ድለ

2020.09.28 ኣብ ጸጥታ ቫቲካን ዝተዋፈሩ ፖሊስ ሃገረ ጣልያን ካብ ዝምሥረት መበል 75 ዓመቱ 2020.09.28 ኣብ ጸጥታ ቫቲካን ዝተዋፈሩ ፖሊስ ሃገረ ጣልያን ካብ ዝምሥረት መበል 75 ዓመቱ  

ካብ መላእ ዓለም ናብ ሮማ ንመናፈሳዊ ንግደት ንዝመጹ ብትዕግሥቲ ንእተበርክትዎ ኣገልግሎት ኣመስግን

ኣብ ጸጥታ ቫቲካን ዝተዋፈሩ ፖሊስ ሃገረ ጣልያን ካብ ዝምሥረት መበል 75 ዓመቱ ኣብ ዘኽብረሉ ግዜ ምስ ር.ሊ.ጳ ንምርኻብ ምስ ስድራቤታቶም ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ኣብ ዝተረኽቡሉ ግዜ ቅዱስነቶም ተቀቢሎምዎም ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምዎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃብዎምን ክቢድ ሥራሕ ኢሎም ዝገለጽዎ ንውሕስነት ር.ሊ.ጳጳሳትን ተሓባበርቶምን ምናዳ ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝገብርዎ ጒዕዞ ዘወፍይዎ ኣገልግሎት ምስጋናኦም ገሊጾምሎም።

ዜና ቫቲካን!

ዕለት 28 መስከረም 2020 ዓም ኣብ ጸጥታ ከተማ ቫቲካን ምናዳ ኣብታ ሕምብርቲ ካቶሊካውያን ዝኾነት መንበረ ጴጥሮስን ውሕስነት ነጋድያን ንምሕላውን ዝተዋፈሩ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ሃገረ ጣልያን ብቀንዱ ከኣ ንውሕስነት ር.ሊ.ጳ ጳጳሳትን ተሓባበርቶምን ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝገብርዎ ምንቅስቃሳትን ሓዋርያዊ ምብጻሕን ዘሰንዩ ብስምምዕ ቅድስት መንበርን መንግሥቲ ሃገረ ጣልያንን ካብ ዝቀውም መበል 75 ዓመቱ እንክዝክር ሰበሥልጣናቶምን ኣባላቶምን ምስ ስድራቤታቶም ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም ሰላምታን ምስጋናን ተለዋዊጦም።

ብደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን ዝቆመ ንከተማ ቫቲካንን ር.ሊ.ጳን ተሓባበርቶምን ዝሕሉ ኣካል ፖሊስ ሃገረ ጣልያን ንዝበርክትዎ ሥራሕ ልዑል ምስጋና ብምቅራብ ምኽሮም ዝጀመሩ ቅዱስነቶም ምናዳ ካብ ምሉእ ዓለም ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ መንበረ ጴጥሮስ ንዝመጹ ነጋድያን ንዝበርክትዎ ኣገልግሎት ከምኡ እውን ንውሕስነት ር.ሊ.ጳጳሳትን ተሓባበርቶምን ብዓቢ ጥንቃቄን ጥበብን ብመንፈስ ተወፋይነትን ንዘወፍይዎ መስዋዕትነት ዝሓትት ኣገልግሎት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ ዝተፈላለየ ቋንቋን ባህልን ዘለዎም ሰባት ምስ ካህናት እውን ከይተረፈ ንዘርእይዎ ትዕግሥቲ ኣድኒቆም።

ንዘለዓለ ኣገልግሎት ብቀጻሊ ዝሓትት ሥራሕ!

ቅዱስነቶም ኣገልግሎት ሓደ ፖሊስ ዝሓቶ ቀንዲ ነገር ኣብ ዘዘኻኸሩሉ ‘እዚ ሥራሕ እዚ ልዑል ፍልጠትን ሚዛንን ዝሓትት ምናዳ ኸኣ ነቲ ር.ሊ.ጳ ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር ንክራኸቡ ኣብ ዝግበር መደባት’ እንክብሉ ብኣድናቆትን ኣኽብሮን ኣዘኻኺሮም። ኣብቲ ርክብ ናይዚ ክፍሊ ፖሊስ ኣባላት ምስ ስድራቤታቶም ክባቢ 2,500 ነበሩ። ኣበርክቶ ናይዞም ሓለዋ ቀጽል ሕይወት ዝነብሩ ፖሊስ ዝለዓለ ዋጋን ክብርን ዝወሃቦ ብምዃኑ ንሶም እውን ብሓቂ ሰብኣውን መንፈሳውን ክብርታት ንምሕላው ዕለት ዕለት ሓላፍነቶም ተቀቢሎም ብተግባር ከምዝመስከሩ ገሊጾም።

እቲ መብዛሕትኡ ግዜ መስዋዕትነት ዝሓትት ሓደገኛ ተልእኮኹም ንምፍጻም እተበርክትዎ ጻዕርኹምን ድኻምኩምን ካብ ዓሚቊ እምነት ክርስትና ከምዝንጩ ተስፋ እገብር። እዚ ከኣ ክቡር መንፈሳዊ መዝገብ ኰይኑ ስድራቤታትኩም ንውሉድኩም ክተመሓላልፍዎ ሓደራ ዝሃበኩም ቀንዲ ጸዋዕታኹም እዩ ኢሎም።

ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ሓላፊ ፖሊስን ዝቀረበ ፍሉይ ሰላምታ!

ቅዱስነቶም ሰላምታን ምስጋናን ኣብ ዘቅረቡሉ ቃል ፍሉይ ሰላምታን ምስጋናን ንሓላፊ ፖሊስ ፍራንኮ ጋብርየሊ ከምኡ እውን ንሚኒስተር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገረ ጣልያን ሉቻና ላሞጀዘ ስለ እቲ ንር.ሊ.ጳ ኣብ መሬት ሃገረ ጣልያን ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቃስ ንምሕላው ከምኡ እውን ኣብ መካነ እምነት ክርስትና መላእ ሃገረ ጣልያን ኩሉ ብውሑስ መንገዲ ንክካየድ ዝገብርዎ ሓለዋ ኣመስጊኖም። ምናዳ ኣብዚ ሕጂ ዘሎና ግዜ ንዘጋጠመ ለበዳ ኮቪድ 19 ብምዝካር ከኣ ውሕስነትን ጸጥታን ንከውሕሱ ሕይወቶም ከይበቀቁ ኣብ ኣገልግሎት እንከለው በዚ ሕማም ዝተለኽፉን ዋጋ ዝኸፈሉን ምናዳ ነቶም ተኣፈፍትን ኣብ ጸገም ዝርከቡን ዜጋታት ንምርዳእ ዘወፍይዎ ኣገልግሎት ዓቢ ምዃኑ ዘኪሮም።

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገረ ጣልያን እውን ብግዲኦም ንር.ሊ.ጳ ስለ እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ምናዳ ኸኣ ኣብ መንጎ ሕዝቢ ክግበር ንዘለዎ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣብቶም ትሑታት ብምትኳር ንዝህብዎ ምስክርነት ኣመስጊነን። ብኩሉ ኩሉ ካብዚ ከቢቡ ዘሎ ቅልውላው ንምውጻእ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክመጽእ ብዝጽበይዎ ሓገዝ ነቶም ኣብ ሻውላት ወሰናስን ከተማታትናን ሰባትን ንዝርከቡ ክሕግዙ ንዘለዎ ጸገምን ተስፋ ዘቁርጽ መነባብሮን ክድግፉ ዘለወን ተስፋ ገሊጸን።

ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን ሃገረ ጣልያንን ዘሎ ዓሚቊ ርክብ!

 ቅዱስነቶም ዘረባኦም ብምቅጻል ናብ ታሪኽ ምልስ ኢሎም ናይ ሎሚ 75 ዓመት ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን ሃገረ ጣልያንን ብዝተገብረ ስምምዕ መሠረት ንሃገረ ቫቲካን ዝሕሉ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ንምቋም በቲ ብ1929 ዓም ውዑል ላተራነንሰ ዝበሃል ከምዝጀመረ ዘኪሮም። እቲ ውዕል ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ‘ንመንግሥቲ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዘድሊ ናይ ጸጥታ ውሕስነት ጉዳያት ምናዳ ኸኣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነጋድያንን በጻሕቲ ሃገርን ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሥልጣን ሃገረ ጣልያን ነጻ ምንቅስቃስ ንክረኽቡ እዩ’ ይብል እንክብሉ ጠቂሶም።

ካብ ወርሒ መጋቢት 1945  ዝጀመረ ኣገልግሎት!

ታሪኽ ዓለምና ምናዳ ኸኣ ታሪኽ ኤውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብጣዕሚ ከቢድ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ሃገራዊ ጭንቅን ሕጹጽ ሓገዝ ዝድለዩን ዘመን ኩለን ሓይልታት ፖሎቲካን ማሕበረሰብን ዲሞክራሲ ዳግም ንምብርባር ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ ግዜ ብወርሒ መጋቢት 1945 እዚ ሓይሊ ፖሊስ ንሓለዋ ቫቲካን ብመንግሥቲ ጣልያን ቈይሙ እንክብሉ ምሥረታ ናይዚ ሓይሊ እዚ ቀሊል ከምዘይነበረ ገሊጾም። ኣብቲ ግዜቲ ምልስ ኢሎም ከኣ ሽዑ ናይ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሚኒስተር ዝነበሩ ብፕረሲደትን ቤትምኽሪ ሃገረ ጣልያን ናይ ሽዑ ኢቫኖ ቦኖሚ ተመሪሖም ንሕዝባዊ ውሕስነት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ሓይሊ ብምምዳብ ፍሉይ ቤትጽሕፈት ከፊቶም ንሓለዋ መንበረ ጴጥሮስ ማለት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ከባቢ ሃገረ ቫቲካንን ንምሕላው ኣዋፈሩ እንክብሉ ዝኽሮም ኣካፈሉ። ቀቅድሚ እዛ ዓመት እዚኣ ዝነበረ ኩነታት ቫቲካንን ሃገረ ጣልያንን ብምዝካር ከኣ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ዚኣክል ካብ ወርሒ መስከረም 1943 ክሳብ ዕለት 4 ሰነ 1944 ዓም ሠራዊት ጀርመን ንከተማ ሮማ ምስ ሓዝዋ ዝነበረ ጸገም ኣዘንትዮም። ኣብቲ ግዜቲ እቲ ናይ ከተማ ቫቲካንን ር.ሊ.ጳን ካብ ፖሎቲካዊ ወጻኢ ምዃኖም ንዝገልጽ ማእከላውነት ወይውን ኣይናይቲ ኣይናይቲ ኣቋም ንምቅባል ብወገን ጀርመናውያን ጸገም ነበረ። ኣብተን ትሽዓተ ወርሓት እቲአን ዶብ ሃገረ ጣልያንን ቫቲካንን ተባሂሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓንጺጹ ስለዝነበረ ኣብቲ ቦታ ወትሩ ወጥርን ፍርሃትን ነበረ። ምእመናን ንክጽልዩስ ይኹን ንካልእ መንፈሳዊ ጉዳያት ብቀሊሉ ናብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኪኣትው ይኽእሉ ኣይነበሩን። ብዙሓት ይትረፈና ዝበሉ እውን ከምዝነበሩ ዘኪሮም። እዚ ኩሉ ምስ ሓለፈ ከመይ ከምዝነበረ ንምዝካር ከኣ ነተን ቀዳሞት ኣዋርሕ ድሕሪ ነጻነት ሮማ ይዝክሩ።

ቀዳሞት ኣዋርሕ ድሕሪ ነጻነት ሮማ!

ድሕሪ ውግእ ምናዳ ከኣ ናይቲ ግዜቲ ውግኣት ንኩሉ ብኣልማማ ንብረትን ገዛውትን ዘዕኑ ብምንባሩ ከተማ ሮማ ዝረኸበቶ ዕንወት ብምዝካር ‘ሮማ ድሕሪ ብርቱዕ ውግእ ሓራ ምስ ወጸት እቲ ውግእ ኣብ ሕልናታት ሕዝባ ዓሚቚ ቊስልታት ገዲፉ ንጐደናታት ብፍርስራስ መሊኡ ኣብ ስድራቤታታት ድኽነትን ስቃይን ገደፈ። እንተኾነ እቶም ሮማውያንስ ይኹኑ ንመንፈሳዊ ንግደት ንሮማ ዝመጹ ምእመናን ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኻድ ንር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብምብጻሕን ተኸላኻሊ ከተማን ነበርታን እንክብሉ ኣመስገንዎም። ነዚ ብምርኣይ ከኣ ብኡ ንብኡ መንግሥቲ ሃገረ ጣልያን ነዞም ምእመናን ውሕስነት ንምሃብን ሓለዋ ንምክያድን ነዚ ሎሚ መበል 75 ዓመቱ ንዝክር ዘለዎ ፍሉይ ዕማም ወይውን ሓይሊ ፖሊስ መሥረተ እንክብሉ ታሪኹን ኣመጻጽኣኡን ምስ ገለጹ ሎሚ እውን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስስ ይኹን ር.ሊ.ጳ ኣብ ሃገረ ጣልያን ኣብ ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ንዘበርክትዎ ሓለዋ ምናዳ ከኣ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ነጋድያን ከም ብዝሒ ባህሎምን ጠባዮምን ንምሕጋዝ ንዘርእይዎ ጥበብን ትዕግስትን ብምምስጋን ጠበቃኦም ናብ ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ብሓባር ጸሎት ብምዕራግ ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ቃሎም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

28 September 2020, 11:50