ድለ

ንለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ወሰን ብዘይብሉ ፍቅሪ ንግጠሞ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 9 መስከረም 2020 ዓም ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ዝገበርዎ ኣብ ቅርዓት ዳማሶ ዝበሃል ውሽጢ ቀጽሪ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ውሱናት ሰባት ርሕቀቶም ሓልዮም ምስ ዝተጋብኡ ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ዓዲሎምን እዚ ዝስዕብ ክፍሊ ወንጌል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ተነቢቡ።

‘ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ፡ ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ። ኢየሱስ ድማ፡ ክንደይከ እንጌራ አሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ። ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፡፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም። ኵሎም በሎዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ’  (ማቴ 15.32-37)

ድሕሪ ንባብ ቃል ኣምላኽ ቅዱስነቶም ንህልው ኩነታትን ሰላም ክብሎም ጽቅጥቅጥ ንዝበሉን ነናብ ቦታኦም ክምለሱን ርሕቀቶም ክሕልውን ከምዚ ክብሉ ብምምሕጻን ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቅሪቦም።

ኣብዚ ጽቅጥቅጥ ከይትብሉ በቦታኹም ሃዲእኩም ሓዙ። ነፍሲወከፍ ኣብ ዝተወሰነሉ መንበር ኰፍ ይበል ከምዚ ብምግባር ንምትሕልላፍ ሕማም ነወግድ። ዝኸበኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ንነብሮ ዘሎና ኩነታት ንኩልና ብኣልማማ እዩ ዘጥቅዕ ዘሎ! ካብዚ መዓት እዚ ብዓወት ክንወጽእ ኲልና ብሓንሳእ ሓባራዊ ሰናይ ነገር ሃሰስ ክንብል ኣሎና። ነዚ ንምግባር ከኣ ጥቅሚ ወይውን መኽሰብ ከይደለና ክንተሓጋገዝ ኣሎና። እንተዘየሎ ዝኸፍአ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል። ንኣብነት ነዚ ቅልውላው እዚ ፍታሕ ንዝኸውን ከም በዓል ክታበት ክብሕቶ ዝደሊ ከምኡን ንካልኦት ክሸጦ ዝደሊ ኣይሰኣንን። ገሊኦም እውን ብሽፋን ኩነታት ምምቅቃል ዘጐሃህሩ ወይውን ቊጠባውን ፖሎቲካውን ጥቅሚ ሃሰስ ንክብሉ ወይውን ግጭታት እናፈጠሩን ነቲ ዘሎ ግጭታት እናኣጓሃሃሩን ክብለጹ ዝደልዩ ኣይሰኣኑን። ካልኦት እውን ከምቲ ወንጌል ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ዘዘንትዎ ከምቲ ካህንን ሌዋውን ስቃይ ካልኦት ኣይእንታዮምን ኰይኑ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ጉዳዮም ዓጢጥዎም መንገዶም ዝቅጽሉ ኣይሰኣኑን (ሉቃ 10,30-32 ተመልከት)። እቶም ኣብ ቅድሚ ጸገም ኣሕዋቶም ኣእዳዎም ዚሓጽቡ ኣምለኽቲ ጲላጦስ ጴንጤናዊ እዮም።

ነዚ ወሪዱና ዘሎና ለበዳ ሕማምን ብሰንኩ ንዝወርዱ ማሕበረሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላው መልሲ ክርስትያን እንታይ እዩ እንተበልና ኣብ ፍቅሪ ዝተምሥረተ እኳ ደኣ ኣብቲ ወትሩ ዝቅድመና ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝተመስረተ ክኸውን ኣልዎ (1 ዮሓ 4.19)። እግዚአብሔር ወትሩ ኣቀዲሙ ምስ ኣፍቀረና እዩ። ኣብ ፍቅርን ፍታሕ ኣብ ምሃብን ወትሩ ምስ ቀደመና እዩ። እግዚአብሔር ብዘይ ቅድመ ኩነት እዩ ዘፍቅረና ነዚ መለኮታዊ ፍቅሪ እዚ ምስ እንቅበል ከኣ እዩ ከምኡ ብፍቅሪ ክንምልስ እንኽእል። ነቲ ዘፍቅረኒ ጥራይ ኣይኮንኩን ዘፍቅር ማለት ንስድራቤተይን ኣዕሩኽተይን ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ዘይፍቅሩንን ዘይፈልጡንን ጓኖትን ከምኡ እውን ዋላ ነቶም ዘሳቅዩንን ከም ጸላእቲ ዝምልከቶምን እውን ከፍቅር ኣሎኒ (ማቴ 5,44)።  ጥበብ ክርስትናኸስ እዚ እዩ ትምህርቲ ኢየሱስን ዝንባሌኡን እውን እዚ እዩ። እዚ እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ቅድስና እዩ ማለት ንጸላእትኻ ምፍቃር ቀሊል ኣይኮነን እወ ቀሊል ኣይኮነን እንተ እታ መንገዲ ቅድስና ግን ንሳ እያ። ርግጽ እዩ ንኩሎም ምፍቃር ንጸላእትኻ ከይተረፈ ምፍቃር ከቢድ እዩ። እንተኾነ ኣነ ጥበብ እዩ ምበልክዎ! እዚ ጥበብ እዚ ግን ክትመሃሮን ክተማዕብሎን የድሊ። ሓቀኛ ፍቅሪ ፍረ ከም እነፍርን ሓራን ይገብረና። ወትሩ ከኣ እናሰፍሐን ንኩሉ እናኣጠቃለለን እዩ ዝጐዓዝ። ሓቀኛ እናሰፍሐ ጥራይ ኣይኮነን ዝኸይድ ንኩሉ የጠቃልል።  እዚ ፍቅሪ እዚ ይፍውስ የሕዊ ንኩሉ ከኣ ጽቡቅ ከምዝኸውን ይገብሮ። ብዙሕ ግዜ ካብ ብዙሕ ምጉት ንእሽቶ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ይበልጽ ስለዚ ንገዛእ ርእስና ክንከላኸል ካብ ምምጓት ምምሓር ከምዝሓይሽ ንረዳእ። ንኩሉ ዝቅበል ፍቅሪ እዩ እቲ ዘሕዊ።

ስለዚኸስ ፍቅሪ ኣብ ርክብ ክልተ ወይውን ሰለስተ ሰባት ጥራይ ማለት ኣዕሩኽ ወይውን ስድራቤት ጥራይ ኣይውሰንን ክንዮኡ ይጐዓዝ። ከምቲ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.1907-1912 ዝምህሮ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ርክባት ከምኡ እውን ሓዋርያዊት መልእኽቲ ላውዳቶ ሲ ቊ.231 ዝገልጾ ምስ ከቢቡና ዘሎ ተፈጥሮ እውን ክህልወና ንዘለዎ ርክብ ይገልጽ። ፍቅሪ ንኩሉ ይጥርፍን የጥቃልልን! ንኩሉ! ማሕበራውያን ፍጥረትን ብፖሎቲካ ዝተጠመርናን ከም ምዃና መጠን ካብተን ዘልዓላ መግለጺታት ፍቅሪ ሓንቲ ማሕበራዊት ወይውን ፖሎቲካዊት ፍቅሪ ኰይና ኣብ ምዕባሌ ደቂሰባትን ንዝኾነ ዓይነት ቅልውላው ንምግጣምን ወሳኒት እያ። ፍቅሪ ንስድራቤታትን ንዕርክነትን ከም እተደንፍዕ ንፈልጥ ኢና እንተኾነ ንማሕበራውን ባህላውን ቁጠባውን ፖሎቲካውን ርክባት እውን ቅ. ጳውሎ ሻድሻይ ከምኡ እውን ኣብ ኣሰሮም ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከምዝበልዎ ፍቅሪ ዝሰረቱ ምዕባሌ ንምህናጽ የፍቅደልና። እዚ መንፈስ እዚ ምስ ዝጐድል ግን ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስን ብዛዕባ ካልኦት ዘይምግዳስ ወይውን ሸለልትነትን ተጠቂምካ ጐሓፍ ዝብልን ባህልታት ይስዕርር። እዚ ተጠቂምካ ጐሓፍ ዝብል ባህሊ ነቲ ደስ ዘይብለኒ ዘየፍቅሮ ኣብ ማሕበረሰብ ጥቅሚ ዘይብሎም ኰይኖም ዝረኣዩኒ ምጒሓፍ ዝብል መምርሒ ሒዙ ዝጐዓዝ እዩ። ሎሚ ናብዚ ኪኣቱ እንከሎኹ ሓንቲ ስድራ ‘ኣባቴ ምእንታይ ጸልዩ ከመይ ሓደ ስንኩል ውሉድ ኣሎና’ ኢሎምኒ። ኣነ ኸኣ ‘ዕድመኡ ክንደይ ኮን ይኸውን’ ኢለ ሓቲተ። ብዙሕ ኢሎምኒ። እሞኸ ደኣ እንታይ ትገብሩ ኢለዮም። ንሕና ነሰንዮ! ንሕግዞ ኢሎምኒ። ምሉእ መዋዕል ሓንቲ ስድራ ንሓደ ስንኩል ኣብ ምእላይ! ዘገርም እዩ! ሓቀኛ ፍቅርኸስ እዚ እዩ። በቲ ካልእ ጐድኑ እስከ ብዛዕባ ጸላእትና ናይ ፖሎቲካ መቀናቅንትና ርእይቶና ንዘይቅበሉ ዳርጋ ስንኩላን ፖሎቲካን ማሕበረሰብን ንዝመስሉኸ ኢልና እስከ ን|ሕሰብ። እዞም ሰባት እዚኦም ስንኩላን ድዮም ኣይኮኑን እዝጊ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። እንተ ንሕና ክነፍቅሮም ምሳኦም ክንዛተ ፍቅራዊ ምዕብልና ክንገብር ንመላእ ዘመደ ኣዳም ዘተሓባብር ፖሎቲካውን ማሕበራውን ምዕባሌ ክነተኣታቱ ኣሎና። እንተዘየሎ ውግእ ምምቅቃል ቅንእን ሽርሕን ሕስድናን ውግእ ኣብ ማእከል ስድራቤት እውን ከይተረፈ ክለዓል እዩ። ከመይ እቲ እንብሎ ንኩሉ ዘጠቃልል ፍቅሪ ማሕበራዊ ስድራቤታዊ ፖሎቲካዊ ኰይኑ ንኩሉ ይዕብልኽ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዘብርሃልና ጉዳይ እንተልዮ እቲ ንነፍሲ ወከፍና ዝኸውን ሓቀኛ ሠናይ ነገር ናይ ኩልና ከምኡ እውን ናይ ኩልና ሠናይ ነገር ናይ ነፍስወከፍ ኣካል ከምዝኾነ እምበር ናይ ግልና ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 1905-6 ተመልከት)። ሓደ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰናይ ነገር ጥራይ ዝምነ እንተኾይኑ ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ዝወረሶ እዩ። እንተ እቲ ክቡር ሰብ ክንብሎ እንኽእል ዝለዓለ ክብሪ ዝውንን ናይ ግሉ ሰናይ ነገር ንካልኦት ጋህ ኣቢሉ ከፊቱ ምስ ኩሎም ይካፈሎ።  ጉዳይ ጥዕና ክንዮ ግላዊ ጉዳይ ምዃኑ ማሕበራዊ ጉዳይ እውን እዩ። ጥዕይቲ ማሕበረሰብ ክንብል እንከሎና ብዛዕባ ጥዕና ኩሎም ሰባት ናይ ኩልና እትግደስ ማለትና ኢና።

እዚ ምንም ሓጹርን ዶብን ባህላውን ፖሎቲካውን ፍልልያት ዘይግድሶ ታህዋስ ወይውን ቫይረስ እዚ ምንም ሓጹርን ዶብን ፍልልይን ብዘይብሉ ፍቅሪ ጥራሕ ኢና ክንገጥሞ እንኽእል። እዚ ፍቅሪ እዚ ከክንዲ ምውድዳር ምድግጋፍ ነቶም ተኣፈፍቲ ኣካላት ማሕበረሰባን ክንዲ ተጠቂምካ ምጒሓፍ ምሕቋፍ ዘኽእሉ ማሕበረሰባዊ ትሕተ ቅርጺ ንምህናጽ የተባብዓና እዚኦም ከኣ ነቲ ዝሓሰመ ሰብኣዊ ጠባያትና ገዲፍና ነቲ ዝበለጸ ሰብኣዊ ባህርና ንምግላጽ ይሕግዙና። ሓቀኛ ፍቅሪ ተጠቂምካ ጐሓፍ ዝብል ባህሊ ኣይእንታዩን እዩ።  ከም ሓቁ ከኣ እንተደኣ ተፋቂርናን ምህዞን ምትእምማንን ምድግጋፍን ኣማዕቢልናን ጥራሕ ኢና ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ዝኸውን ጭቡጥ ቊምነገር ዘለዎም ጉዳያት ክረኣዩ ይጅምሩ። ኣብ ስድራቤትና ኣብ ከባቢ ዞባና ኣብ ንእሽቶ ቅሾትና ከምኡ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብዓለምለኸ ደረጃን እንገብሮ ኩሉ ሓደ ኮይኑ እታ ዘርኢ እቲኣ ትዓቢ እሞ ፍረ ትህብ። እንተደኣ ንስኻ ኣብ ስድራቤትካ ኣብ ዞባኻ ብቅንኢ ጀሚርካ ኣብ ሰሓቦ ጒተቶ ትኣቶ ኣብ መወዳእታ ከኣ ውግእ ይኸውን። እንተደኣ ንስኻ ብፍቅርን ንዘሎካ ብፍቅሪ ብምክፋልን ብምሕረትን ጀሚርካ እቲ ፍቅርን ምሕረትን ናይ ኩሉ ይኸውን። 

እንተዘየሎ ኣንጻር ናይዚ እንተመሪጽና እቲ ፍታሕ ለበዳ ሕማም ይኾኑ እዮም ኢልካ ዝቀርብ ጉዳይ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ዝለኸፎ ኰይኑ ሰባትስ ይኹኑ ፋብሪካታት ወይውን ሃገራት ዋላውን ካብ ኮረና ቫይረስ ክንሓዊ እንተኸኣልና ካብቲ እዚ ታህዋስ እዚ ዘስዓቦ ሰብኣውን ማሕበራውን ቅልውላው ግን ኣይመስልን። ስለዚ ገዛና ኣብ ሑጻ ከይንሰርሕ ንጠንቀቅ (ማቴ 7.21-27)። ጥዕይቲ ማሕበረሰብ ንኩሉ እትሓቁፍ ፍትሓዊትን ሰላማዊትን ክንሃንጽ እንተደኣ ዀይኑ ኣብቲ ከውሒ ዝኾነ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ክትስረት ኣለዋ። ሓባራዊ ሰናይ ነገር ከውሒ እዩ።  እዚ ከኣ ዕዮ ገዛ ናይ ኲልና እምበር ናይ ገሊኦም ሊቃውንቲ ጥራይ ኣይኮነን። ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲኖ ‘ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ምድንፋዕ ኣብ ልዕሊ ነፍሲወከፍ ዜጋ ዝጸዓን ግቡእ እዩ’ ይብል ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ዜና ሓላፍነት ናይዚ ሓባራዊ ሰናይ ነገር ኣለዎ። ንዓና ንክርስትያን እሞ ተልእኮና እውን እዩ። ቅዱስ እግናጽዮስ ዘለዮላ ከምዘስተምህሮ ‘ዕለታዊ ጻዕርታትና ናብ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ምቅናዕ ንክብሪ እግዚአብሔር ተቀቢልካ ናይ ምእዋጅ ሓደ መንገዲ እዩ’።

ስለዝኾነ ከኣ ፖሎቲካ ብዙሕ ግዜ ጽቡቅ ሽም የብሉን። እቲ ምኽንያቱ ከኣ ንፈልጦ ኢና። እዚ ማለት ግን ፖሎቲከኛታት ኩሎም ሕሱማት እዮም ማለት ኣይኮነን ብፍጹም ነዚ ክብል ኣይደልን። ብሓፈሻ እንክንጥምቶ ፖሎቲካ ጽቡቅ ሽም የብሉን ንማለት እዩ። ስለምንታይ እንተቢልና መልሱ ንጹር እዩ። እንተኾነ በዚ ኣሉታዊ ጽልዋ እዚ ክንደሃል የብልናን  እንታይ ደኣ ንክብሪ ወዲሰብን ሓባራዊ ሠናይ ነገርን ዘማእከላ ሓላፍነት ዝለብስ ፖሎቲካ ክግበር ከምዝከኣል ብተግባር እናኣርኣኻ ምቅላስ የድሊ። እንተደኣ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ኣንቢብኩም ብዙሓት ቅዱሳን ፖሎቲካውያን በዛ መንገዲ እዚኣ ዝተጓዕዙ ክትረኽቡ ኢኹም። እዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ዜጋ ብሕልፊ ከኣ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ሽመትን ሓላፍነትን ዝቅበሉ ንዝገብርዎ ኩሉ ኣብተን ንማሕበረሰብን ፖሎቲካን ብፍቅሪ ዝኲስኲሳ ሞራላዊ ዕላማታት ክስርትዎ የድሊ። ክርስትያን ኩሎም ብሕልፊ ምእመናን ነዚ ጉዳይ እዚ ሠናይ ምስክርነት ንምሃብ ዝተጸውዑ እዮም፣ ነዚ ከኣ ብጸጋ ሓይሊ ፍቅሪ ንውሳጣዊ ክፍሊ ማሕበረሰብ እናኰስኰሱ ክገብርዎ ይኽእሉ።

ስለዚኸስ ነፍሲወከፍና ካብታ ዘላትና ቊሩብ ቊራቦ ዝተኻእለና ብምብርካት ነፍሲወከፍና ነዚ ማሕበራዊ ፍቅሪ እዚ እነድንፋዓሉ ግዜኸስ ሕጂ እዩ። ነዛ ዘሎና ማሕበራዊ ፍቅሪ እትብል ከስመረላ እደሊ።  እንተደኣ ነፍሲወከፍና እጃሙ ኣበርኪቱ እንተደኣ ማንም ዘይተገሊሉ ኣብ ማሕበራዊ ደረጃስ ይኹን ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን ሠናይ ርክብ ክንፈጥር ንኽእል ዋና እውን ምስ ከቢቡና ዘሎ ተፈጥሮ ሠናይ ጒርብትና ክንፈጥር ንኽእል (ላውዳቶ ሲ 236 ተመልከት)። ከምኡ እውን ኣብተን ዝደቀቃ ናኣሽቱ ተግባራትና ከይተረፈ ነቲ ኣብ ውሽጥና ሒዝናዮ እንጐዓዝ ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚአብሔር ክነርኢ ንኽእል ከመይ እግዚአብሔር ሥላሴ እዩ። እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ዘቅርበልና ዝበለጸት መግሊጺት እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ እትብል ኰይና ንዚኣ ከኣ እቲ ንኢየሱስ ብዙሕ ዘፍቅር ዝንበረ ሓዋርያ ዮሓንስ የረጋግጸልና። እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ ይብል።  ብሓገዙ ኩልና ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ብሓንሳእ ብምስራሕ ንዓለምና ክነሕውዮ ንኽእል። ንሠናይ ነገር ናተይ ጥራይ ኣይንበል ንሓባራዊ ሰናይ ነገር ናይ ኩሎም ንበል። እግዚአብሔር ይሃበለይ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
09 September 2020, 18:29