ድለ

ንኮሮና ቫርይረስ ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ንዘይሰንፍ ማሕበረ ቊጠባዊ ሕማምና እውን ፈውሲ ንድለ! ር.ሊ.ጳ

‘ምእንትዚ ንሕና እውን ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት’ (ዕብ 12.1-2)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ዝሓለፋ ሳምንታት ብብርሃን ወንጌል ተመሪሕና ነዚ ብቅልውላው ሕማም ለበዳ ዘግሃዶን ዘስዓቦን ጸገም ዝሳቀ ዘሎ ዓለምና ከመይ ገቢርናዮ ንፈውሶ ብዝብል ሓሳብ ብሓባር ኣስተንቲና። እቲ ቅልውላው ወይውን ሕማም እንብሎ እቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ምዃኑ ደጋጊመ ገሊጸልዮ እየ። ኣብዚ ኣስተንትኖ እዚ ክብሪ ወዲሰብ ምድግጋፍን ድጐማን ዝብላ ኣምራት ንክብሪ ወዲሰብን ሓባራዊ ሠናይ ጉዳይን ንምድንፋዕ ኣድለይቲ መምርሒታት ምዃነን እውን ተመልኪትና። ከም ኣርድእቲ ኢየሱስ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ንድኻታት ቀዳምነት ብምሃብ ንሓባራዊ ሃብቲ ተፈጥሮ ንኩሉ ብማዕረ ዝባጻሓሉን ንሓባራዊት ገዛና ዝኾነት ተፈጥሮ ከባቢና ብምክንኻንን ክንገብሮ መሪጽና። ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ብሓለንጊ ዝገርፈና ዘሎ ሁመት ብመንገዲ መንፈሳውያን ሓይላት እምነትን ተስፋን ፍቅርን ክንምራሕ ብምፍቃድ ኣብ ዕላማታት ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ክንምስረት ወሲና። ኣብዚ ደረጃ እዚ ኣብ ዝመቃቅሉን ዘቊስሉን ቀንጠ መንጢ ደው ከይብልና ኣብተን ሓዲስን ዝሓሸን ዓለም ንምፍጣር ዘተባብዑና ዓበይቲ ሕልምታት ብምሕላም ናይ ለውጥን ምዕብልናን ዝገብረና ዘተኣማምን ሓገዝ ረኺብና።

ኣብ መጀመርታ ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ኣብዚ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሓደራ ዝብሎ ጠመተና ናብቲ ንዓለም ዘድሕንንን ዝፍውስን ‘ኢየሱስ ብምትኳር’ (ዕብ 12.2) ነዚ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ንምቅጻል ብሓባር ክንጐዓዝ እምበር እዚ ጉዕዞ እዚ ኣብቲ ኣነ ዘቅርቦ ትምህርቲ ክርስቶስ ደው ክብል ኣይምደለኹን። ወንጌል ከምዝምህረና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕሙማት ካብ ኩሉ ዓይነት ሕማም ኣሕወዮም ይብል (ማቴ 9,35) ንዕውራት ምርኣይ ንዓባሳት ቃል ንጸማማት ምስማዕ ሂቡ። ንሥጋዊ ሕማማት ክፍውስ እንከሎ ሓጢኣቶም እናመሓረ መንፈሳዊ ፈውሲ እውን ይህቦም ነበረ። ከመይ ኢየሱስ ወትሩ ምስ መሓረ እዩ። እዚ ጥራይ ከይኮነ ማሕበራዊ ስቃይ ንዘኸትሉ ዝነበሩ ክሳብ እቶም ዝተሓቱ ይልግስ ነበረ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ 1421)። ንኩሉ ፍጥረት ዘሐድስን ዝዓርቅን ኢየሱስከስ (2ቆሮ 5,17. ቆላ 1,19) ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ንክንገብር ኣድለይቲ ዝኾኑ ጸጋትት ብምዕዳል ንክነፍቅርን ንክነሕውን የኽእለና (ሉቃ 10.1, ዮሓ 15.9) በዚ ከኣ ብዘይ ምንም ሌላን ጒሌላን ዓለትን ቋንቋን ብሔርን ንኩሉ ክንከናኸን የኽእለና።

እዚ መደብ እዚ ክሳብ ክውን ዝኸውን ነፍሲውከፍና ናይ ነፍሲወከፍ ዘመደ ኣዳምን ዝኾነ ፍጡርን ጽባቄ ክነስተንትንን ዋጋ ክንህቦን ኣሎና።   ኩልና ኣብ ልቢ እግዚአብሔር ዝተጸነስና ኢና (ኤፈ 1,3)። ነፍሲወከፍ ውጽኢት ሓሳብ እግዚአብሔር ኢና ነፍሲወከፍ ብእግዚአብሔር ተደሊናን ተፈቂርናን ዝተፈጠርና ስለዝኾና ነፍስወከፍና ኣድለይቲ ኢና (ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ላውዳቶ ሲ)። ኣብ ርእሲ እዚ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ብዛዕባ ፈጣሪኡ እግዚአብሔር ዝብለና ኣለዎ (ላውዳቶ ሲ 69)። ነዚ ሓቂ እዚ ምፍላጡን ስለ እቲ ዝተዓደልናዮ ምስ ኩሎም ዘመደ ኣዳምን ፍጥረትን ዘሎና ዓሚቊ ኩለንትናዊ ምትእስሳር ምምስጋንን የድሊ። እዚ ሓቂ እዚ ‘ርሕራሔ ዝመልኦ ልግስና ኰይኑ ኣብ ኩሉ ፍጡራት ዘሎ እዩ’ (ላውዳቶ ሲ 220)። እዚ ሓቂ እዚ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድኻን ዝሳቀን ሓውናን ዘሎ ኢየሱስ ንምልላይን ገዓሮም ሰሚዕና ንክንረኽቦምን ከምኡ እውን ገዓር ናይቲ ኣብ ኩሉ ዘጋውሕ መሬት ክንሰምዕ የኽእለና (ላውዳቶ ሲ 49)።

.በዚ ንለውጥን ሕዳሴን ዝግዕር ጻውዒት ብውሽጥና ተንቀሳቂስና በተን ዝተዓደላና ተውህቦን ክእለታትናን ገቢርና ንዘሎና ርክባት ክንፍውሶ ንኽእል (ከማኡ 53፣19)። ንማሕበረሰብና ብሓዲስ ከምዝውለድ ክንገብሮ ንኽእል። ነዚ ግን ናብቲ ነበራዊ እንብሎ ቅድሚ እዚ ለበዳ እዚ ድሮ ሓሙሙ ዝነበረ ነባራዊ ሕይወት ዘይኮኖ ብሓቂ ሓዲስ ናብራ ከምዝውለድ ንግበር። ከመይ እቲ ዝቀደመ ነባራዊ እንብሎ ናብራ ብሕማም ፍትሒ ምጒዳል ዘይማዕርነትን ንከባቢና ብምብካልን ዝሓመመ ብምንባሩ ናብኡ ፈጺምና ክንምለስ ኣይነፍቅድ። እታ ክንሃንጻ እንጽዋዓላ ዘሎና ነባራዊ ናብራኸስ ‘ዕውራት ዝርእዩላ ሓንካሳት ዝኸዱላ ለምጻማት ዝነጽሑላ ጸማማት ዝሰምዑላ ምውታት ዝትንሥኡላ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዝስበኸላ’ (ማቴ 11,5) መንግሥቲ እግዚአብሔር እያ። ነዚ ጉዳይ እዚ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምዃን ዕሽነት እዩ። ክንገሮ ዘሎናኸስ እዚ እዩ ንለውጢ ክንዕጠቅ ኣሎና። ኣብቲ ክንሃንጾ ሃረር እንብሎ ነባራዊ ናብራ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዕለታዊ እንጌራ ንኩሎም ከምዝባጻሕ እኳ ደኣ ምስ ተረፉ ተቅዋማትና ንክዕብልሉን ንከጓንዩን ንገዛእ ርእሶም ሃብቲ ክእክቡን ዘይኮነ ንኩሉ ዝኸውን ሠናይ ነገር ኣብ ምብርካት ንኩሉ ንክባጻሕ ኣብ ምዕዳል ክነጥፉ ኣለዎም (ማቴ 14,13)። እዘን ምግባትን ምጉናይን ዝበልናየን ክልተ ነገራ ፈጺመን ክፍቀዳ የብለንን። ንማሕበረሰብናስ ይኹን ንስድራቤት ከምኡ እውን ንሓደ ከባብስ ይኹን ንሓንቲ ከተማ ንቅድሚት ከምዝግስግሱ ዝገብር ምሃብ ጥራይ ዝብል ኣምር ኣይኮነን ምጽዋት ወይውን መባእ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብልብኻ ምልጋስ እዩ ዘድሊ። እንተ እቲ ንኣይ ጥራይ ይጥዓም ብዝብል መንፈስ ዝግበር ምሃብ ንኩሉ ክትግብት ብዝደፋፍእ ህንጡይነት ንኩሉ ንድሕሪት ይጐትት። እንተ ናይ ክርስትያን ዓለም ነዚ ነገር እዚ እንክፍጽም በዘልማድ ዝግበር ኣይኮነን ሰብኣዊ ተግባር እውን ኣይኮነን። ከምዚ እንተደኣ ኰይኑ ካብዚ ብሕማም ለበዳ ወሪዱና ዘሎ ቅልውላው ብደገ ደገ ዝረኤ ምናልባት ኣድለይቲ እውን ዝኾነ ዘብለጭልጩ ነገራት ብልቢ ብዘይኮነ ምንቅስቃስ ፈጺምና ክንወጽእ ኣይንኽእልን። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘ዋእ ኣባቴ ሰብ ሰርሖ ፍልጠት እውን እኮ ኣሎ’ ክብለኒ ይኽእል። እወ ኣድላዩ እዩ ንቅድሚት የገስግሰና ብዛዕባዚ እዚ ሓደስቲ ምህዞታት ፍርሃት ኣይሃሉኻ። እንተኾነ ኩለን እዘን ምህዞታት ተኣኻኺበን ሓንቲ ንእሽቶ ነገር ርሕራሔ ድንጋጼ እንብላ ክገብራ ብዘምኽኣለን ርሕራሔ ዘይብሉ ከኣ ትርጉም ኣልቦ ስለዝኾነ ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃረና ርሕራሔ ከም ምልክት ህላዌ ኢየሱስ ኣብ ማእከልና ክነዘውትራ የድሊ። ንብጻይና ምቅራቡ ንቅድሚት ክስጉም ክሓዊ ምሕጋዙ ስለ ካልኦት መስዋዕቲ ምኽፋል እዚ እዩ እቲ ቀንዲ። ነዚ ኣይንረስዕ።

ክደግሞ እየ! ኣብቲ ነባራዊ ናብራ መንግሥቲ እግዚአብሔር እንብሎ ከምቲ ኢየሱስ ንጥሙያት ክዕንግል እንከሎ ዘጋጠመ እንጌራ ንኩሎም ይባጻሕ ይተርፍ እውን ተቅዋማትና ከኣ ንክዕብልሉን ንከጓንዩን ንገዛእ ርእሶም ሃብቲ ክእክቡን ዘይኮነ ንኩሉ ዝኸውን ሠናይ ነገር ኣብ ምብርካት ንኩሉ ንክባጻሕ ኣብ ምዕዳል ይነጥፉ። ኣብ ፍጻሜ ካብ ካልእ ወገን እተምጽኦ እትልቅሖ የለን።

ንእሽቶ ታህዋስ ገና ዓሚቊ ቊስልታት ብምፍጣር ኣካላውን ማሕበራውን መንፈሳውን ተኣፋፍነትና የጋልጽ ኣሎ። ነታ ንዓለምና ትገዝእ ዘላ ማዕርነት ዝተሓረማ ሌላን ጉሌላን ኣብ ዕድላትስ ይኹን ኣብ ረብሓ ከምኡ እውን ንጥዕናስ ይኹን ንትምህርቲ እተደንፍዕ ዓለምና ዕርቃና ኣጒሊሑ። ብዛዕባ ትምህቲ እንክንሓስብ ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ትምህርቲ ተሓርምዎም ክመሃሩ ንዘይክእሉ ቈልዑት ከምኡ ካልእ ጉዳያት ወዘተ። እዚ ኢፍትሓውነት እዚ ባህርያዊ ኣይኮነን ዘይጸዓድ ግድነት እውን ኣይኮነን። ናይ ደቂሰብ ስራሓውቲ እዮም። ካብቶም ዓመቊቲ ክብርታት ወዲሰብ ዝተነጸለ ምዕባሌ ዘስዓቦም እዮም። ካብ ማእድታት ተሪፉ ዝጐሓፍ መግቢ ክንደይ ጾሞም ዝሓድሩ መድረረ። እዚ ንብዙሓት ተስፋ ከምዝቈርጹን ምውልዋልን ሳህሮን ከምዝወሮም ገሩ። ርግጽ እዩ ካብ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምውጻእ እቲ ኣድላዩ ዝኾነ ንኮረና ቫይሩስ ዝኸውን ፈውሲ ጥራይ ኣይኮነን ዘድልየና እንታይ ደኣ ነቲ ዓበይቲ ቫይሩስ ዝኾነ ሰብኣውን ማሕበረቁጠባውን ሕማም ንዘስዕቡ እውን ፈውሲ ክንረክብ ኣሎና። ነዚ ሕማማት እዚ ክንሓብኦ ወይውን ገለ ቀለም ቀባቢእና ዘይሕብሮም ክንህቦም የብልናን። ከምኡ እውን ነዚ ፍታሕ ዝኸውን ንገዛእ ርእሱ ደው ክብል ዘይከኣለ ሥርዓተ ቁጠባ ጸገማትና ክፈትሖ እዩ ኢልና ኣይንጸበ። ከመይ ቅድሚ ሕጂ ኣይተዓወተን ድሕሪ ሕጂ እውን ዝዕወት ኣይመስልን። ሽሕ’ኳ ገለ ናይ ሓሶት ነብያት (ትሪክል ዳውን ኢፈክት)ንዓለምና ዝልውጥ ክመጽእ እዩ እንተበሉ ገና ኣይመጸን ዝመጽእ እውን ኣይመስልን። ሰሚዕክሞ ትኾኑ እዚ ኣምር ሓሰውቲ ነቢያት ብምሳሌ ሓደ ብርጭቆ ይነቅል እቲ ብርጭቆ ክሳብ ኣፉ ምስ መልአ ክፈስስ ይጅምር ካብቲ ዝፈስስ ከኣ እቶም ድኻታት ይርድኡ ይህብትሙ ይብል። ኰይኑ ግን ካልእ ጸገም ኣሎ እቲ ብርጭቆ ክመልእ ምስ ጀመረ ኣብ ጥቃ ምምላእ ምስ በጽሐ ይዓቢ እንደገና ይዓቢ ስለዚ ኣይመልእ ኣይፈስስ ኣስተውዕሉ።

ካብ ሕጂ ጀሚርና ንሸለልትነትን ምዝመዛን ብሕታዊ ጥቅምን ዘይኮነ ንተሳትፎ ኩሎም ንሓልዮትን ንልግስን ቀዳምነት ዝህብ መሳርዕ ዘዋድዱ ሕያዎት ፖሎቲካውያን ንምፍራይ ብህጹጽ ክንሰርሕ ኣሎና። ሕያውነት ተኣንጊብና ንቅድሚት ክንግስግስ ኣሎና። ምድግጋፍን ማዕረትን ዝነገሳ ማሕበረሰብ ጥዕይቲ ማሕበረሰብ እያ። ዳሕረዎት ከም ቀዳሞት ዝረኣዩላን ኩሎም ዝሳተፉላን ውህደትን ሓድነትን እተደንፍዕ ማሕበረሰብ ንብዙሕነት ኣብ ሓድነት እተኽብር ማሕበረሰብ ጥዕይቲ ማሕበረሰብ እያ። ንማንም ጸረ ሠናይ ዝኾነ ቫይሩስ እውን ክትቃወም ትኽእል።

ነዚ ናይ ሕውየት ጒዕዞ እዚ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፈዋሲተ ሕሙማን ዝኾነድ ድንግል ማርያም ንግበሮ። ንኢየሱስ ኣብ ከርሳ ዝጾረት ድንግል ማርያም ምትእምማን ንክህልወና ትደግፈና። ብመንፈስ ቅዱስ ተኰስኲስና ብሓባር ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎና ዘምጽኦ መንግሥቲ እግዚአብሔር ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል።  እዚ መንግሥቲ እዢ ኣብ ጸልማት ብርሃን ፍትሒ ኣብ ዝጐደሎ ጸግዒ ብዙሕ ስቃይ ኣብ ዘሎዎ ነጸብራቅ ታሕጓስ ናይ ምሕዋይን ድሕነትን ኣብ መንጎ ሕማማትን ሞትን ርሕራሔ ኣብ መንጎ ጽልኢ እዩ። ንፍቅሩ ናብ ኩሉ ንክነባጽሕ እግዚአብሔር ይርዳኣና። ንፍቅሪ ናብ ኩሉ ንከነባጽሕን ንተፋኡ ብብርሃን ፍቅሪ ንመላእ ዓለም ክነባጽሕን ጸጋኡ ይሃበና። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 September 2020, 18:30