ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንመፍነሳዊ ነጋድያን ማርያም ዘ ሉያን፥ ማርያም ኣብ ሕቕፎኣ ተንብረና ር.ሊ.ጳ. ንመፍነሳዊ ነጋድያን ማርያም ዘ ሉያን፥ ማርያም ኣብ ሕቕፎኣ ተንብረና 

ር.ሊ.ጳ. ንመፍነሳዊ ነጋድያን ማርያም ዘ ሉያን፥ ማርያም ኣብ ሕቕፎኣ ተንብረና

ናይቲ ናይ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ንግደት መርሕ ቓል “ሕቕፎ ማርያም የድልየና” ዝብል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣርጀንቲና ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቅድስተ ማርያን ዘሉያንን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ብጋሴ መንፍሳዊ ንግደት ናብ ማርያም ዘሉያንን ምኽንያት ንመላእ ነጋዶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣርጀንቲና ደቡባዊ ምብራቕ ዞባ ነውከን ናብ ቅድስተ ማርያም ዘሉያን ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ዝተበገሰሉ ዝኽሪ መበል 40 ዓመትን ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቅድስተ ማርያን ዘሉያን ምኽንያት ቅዱስነቶም “ማርያን ኣብ ሕቕፎኣ ተንብረናን ትቐበለናን” ብዝብል ጸሎት ነቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ኣብጊሶም፥ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እቲ መንፍሳዊ ንግደትን ማርያማዊ መንፈሳውነትን በዓላቱን ካብ ዕለት 23 መስከረም ክሳብ ዕለት 26 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምእተኻየደን፥ ኣብ ገለ ገለ እዋን . . . ዳርጋ ኵሉ ሳዕ እውን ክበሃል ይከኣል፡ ጉዕዞ ከቢድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ንጥዕና ከቢድ ስግኣትን ፍርሕን ይረአይ ከምዘሎን ብዙሕ ነገር ከምዘድልይ ነስተውዕልን ኮታ ኣብዚ ብዙሕ ጸገም ኣብ ዝረአየሉ ጽንኩር እዋን “ሕቕፎ ማርያም የድልየና” ከምዝበሉን ናይቲ ናይ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ንግደት መርሕ ቓል “ሕቕፎ ማርያም የድልየና” ዝብል መሰረት ገይሮም ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ እቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ነዚ መርሕ ቓል ዘቃልሕ ኮይኑ፥ “ንቕድሚት ንኽንጓዓዝ ንደልይ ኢና እሞ ማርያም ኣብ ሑቕፎኺ ኣንብርና” ኢሎም።

ንዅሉ እትሓቁፍ ኣደ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ ኣደ “ናይ ሓንቲ ኣደ ሓላፍነት ደቓ ምእካብ እዩ” ከምዝበለኦምን “ኣነ እውን ኣየናይ እቲ ፍቱዋ ድዩ ውይ ከኣ ናይ ኮላቶም ደቃ” እንክብል ምስ ሓተትክወን፥ ኣይፋልካ ሓሙሽተ ኣጻብዕቲ እዩ ዘሎኒ፡ ስለዚህ እቲ ሓደ ኣጻብዕተይ እንተተጎድአ ኩለን ኣጻብዕተይ እያተን ዝሓማ፥ ሓሙሽተ ደቐይ ንዓይ ማዕረ እዮም” እንክብላ ከምዝመለሳሎም ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዚ እያ እትገብር፡ ኩላትና ዝተፈላለና እውን እንተኾንና ንሳ ንኹላትና ብማዕረ እትሓቑፈና ኣደ እያ ምስ በሉ “ካብዚ ብመንፈስ ኣብቲ መንፈሳዊ ንግደት እሓብርን አሰንየኩምን ምእንታኹም እጽልይን ስለይ ምጽላይ ኣይትዘንግዑ” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ መንፈሳዊ ንግደትን በዓለ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ማርያም ዘሉያንን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ብጋሴ ንግደት ናብ ማርያም ዘሊያንን በዓላትንን ዕለት 27 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ኑወከን ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ክሮክሳቶ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመን እቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይቲ ሰበኻ ኣብ ፈይስ ቡክ ማሕበራዊ መረብ ብዝርከብ ኣድራሻ ብቐጥታ ብመጋበርያ ውሕዘት ከምእተመሓላለፈ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ር.ሊ.ጳ. ንመፍነሳዊ ነጋድያን ማርያም ዘ ሉኻን፥ ማርያም ኣብ ሕቕፎኣ ተንብረና
29 September 2020, 19:58