ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ነፍሲወከፍ ብፍሉይ ዘንጸባርቕ ጽባኤ እዩ ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ነፍሲወከፍ ብፍሉይ ዘንጸባርቕ ጽባኤ እዩ 

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ነፍሲወከፍ ብፍሉይ ዘንጸባርቕ ጽባኤ እዩ

ፍሉይነትን ጽባቔን፥ ነፍሲ ወከፍ ዕምባባ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕርቦ ሞሳ ኣሎዎ ዝብል ሓሳብ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ ቃል መርሕ ሓሳብ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መስከረም 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኦስትሪያ ካብ ዝርከብ ብመሃድምቲ ህማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ዝኣለይ ማእከል ሶነንሻይን ዝመጹ ሕጻናትን መንእሰያትን ኣለይቶምን ኣባላት ኣባይቲ ስድራኦምን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፥ “ቤትኩም ናይ ጸሓይ ብፍርሃን ዝንጸባርቐሉ ዘደንቕ ዕምባባ ዝጥጥዓሉ ስፍራ እዩ፥ ንስኻትኩም ናይቲ ማእከል - ዕንባባታት ኢኻትኩም” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ብመሃደምቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናትን መንእሰያት ንኽራከቡዎምን ከአንግድዎምን ዓቢይ ሓጉስ ከምዝስምዖንም፥ “ኣብ የዕንትኹም ምሳይ ንኽትራኸቡ ዘለኵም ድላይ አስተውዕል” እንክብሉ ነቶም ሕጻናትን መንእሰያትን ወለዳቶምን ኣለይቶምን ቅርበቶም ገሊጾም፥ “ቤትኩም ዕንባባታት ዘጠጥዕ ናይ ጸሓይ ብርሓን ዝንጸባረቐሉ ናይ ኣታኽትሊ ስፍራ እዩ ዝመስል፥ እቲ ዝጥጥዕ ዕንባባ ንስኻትኩም ኢኻትኵም” እቲ ሶነንሻይን ዝብል ናይቲ ማእከል መጸውዕ ስም ትርጉሙ ብልጭታ ጸሓይ ማለት ምዃኑ እውን ዘኪሮም፥

እዚ ንእግዚኣብሔር ተመስገን ዝብል እዩ፡ እጹብ ጸሎት! እዚ ዓይነት ኣገባብ ጸሎት ንእግዚኣብሔር ባህታ እዩ!

ፍሉይነትን ጽባቔን፥ ነፍሲ ወከፍ ዕምባባ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕርቦ ሞሳ ኣሎዎ ዝብል ሓሳብ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ ቃል መርሕ ሓሳብ እዩ፥

እግዚኣብሔር ንዓለም ብህብርኣውነትን ብዙሕነትን ጸገዋን ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ዕምባባታት ኣንበረላን፡ ነፍሲ ወከፍ እምባባ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ጽባቔ ዘለዎ እዩ፡ ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ጽቡቕን ጽባቔን እዩ፡ ይፈትወና እዩ። እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሔር ተመስገን ንምባል ዘለዎ ኣድላይነት ክስምዓና ዝገብር እዩ፡ ተመስገን ስለ ናይ ሕይወት ጸጋን ተመስገን ስለ ኩሉ ፍጥረትን!

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ንእግዚኣብሔር ናይ ምስጋና ጸሎት ንምቕራብ ከምዘድልን እዚ “ባህ ዘብል ጸሎት” ንእግዚኣብሔር ባህ የብሎ፡ ሕቶ ዘሰነየ ጸሎት እውን እንተኾነ ናይ ምስጋና ጸሎት ንእዚኣብሔር ባህታ እዩ፥

ንኣብነት፡ ሕያዋይ ኢየሱስ ንወለድና ኣብ ዕዮኦም ሓግዝ፡ ንበሓጎታትናን ኣደሓጎታትናን ደግፎም? ዝብላዕ መግቢ ንዘይብሎም ንዙሓት ሕጻናት ዓለም መግቢ? ወይ ከኣ ኢየሱስ ር.ሊ.ጳ. ንቤተ ክርስቲያን ብጽቡቕ ንኽርእዩን? እዚ ኹሉ ሕቶ ንስኻትኩም ብእምነት ንጐይታ እንተድኣ ኣቕሪብኩምዎ ብርግጽ ክሰምዓኵም እዩ።

ምስ በሉ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ቅድሚ ምስንባቶም፡ እቲ ብመሃድምቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ዝኣልይ ማእከል ምእንቲ እቶም ብእምንቶ ንዝተወሃብዎም ሕጻናት ኣሰነይቲ ዘነቓቕሕዎ ተበግሶታት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ “ኵሉ እቲ ንስኻትኩም ነዞን ንኡሳን እንተቕርብዎ ኣገልግሎት ንኢየሱስ ከም ዝገበርክምዎ እዩ” እንክብሉ ዘስምዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ነፍሲወከፍ ብፍሉይ ዘንጸባርቕ ጽባኤ እዩ
22 September 2020, 18:17