ድለ

“ንዓ ርኤ”፥ ንሰብ ኣብትን ኣበይን ኣብ ዘለሉ ብምርኻብ ምምሕልላፍ “ንዓ ርኤ”፥ ንሰብ ኣብትን ኣበይን ኣብ ዘለሉ ብምርኻብ ምምሕልላፍ 

“ንዓ ርኤ”፥ ንሰብ ኣብትን ኣበይን ኣብ ዘለሉ ብምርኻብ ምምሕልላፍ

እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ዓ.ም. ተዘኪሩ ዝውዕል ናይ መበል 55 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቲ፥ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንዓ ርኤ” (ዮሓ. 1,46) ዝብል ዝሓረይዎ ርእሰ ጉዳይ ብኹለ መዳይ ዝምልከትን ዘስተንትንን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ ናይ ዝመጽእ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ጉዳይ ዕለት 29 መስከረም 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ከምዝብገበሮን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 1 ሓዋርያዊ ፊሊጶስ ንናትናኤል ዝበሎ ቃል ርእሰ ጉዳይ ገይሮም፡ እዚ ኸኣ ናይ ካልኦት ሕይወት ኣብ ምፍላጥን ምክፋልን ናይ ነገራት ጥልቂ ምስትውዓል ከምዘሎ ዘነጽር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝርአየሉ ዘሎ ብውሸባን ምፍንታትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ግድን ኣብ ዝኾነሉ እዋን “እንነብሮ ዘሎና መዋዕላዊ ለውጢ” ምትሕልላፍ “እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ንምፍላጥን ናይ ነገራት ትርጉም ንምስትውዓልን ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ምቅርራብ ክኡል ይገብሮ”። እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ዓ.ም. ተዘኪሩ ዝውዕል ናይ መበል 55 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቲ፥ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንዓ ርኤ” (ዮሓ. 1,46) ዝብል ዝሓረይዎ ርእሰ ጉዳይ ብኹለ መዳይ ዝምልከትን ዘስተንትንን እዩ። ምምሕልላፍ ሰብ ኣብትን ኣበይን ዘለሉ ብምርኻብ።

እግዚኣብሔር ኣብቲ ዘለኻሉ ይራኸበካ

ቃል ሓዋርያ ፊሊጦስ ዛዕባ ኢየሱስ ነቲ ብዛዕባ ተክለ ሰብነት እቲ መምህር ዝጠራጠር ንዝነበረ ናትናኤል “ንዓ ርኤ” ይብሎ፡ ክርስትያናዊ ብስራት ቅድሚ ቃል ምዃኑ ምርኣይን ምስክርነትን ተመክሮን ርክብን ቅርበትን እዩ፡ ብሕይወት ብዝብል ሓደ ቃል ዝግለጽ፡ ናይ ክርስቲያናዊ ብስራት ብሕይወት እዩ፡ ምስታ ምስ ሰብ ኣብ ጓሂኡን ሓሴቱን ብምስታፍ ካብ ዝህልው ምርኻብ እትውለድ ሓቂ ዝመሳቐል እዩ፡ “እቲ ጥንታዊ ብሂል ከምዝብሎ እግዚኣብሔር ኣብቲ ዘለኻሉ ይራኸበካ -  ነቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ መራኸቢ ብዙሓን ዝዓዩን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብ ምትሕልላፍ መዳይ ዝዓዩን ኵሎም ንኽመርሖም ኣብ ዘለውሉ ይራኸቦም፡ እቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘቕርበሎም ጻዋዕታ “መራኸቢ ብዙሓን ብኹሉ ቅርጽታቱን ንዅሉ ኣበይን ኣብቲ ዘለሉን ንኽበጽሑ ዝዕድም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

“ንዓ ርኤ”፥ ንሰብ ኣብትን ኣበይን ኣብ ዘለሉ ብምርኻብ ምምሕልላፍ
30 September 2020, 20:42