ድለ

ድሕረ ለበዳ ሕማም ዳግም ንምህናጽ መንፈስ ምድግጋፍ ብግዲ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፦ ‘ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ’ (ግሐ 2.1)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ነቲ ብመስኮት መራኸቢ ብዙሓን ንገብሮ ዝነበርና ሓዲግና ገጽ ንገጽ እናተራኣና ንእንመሃረሉ መንገዲ እንደገና ንጅምር ኣሎና። እወ ገጽ ንገጽ እናተራኣና። እዚ ብሓቂ ጽቡቅ እዩ ደስ ይብል።  ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ሕማም ኣብ ነንሕድሕድና ክህልወና ዘለዎ ምድግጋፍ ኣነጺሩልና። ኲልና ብሕማቅ ይኹን ብጽብቕ እቲ ሓደ ኣብ ሓደ ኣብ ነንሕድሕድና ዝተኣሳሰርና ኢና። ስለዚ ካብዚ ቅልውላው እዚ ብዓወት ክንሰግር እንተዀይና ኩልና ብሓባር ነንሕድሕድና ብምድግጋፍ ክንገብሮ ኣሎና። ብሓባር ክንገብሮ ኣሎና በበንኻ ዝግበር የለን። በይንኻ ክግበር ዝከኣል የለን። ወይ ብሓባር እዩ ዝግበር ወይውን ምንም ዝግበር የለን። ብሓባር ክንገብሮ ኣሎና። ሎሚ ነዛ ደገፍ ወይውን መንፈስ ምድግጋፍ እትብል ቃል ከስምረላ ምደለኹ።

ከም ሓንቲ ሥድራ ቤት ዘመደ ኣዳም ሓባራዊ መበቆልና እግዚአብሔር እዩ። ኣብታ እግዚአብሔር ዘቀመጠና ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት ብገነት ኤዶም እትምሰል ዓለምና ንነብር ኣሎና። ከምኡ እውን ኲልና ሓባራዊ መዕረፊ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና። ኰይኑ ግን ነዚ ኲሉ ምስ እንርስዕ እቲ ናይ ምድግጋፍ ምትእስሳር ሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝጸዓነሉ ናይ ተጽዕኖ ጸገም ይፈጥር። ከመይ ነቲ ዝተዓደልናዮ ውህደት ምጽግጋዕን ምድግጋፍን ብኣሉታዊ ጐድኑ ወሲድና ገሊኦም ጽግዕተኛ ገሊኦም ንኸውን።እዚ ከኣ ዘይማዕርነትን ምጒናይን ኣማዕቢሉ ነቲ ዝበልናዮ ማሕበራዊ ምትእስሳር የላሕልሖ ንተፈጥሮ ከኣ የዕኑ። እዚ ብዘሕዝን መልክዑ ወትሩ ክደጋግም እንዕዘቦ ጒዳይ እዩ። ወትሩ ንደጋግሞ።

ስለዚኸስ ቅዱስ ዮሓንስ ጵውሎስ ኣብታ ሶሊቺቱዶ ረይ ሶሻልስ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ከምዘመልከትዎ ናይ ምድግጋፍ ዕላማ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ የድልየና ኣሎ።  ኣብዛ ኣብ ነንሕድሕዳ ተጠናኒጋ ተኣሳሲራ ዘላ ዓለምና ኣብ ዓውለማዊ ቊሸት ምንባር እንታይ ምዃኑ ነስተማቅሮ ኣሎና። ዓውለማዊ ቊሸት ትብል ቃል ጥዕምትዶ ኣይትመስለኩምን። ከመይ ሰፊሕ ዓለምና ንእሽቶ ቊሸት ኰይና ከመይ ኩሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ተኣሳሲሩ ኣሎ።እንተኾነ ነዚ ኣብ ነንሕድሕድና ዘሎና ምጽግጋዕ ናብ ምድግጋፍ ኣይነሰጋግሮን። ኣብ ነንሕድሕድካ ምጽግጋዕን መንፈስ ምድግጋፍን ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላውን ሃገራውን ጒጅላኣውን መንፈስ ሥልጣንን ድርቅና ሥነ ሓሳባት ፖሎቲካን ተጻይ ናይዚ መሳርዕ ሓጢኣት ከጐሃህሩ ይረኤ።

ደገፍ ወይ ምድግጋፍ እትብል ቃል ብዙሕ ግዜ ተጀሊሓ ሓንሳብ ሓንሳብ ከኣ ዘይትርጉማ ሒዛ ትርከብ እንተኾነ ክንዮ ማንም ናይ ልግሲ ተግባር ብሃንደበት እትገብሮ ደገፍ ሰፊራ ዓሚቚ ትርጉም ሒዛ ትርከብ። ክንዮ እዚ ሰጊራ ሓዲስ ኣተሓሳስባ ሓደስ ራእይ ማሕበር ትፈጥር። ብማሕበረኮማዊ ኣተሓሳስባ ዝምልከት ሓዲስ ራእይ ፈጢራ ክንዲ ንገሊኦም ጥራይ ምህብታም ቀዳምነት ንሕይወት ኩሎም ትህብ። (ሓሴት ወንጌል ቊ.188) ትርጉም መንፈስ ምድግጋፍከስ እዚ እዩ። ንካልኦት ናይ ምሕጋዝ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ ዝምልስ። ኣብ ነንሕድሕድና ዘሎና ምጽግጋዕ ናይ ምድግጋፍ መንፈስ ለቢሱ ፍረ ምእንቲ ክፈሪ ኣብ ሰብኣውነትን ብእግዚአብሔር ዝተፈጥረት ባህርን ሓያል ሰራውር ክህልዎ ኣለዎ። ንዝተፈላለየ ገጻት ደቂሰባትን ንመሬትን ኣኽቢሩ ክሕዝ ኣለዎ።

ቅዱስ መጽሓፍ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ነዚ ጒዳይ እዚ ክንጥንቀቀሉ የዘኻክረና። ኣብ ዛንታ ግንቢ ባቢሎን (ዘፍ 11.1) ምስ ከማና ሰባትን ምስ ተፈጥሮን ምስ ፈጣርን ንዘሎና ምትእስሳር ዘንጊዕና ናብ ክንበጽሖ ዘንቀድናሉ ዕላማና ማለት ናብ ሰማይ ክንበጽሕ ንደሊ። እዚ ብዙሕ ግዜ ሓደ ሰብ ንበይኑ ጥራይ ብዛዕባ ካልኦት ከይሓሰቦ ንላዕሊ ክድይብ ክሓስብ እንከሎ የጋጥም። በይንኻ ኣይፋል ንብሎ። ጉዳይ ግንቢ ባቢሎን ነስተትን። ግንብታትን ሰማይ ጠቀስ ፓላሶታትን ንሓንጽ እንተኾነ ማሕበረሰብና ነዕኑ። ህንጻታትን ቋንቋታትን ክነወሃህድ ንቃለስ እንተኾነ ንባህላዊ ሃብታትና ነዕኑ። ጐይቶት ምድሪ ክንከውን ንደሊ እንተኾነ ነቲ ዘሎ ብዙሕነት ሕይወትን ባህርያዊ መዛን ተፈጥሮን ነዕኑ። ብዛዕባ ኣብ ሳን በነደቶ ደል ትሮንቶ ዝበሃል ዓዲ ዝርከቡ ገፈፍቲ ዓሳ ዝነገሩኒ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣዕሊለኩም ነረ። ሎምዘመን ክበጽሒ መጺኦም ከምዚ ከኣ ኢሎምኒ። ‘ንሕና ካብ ባሕሪ 24 ቶን ጐሓፍ ኣጽሪና ፍርቂ ናይዚ ፕላስቲክ ነበረ` ኢሎምኒ። ሕስብ እሞ ኣብልዎ። እዞም ሰባት እዚኦም ቀንዲ ስራሖም ዓሳ ምግፋፍ ክንሱ ነቲ ጐሓፍ እውን ካብ ባሕሪ ገፊፎም ኣብ ደገ ኣውጺኦም ነቲ ባሕሪ የጽርዩ። እዚ ኣገባብ ብከላ እዚ ንዓለምና ምዕናው እዩ። ምስቲ ዝተመዛዘነ መንባብሮ ዝተለገሰትልና ዓለምና መንፈስ ምድግጋፍ ነርኢ የሎናን ማለት እዩ።

 

ነዚ ኩነታትና ዝመሳሰል ኣብ ማእከላይ ዘመን ሕማም ባቢሎን ዝበሃል ብሂል ነበረ። እዚ ከኣ መንፈስ ምድግጋፍ ምስ ዘይህሉ ዝበሃል እዩ። እዚ ናይ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ዛንታ ኣብ ግዜ ሕንጸት ግንቢ ባቢሎን ሓደ ሰብ ካብቲ ግንቢ ወዲቁ እንክመውት ዝዛረብ ኣይነበረን በራዩ ስለዝነበሩ ማንም ዝግደሰሎም ኣይነበረን እንተሓሰመ እንተሓሰመ ‘መሽኪናይ ገለ ተጋግዩ ወዲቁ’ ይብሉ ነበሩ። እንተኾነ ሓንቲ ሕጡፍ ወዲቃ እንክትስበር ኩሎም ይቊጥዑን የጒረምርሙን ነበሩ። እቲ ነቲ ጌጋ ዝገበረ እንተተረኺቡ ከኣ ይቅጻዕ ነበረ። ስለምንታይ ኢልካ ምስ እትሓትት ከኣ ዋጋ ሕጡብ ልዕሊ ሕይወት ሰብ ይግመት ነበረ። ሓንቲ ሕጡብ ንክትሰርሕ ግዜን ሥራሕን የድሊ ነሩ ማለት ብጭቃ ክትሰርሖ ክነቅጽ ብሓዊ ክተብስሎ፣ ስለዚ ሓንቲ ሕጡብ ካብ ሕይወት ሰብ ትኸብር ነራ ይብሉ። እስኪ ሎሚ ኣብ ከባቢና እንታይ ይኸውን ኣሎ ኢልና ንሕሰብ። ሎሚ እውን እንተኾነ ዳርጋ ተመሳሳሊ ኩነታት ንዕዘብ። ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዓውለማዊ ኣሰራርሓ ባንክ ገለ ክሳራ እንተኣጋጠመ እቲ ዜና ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ሓደ ዓቢ ዕንወት ይላባዕ በቲ ካልእ ወገን ኣሽሓት ደቂሰባት ብጥሜት ሕሰምን ክወድቁ እንከለው ዝዛረብ ማንም የለን። እዚ ኣብዚ ዕለታት እዚ ኣብ ዜናታት ንከታተሎ ዘሎና እዩ።

ንጉዳይ ግንቢ ባቢሎን ዝጻረር ኣብ መኽፈቲ ትምህርትና ክንበብ ዝሰማዕናዮ ፍጻሜ ጴንጠቆስጠ ንረክብ (ግሐ 2.1) መንፈስ ቅዱስ ካል ላዕሊ ከም ህቦብላን ሓውን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ተዓጽያ ዝነበረት ማሕበር ይወርድ እሞ ሓይሊ እግዚአብሔር የልብሶም ካብቲ ተዕጽዮምሉ ዝነበሩ ወጺኦም ንኩሎም ጐይታ ኢየሱስ ንክሰብኩ ይደፍኦም። መንፈስ ቅዱስት ኣብ ብዙሕነት ሓድነት ይፈጥር ውህደት ይህብ። ኣብ ህንጸት ግንቢ ባቢሎን ውህደት ኣይነበረን ንክትከስብ ንቅድሚት ምጒያይ ጥራይ ነበረ። ሰብ ኣብኡ ማንም መጋበሪ ናይ ጉልበት ሥራሕ ነበረ እንተ ኣብ በዓለ ጴንጠቆስጠ ግን ነፍሲወከፍ መጋበሪ ማሕበር ኰይኑ ምስ ማሕበር ተዋሂዱ ምስ ኩሎም ብጾቱ ኣብ ህንጸት ገዛእ ርእሱን ህንጸት ማሕበሩን ዝሳተፍ እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ነዚ ኣጸቢቁ ይፈልጦ ነበረ። ብመንፈስ ቅዱስ ተነቃቂሑ ከኣ ንኩሎም ደቂ ሰባት እኳ ደኣ ንኩሉ ተፈጥሮ ሰስርሑ ይህብ ነበረ። ሓውን ሓውትን እናበለ ንፍጥረት ኩሉ ሰስርሑ ሃበ። ንተዂላ እውን ከይተረፈ ሓውና ተዂላ ኢልዎ ንዘክሮ።

ብጰንጠቆስጠ ገቢሩ እግዚአብሔር ኣብ ማእከልና ይሓድር ንእምነት ማሕበረ ክርስትያን ብምብርባር ከኣ ሓድነት ኣብ ብዙሕነትን ምድግጋፍን ይፈጥር። ብዙሕነትን መንፈስ ምድግጋፍን ብሓባር ምስ ሰመራ ውህደት ይፈጥራ እዚ እዩ እቲ መንገዲ። እዚ ናይ ምድግጋፍ ብዙሕነት እዚ ነቲ ዓቢ ትዕድልቲ ዝኾነ እንኮን ዘይድገምን ግላውነት ንኣይ ጥራይ ይጥዓም ብዝብል መንፈስ ከይልከፍ ዓቢ ክትባት ይኾኖ። ንግለሰብን ግላውነቱን ጥራይ ዘይኮነ እዚ ናይ ምድግጋፍ ብዙሕነት ማሕበራውያን ተቊዋማትን መዋቅራትን ብኢፍትሓውነትን ብጭቆናን ከይሓሙ ዓቢ ክትባት እዩ (ጽማቊ ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.192)። ስለዚኸስ ሎሚ ከም ሎሚ ድሕረ ለበዳ ክንሃንጾ ንዘሎና ዓለምና ክንክተሎ ዘሎና መንገዲ መንገዲ ምድግጋፍ ኰይኑ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ማሕበረሰብናን ካብ ዘሎ ሕማማት ክፍውሰና እዩ። ካልእ ፈውሲ ወይውን ክታበት የለን። ወይ ብመንፈስ ምድግጋፍ ንቅድሚ ንገስግስ ወይውን ነገራት ፋሕ ክብሉ እዮም። ክደግሞ እደሊ! ካብ ሓደ ቅልውላው ከም ቀደምካ ኰንካ ኣይውጻእን። ለበዳ ሕማም ሓደ ቅልውላው እዩ። ካብ ቅልውላው ከኣ ወይ ዝበለጽካ ወይውን ዝሓሰምካ ኰንካ ትወጽእ። ክንመርጽ ግዲ እዩ። ካብዚ ቅልውላው እዚ ብዓወት ንክንወጽእ እትደልየና እንኮ መንገድ መንፈስ ምድግጋፍ እያ። ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ዝግበር ለውጢ ውሽጡ ሕሩር ብዝኾነ ብደገ ደገ ጥራይ ቀቢእካ ዝግበር የለን። ተመሓየሽ ተለወጥ።

ኣብ መንጎ እዚ ቅልውላው እዚኸስ ብእምነት ዝተመርሐ ምድግጋፍ ንፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብዛ ዓውለማዊት ዝኾነት ባህልና ናብ ተግባር ክንትርጒሞ የኽእለና። ነዚ ከኣ ዝፈላልዩና ውዒሎም ሓዲሮም ግን ዓነውነው ኢሎም ዝወድቁ ግንብታትን መናድቅን ብምህናጽ- ሎሚ ከም ሎሚ ክንደይ መናድቅ ንሃንጽ ኣሎ- እንተኾነ በዚ ዘይኮነ ንማሕበረሰብና ዘተኣሳስሩን ንዕብየት ዝድግፉ ስራሓት እናገበርናን ሓቀኛ ሰብኣውን መንፈስ ምድግጋፍ ዘለዎን ዕብየት ክንገብር የኽእለና። ስለዚኸስ መንፈስ ምድግጋፍ ክሕግዘና እዩ። ሓንቲ ሕቶ ቅጅል ትብለኒ ብዛዕባ ጸገም ካልኦት እሻቀልዶ እብል እስኪ ነፍሲወከፍና ብልቡ ክምልሳ ይፈትን።

ኣብዚ ብቅልውላውን ፈተነን ተኸቢብናሉ ዘሎና ግዜ ጐይታ ደገፍ ክትህብን ነዚ ጥፍኣት ዝመስል ኩነትና ትርጉም ክህቦን ንዝኽእል መንፈስ ምድግጋፍ ክነነቃቅሕን ብኣኡ ክንምራሕን ይዕድመና ኣሎ። ንኩሉ ዘሐድስን ብሓዲስ ዝፈጥርን መንፈስ ቅዱስ ሓደስቲ ሥድራቤታዊ ምቅብባል ክንፈጥርን ፈራዪ ሕውነትን ኩለንትናዊ ደገፍን ንክንፈጥር የበራትዓና። እግዚአብሔር ይሃበለ

ብድምጺ ንምክትታል!

 

02 September 2020, 20:48