ድለ

ኣሕዋት ከም ህያብ - ጸጋ፥ ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ተመክሮ ኣሕዋት ከም ህያብ - ጸጋ፥ ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ተመክሮ 

ኣሕዋት ከም ህያብ - ጸጋ፥ ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ተመክሮ

ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ሕውነት ዘይንቀሳቐስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው ናይ ገዛእ ርእሱ ፍጻሜ ዘይኮነ፡ ፍቕሪ እናተመገበ ዝዓብይ እዩ፡ ወትሩ ናብ ሰላም ዘሰንይ፡ እዚ ኸኣ ሱታፌኣዊ ማዕቅን ዝገበረ መገዲ ዝሕብር እዩ

ሕውነት ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ረቂቕ ህልዮ ዘይኮነ ጭቡት ካብ እግዚኣብሔር ንኹሉን ንነፍሲ ወከፍን ዝተዓደለ ጸጋ እዩ፥ እቲ ናይ ኣሲዚ ድኻ ሎሚ እውን እንተኾነ እውነተይና ኣሕዋት ንምዃን ኩሉ ከም ደቂ ሓደ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣፍልጦ እንተዘይብሉ ብፍጹም ዝከኣል ከምዘይኮነ ይምስክር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ንመጀመሪያ ግዜ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም መጸውዕ ስም ንዝገበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ኣስተንፍሶ ኣብ ምዃን ህልው እዩ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ እታ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብዅሉ ፍጥረት ኣቢሉ ንእግዚኣብሔር ይሴባሕ እንክብል ዘቕረቦ ማህሌት ናይታ ቀዳመይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣርእስቲ ገይሮም ሕውነት ናይ ስልጣናዊ ትምህርቶም ማእከል ክኸውን ገበሩ፡ ኣስዒቦም እውን ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ኣብታ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝተቐበረላ ባዚሊካ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን እታ ኩሉ ሓው ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ወግዓዊ ክገብሩ እዩም። ከም ፍራንቸስኮ ሕውነት ዘማእከሉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኖም ይምስክሩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ምስ ለምጻማት ምስ ተራኸበን እዚ ተመክሮ እዚ ኸኣ ናብ ክርስቶስ ክቐርብ ከምዝገበሮን ነዚ ስዒቡ እውን እግዚኣብሔር ሰዓብቱ ኣሓው ምስ ሃቦ ሓደ’ኳ ካብኣቶም እንታይ “ከምእንፍጽም ዝሓበረ ኣይነበረን እቲ ልዑል ጎይታ ግና ወንጌላዊ ሕይወት ንኽነብር ሓበረኒ” እንክብል ኣብ ዝጸሓፎ ቃል ምስክርነቱ እነንብቦ ዘንጸባርቑ እዮም።

እቶም ክስዕብዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ከም ኣሕዋት - ከም ሓው ይቐርብዎ ነበሩ፡ ከም ህያብ እግዚኣብሔር፡ ቅዱስ ፍራቸስኮ ካብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ እንታይ ክግበር ዝሓበሮ ሓደ’ኳ ኣይነበረን ምእንቲ እዚ ንጐይታ እንታይ ክገብር እንክብል ይሓትት፡ ሓው ባዕልኻ እትሓርዮ እትውንኖ ዘይኮነ ዝወሃበካ ጸጋ እዩ፡ ንሰዓብቱ ድማ በዚ መንፈስ እዚ ኣሕዋተይ በሎም፡ እግዚኣብሔር ብናጽነት ዝጽግወካ፡ እዚ ኸኣ እንገዳን ፍቕርን ዝጠልብ ርክብ፡ ፍልልያት ማዕረግን ብዘየገድስ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ነቲ ስኒት ኣንሕና ዘይኮንና መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝኽውኖ።

ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ፍጻሜ ምድራዊ ሕይወቱ ኣብ ዝሓደጐ ምሳሌ፡ ንኣኡ ሕውነት ሓሳብ ወይ ውን ረቒቕ ህልዮ ዘይኮነ ጭቡት ኩነት ምዃኑ ይምስክር፡ ሕይወት ዝልውጥ ተመክሮ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ኩሉ ውላድ ሓደ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣፍልጦ እንተድኣ ዘይብሉ ሕውነት ዝከኣል ኣይኮነን፡ ምእንቲ’ዚ ሓደ’ኳ መጻእተይና ዝበሃል የልቦን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ምስሪ ምስ ሱልጣን ዘካየዶ ርክብ የረጋግጸልና፡ እዚ ንኣና ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምስ ኢየሱስ ከም እተራከበ ዘረጋግጸልና ምስክርነት እዩ፡ ኣብ ሓደ ኣቦ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዘይራኸብ ሕውነት ኣበይ ከብጽሕ ከምዝኽእል ናይ ቃኤልን ኣቤልን ታሪኽ ይሕብረና።

ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ሕውነት ዘይንቀሳቐስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው ናይ ገዛእ ርእሱ ፍጻሜ ዘይኮነ፡ ፍቕሪ እናተመገበ ዝዓብይ እዩ፡ ወትሩ ናብ ሰላም ዘሰንይ፡ እዚ ኸኣ ሱታፌኣዊ ማዕቅን ዝገበረ መገዲ ዝሕብር እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምስ ሰዓብቱ ኣሕዋት ምስ ተራኸበ እግዚኣብሔር ከኣ ወንጌል ንኽስዕብ ዝሕብሮ።

ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ሕውነት እምበኣር ንኣስፍሆተ ወንጌል ሓለፋ ዝኾነ ፍኖትን ቦታን እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ዘለካ ፍቕሪ መምዘኒ እቲ ንሓውኻ ዘሎካ ፍቕሪ ምዃኑ ካብ ምቕባል ሓሊፉ ይነብሮ፡ እዚ ሕውነታዊ ፍቕሪ’ዚ ንፍራንቸስኮ ቆስሞሳዊ ይኸውን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘጠቓልል፡ ኵላዊ - ንጸሓይን ወርሕን ከይተረፈ ሓወይን ሓብተይን ክሳብ ቢሉ ዝጽውዕ፡ ድሕሪ ሸሞንተ ዘመን እንነብረሉ ዓለም እዚ ሕውነት’ዚ እዩ ዘድልዮ ዘሎ፡ ነዚ ዓይነት ሕውነት እዩ ጸሚኡኒ ዝብል ዘሎ። ሰገር ኣነነትን ኢጎነትን ቀጽርታትን ዝብል፡ ካብ ቀደም ሎሚ እዚዩ ዝድለይ ክብረት እዩ።

ኣሕዋት ከም ህያብ - ጸጋ፥ ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ተመክሮ
16 September 2020, 11:32