ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ህልው ቅልውላው ማሕበራዊ ሕውነት ንምሕናጽ ከም ዕድል

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ግጭት ዝርከብ ዓለምና ሕቡራት መንግስታት ዓለም ወትሩ ስሉጥ ናይ ዝኾነ ቤተ ሙከራ ሰላም ክኸውን ይጠልብ፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ብፍላይ እቶም ቀወምቲ ኣባላት ብዝለዓለ ሓድነትን ቆራጽነትን ገቢራውያን ክኾኑ ይሓትት

ክሳብ ዕለት 29 መስከረም ዝቕጽል ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ቅዋሜ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ገሊኣቶም መራሕቲ ብኣካልን መብዛሕቲኦም ብመረብታዊ ርክብ ዘሳተፍ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ መራሕቲ ዕለት 21 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምእተጀመረን ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ይሳተፉ ከምዘለዉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናብቲ ዓውደ ኣኼባ ካብ ቅድድም ውናኔ ኣጽዋርን ናይ ስደተይናታት መሰልን ክብረትን ህልው ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ጽንሲ ምንጻል ዝኹንን ንመላእ ዘርኢ ሰብ መሰረታዊ ንሕይወት ኣድላዪ ዝኾነ ኩሉ ውሑስ ምግባር ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ እዋናዊ ለብዒ ኣብ ቅድመና ናይ ምትሕብባር ወይ ከኣ ናይ ጓሓፋይ ባህልን ናይ ምካሐን መስቀለይና መገዲ ኣንቢሩልና ይርከብ፡ መላእ ዘርኢ ሰብ ኣየናይ መገዲ ክስዕብ ክውስን ዝጽውዕ እዩ፡ ምኽንያቱ ካብ ሓደ ቅልውላው ብሉጻት ወይ ከኣ ዝኸፍኡ ኮይንና ኢና እንወጽእ። እዚ ፈታኒ ጽንኩር እዋን’ዚ እንስዕቦ መገዲ እንሓረየሉ እዩ፡ እቲ ኣብ ዓለም ኣብ መንጐ ሃብታትማትን ድኻታትን ዘሎ ፍልልይ ዘዕብይ ነቲ ኢፍትሓውን ዘይተመዓራረየን ምብጻሕ ሃብቲ ዓለም ዘተኣታተው ህልው ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ዳግም ንኽንምርምር ዝድርኽ ናይ ልወጢ ዕድል እዩ። ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ናብቲ ዕለት 24 ጥቅምቲ 1945 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ከተማ ናይ ገለ ገለ ሃገራት ጉጅለ መራሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝብል መጸውዕ ድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ከቢድ ህልቂትን ዕንወትን ዘስዓበ ቀዳማይን ካልኣይ ወግእ ዓለም ዘሕደሮ ዓቢይ ናይ ሰላም ድላይ ዕላማኡ ገይሩ ናብ ዝቖመ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መራሕቲ ዓውደ ኣኼባ ብቛንቋ ስፓይኖሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ብኮቪድ - 19 ናብ ዝገደደ ቅልውላው ዘብል ዘሎ ህልው ኩነታት ዓለም ዳህሲሶም፥ እቲ ደጋጊሞም ዘስመርሉ ክፍሊ ስልጣናዊ  ትምህርቶም ምልስ ቢሎም እናሓሰቡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ “ኤኮኖሚያዊ ኢፍትሓውነት” ከብቅዕ ሓይሉ ከዋድድ ጻውዒት የቕርቡ። . . .  እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ሓባር ናብራ ሕመረት ዝኾነ ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ምሕናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ እንከመላኽቱ፥

ብዝተሓደሰ ዓለም ሓቆፋዊ ናይ ሓባራዊ ሓላፍነት መግለጺ ዝኾነ ብዝሓ ጉድናውነት፥ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ሓድነት ሰብኣዊ ስድራን ዝጸንዔ ምትሕብባር፡ ብኻልእ መዳይ ከኣ ኣብ ርእሰ ብቕዓትን ብሔርተይናውነትን ሜላ ምክልኻላውነትን ኣነነትን ኢጐነትን ተነጽሎነትን ድኻታትን ተኣፋፍያንን ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ዝርከቡን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ገዛእ ርእሶም ምሕዳግን ኣብ ቅድሚ ዝብሉ ክልተ ምርጫታት ንርከብ፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብሓድነትን ብቖራጽነትን ገቢር ክኸውን

ዓለም ሓቆፍ ዓውዲ ብውግእን ስግኣትን ሓደጋን ኢፍትሓውነትን ምልኩት ኮይኑ ከምዘሎ ቅዱስነቶም ገሊጾም ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፥

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ግጭት ዝርከብ ዓለምና ሕቡራት መንግስታት ዓለም ወትሩ ስሉጥ ናይ ዝኾነ ቤተ ሙከራ ሰላም ክኸውን ይጠልብ፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ብፍላይ እቶም ቀወምቲ ኣባላት ብዝለዓለ ሓድነትን ቆራጽነትን ገቢራውያን ክኾኑ ይሓትት፡ ነዚ ግምት ብምሃብ እቲ እዋን ቅልውላው ዓለም ብቐጻልነት ኣብ ግብሪ ዘውዕል ናይ ኩሉ ሰናይ ፍቓድ ዝሓትት ክቡር ዝኾነ ዓውሎማዊ ውግእ ደው ውሳኔ ውሑስ ክገብር

ጻውዒት የቕርቡ።

ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ብዅሉ ብፍላይ ብድኻታት ተበጻሒ ክኸውን

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ናይ ክትባት መድሃኒት እናሓሰቡ፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ግሊ ተቕዋማትን እቲ ናይ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 መድሃኒት ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውንን ህሙማን ንምእላይ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ስነ ሕክምና ዕደ ጥበብ ተጠቐምቲ ኣብ ምግባር ዝውሕሱ ክኾኑን ብቐዳምነት ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ዓቕሚ ንዘይብሎም ንድኻታትን ተኣፋፍያንን ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ንኑክለስ ኢድ ምንሳእ ዝብል ስነ መጐት ምርጋፍ

ናይ ሓባር ቤትና መጻእን ናይ ሓባር ውጥንን ዳግም ምስትውዓል ዝተሓላለኸ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ምትሕብባር መታን ክህሉ ቅንዕናን ዘተን ዘድልዮ ከምዝኾነን፡ ብርግጽ እቲ ብድኽነትን ለብዕን ሽበራን ንስግኣት ዝቃላዕ ሕቶ ሰላምን ደሕንነትን ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ቅድድም ዝብሉ ክብርታት ዕሽሽ ዝብል ክኸውን የብሉን፡ ብዝሓ ጐድናውነትን ክጐድል ዝርአይ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ብሓደስቲ ዝመሃዙ ኣጽዋር ውግእን ወተሃደራዊ ዕደ ጥበብን እናተራቀ ብዝኸይድ ብዘይ ሰብ ዝንቀሳቀሱ ዝመሓዙ ዘለዉ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዘቕርቦ ስግኣት ዘርዚሮም፡ ቅድም ቀዳድም ንኑክለስ ኢድ ምንሳእ ዝብል ስነ መጐትን ንናይ ግሊ ደሕንነት ውሕስነት ብዝብል ምኽንያት ኣጽዋር ውግእ ምውናን ዝብል ተግባር ብውልቅን ብማሕበርን ምርጋፍ የድሊ፡ ምኽንያቱ ኣብ መንጐ ሕዝብታት ሕድ ሕዳዊ  ምትእምማን ንኸይህሉ ዝዳርግን ንናይ ኣጽዋር ውግእ ኢንዳስትሪ ጥራሕ እዩ ዝጠቕም፡ ኑክለሳዊ ምክልኻል ኣብ ሕድ ሕዳዊ ናይ ምጽናት ስግኣት ዝጸንዔ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ዓለም ሓቆፋዊ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝድርኽ ዓለም ሓቆፋዊ ሕጊ ኣገዳሲ እዩ፡ ቅድስቲ መንበር ይብሉ - ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምርባሕ ድዩ ምምራት ዝኽልክል ውሳኔ ዳግም ዝምልከት ክኸውንን እቲ ሕዝብታት ዘይጻወርዎ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ዝተደንገገ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቅብ ክጐድል ድዩ ክውገድ ኣብ ዝብል ጉዳይ እወታዊ ውሳኔ ዘቕርብን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝመክር ክኸውን ትምነይ።

ስድራ ቤት ብባዕዳዊ መግዛእትነት ስነ ህልዩ ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ

ብዙሕ እዋን_

ስድራ ቤት ናይቲ ተኣፋፊ ዝገብሮን ንኣባላት ኣባይቲ ስድራ ድዩ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻ ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ሕጻናትን ኣረጋውያንን ዘኽታምነትን ካብ ኣናስሩ ዝምሕው ሓደጋ ናይቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ህልዮ ውጽኢት እዩ፡ ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ንምብዳህ ዝግበር ጻዕቲ ዘጋጥም ዕንቅፋት ማሕበራዊ ምብትታን የተኣታትው ኣባይቲ ስድራ ንምፍንጫል ሓደጋ የቃልዕ!

እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝለዓለ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ክኸውን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ስራሕ ዝብል ኣምር ኣማእኪሎም ናይ ስራሕ ዓለም በቲ ሰብ መሃዞ ብልሓትን ብዘይርጉጽነትን ብጠቕላላ ኵሉ ዕዮ ብሰብ ሰርሖ መጋበርያታት ንምትካእ ብዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርከብን እዚ ኸኣ ትካላትን መኽሰብ ጥራሕ ዝደልያ ኮይነን ስለ ዝርከባ እዩ፡ ናይ ትካላት ቀንዲ ዕላማ ክኸውን ዘለዎ ንሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ዝብል እዩ፡ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ሰብኣዊ ክብረት ዘኽብርን ርግጹን ውሑስን ዘይጐዳእን ሰብኣውነት ዘይጽንቅቕን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ክሳብ ዝኸውን ጠቓምን ኣገዳስን እዩ።

ጓሓፋይ ባህሊ ጸረ ሰብኣዊ ዝፍነው መጥቓዕቲ

ለውጢ ንኽህሉ ዝድግፉ መጋበርያታት ኣለዉ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ጓሓፋይ ባህሊ ንኽትሰግሮ ዘብቅዕ እትውከሶ ብርቱዕ ስነ ምግባራዊ መቓን ከምዘድሊ ቅዱስነቶም ኣመላኺቶም፡ ጓሓፋይ ባህሊ ሰለይ እናበለ ናብ ጸረ ሰብኣውነት መጥቃዒቲ እዩ ዘብጽሕ፡ እዚ ዝህልው ከኣ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰረታዊ መሰልን ክብረትን ዝኽሕድን ናይ እዋናዊ ሕብረተስብ ክዕብልል ዝደልይ ድላይ ፍጹም ስልጣን ኣቢሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘነኣእስ ህልዮ ስለ ዝነቓቓሕ እዩ።

ክርስትያን ናይቲ ሰብኣውነት ዝግህስ ተግባር ግዳያት እያቶም

መሰረታዊ ሰብኣዊ መልን ክብረትን ብቐጻልነት ክገሃስን እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እውን ብሕጊ ግቡእ መቕጻዒት ዘይወሃቦ ኣናኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ነዚ ዘረጋግጽ እውን ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ከምዝፍጸምን እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ልሙድ ኮይኑ ዝረአይ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ኣብዚ ዘሕዝን ትርኢት’ዚ እቶም ናይ ሃያማኖታት ሰዓብቲ ብምኽንያት እምነቶምን ሃይማኖቶም ንስደትን ንጅምላዊ ቕትለትን ይቃልዑን ካብ ገዛእ መሬቶም እውን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ንስደት ይግደዱ።

ናብ መዳጎን ሰፈር ዝውሰዱ ስደተይናታት

ሰብኣዊ ቅልውላው ህልዊ ዅኔታ ይኸውን ኣሎ፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ዘይኾነሉን እቲ ልሙድ ዝኾነ ኣጽዋር ከይተረፈ መጋበሪያ ጅምላዊ ቅትለት ዝኾነሉን ከም ቅቡል ናብ ዝረአየሉ ኩነት ብፍላይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ውሽጢ ሃገር ስደተይናታትን ናይዚ ህልዊ ዅኔታ ግዳያት ከምዝኾኑ የብርሁ።

ብዙሓት ብመያት ባሕሪ እቢሎም ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝስደዱ ናብቲ ንመግረፍትን ንኻልእ ዝተፈላለየ ዓመጽ ዝዳረግሉ መዳጎን ሰፈር ይውሰዱ፥ ብዙሓት ናይቲ ሓድሽ ጊልያነት ንግድ ሰብ ግዳያት ይኾኑ . . . እቲ ኵሉ ዘይቅቡል ጭቡት ኩነት፡ ዓለም ሓቆፋውነት ኣቃልቦ ዘይወሃቦ ልሙድ ተግባር ዝኾነ ይመስል!

ኣዋናዊ ቅልውላው ንው.ሕ.መ. ዓለም ዝያዳ ሕውነታዊ ማሕበረሰብ ንምሕናጽ ከም ዕድል

እቲ እዋናዊ ቅልውላው ክንየው እቲ ዘስዕቦ ስቓይ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓላለይን ዝበለጸ ሕውነታዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዝድርኽ ኣጋጣሚ እውን እዩ፡ . . . ነቲ ኣናሰፈሔ ዝኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነትን ኣብ መንጐ ሃብታምን ድኻን ዝሰፍሕ ዘሎ ፍልልያትን ዘመዓራረይ መልሲ ምሃብ፡ ድጋፍ ዘነቓቕሕን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ዝድግፍን ናይ ከባብን ብሔራውን ጸጋታት ንናይ ኩሉ ረብሓ ዝብል ስርዓት ኤኮኖሚ ምቛም የድሊ፡ . . .

ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ምሕካኽን ግብሪ ዘይኸፈሎ መዋህለሊ ሃብቲ ገንዘብ ምእጋድን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ብዙሕ እዋን ከይሰልከዩ ዝለበውዎ፥ ናይ ድኻታት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ድኻታት ውድን መነባብሮ ማእለያ ዘይብሉ ጸገም ዝፈጥር ናይ ወጻኢ ዕዳ ክስረዝን . . . ግብሪ ካብ ዘይምኽፋልን ረሳሕን ዘይሕጋን ሃብቲ ገንዘብ መዋህለሊ ብጭራሽ ከይህሉ ምግባር ወሳኒ እዩ፡ እዚ እዋን’ዚ ነዚ ተግባር ንምርግጋጽ ምቹእ እዩ።

መብጽዓታት ንበይኑ እዅል ኣይኮነን ውጽኢታውን ስሉጥን ተግባር የድሊ

ቅዱስነቶም ኣብ 2015 ዓ.ም. ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘካየድው ምብጻሕ ዘኪሮም፥ ብዝሓ ጉድናውነትን ክሳብ 2030 ዓ.ም. ዝብል መደብ ልምዓትን ናይ ፓሪስ ውዕሊ ማሓድሮን ዝብሉ ነጥብታት ጠቒሶም፥

. . . ዝተበጽሑ ምዕባሌታት ከምዘለዉ ኣፍልጦ ምሃብ ዘድልዮ እውን እንተኾነ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ዝኣተዎ ቃል ከዕብር ከምዝረአይን ሕልናኻ ንምድዕዓስ ጥራሕ ውሳኔታት ምቕራብን መብጽዓታት ብርባሕ ካብ ዝብል ፈተና ምልቓቕ የድሊ፡ ተቛማትናን ስልጣናትን ውጽኢታውያን ክኾኑ መታን ምዕያይ የድሊ!

ኣማዞንን ብጠቕላላ ማሓድሮን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዝምልከት ጉዳይ እውን ዳህሲሶም እቲ ናይ ኪጋሊን ናይ ሞንትሪያልን ውዕሊ ክኽበር ቅዱስቲ መንበር ኣበርቲዓ ከምእትዓዪ የረጋግጹ።

ጽንሲ ናይ ምንጻል ተግባር ግዳይ ዝኾኑ ሕጻናትን ጉድለት ሕንጸትን

ቅልውላው ኮቪድ - 19ን ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ብዘይ ኣሰነይቲ ዝስደዱ ሕጻናት ስደተይናታትን ተመዛበልትን እናሓሰቡ፥ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ናይ ወሲብ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ጸያፍ ዘስካሕክሕ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ክብ ክብል ከምዝገበረን ብዙሓት ሕጻናት ናብ ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ምምላስ ዕድል ዘይብሎም ኮይኖም ከምዝተርፉን እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከጋጥም ዝኽእል ዓቢይ ስግኣት እውን እዩ፡ እዚ ስግኣት’ዚ ብዙሓት ሕጻናት ናብ ስራሕ ዓለም ክዳጎኑን ንኽምዝመዙን ናብ ዘገድድ ኩነት እዩ ዝቕየር፡

እቲ ዘሕዝን ብዙሓት ብሃገራትን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ጽንሲ ምንጻል ሓደ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ተግባር ክኸውን ብዝሕ ክዓይያ ምርኣይ እዩ፡ እዚ ዘሕዝን ሕይወት ምንጻል ዝብል ተግባር ከም መፍትሒ ክረአይ እንከሎ እዩ . . . መንግስታት ነዴታትን ንዝውለዱ ሕጻናትን ንምድጋፍ ካብ ምንቕቓሕ ጽንሲ ምንጻል ከም መፍትሒ ክመርጹ ይረአይ ኣሎ . . . መሰል ሕይወትን ክብርን ናይ ሕንጸት ክብርን መሰልን ይገሃስ . . .

ቢሎም ኣተሓሒዞም ናይታ መንእሰይ ማላላ ዩሳፍዛይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ጉባኤ ተረኺባ፥ “ሓደ ሕጻን ሓደ መምህር ሓደ መጽሓፍ ሓንቲ ብዕሪ ዓለም ክልውጥ ይኽእል” ቢላ ዘስመረትሉ ሓሳብ የዘኻኽሩ።

ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ብሱቕታ ምርኣይ ናይቲ ዓመጽይና ተግባር ተሓባበሪ ምዃን እዩ

ለምዘበን መበል 25 ዓመት ናይ ፐኪንግ ጉባኤ ዝዝከረሉ እዋን ብምዃኑ ቅዱስነቶም ናይ ደቀንስትዮ መሰልን ክብርን ክሕሎን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለወን ልዑል ግደ ክስትውዓልን ኣብ ምርግጋጽ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ ዓቢይን ልዑልን ግደ ንጹር እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ደቀንስትዮ ክምዝመዛን ክዕመጻን ብጠቕላላ እቲ ንደቀንስትዮ ዘሕስር ጸያፍ ተግባር ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓባር ክቃለሶ ይግባእ፥ ብሱቕታ ምርኣይ ናይት ዝወርደን ዓመጽ ተሓባባሪ ምዃን ማለት እዩ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተሟራኾስቲ ከምዝኾንናን ንሓድ ሕድና ተደለያየይቲ ከምዝኾንናን ንኸነስተውዕል የተሓሳስበና ኣሎ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ መንጐ ሕዝብታት ድልድል ንኽኸውን ዝቖመ እዩ ስለዚህ እቲ ዓቢይ ብድሆ ብሓባር እንታይ ዓይነት መጻኢ ኢና ክንሃንጽ እንደልይ ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ንሕቡራት መግንስታት ዓለም፥ ህልው ቅልውላው ማሕበራዊ ሕውነት ንምሕና ከም ዕድል
26 September 2020, 21:49