
ካብ መላእ ዓለም ናብ ሮማ ንመናፈሳዊ ንግደት ንዝመጹ ብትዕግሥቲ ንእተበርክትዎ ኣገልግሎት ኣመስግን
ኣብ ጸጥታ ቫቲካን ዝተዋፈሩ ፖሊስ ሃገረ ጣልያን ካብ ዝምሥረት መበል 75 ዓመቱ ኣብ ዘኽብረሉ ግዜ ምስ ር.ሊ.ጳ ንምርኻብ ምስ ስድራቤታቶም ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ኣብ ዝተረኽቡሉ ግዜ ቅዱስነቶም ተቀቢሎምዎም ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምዎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃብዎምን ክቢድ ሥራሕ ኢሎም ዝገለጽዎ ንውሕስነት ር.ሊ.ጳጳሳትን ተሓባበርቶምን ምናዳ ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝገብርዎ ጒዕዞ ዘወፍይዎ ኣገልግሎት ምስጋናኦም ገሊጾምሎም።
28 September 2020, 11:50