ድለ

ዓለምና ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19! እንኮ ፍታሕ ቅልውላው ኩልኻ ሓቢርካ ምሥራሕ! ር.ሊ.ጳ

ቃል አምላኽ፦ ‘እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ ኣካላት እምበር፡ ሓደ ክፍሊ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ . . . ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይ ድማ ርእሲ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እዮም ኣዝዮም ዘድልዩ። . . . ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ።’ 1 ቆሮ 12,14.21-22.24-25)

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ 23.09.2020

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ድምንምን ኢሉ ክዘንም ዝደለየ ይመስል እንተኾነ ከም ልማደይ ሠናይ መዓልቲ እብለኩም። ካብዚ ክቢቡና ዘሎ ቅልውላው ማለት ቅልውላው ጥዕናስ ይኹን ማሕበረሰባውን ፖሎቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ብዓወት ንክንወጽእ ነፍሲወከፍና ብሓላፍነት ግደና ክነበርክት ንጽዋዕ ኣሎና። ነቲ ሓላፍነት ኩልና ክንካፈሎ ኣሎና። ነዚ ንምግባር ከም ግለ ሰባት ጥራይ ክንምልስ የብልናን እንታይ ደኣ ካብተን ኣባላተን ዝኾና ናኣሽቱ ጒጅለታትና ከምኡ እውን ንማሕበረሰብና ካብ እነበርክቶ ግደን ዕላማታትናን ኣመንቲ እንተኾና ኣብ እግዚአብሔር ዘሎና እምነት ክንጅምር የድሊ። እንተኾነ መብዛሕቱኡ ግዜ ብዙሓት ኣብ ዳግመ ሕንጸት ሓባራዊ ሠናይ ነገር ክሳተፉ ኣይክእሉን ከመይ ወይውን ባዕሎም ንገዛእ ርእሶም ብምንጻሎም ወይውን ካልኦት ስለዘወገንዎምን ስለዝተነጸሉን ክኸውን ይኽእል ከምኡውን ገለገለ ማሕበራት ብቊጠባውን ፖሎቲካውን ጸገማት ስለዝተዋሕጡ ከበርክቱ ኣይክእሉን። ኣብ ገገሊኤን ማሕበረሰባት ብዙሓት ግለሰባት እምነቶምን ዋጋ ዝህብዎ ነገራትን ክገልጹ ኣይክእሉን ከመይ ነጻነትን ሕልናን እምነትን የብሎምን። እንተደኣ ሓሳቦምን እምነቶምን ክገልጹ ፈቲኖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጐኑ። ኣብ ገገሊኡ ዓለማት ከኣ ምናዳ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብዙሓት ብዘይ ምንም ተጽዕኖ ባዕሎም እምነቶምን ሞራላዊ ግዴታኦምን ይሓብኡ። በዚ ከምዚ ግን ካብዚ ቅልውላው ክንወጽእ ኣይንኽእልን ወይውን ብዓወት ክንወጽእ ኣይንኽእልን። ዝኸፍአ ውጽኢት ኢና ክንረክብ።

ኩልና ብሓባር ኣብ ሓልዮትን ዳግመ ልደት ሕዝብናን ተሳቲፍና ንክንክእል ነፍሲወከፍና እኹል መጋበሪ ክህልወና ኣለዎ (ጽማቊ ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን 186)። ኣብ ታሪኽ ድሕሪት ምልስ እንተቢልና ብ1929 ዓም ዓለምና ዓቢ ናይ ቊጠባ ቅልውላው ምስ ኣጋጠማ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ኣብታ ኳድራጀዚሞ ኣኖ እትብል ዝኽሪ መበል ዓመት ሓዋያዊት መልእኽቶም ካብዚ ቅልውላው ንምውጻእን ሓቀኛ ዳግመ ሕንጸት ንምክያድን ዕላም ምድግጋፍ ግዲ ምዃኑ እዚ ከኣ ድርብ ረብሓ ሃልይዎ እቲ ሓደ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ እቲ ሓደ ከኣ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ መሳርዕ ማሕበረሰብ ምድግጋፍ የመልክት። እዚ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ምድግጋፍ ትርጉሙ ኣይርደኣናን ይኸውን እንተኾነ ኩልና ሓደ ኰና ክንሓብር ዝገብረና ማበራዊ ዓላማ እዩ።

ብሓደ ወገን ምናዳ ኣብ ግዜ ዓበይቲ ለውጥታት ግለሰባትስ ይኹኑ ስድራቤታት ናኣሽቱ ማሕበራትስ ይኹን ነናይ ቦታኡ ማህበረሰባት ናብቲ ሓባራዊ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዕላማታት ክበጽሑ ዓቅሚ ይስእኑ ስለዚ እቶም ዝለዓለ ቦታን ትሕዝቶን ዘለዎም ኣባላት ማሕበረሰብ ከም መንግሥቲ ዚኣመሰሉ እዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ማዕረ ካልኦት ንክግስግሱ ዘድሊ መጋበሪን ትሕቶን ከወፍዩ ፍትሓዊ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ግዜና ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ኩልና ኣብ ዝተዓጽወሉ እዋን ብዙሓት ግለሰባትን ሥድራቤታትን ናኣሽቱ ናይ ንግዲ ትካላትን ኣብ ዓቢ ጸገም ወዲቆም ገና እውን ዝሕግዞም ይደልዩ ኣለው ስለዚ ሕዝባውያን ተቊዋማት ዘድሊ ማሕበራውን ቁጠባውን ሓለዋ ጥዕናውን ምትእትታው እናገበሩ ክሕግዝዎም ይጽዓሩ። ክገብርዎ ዘለዎም ዕዮ ገዛኦምከስ እዚ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ግን ሰበሥልጣን ማሕበረሰብ ንማእከሎትን ትሑት መነባብሮ ንዘለዎምን ብክብሪ ክከታተሉን ክምዕብሉ ደገፎም ከበርክቱን ኣለዎም። ከም ሓቁ ከኣ ናይዞም ትሑት መንባብሮ ዘለዎም ግለሰባትስ ይኹኑ ስድራቤታት ማሕበራትስ ይኹኑ ተቊዋማት ንግዲ ቤተክርስትያን እውን ምስእዚኦም እያ ትስራዕ ወሳኒ ኣበርክቶ ኣለዎም። እዚኦም በቲ ዘለዎም ሃብትታት ማለት ባህላውን እምነታውን ቁጠባውን ተሳትፎ ማሕበራዊ ሕይወትን ሃብታት ገቢሮም ንማሕበረሰብ ዳግም ሕይወት ይዘርኡሉ ኣጸቢቆም እውን የሐይልዎ። እዚ ማለት ምእከላይ መንግሥቲ ናብ ሕዝቢ ቀሪቡ ትሕት ኢሉ ከገልግል ከምኡ ሕዝቢ ካብቲ ዘለዎ ልዕል ኢሉ ምስ መንግሥቲ ክተሓባበር እንከሎ ዕላማ ምድግጋፍ ሰርሑ ማለት እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ኣካላ ዝኾነ ማሕበረሰብ ፍወሳ ግደኡ ብምብርካት ሓላፍነቱ ክስከም ኣለዎ። ንሓደ ጒጅለ ክፍሊ ሕብረትሰብ ብቀጥታስ ይኹን ብተዘዋወሪ ኣብ ዝግበር መደባት ማንም ካብዚኦም ክግደፍ የብሉን ኩሉ ክሳተፍ ኣለዎ ከመይ ጥበቦምን ተመኲሮኦምን ክሕደግ ኣይከኣልን (ክብርቲ ኣማዞናይ ድሕረሲኖዶሳዊ ምዕዳን 32 ላውዳቶ ሲ 63 ተመልከት)። ንኣብነት ንሓደ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት ንዝተዋፈረ ሰብ ንስኻ እንታይ ትገብር ኢለ እንተሓቲተዮ ስለ ድኻታ እሰርሕ  ክብለኒ ይኽእል። ኣነ ኸኣ መሊሰ ሓራይ ብሓቂ ጽቡቅ ብጭብጢ እንታይ ትገብር እብሎ። ኣነ ንድኻታት እምህሮም እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም እሕብሮም ክብለኒ ይኽእል። ኣይፋልካን እብሎ! እዚ ኣይሰርሕን እዩ። ቀዳማይ ስጉምቲ እቶም ድኻታት ባዕሎም እንታይ ዓይነት ናብራ ከምዘሕልፉ ባዕሎም ክዛረቡ ኣለዎም። እንታይ ከምዘድልዮም ክነግሩ ኣለዎም። ቅድም ኣዛርቦም ኩሎም ክዛረቡ ኣፍቅደሎም። ዕላማ ምድግጋፍከስ ብከምዚ እዩ ዝሰርሕ። ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ጉዳዮም ካብ ምስታፍ ኣብ ገዛእ ጉዳዮም ኣጋይሽ ክኾኑ ክነፍቅድ የብልናን። ጥበብ ናይዞም ትሑታት ሰባት ወሰን ክግደፍ የብሉን። ከምዚ ዓይነት ኢፍትሓዊ ጥልመት ኣብቲ ዓበይቲ ቊጠባውን ጂኦፖሎቲካውን ጥቅሚ ዝርከቦ ይስዕርር ንኣብነት ማዕድን ኣብ ዝኰዓተሉ ከባቢታት (ክብርቲ አማዞን 9.14)። ድምጺ መበቆላውያን ሕብረተሰባት ባህሎምን ዘለዎም ርእዮተ ዓለሞምን ዝሰምዖን ዋጋ ዝህቦን ኣይርከብን። ሎሚ ከም ሎሚ ነቲ ዕላማ ምድግጋፍ ዝበልናዮ ቀንዲ ፈውሲ ቅልውላው ዝተዘንገዔ ይመስል እዚ ሸለልትነት እዚ ከም ታህዋስ ቫይሩስ ሳዕሪሩ ይረኤ። መንግሥታት ዝረኽብዎ ዘለው ቈጺርካ ዘይውዳእ ሓገዛት እሞ ንሕሰቦ። እዚ ሓገዝ እዚ ንመን እዩ እንተቢልና ክንዲ ብዛዕባ ሰባትን ንህልው ኩነታት ቊጠባ ዘንቀሳቅሱን ምሕሳብ ንዓበይቲ ትካላት ቀዳምነት ይህብ። ክንዲ ንህዝባዊ ምንቅስቃሳት ብዓለምለኸ ደረጃ ንኩሉ ቊጠባ ዝግብቱ ዘለው ማልቲናሽናል ማሕበራት ክስምዑ ይረኤ። ብንቡር ቋንቋ ሕዝቢ እንክግለጽ ካብቶም ድኻታትን ትሑታትን ብዝበለጸ እቶም ብቊጠባን ሥልጣንን ሓያላት ዝኾኑ ጥራይ እዮም ተሰማዕነት ዝረኽቡ። እዚ ግን እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ሰብኣዊ ጒዕዞ ኣይኮነን ንዕላማ ምድግጋፍ ከኣ ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ኣይንኽእልን።  ከምዚ ብምግባርና ከኣ ኣብ መልእኽቲ ንዓለምለኸ ዕለት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ዘመልከትናዮ ነቶም ቀንዲ ጉዳይ ዝኾኑ ግለሰባት ተዋሳእቲ ዕጫ ናብራኦም ክኾኑ ኣይነፍቅደሎምን። ኣብ ኣተሓሳስባ ገሊኦም መራሕቲ ፖልቲካ ወይውን ከንቲባታት ‘ኩሉ ንሕዝቢ ምስ ሕዝቢ ግን ምንም ዝግበር የሎን’ ዝብል ጭርሖ ዘሎ ይመስል። ወትሩ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እምበር ካብ ትሕቲ ንጥበብ ሕዝቢ ዝሰምዕ የለን ነዚ ከይገበርካ ግን ዕላማ ምድግጋፍስ ይኹን ካብዚ ቅልውላው ምውጻእ ሓመደ ዕደኸ። ኣብ ናይ ሎሚ ጉዳይና ነዚ ዓፊኑ ሒዙና ዘሎና ፈውሲ ዝኸውን ክንዲ ምሕሳብ እተን ዓበይቲ ኣብያተ ኣፋውስን ትካላቶምን ዝብልዎ ብምስማዕ ነቶም ቅድመ ግንባር ኰይኖም ምስ ሕሙማት ዝወድቁን ዝትንሥኡን ክሳብ ሕይወቶም መሥዋዕቲ ዝኸፈሉ ኣብ ሆስፒታላትን መጽለሊ ስደተኛታትን ለይትን መዓልትን ንዝሠርሑ ኣለይቲ ሕሙማት ቃሎም ምስማዖምስ ይትረፍ ከመይ ኣሎኹም ኣይንብሎምን። እዚ ግን ጥዑይ መንገዲ ኣይኮነን። ንኩሎም ማለት ነቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ኣመሓደርትስ ይኹን ነቶም ኣብ መሰረት ዘለው ሓመድ ሓፋሽ ጽን ኢልና ክንሰምዖም ኣሎና። ንኩሎም!

ካብዚ ቅልውላው ብዓወት ክንወጽእ እንተኾይኑኸስ ንነጻነትን ክእለት ተበግሶን ናይ ኩሎም ምናዳ ናይቶም ኣብ መጨረሽእ ማሕበራዊ መሳርዕና ዝስርዑ ብምቅባል ዕላማ ምድግጋፍ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ይከኣል። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኩለን ኣካላት ሰውነትና ኣድለይቲ እየን እተን ቀንዲ ዘድልያ ኣካላት ከኣ ተኣፈፍቲ ዝኾና ምዃንን ክንበብ ሰሚዕናዮ። ብመንጽር እዚ ምሳሌ እዚኸስ ዕላማ ምድግጋፍ ነፍሲወከፍ ኣካል ማሕበረሰብ ሓላፍነቱ ተሸኪሙ ግደኡ ከበርክት ኣለዎ ይብል። ከምዚ ብምግባር ዕላማ ምድግጋፍ ተስፋ ይህብ ቅርዑይን ፍትሓውን መጻኢ ንምሕናጽ ተስፋ ይህብ ነዚ ከኣ ማእዝን ጠመተና ብምስፋሕን ዓበይቲ ነገራት ብምምዕዳውን ንገብሮ። ወይ ብሓንሳብ ክንስርሖ ኣሎና ወይውን ኣብ ንበጽሖ የብልናን። ካብዚ ቅልውላው ክንወጽእ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ማሕረሰብና ብሓንሳብ ንስራሕ እንተዘየሎ ተንከስ የለን። ካብ ቅልውላው ምውጻእ ማለት ነዘን ቅኑዓት ዝመስላ ህልው ኩነታትና ብላዕሊ ላዕሊ ቦያ ምልካይ ኣይኮነን። ካብ ቅልውላው ምውጻእ ማለትከስ ለውጢ ምምጻእ እዩ ሓቀኛ ለውጢ ከኣ ኩሎም ብሓባር እዮም ዝገብርዎ ኩሎም ኣባላት ሕብረተሰብ እዮም ንማሕበረሰብ ዘቊሙ ኩልና ክኢላታት ኢና ኩልና ብሓባር ንማሕበርሰብና ነቁውም። ኩልና ብሓባር እንተዘይገቢርናዮ ውጽኢቱ ኣሉታዊ እዩ ዝኸውን።

ኣብ ዝሓለፈ ትምህርተ ክርስቶስ ካብዚ ቅልውላው እንወጸሉ እንኮ መንገዲ ምድግጋፍ ከምዝኽዕነ ርኢና። እዚ ከኣ ሓደ ጥዑይን ድልዱልን ዓልመን ንምህናጽ መንገድታት እንረኽበሉ እዚ ዕላማ እዚ ምስ ዝጠምረናን ምስ ዘፍቅደልናን እዩ ኢልና ነርና። እንተኾነ እዚ ናይ ምድግጋፍ ዕላማ ጉዕዞ እዚ ድጐማ የድልዮ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ኣባቴ ሎሚ ከክንዲ ገለ ዝኸውን ከብድቲ ቃላት ይዝረብ ኣሎ ክብለኒ ይኽእል። ስለዚ ትርጉሙ ክገልጸልኩም እየ። ክንደጋገፍ ኣሎና ከመይ ብድጐማ ኣብ ምምልላእ ኢና ዘሎና። ከም ሓቁ ብዘይ ሕዝባዊ ተሳትፎን ኣበርክቶ ማእከላውያን ተቁዋማትን ሥድራቤታትን ናይ ምድግጋፍ ማሕበራትን ናኣሽቱ ናይ ንግዲ ተቁዋማትን ናይ ሓመድ ሓፋሽ ርእይቶ ምቅባልን ሓቀኛ ምድግጋፍ ክህሉ ኣይክእልን። ኩሎም አእጃሞም ከበርክቱ ኣለዎ።ኩሎም! ከምዚ ዓይነት ተሳትፎኸስ ንገለ ገለ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዓውለማነትን ዕፈና መንግሥትን ከምዚ ሕጂ ዘሎና ብለበዳ ተጐዲኡ ንዘሎ ሕዝቢ ከጋጥም ስለዝኽእል ካብዚ ይሕሉ። ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ኣብ ግዜ ቅልውላው ወለኝታኛታት ዘበርክትዎ ሥራሕ ምርኣይ ይኣክል። ወለተኛታት ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ማሕበረሰብና እዮም ዝመጹ ገሊኦም ካብ ሃብታማት ሥድራቤታት ገሊኦም ከኣ ካብ ድኻታት ይመጹ። እንተኾነ ኩሎም ብሓባር ንክረድኡ ይወጹ። ምድግጋፍን ዕላማ ድጐማንከስ እዚ እዩ።

ንኩሉ ዝዓጸወ ብሎክዳውን ዝፍለጥ ግዜ ንሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ከም ምልክት ምትብባዕን ተስፋን ብሃንደበት ኩሎም ከጣቅዑሎም ጀሚሮም። ብዙሓት ንሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቆም ብዙሓት ከኣ መይቶም። ነዚ ጣቕዒት እዚ ናብ ኩሎም ኣገልገልቲ ማሕበራት ንዘርገሓዮ ንኩሎም ንነፍሲወከፎም ስለ እቲ ዘወፍይዎ ወላ ንእሽቶ ትኹን ዓቢ ኣበርክቶ ገሮም እዮም። እንተኾነ እቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ እንታይ ኮን ክገብር እዩ እንተበልካ ጽን ኢልካ ስምዓዮ ንክሰርሕ ዕድል ሃቦ። ነዚ ዕድል እዚ ንዘይረኸቡ ዝተገለሉን ዝተረስዑን እውን ነጣቅዓሎም እዚኦም ማሕበረሰባን ዘግለሎም ሽማግለታትን ሕጻናትን ኣካለ ስንኩላንን እዮም። ንኩሎም ኣብ ኣገልግሎት ዘለው ሠራሕተኛታት እውን ነጣቅዓሎም። ካብዚ ቅልውላው ንምውጻእ ኩሎም ተሓባቢሮም እዮም። እንተኾን ኣብ ምጥቃዕ ጥራይ ደው ኣይበል። ተስፋ ዓባይ ነገር እያ እሞ ዝዓበየ ነገር ንምሕላም ነንሕድሕድና ነባራትዕ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዓበይቲ ነገራት ምሕላም ንመሃር! ነቶም ካብ ተስፋ ዝውለዱ ኣምራት ማሕበራዊ ፍትሕን ፍቅርን ሃሰስ እናበልና ዓበይቲ ነገራት ንምሕላም ኣይንፍራህ።  ንሕሉፍ ክንሃንጽ ኣይንፈትን። ሕሉፍ ሓሊፉ እዩ። ሓደስቲ ነገራት ይጽበዩና ኣለው፣ ጐይታ ‘ንኩሉ ነገራት ብሓዲስ ክገብሮ እየ’ እንክብል ተስፋ ሂቡና እዩ። ንሕሉፍ ምህናጽ ገዲፍና ነዘን ዓበይቲ ዕላማታት እናደለና ዓበይቲ ሕልምታት ንምሕላም ነንሕድሕድና ነተባብ\ዕ። ልዕሊ ኩሉ ነቲ ዘይምዕሩይን ሕሙምን ዝነበረ ኢፍትሓውነት እንብሎ ሕሉፍ ክንሓንጽ ከይንፍትን ሓደራ። ነናይ ወገናን መላእ ዓለማን ነንሕድሕዶም ዘሀብትምሉ መጻኢ ንህነጽ።   ነፍሲወከፍ ግደኡ የበርክት! ንዘለዎ ዘበለ ይሃብ! ባህሉ ድዩ ፍልስፍናኡ ከምኡ እውን ኣተሓሳስባኡ የካፍል። ክብርን ጽባቀን ናይ ናኣሽቱ ጉጅለታት ናይቶም ዝተገለሉ እውን ከይተረፈ ዝዕንብበሉ እቲ ብዙሕ ዘለዎ ነቲ ውሑድ ዘለዎ ዘገልግለሉን ዝልግሰሉን ጽባቄ ዝዕምብበሉ ይኹን። እግዚአብሔር ይሃበለይ። 

ብድምጺ ንምክትታል!

 

23 September 2020, 16:54