካ ባርነትን ንግዲ ደቂሰባትን ምዝውታር ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ሸውሃት መዝሓሊ ገርካ ዝገደደ ከኣ ጽንሲ ንከውርዳ ምግዳድ እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ኣብቲ ዘስካሕክሕ ንወዲሰብ ከም እንስሳ ሕሩድ ቀቲልካ ኣካላቱ ንክትሸይጥ ዝግበር ሰይጣናዊ ተግባራት ዝሓሰሙ ናይ ዘመንና ውድቀት ምዃኖም ካብ ቊ 10 ክሳብ 24 ኣብ ዘሎ ዓናቅጽ ይዝርዝር። ካብዚ ብምቅጻል ነዚ ኩሉ ጸገማት ብደረጃ ዓለምለኸ ወይውን ግሎባል ዝበሃል ዓውለማዊ ፍታሕ ክግበረሉ ብምጽዋዕ ነቲ ብብዙሓት ሃገራት ዝረኤ ንዶባት ንምዕጻው ዝግበር ሓጹርን መናድቅን ብምኹናን ከኣ እዚ ፍታሕ ከምዘይከውን እኳ ደኣ ንካልእ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃሳት ከም ማፍያን ንኣታቶም ዝመስሉን ኣብ ንግድን ካልእ ጉቦታትን ብምምራሕ ፍርህን ሽቊረራን ብሕትውናን ከምውለድ ኣብ ቊጽርታት 27ን 28ን ብሰፊሑ ይገልጽ።

ነዚ ኩሉ ጸገም መፍትሕስ ካበይ ይረኸብ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ሰነድ ‘ዘይትፈልጦ ሰብ ኣብ ጐዳና’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብነት ናይቲ ጐይታ ኣብ ወንጌል ዘቅርበልና ሕያዋይ ሳምራዊ ካብዚ ከቢቡና ዘሎ ንምውጻእ ከም ጩራ ብርሃን ከገልግል ከምዝኽእል ይገልጹ።  እቲ ቀንዲ ሕማም ናይዛ ዘሎናላ ማሕበረሰብ ንስቃይ ካልኦት ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ሕቈኻ ምሃብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንድኹማትን ተኣፈፍትን ኣካላት ማሕበረሰብና ብከመይ ከም እንከናኸን እውን ገና መሃይምነት ዘይጠፋእና ዓያሹ ምዃና ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ንምፍዋስ ኩልና ከምቲ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ንጽጉማት ብጾት ክንከውን ኣብ ጐድኖም ክንከውን ንዘሎ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላዊ ጥቅሚ ዝደሊ ዝምባሌን ክንስዕር ካብ ቊ. 64-65 ይጽውዑ። ከም ሓቁ ንዝሳቀዩ ብጾትና ክነቅርብ ምሳና ክነወሃህድን ስቃዮም ክንቃልለሎምን ዘኽእል ማሕበረሰብ ክንሃንጽ ሓላፍነትና ለቢስና ንበገስ ኢሎም። ተጻይ እቲ ኣብ ቀድማይ ምዕራፍ ዝገለጽዎ መናድቅን ሓጹርን መራኸቢ ድልድላት ክንሃንጽ ዘኽእል ፍቅሪ ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም ነዚ ንምግባር ከኣ ነቲ ኣብ ድኻታትን ስኡናትን ሽጉራትን ዝሳቀዩን ዝረኤ ኢየሱስ ኣለሊና ክንክእል እሞ ክርስትያናዊ መንነትና ክንለብስ ጸዊዖም። እዚ ፍቅር እዚ ግን ክሰፍሕ ከምዘለዎ ብምግላጽ ኣብ 3ይ ምዕራፍ ናይቲ ሰነት ንኩሉ ዝሓቊፍ ፍቅሪ ንምድንፋዕ ‘ንኩሉ ክፉት ዝኾነ ዓለም ምሕሳብን ምፍጣርን’ ዝብል ኣርእስቲ ይህቡ። ነዚ ንምግባር ከምቲ ደጋጊሞም ዘስተምሃርዎ ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ኢልና ነቶም ኣብ ፈቀዶኡ ዘለው ኣሕትናን ኣሓትናን ክንረክብ እሞ ንህላዌና ክነዕብዮን ትርጉም ክንህቦን የዘኻኽሩ። በቲ ጐይታ ዝመሃረና ፍቅሪ ልብና ንብጾትና ክንከፍት ምስ ጀመርና ኩለትናዊ ውህደት ክንፈጥር ንኽእል። ሕመረት መንፈሳዊ ትርጉም ሕይወት ደቂሰባት ከኣ ንብጾትና ሠናይ ነገር ኣብ ዝምነ ፍቅሪ ከምዝግለጽ ካብ ቊ. 92-93 ይገልጹ። ናይ ምድግጋፍን ሕውነትን ትርጉም ኣብቶም ቀዳማይን ዘይግሃስን ተልእኮኦም ኲስኰሳ ዝኾነ ስድራቤታት ኣብ ምሕጋዝን ክብሮም ኣብ ምሕላውን ይውለድ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዘስምሩሉ ሓሳብ ‘ነፍሲወከፍ ክብሩ ተሓልዩ ንምንባር ዘኽእል መሰል ብዘይ ምንም ገደብን ዶብን ስለዝኾነ ማንም ሰብ ብትውልዲ ዓዲ ክጒሰ የብሉን። እኳ ደኣ ንዓለምለኸ ርክባት መምርሒ ከወጽእ ኣለዎ። በዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ሃገር ነቲ ጓና ወይውን ወጻእተኛ እትብሎ እውን ግለሰብ ካብቲ ናይ ሃገር ሺሻይ ክትነፍጎ ኣይትኽእልን። እዚ ከኣ ንማንም ጽጉምስ ይኹን ካብ ካልእ ቦታ ንዝመጽእ እውን ይኹን ክግበር ኣለዎ። እቲ ንግላዊ ዋንነት ዝእውጅ ባህርያዊ መሰልከስ በረኸት ፍጥረት ንኩሉ ብማዕረ ይብጻሕ ኣብ ዝብል ኩለንትናዊ መምርሒ ይወሓጥ’ እንክብሉ ስፍሓት ፍቅሪ ክሳብ ክንደይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ይገልጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ቅዱሰንቶም ዝዘከርዎ እቲ ንብዙሓት ሃገራት ዘይውጻእ ዓቀብ ኰይኑ ዘሎ ዓቢ ተጽዕኖ ዕዳ ሃገራት ንብዙሓት ድኻታት ሃገራት ርእሰን ክኽእላስ ይኹን ድኻታተን ክድግፋ ኣይክእላን ክዓብያ እውን ኣይክእላን ኣለዋ እሞ ዳግመ ግምት ክግበረሉ እዚ ዕዳ እዚ ዝእለየሉ መንገዲ ክድለ ይምሕጸኑ።

ካብዚ ብምቅጻል ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ሰነድ ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ጉዳይ ፍልሰትን ስደትን ኣልዒሎም ‘ንዓለም ምሉእ ዝተኸፍተ ልቢ ይሃልወና’ ዝብል ኣርእስቲ ይህብዎ። ኣብዚ ዘመንና ግዳይ ፍልሰትን ስደትን ዝኾኑ ኩሎም ሕይወቶም ኣይ ኣብቲ ኣይ ኣብቲ ኮይኑ ብኩሉ ቈሲሉ ዝርከብ ካብ ውግእን ስደትን ባሕርያዊ ጥፍኣትን ሕልና ኣልቦ ሸቀጥቲ ደቂሰባትን እናሃደሙ ካብ መረበቶምን ዘፍቅርዎም ቤተሶቦምን ማሕበረኮማቶምን ዝተፈልዩ ስደተኛታት ብቀዳምነት ተቀባልነት ክረኽቡ ካብኡ ምክልኻል ክረኽቡ ኣብተን ዝተቀባላኦም ሃገራት ከኣ ንክወሃሃዱ ዘድሊ ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ። እዘን ዝቅበላ ሃገራት ቅድሚ ዝኣገረ ናይ ዜጋታተን ማዕረትን ክንክንን ብዝግባእ ክፍጽማ ነቶም ኩሉ መሪርዎም ብስደት ኣብ ሃገሮም ንዝርከቡ ከኣ ተቅባልን ሓገዝን ከወፈያ ንምሕጸን። ድሕሪ ቢሎም ቅዱሰነቶም ብፍልይ ዝበለ መንገዲ ነቶም ካብ ሕሱም ሰብኣዊ ቅልውላው ሕይወቶም ንምድሓን ሃዲሞም ንዝመጹ ኣብ ምቅባል መእተዊ ቪዛታት ዝርከበሉ መንገዲ ክሰፍሕ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሃገራት እዞም ሰባት እዚኦም ዝመሓላለፉሉ ሰብኣዊ መስኖታት ርክብ ክፍጠር ኣብ ዝኣተውዎ ዓዲ ከኣ ውሕስነት ተቅባልን ሕይወትን መሠረታውያን ኣገልግሎትን ብምውፋይ ሰሪሖም ኪኣትውሉ ዝኽእሉ ዕድል ንምኽፋትስ ይኹን ዘድሊ ኲስኰሳ ንምርካብ ከምኡ እውን እተን ፋሕፋሕ ኢለን ዘለዋ ስድራቤታት ዝተኣኻኸቡሉ ኩነታት ፈጢርካ ትሕተ ዕደመ ውሕስነት ዝረኽቡሉን ነጻነት እምነት ዝወሓሰሉን ኩነታት ንክፍጠር ሓደራ ኢሎም። እዚ መፍትሒ ኢሎም ዘቅርብዎ ሓሳባት ንሓደ ክልተ ዘይኮነ ብዓውለማዊ ደረጃ ንኩሉ ኩነታት ስደተኛታት ዝጓሲ መደባት ተሓንጺጹስ ነዊሕ ጠመተ ዘለዎ ፍታሕ ክንዮ ግለሰባት ዝሰግር ንኩሉ ሕዝብታት ዝኸውን ምድግጋፍ ዘለዎ ምዕባለ ክግበር እቲ ሰነድ ካብ ቊ. 129-132 ይምሕጸን።

ናይ ሓምሻይ ምዕራ ኣርእስቲ ‘ዝሓሸ ፖሎቲካዊ ምምሕዳር’ ዝብል ኰይኑ መሠረቱ ኣብ ምግባረ ሠናይ ዝገበረ ምሕደራ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ናይ ኩሎም ዘገልግል ክኸውን እዚ ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ኣድላይነት ናይ ደቂሰባት ሰሪዑ እዞም ሰባት እዚኦም ነንሕድሕዶም ክዋስኡ ዝኽእሉ እሂን ምሂን ብማለት እንካ ሃባ ኢሎም ክፉት ዘተ ዘካይዱ ምዃኖም ምግንዛብ ከምዘድሊ የስምር። እዚ ብዙሕነት ሕዝቢ እዚ ነቲ ብኣልማማ ብምንቅስቃሳት ሕዝቢ ዝግበሩ እሞ ብቀሊሉ ዝጥምዘዙ ምንቅስቃሳት ዝቃወም ብሓቂ ክፉት ምርድዳእን ግሉጽ ዘተን ዘለዎ ንሕዝቢ ከም ሕዝብን ከም ውልቀሰባትን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣተሓሳስባ እዩ። ንኩሉ ሕዝቢ ዘሳትፍ ካብቲ ኣምር ሕዝብን ሕዝባውነትን ዝረሰዔ ናይ ዘመና ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት ፍልይ ዝበለ ሕዝባዊት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እዚ እዩ። እዚ ሕዝባውነት እዚ ከኣ ሕዝቢ ንገዛእ ርእሱ ንከገልግል ዘነቃቅሕ ናብ ገዛእ ርእሱ ከምዝሰሓብን ዝገብር እዩ። እንተኾነ እቲ ዝበለጸ ፖሎቲካዊ ኣመራርሓ ነፍሲወከፍ ተውቦታቱን ክእለቱን ብሥራሕ ዘማዕብለሉ ውሕስነት ሃሰስ እናበለ ነቲ መታካእታ ኣልቦ ማሕበራዊ መኣዝን ሥራሕ ክድግፍ ኣለዎ። እዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ እዚኣ ከም ቀንዲ መደብ ተጻይ ድኽነት ኢላ እተቅርቦ ዕላማታት ምድግጋፍን ድጎማን እዮም። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ግደ ፖሎቲካ ተጻይ መሠረታውያን መሰላት ደቂሰባት ንዝኾና ዕንቅፋታት ፍታሕ ክረኽቡ ነተን ቀንዲ ካብአን ማለት ማሕበራዊ ምጒናይን ንግድ ኣካላት ደቂሰብን ከምኡ እውን ብግህዶን ስውርን ንዓለምና ኣዕለቅሊቆም ዘለው ንግድ ዕጸ ፋርስን ናይ ውግእ ኣጽዋርን ጾታዊ ምዝመዛን ባርነታዊ ስራሕን ራዕድን ብቀተልቲ ጒጅለታት ዝግበር መጭወይትን ቅትለትን ኩሉ ክወግድ ኣለዎ። ልዕሊ ኩሉ ግን ቅዱሰንቶም ኣትሪሮም ዝምሕጸንዎ ናይ ዘመንና ዘሕፍር ተግባር ንግድ ደቂሰባት ክውግድ ከምኡ እውን ዳርጋ ቅትለታዊ ዓመጽ ክንብሎ እንኽል ነቲ ነፍሲወከፍ ሰብ ቀለቡ ክረክብ ኣለዎ ንዝብል መሰል ብምግሃስ ንሰባት ዝሓቂ ዘሎ ጥሜት ክእለ ኣብ ቁ.188-189 ይገልጹ።

እሞኸ ደኣ ከመይ ዝበለ ፖሎቲካ ንስዓብ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ዘመንና ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ዕዳጋ ይትንክፉ እሞ ‘ዕዳጋ በይኑ ንኩሉ ኣይፈትሕን እዩ’ ስለዚ ክንዲ ንኩሉ ብዓይኒ ገንዘብን መኽሰብን ምርኣይ እታ ፍታሕ እትኸውን ፖሎቲካ ኣብ ክብሪ ወዲሰብ ክትምስረት ኣለዋ። ከመይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዝረኣናዮ ብዕዳጋ ዓለምን ቊጠባዊ ቅልውላውን ክንደይ ዕንወት ወሪዱ እዩ። ስለዚ ኩለን ሕዝባውያን ምንቅስቃሳት ሓቀኛታት ማዕበላት ሞራላዊ ሓይሊ ኰይነን ክንዲ ናብ ድኽታት ዘቅንዔ ፖሎቲካ ምድንፋዕ ንድኻታትን ምስ ድኻታትን ዝሰርሕ ፖሎቲካ ንምድንፋዕ ብሓባር ይስርሓ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ዓለምና ሽግራት ንምፍታሕ ዝቃለስ ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሕደስን ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ክፈትሕ እሞ ሥድራቤት ሃገራት ክንብል እንኽእል ንሓባራዊ ረብሓ ዘቀድም መምርሒ ብጭብጢ ብምትግባር ንድኽነት ካብ ሱር መሠረቱ ሓግሒጉ ከጥፍእ ንመሰልን ክብርን ደቂሰባት ከኣ ንክሕሎ ክድግፍ ጸዊዖም። ናይዚ ውድብ እዚ ኣብያተ ጽሕፈት ኣብቲ ዘካይዶ ናይ መንጎኝነትን ዘተን ቃልስታት ክንዲ ንውግእን ሓይልን ከም መሰል ምጥቃም መሰል ወዲሰብ ሓይሉ ክርከብ ኣበርቲዑ ክሰርሕ የድሊ እንክብሉ ምኽሮም ይልግሱ።

ንዘሎ ግድላትን መፍትሒ ይኸውን ዝበልዎን በብሓደ ከከም ክእለትና ክንገብሮ ንእንኽእል ጒዳያት ምስ ዘርዘሩ ቅዱስነቶም ኣብ ምዕራፍ ሽድሽተ ናይቲ ሰነድ ‘ዘተን ማሕበራውን ዕርክነት’ ዝብል ኣርእስቲ ሂቦም ናብራ ናይ ምርኻብ ጥበብ ምዃኑ ተገንዚብና ምስ ኩሎም ምናዳ ኣብ ሻውላት ዓለምና ምስ ዝነብሩ መበቆላውያን ደቀኣባት ዝኾኑ ሕዝብታት ክንራኸብ ከመይ ብኣርኣያን ኣምሳልን ሥላሴ ካብ ዝተፈጥሩ ዘይጠቅም እትብሎ ንዒቅካ እትሓልፎ ፈጺምካ ስለዘየሎ ካብ ኩሎም እንመሃሮ ጉዳይ ስለዘሎ ኢሎም። ኣብ ሕይወት እዞም ዝተረስዑን ዝተገለሉን ዝመስሉ ሰባት ንኩልና እትጠቅም ተኣምር ዝበልዋ ኩነት ሕያውነት እንክትኮን ‘ተኣምር ሕያውነት’ ዳግም ንክንረኽቦን ነቲ እዚ ተኣምር እዚ ዝህቦ ቀንዲ መኽሰብ ማለት እዚ ተኣምር እዚ ኣብ ጸልማት ዘብርህ ኮኸብ ምዃኑ ተገንዚብና ካብቲ ከቢቡና ዘሎ ጭካኔ ወጺእና ነቲ ንዓለምና ዘሳቂ ስቃይን ዘይምትእምማንን ሓራ ክንወጽእ ንኽእል። ካብዚ ስግር ኢሎም ኣብ ሻብዓይ ምዕራፍ ምድንፋዕ ሰላም ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንምግላጽ ‘ጒዕዞ ሓደስቲ ርክባት’ እንክብሉ ኣርእስቲ ብምሃብ ሰላም ኩል ግዜ ንምርዳእ ስንድውቲ ስለዝኾነት ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ንካልኦት ብምግልጋልን ሓባራዊ ናይ ዕርቅን ምዕባሌ ሓድሕድን ብምድንፋዕ ትዕወት። ሰላምከስ ነፍስወከፍ ግደኡ ንከበርክትን ክገብሮ ዘለዎ ከኣ መወዳእታ ከምዘይብሉን ተገንዝብ። ምስ ሰላም ዝተሓሓዝ ኩሉ ግዜ ምሕረትን ንኩሎም ብዘይ ምንም ሌላ ጉሌላ ምፍቃርን ምዃኑ እንተኾነ ግን ንሓደ ዓማጺ ምፍቃር ማለት ዓምጹ ንከቋርጽ ምሕጋዙን ንክልወጥ ምድጋፉን እዩ እምበር ኣብ ዓመጹ ምድጋፍ ኣይኮነን። ይቅረ ምባል ምምሓር እንክንብል እውን ዘይምቅጻዕ ንኩሉ ምርሳዕ ኣይኮነን ዘይምቅጻዕ እውን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ፍትሕን ርትዕን ግደአን ክህልወን የድሊ። ከመይ ምምሓር ማለት ምርሳዕ ዘይኮነስ ኣዕናዊ ዝኾነ ሕነ ናይ ምፍዳይ ሓይሊ ገዲፍካ ምኽኣል እዩ። ከም ናይ በዓል ሸዋ ዚኣመሰሉ ናይ ሕልቂት ተግባራት ከምኡ እውን ናይ በዓል ሂሮሺማን ናጋሳኪን ደምዳብን ህልቂትን ኣቶሚካዊ ቦምብ ኣብ ዘመንና ዝፍጸም ዓሌታዊ ቅትለትን ስደትን መከራን እውን ክንርስዖ የብልናን። እዚ ዝኽሪ እዚ ብሓዲስ ንከይድገሙን ንቀንደል ሕልናና ወትሩ በሪሃ ንክትነብር ንምሕጋዝ እንክኾን ናይ ሕማቅ ነገራት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሠናይ ነገራትና ዝኽሪ ምግባር እውን ኣድላዪ ምዃኑ ካብ ቊ. 246-252 ይገልጹ። ከመይ ዝኽሪ ሕልናኻ ንምብርባርን ዝበለጽካ ንክትከውንን ዝሕግዝ ኣምር እዩ።

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ኣብ ምዕራፍ ሸውዓተ ስፍሕ ዝበለ ሸፈነ ዝሃብዎ ብዛዕባ ቀጻሊ ስቃይና ኰይኑ ከፈራርሃና ዝነበር ውግእ ዝምልከት ‘ቀጻሊ ምፍርራህ’ ዝብል ኣርእሽቲ ብምሃብ ውግእ ንኩልና መሰልና ዝግህስ ምዃኑ ብምሕባር እዚ ከኣ ናይ ዘመደ ኣዳም ፖሎቲካውን ሰብኣውን ውድቀት ኰይኑ ብዘሕፍር መልክዕ ብክፍኣተ ግብሪ ምሽናፍና የመልክት ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ነፍሰ ምክልኻል ብዝብል ኣምር ቅኑዕ ውግእ ዝብል ሓሳብ እኳ ይትንተን እንተነበረ እንተ ሎሚ ግን ኒክለሳዊ ኣጽዋርስ ይኹኑ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ከምኡ እውን ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ከስዕብዎ ዝኽእሉ ዕንወት ሕይወት ብምምልካት ቅኑዕ ወይውን ፍትሓዊ ውግእ ኢልና ሎሚ ክንዛረብ ኣይንኽእልን እንኮ ምርጫና ‘ውግእ ዝበሃል ፈጺሙ ኣይሃሉ’ ዝብል እዩ።  ነዚ ንኩሉ ዘርዕድ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ሓደጋ ሽሚሙ ዘሎ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋይ ናይ ዓለምና ሞራላውን ሰብኣውን ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ግድነት እዩ። ነቲ ኣብ ኣጽዋር ውግእ ንምዕዳግ እነውጽኦ ገንዘብ ንጥሜት ክነጥፍእ ማዕከን ምቋም ዓቢ ፍታሕ ምዃኑ ኣብ ቊ. 255-262 ይገልጹ።  ምስዚ ብዝተታሓሓዘ እውን እታ ንዓለም ምሉእ ብርእይቶን እምነትን ከፋፊላ ገሊኣ እወ ገሊኣ ከኣ ኣይፋል እናበለት ትማጐተሉ ዘሎ ‘ናይ ሞት መቅጻዕቲ’ ብዝምልከት እውን ቅዱስነቶም ከምቲ እግዚአብሔር ንቀታል ሓው ቃኤል ንሱ ባዕሉ ሓላፊ ምዃኑ ብምግላጽ ማንም ከይቀትሎ ዝፈረደ ቅዱስነቶም እውን ቀታል ነፍሲ ሰብኣው ክብሩ ክገሃስ የብሉ እግዚአብሔር እዩ ወኪሉ ስለዚ ናይ ምቅታል መቅጻዕቲ ካብ ዓለም ምሉእ እንተዝእገድ እንክብሉ ኣብ ቊ. 263-269 ከምኡ እውን 283 ተማሕጺኖም። ማዕረ ማዕረ እዚ እውን ኣብ ቊ. 18 ገለ ናይ ማሕበረሰባን ኣባላት ምናዳ ኣካለ ስንኩላንን ድኻታትን ሽማግለታትን ገና ኣብ ማሕጸን ኣደታቶም ዘለው ዕሸላትን ንመሥዋዕቲ ዝተገድፉ ኣብ ዝመስሉሉ ዘመንና ክብረት ሕይወት ወዲሰብ ከይንርስዕ ሓደራ ከምዝበሉ ይምልከት።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብዛ ኅብረሰብኣዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ዝተባህለት ኩላትና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ነቲ ምኽንያት ብዙሕ ሠናይን ሕማቅን ዝኾነ ጉዳይ እምነትን ሃማኖታትን ከይዘከሩ ክሓልፉ ስለዘይደለዩ ነቲ ናይ መጨረሻ ምዕራፍ መልእኽቶም ምዕራፍ ሾመንተ ‘እምነታት ኣብ ኣገልግሎ ሕውነት ዓለም ይውፈራ’ እንክብሉ እቲ ሎሚ ከም ሎሚ ንዓለምና ኣናዊጹ ዘሎ ብስም እምነታት ዝካየድ ራዕድን ሽበራን ምስ እምነት ዘራኽብ ምንም ነገር ከምዘይብሉ ናይ ገሊኦም ግጉይ ትርጓሜ እምነትን ጽሑፋቶምን ከምዝኾነ ይገልጹ። ዘሎናዮ ናይ ፖሎቲካ ጸገማትን ንእምነት መጋበሪ ምግባርን ዘሎ ድኽንትን ምጒዳል ፍትሕን ጭቆናን እውን ግደኦም ከምዝበርክቱ ኣብ ቊ. 282-283 ይትንትኑ። ነቲ ብምኽንያት ሃይማኖታትን እምነታትን ዝኽሰት ግጭታት ንምስጋር ከም ፍታሕ ቅዱስነቶም ዘቅርብዎ ቀዳማይ ነጥቢ ነጻነት እምነትን መሠረታውያን መሰላት ደቂ ሰባትን ናይ ኩሎም አመንቲ ምርግጋጽ ሰላም ክፈጥር ይኽእል። ቤተክርስትያን ብወገና ንተልእኯኣ ንማንም ግላዊ ጉዳይ ኣይተውዕልን ኣብ ፖሎቲካ ኢዳ ኣይተእቱን እንተኾነ እርማት ንፖሎቲካ ንማሕበራዊ ናብራ ንሓባራዊ ሰናይ ነገር ንኩለንትናዊ ምዕባሌ ዘመደ ኣዳም ብዝምልከት ኣብ ዕላማታት ወንጌል ተመርኲሳ ካብ ምምሃር ዓዲ ኣይትውዕልን እንክብሉ መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም ነቲ ዝሓለፈ ዕለት 4 የካቲት 2019 ኣብ ኣቡዘሃቢ ምስ ዓቢ ኢማም ናይ ኣልኣዝሃር ኣሕመድ ኣልጣይም ዝኸተምዎ ኣብ ዓለምና ብሰላም ሓቢርካ ንምንባ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ዝብል ሰነድ ብምዝካር ነዚ ከም መምዘንን መጋበርን ንምጥቃብ ኩልና መበገሲ ዘተ ክንጥቀሙ ኣብ ቊ. 285 ብምዝኽኻር ሓዋርያዊት መልእኽቶም ይዛዝሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 October 2020, 12:56