ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ንዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ምድልዋትና ይቐጽል

ነቲ ኣብ ሃንጋርይ ንኽካየድ ዝተወሰነ ናይቲ ናይ ሕይወትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ምንጪ ዝኾነ ናይ ቅዱስ ቍርባን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ እናማዕደና

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ሃንጋርይ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እናማዕደና “ብመንፈሳዊ ሓድነት” ኣብ ምድልዋትና ንቕድሚት ንበል፥ ከምዝበሉን እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብዚ እዋን’ዚ ክካየድ ብመደብ ዝተተሓዘ ከምዝነበረን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ከምእተሰጋገረ ይዝከር። ዕለት 20 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ምዃኑ እውን እናሓሰቡ፥ “ሓድሽ ወለዶ ንናይ ሰብኣዊ ክብረትን ንናይ ሓባር ቤትና ክብርን ኣብ ምክንኻን ክህነጹ ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣቐዲሞም መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እናሓሰቡ፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ዓ.ም. ክካየድ ተወሲኑ ከምዝነበረን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ካብ ዕለት 5 መስከረምክሳብ ዕለት 21 ምስከረም 2021 ዓ.ም. ንኽካየድ ከምእተሰጋገረን ዘሕዝን እውን እንተኾነ፡ ብዝበለጸ ንምስንዳው ዝድግፍ ዕድል ገርና ክንጥቀመሉ ከምዝግባእ እንከተሓሳስቡ፥

ንሃንጋራውያን መጋብያንን - ጓሶትን ምእመናንን ንዅሎት ነቶም ብእምነትን ሓሴትን ነቲ ኤቅለሳዊ ኵነት ዝዳለዉን ዝጽበዩን ንዝነበሩ (. . . ) ሰላምታይ ከቕርብ እፈትው! ነቲ ኣብ ሃንጋርይ ንኽካየድ ዝተወሰነ ናይቲ ናይ ሕይወትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ምንጪ ዝኾነ ናይ ቅዱስ ቍርባን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ እናማዕደና “ብመንፈሳዊ ሓድነት” ኣብ ምድልዋትና ንቕድሚት ንበል፥

ከምዝበሉ ዝሓብራ ታማሮ ኣስዒበን፥

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ

ቅዱስነቶም ዕለት 20 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ምዃኑ ዘኪሮም፥ ኵሉ በዛ መዓልቲ ምኽንያት ንዝነቓቕሑ ተበግሶታት ንኽንድግፍ ተላብዮም፥ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ስነ ባህሊ ተቕዋም ንብዙሓት ናይ መጻኢ ወለዶ ናይ ተስፋ በሪ ክረውህ ዝገብር መደባት ኣብ ምርግጋጽ ብሓድሽ መንፈስ ተነቓቒሑ ቀጻልነቱ ውሑስ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ “ሓድሽ ወለዶ ንናይ ሰብኣዊ ክብረትን ንናይ ሓባር ቤትና ክብርን ኣብ ምክንኻን ክህነጽ ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ታማሮ ኣፍሊጠን።

20 September 2020, 14:11