ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ክርስቲያን ጋዜጠይናታት ሓበሬታ ጽፈት ምስ ዝህልውዎ ጸገማትን ብድሆታትን ናይዚ ዓለም ንኸነስተውዕ ይድግፍን ብግብኡ ንኽንገጥሞን ዘተባብዕ ይኸውን፡ ንወስታናን ኣገባባትናን ኣስተንፍሶ እውን ይኸውን

ዕለት 18 መስከረም 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ኣብ በልጂም “ተርዚዮ” ናይ እተሰምየ ሰሙናዊ መጽሔት ጉጅለ ጋዜጠይናታት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፥ ነቶም ክርስቲያን ጋዜጠይናታት ንዝበለጸ ጽባሕ ኣብ ሎሚ ዘራእቲ ተስፋ ንኽኾኑ ተላብዮም፡ ሓበሬታ ሰብኣዊ ፍጥረት ብጽሞና ዝሓምም ካብ ዝኸውን ናይ ድጋፍ ቃል ዘቕርብ ይኹን ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም “ተርዚዮ” ናይ እተሰምየ ሰሙናዊ መጽሔት 32 ጋዜጠይናታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ነቶም ጋዜጠይናታት ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘላለዩ ናይታ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኤማኑኤል ቫን ሊየርደ ድሕሪ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ ኣስዒቦም፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን

መራኸቢ ብዙሓን ናይ ዓለም ብድሆ ንኽስትውዓል ዝድግፉ ክኾኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ክርስቲያን ጋዜጠይናታት ሓበሬታ ጽፈት ምስ ዝህልውዎ ጸገማትን ብድሆታትን ናይዚ ዓለም ንኸነስተውዕ ይድግፍን ብግብኡ ንኽንገጥሞን ዘተባብዕ ይኸውን፡ ንወስታናን ኣገባባትናን ኣስተንፍሶ እውን ይኸውን፡ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ንጹርን ትኽክለይናን ንናይ ሕልና ሕንጸት ደጋፊ ብቑዕ ሓበሬታ ዘቕርብ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዱ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ናይ ቅድመ ፍርዲ ዘይኮነ ናይ ርክብ ባህሊ ዝድግፍ

እቲ” ተርዚዮ” ዝብል ናይታ መጽሔት መጸውዕ ስም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2000 ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ምጽኣት ሳልሳይ ሺሓዊ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን መርሕ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ኸኣ ንተስፋ ዝዕድም ጥራሕ ዘይኮነ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ብፍላይ ናይቶም ሊቃውንቲ ክርስቲያን ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ፈሊጣውነት ኣብ ዝብል ዓለም ብሓናጺ ኣስተንትኖ ንምህብታም እዩ እንክብሉ ከምዘብርሁ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን

ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሓቛፊ ኣገባብ ሕይወት ምትብባዕ

ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካብ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ፈራዳውነትን ነጻልን ቅጥዒ ናጻ ዝኾነ ሓድሽ ኣገባብ ሕይወት ንኽዓብይ ዝድግፍ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ዕለት 16 መስከረም 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝበልዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምዝካር ካብቲ ናይ ማሕበረሰብን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትን ካብ ዝዓጽው ግብረ ጸለመን ሓሜታን ምርሓቅ የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ብዛዕባ እቲ ኣባና ዘሎ ጽባቔ ዝዛረብ ሰብኣዊ ትረኻ የድሊ

ተራኽቦነት - ርክብ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይን ኣገዳስን ተልእኾ እዩ፡ እቶም ነዚ ተግባር’ዚ ዝፍጽሙ ክርስቲያን እቲ ኢየሱስ ናብ ዓለም ኵሉ ኪዱ ወንጌል ስበኹ እንክብል ዝሃቦ ግብረ ተልእኾ ብጭቡጥ ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ዝተጸውዔ እዩ፡ ኣብ ዓለም ሓድሽ ምስክርነት ዘቕርብን ኣብቲ ጫውጫውን ዘደናግርን ድምጺ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ሰብኣውነት ዝትርኽ ብዛዕባናን ብዛዕባ እቲ ኣባና ዘሎ ጽባቔ ዘዘንትው ክኸውን ከምዘለዎ የብርሁ።

ንዓለም ብርህራሀ ምምልካትን ጥምረት ምሕባርን

ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም ንዓለምን ፍጻሜታትን ብርህራሀ ዝጥምት ናይቲ ህያው ኣካሊት ሕብረተሰብ ወገን ምዃንና ዘዘንትው፡ ንሓድ ሕድና ተማራዃስቲ ምዃንና ዝገልጽን መራኸቢ ብዙሓን ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡ ናይ “ተርዚዮ” ሰሙናዊ መጽሔት ጋዜጠይናታት ናይዚ ዓይነት ትረኻ ተዋሰእቲ እዮም ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ለብዒ  ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፥ ጸረ ብሕትውናን ጸረ ቀቢጸ ተስፋን ዘተባብዕ ኣስተንትኖ ዘቕርቡ ምዃን ከምዘድሊ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ወንጌል ንሰብኣዊ ፍጥረት ንምብጻሕ ሓደስቲ ኣገባባት

ቅዱስነቶም፥ እቲ ተርዚዮ መጽሔት ካብ ዝቐውም 20 ዓመት የቑጽር ከምዘሎ ዘኪሮም፡ እቲ 20 ዓመት ናይ ምስክርነት ታሪኽ ከምዝኾነን፡ እዚ ኸኣ እቲ መጽሔት ዓቢይ ግምትን ክብርን ዝወሃቦ ንኽኸውን ከምዝገበሮ ገሊጾም፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ  ጠቒሶም፡ ቤተ ክርስቲያን ብኣመኔታ ብተስፋን ብትጽቢትን እያ እትጥምት “ንስኻትኩም ኣብ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ እትዓዩ፡ ህልው ግዜ ንኽትንትኑን ናይ እዋናዊ ሰብኣዊ ፍጥረት ቋንቋን ስምዒትን ምስ ወንጌል ንኽራኸብ ዝድርኽ መገዲ ብምልላይ ንኽትሕብሩ ዝተጸዋዕኩም ኢኻትኵም” ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ መንጐ ሰባትን ሕብረተሰብን ምርኻብ ክህሉ

ዕዮኹም ኣብ መንጐ ሰባትን ሕብረተሰብ ምርኻብ ክህሉ ዝድግፍ ኣገልግሎት እዩ ቢሎም፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኹሎም ነቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝዓዩ ክርስቲያን ኣብ ዘቕርብዎ ኣገልግሎትን ሞያን እሙናት ምእመናን ሰዓብቲ ወድኺ ንክኾኑ ክትድግፊ መታን ሓለዋኺ ንምሕጸን ብዝብል ማርያማዊ ጸሎት ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን ለብዒ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋን ስንዮታን ምጽንናዕን ዘቕርብ ይዅን
19 September 2020, 21:09