ድለ

እግዚአብሔር ንነፍሲወፍና ወትሩ ምስ ጸውዓና እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 20 መስከረም 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ክሰርሑ ዝተጸውዑ ሠራሕተኛታት ዝምልከት ክፍሊ ወንጌል ኣመልኪቶም እቲ ወሃብ ሥራሕ እግዚአብሔር ተቀበልቲ ከኣ ንሕና ምዃና ብምምልካት እግዚአብሔር ንነፍሲወከፍና ወትሩ ምስ ጸውዔ እዩ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ውዒልኩም!

ንሎሚ ዝቀረበልና ክፍሊ ወንጌል ማቴ 20.1-16 ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት ብዋና ኣታኽልቲ ወይኒ  ንሥራሕ ክወፍሩ ዝተጸውዑ ይናገር። በዚ ምሳሌ እዚ ገቢሩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር እንክጽውዕ ብኸመይ ዝበለ ኣደናቂ መንገዲ ከምዘዋፍረና ዘመልክቱ ክልተ ኩነታት ማለት ጸዋዕታን ደሞዝን ገሩ ይገልጸልና።

ቅድሚ ዝኣገረ እትስራዕ ጸዋዕታ እያ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ንሓሙሽተ ግዜ ዝኸውን ካብ ገዛኡ ወጺኡ ናብ ግራቱ ዝወፍሩ ሠራሕተኛታት ሰዓት ሽድሽተ ሰዓት ትሽዓተ ሰዓት ዓሠርተ ሓደ ሰዓት ሠለስተ ከምኡ እውን ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣደባባይ ዘወን ክብሉ ንዝረኸቦም ናብ ግራቱ ንክወፍሩ ይጽውዕ። ናይዚ ዋና ግራት ኣገባብ ብሓቂ ዘገርም እዩ ከመይ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት ሠራሕተኛታት ክቆጽር ተንቀሳቂሱ። እዚ ወሃብ ሥራሕ እዚ ንእግዚአብሔር ይውክል። እግዚአብሔር ንኩልና ይጽውዕ ወትሩ ከኣ ይጽውዕ  ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናይ ዕለት ይጽውዕ። ሎሚ እውን እንተኾነ እግዚአብሔር በዚ መንገዲ እዚ እዩ ዝሠርሕ። ንነፍሲወከፍና ይጽውዕ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ይጽውዕ ነዚ ከኣ ኣብ መንግሥቱ ንክሠርሑ እዩ። ኣገባር እግዚአብሔር እዚ እዩ። ንሕና ብወገና ክንቅበሎን ክንመስሎን ኣሎና። ንሱ ኣብ ገዛኡ ተዓጽዩ ዝጽበ ኣይኮነን ካብ ገዛኡ ይወጽእ። እግዚአብሔር ወትሩ ምስ ወጸ እዩ። ማንም ካብ መንግሥቱ ካብ መደብ ፍቅሩ ክወጽእ ስለዘይደሊ ብቀጻሊ ንሰባት ክደሊ ይወጽእ።

ማሕበረሰባትናውን ካብቲ ሓሊኽወን ዘሎ ዝተፈላለየ ዶባት ክወጻ ዝተጸውዓ እየን እዚ ከኣ ነታ ኢየሱስ ዘምጽኣ ድሕነት ናብ ኩሎም ንምብጻሕ እዩ። ብከመይ እንተቢልና ነቶም ንኢየሱስ ክረኽቡ ሓይልን ብርሃንን ዝሰኣኑ ኣብ ሻውላት መነባብሮ ዝርከቡ መኣዝን ሕይወት ብምኽፋት እዩ። ቤተክርስትያን እውን ኣብነት እግዚአብሔር ብምኽታል ወትሩ ኣብ ኣደባባያት ወጺኣ ክትጽውዕ ኣለዋ፣ እንተዘየሎ ኣብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ ናብ ኣደባባያት ዘይትወጽእ ቤተክርስትያን ብብዙሕ ሕማማት ትሳቀ። እንታይ ኰይና ትሓምም ቢልና ምስ እንሓትት ንደገ ስለዘይትወጽእ። ርግጽ እዩ ንደገ እንክትወጽእ ሓደጋ የጋጥም እዩ። እንተኾነ ንወንጌል ክተብስር ደጊ ወጺኣ ሓደጋ ዘጋጥማ ካብታ ተዓጽያ ትሓምም ብብዙሕ መገዲ ትሓይሽ። እግዚአብሔር ግን ወትሩ ንክጽውዕ ይወጽእ ከመይ ኣቦ እዩ ኣፍቃሪ እዩ። ቤተክርስትያን እውን ወትሩ ከምኡ ልትገብር ኣለዋ ናብ ኣደባባያት ወጺኣ ክትጽውዕ ኣለዋ።

ናይዚ ወሃብ ሥራሕ ካልኣይ ተግባር ናይ እግዚአብሔር ተግባር ዝገልጽ ነቶም ሠራሕተኛታት ደሞዝ ምኽፋል እዩ። እግዚአብሔር ከመይ ዝበለ ደሞዝ ይኸፍል እንተበልና ኣብነት ናይቲ ወሃብ ሥራሕ ኰይና ሓደ ቅርሺ ክኸፍል ይሰማማዕ። ነዚ ከኣ ነቶም ቀዳሞትስ ይኹን ነቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝተቈጽሩ እዩ።  ነቶም ዘጒረምረሙ ከኣ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ዝተሰማማዕናሉ ውዕለት ከፊለ ይብሎም። እቲ ታሪኽ ከምዘመልክቶ ከኣ ንኩሎም ማዕረ ዝኾነ ክፍሊት ንነፍሲወከፎም ሓንቲ ቅርሺ ከፈሎም። እቶም ካብ ንግሆ ጀሚሮም ዝሠርሑ ተቈጢዕም ተጻይ እቲ ወሃብ ሥራሕ ምስ ኣጒረምረሙ እቲ ወሃብ ሥራሕ ንኩሎም ዝለዓለ ክፍሊት ወላ ነቶም ድሒሮም ዝመጹ ይብሎም። እግዚአብሔር ወትሩ ዝለዓለ ክፍሊት ይኸፍል ዝተርፍ ወይ ፍርቂ የሎን ምሉእ ክፍሊት ይኸፍል።  ኣብዚ ኢየሱስ ብዛዕባ ሥራሕን ቅኑዕ ደሞዝን ኣይኮነን ዝዛረብ ካልእ ግድል ከም ዘሎ እዩ። እንተኾነ መንግሥቲ እግዚአብሔርን ሕያውነት ሰማያዊ ኣቦናን ብቀጻሊ ንኩሉ ክዕድም ናብ ኣደባባይ ይወጽእ ነቲ ዝለዓለ ደሞዝ እውን ንኩሎም ይኸፍል።

ከም ሓቁ እግዚአብሔር ወትሩ ከምዚ እዩ ዝገብር ንግዜን ውጽኢቱን ዘይኮነ ቅሩብነትን ብክንዲ ኣየናይ ልግሲ ንኣሕዋትና ነገል እዩ ዘገድሶ። ከመይ ኣገባብ እግዚአብሔር ክንዮ ፍትሒ ብጸጋ እዩ ዝግለጽ። ኩሉ ብጸጋ እዩ። ድሕነት ጸጋ እግዚአብሔር እዩ። ቅድስናና ጸጋ እዩ። ጸጋኡ ብምሃብ ክንዮ እቲ ዝግበኣና ይዕድለና። ስለዚኸስ ብሰብኣዊ ኣተሓስሳብ ዝሓስብ ማለት ነፍሲወከፍ ብመንፈዓቱ እዩ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መወዳእታ ዝሥራዕ ዝብል ሓሳብ ኣይሰርሕን እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘እወ ኣባቴ እንተኾነ ኣነ ንቤተክርስትያን ብዙሕ ኣወፍየ ብዙሕ ሓጊዘ እንተኾነ ምስዚ ኣብ መወዳእታ ዝመጸ ማዕረ ክኽፈልሲ ቅኑዕዶ ይመስልኩም’ ክብለኒ ይኽእል። እንተኾነ ኣብ ቤተክርስትያን ናይ መጀመርያ ቅዱስ እቲ ፈያታዊ ዘየማን ከምዝኾነ ንዘክር። እዚ ቅዱስ እዚ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ሕይወቱ ንመንግሥተ ሰማይ ሰሪቁ። እዚ ጸጋ እዩ። እግዚአብሔር በዚ ከምዚ እዩ ዚዓዪ። ምሳና ምስ ኲልና እውን ከምኡ እዩ። ነዚ ሰጊሩ ጥቅሚ ገዛእ ርእሱ ዝደሊ ወትሩ ወዳቒ እዩ። እንተ እቲ ከምቲ ፈያታዊ ዘየማን ወላ ድሕሪ ኩሎም ይኹን ብትሕትና ኣብ ምሕረት ሰማያዊ ኣቦ ዝምዕቈብ ቀድማይ ክኸውን እዩ። ከመይ ዳሕረዎት ቀዳሞት ቀዳሞት ከኣ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም።

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ግራት እግዚአብሔር ዝኾነ ዓለምናን ኣታኽልቲ ወይኑ ዝኾነት ቤተክርስትያንን ንክንሰርሕ ስለዝጸዋዓና ዕለት ዕለት ታሕጓስን ፍናንን ክስመዓና ትደግፈና። ነታ እንኮ ደሞዝና ዝኾነት ምስ ኢየሱስ ዕርክነት ዝኾነት ፍቅሩ ይጸግወና።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 September 2020, 01:17