ድለ

ዓዋዲት መልእኽቲ ንዅሎም ኣሕዋትን ንዅለን ኣሓትን ዓዋዲት መልእኽቲ ንዅሎም ኣሕዋትን ንዅለን ኣሓትን  ርእሰ ዓንቀጽ

ዓዋዲት መልእኽቲ ንዅሎም ኣሕዋትን ንዅለን ኣሓትን

ቅዱስነቶም ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ቃል ክጠቕሱን ናይታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣርእስቲ ክገብሩ ብዛዕባ ሕውነትን ምሕዝነትን ንዝግበር ኣስተንትኖ ፍኖት ከርህዉን ብዘይ ምንጻል ናብ ኹለን ኣሓትን ናብ ኩሎም ኣሕዋትን ዝዛረብን ብዘይ ምንጻል ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝብል መልእኽቲ

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ብዛዕባ እታ ቅዱስነቶም ዝደረስዋ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገብርዋ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. እትዝርጋሕ ዓዋዲት መልእኽክቲ ኣብ ኣርእስታ ጥራሕ ብምትኳር ብዘይ ምንጻል ነቲ ኣርእስቲ ብኸመይ ክትርግጎም ይከኣል ኣብ ዝብል ሓሳብ ብዙሕ ክትዕ ክግበር ይረአይን ይስማዕን፡ ይዅን ደኣ እምበር እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብገዛእ ርእሳ ኵላዊት መልእኽቲ እያ፡ ፍራንቸስኮ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ልቢ ክዛረቡ እዩ ዝደልዩ። ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓታት ክኸውን እንከሎé

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኵሎም ኣሕዋት” እዚ ናይታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብዛዕባ ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘንበሩላ ሳልሰይቲ ዓውዲት መልእኽቶም ኣብ ኣሲዚ ኣብ ዝርከብ ናይ ፍራንቸስካውያን ኣሃው ባሲሊካ ተረኺቦም ድሕሪ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከቲሞም ብወግዒ ንንባብ ከብቅዑን ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንመላእ ዓለም ክልግሱን ብዝተፈላለየ ቋንቋ ክትዝርጋሕ እውን ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ክሕብር እንከሎ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ዓዋዲ ዝብል ቃል ዝጠልቦ ኩነት እዩ፡ ናብ ኩሉ ዝበጽሕን ዝዝርጋሕን ሰነድ፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም መጸውዕ ስም ክኸውን ናይ ዝሓረይዎ ነቲ ዓቢይ ቅዱስ ዝኾነ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ከም መበገሲ ሓሳብ ገይሮም ዝደረስዋ ከምዝኾነትን ምሉእ ትሕዝቶኣ ብዕምቆት ንኽንርድኦን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝብልዎን ንምፍላጥ ናይ ኵሉ ድላይ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ምሉእ ትሕዝቶኣ ክግመት ዝከኣል እውን እንተመሰለ ካብቲ ግትግምቶ ንላዕሊ እተደንቕ እውን ከምእትኸውን ንጹር እዩ፡ ኣክንዲ ምብጽባይ ገና ብዓንተውኡ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ክዝረብ ንሰምዕ፡ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣርእስቲ ቅዱስነቶም ካብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብቲ ተግሳጽ ኣብ ዝብል መንፈሳዊ ድርሳኑ ሻድሻይ ምዕራፍ ፍቕዲ ሓደ፥ (Ammonizioni. 6,1 FF 155) ዝተወስደ ጥቕሲ እዩ፡ ስለዚህ ከምዘሎ ክጥቐምሉ እምበር ክቕይርዎን ናይ ቃላት ጽገና ክገብሩሉን ኣይደለዩን። እቲ ኣርእስቲ ነተን ፍርቂ ናይ መላእ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ዝኾና ደቀንስትዮ ዝንጽል እዩ ቢልካ ምዝራብ ዘይግቡእን ዘይሓላፍነትን እዩ። እዚ ኸኣ ንቕዱስነቶም ብፍጹም ክውክሎም ዝኽእል ኣይኮነን።

ቅዱስነቶም ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ቃል ክጠቕሱን ናይታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣርእስቲ ክገብሩ ብዛዕባ ሕውነትን ምሕዝነትን ንዝግበር ኣስተንትኖ ፍኖት ከርህዉን ብዘይ ምንጻል ናብ ኹለን ኣሓትን ናብ ኩሎም ኣሕዋትን ዝዛረብን ብዘይ ምንጻል ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝብል መልእኽቲ እዩ። ንኹለን ኣሓትን ንኹሎም ኣሕዋትን ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይን። እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብውግእን ድኽነት ጸእት ስደተይናታትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ብለብዕን ምልኩት ዝኾነ እዩ፡ ኣብዚ ኩሉ ህብረ ቅልውላው እዚ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድ ሕድና ክንፋለጥን እንራኸቦ እንራኸባን ሓውናን ሓብትን ምዃኖም ምፍላጥ ዝብል እዩ፡ ንኽርስቲያን ከኣ ኣብቲ ዝሳቐይ ሓው ወጅሂ ኢየሱስ ኣለልይ ዝብል እዩ፡ ሰብ በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ስለ ዝኾነ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ካብቲ ቅልውላው በይንኻ ምልቓቕ ዝከኣል ከምዘይኮነን ንሓድ ሕድካ ምንጽጻግን ሕድ ሕዳውን ሰሜንን ደቡብን ድኻን ሃብታምን ብዝብል ተጻብኦነት ካብ ዝኾነ ይዅን ጸገም ምልቓቕ ከምዘይከኣል ዝምዕድን ዘብርህን ሰነድ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ዝሰፍሕ ዘሎ ሞትን ሕማምን ከብቕዕን እቲ ለበዳ ክውገድን ኣብ ሰገነት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኵሉ በዚ ሕማም ተላገብ ምኽንያት ኣብ ቤቱ ተወሺብሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምእመናን ክሳተፉሉ ዘይከኣሉ እውን እንተነበረ፡ ብናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሓት ዝተመሓላለፈን፥ ኣብ ኣፈት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ዝርከብ ተኣምራዊ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ተነቢሩን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ቅዱሳት ምስልታትን እቲ ዘሰንብድ ለብዒ ኮቪድ 19 ከብቅዕ ናይ ኵሉ ህዝበ እግዚኣብሔር ጸሎት ናቶም ገይሮም ጸሎት ልመናን ምህለላን ኣቕሪቦምን “ጐይታ ንዓለም ባርኽ፡ ናይ ኣካል ጥዕና ጸግወናን ልባትና ኣጸናንዕ፡ ንስኻ ትከናኸነና” ዝብል ጸሎት ደጊሞም፡ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንም ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ንሮማ መላእ ዓለምን ናይ ምሉእ ሓጢኣት ስርየት ከምዝሃቡ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዘኪሮም፥ እቲ ኢጐነት ዝብል ገዛእ ርእስና ከዊልናሉ ዘሎና ልሙድ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምስሊ ዕንኪሊል ንኽንብል ዝድርኽ ኩነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኢጐነትና እንኽውለሉ ዘበለ ኩሉ ተቓሊዑ፡ እቲ ዝተባርከ ኵላትና ኣይፋል ክንብሎ ዘይከኣለና ኣሕዋት ምዃንና ዝገልጽ ሓባራውነትና ጐሊሑ ክረአይ ይገብር ኣሎ ከምዝበሉን ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ሓባራውነትናን ከምዝባራኹ ቶርኒየሊ የብርሁ።

ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን፥ እዚ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንኡስ ኣርእስቲ እዩ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ዘዋህድ ሓሳብ፡ ሰገር ናይ ደም ሕውነትን ሓብትነትን ዝብል ኵላዊ ሕውነትን ሓብትነትን፡ ንስኡናትን ኣብ ድኽነት ንዝርከቡን ብቓልን ተግባርን ቀረባ ክትኸውን ዝድርኽ ቀንዲ መሰረተ ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ነቲ ኵላትና ኣሕዋት ዝብል ኣርእስቲ ቅዱስነቶም ብቐጥታ ካብ ድርሳን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከምዘሎ ዝተጠቐምሉ እምበር ዝንጽል ወይ ብጌጋ ክትርድኦ ዘይከኣል እዩ እንክብሉ ቶርኔይሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የጠቓልሉ።

(Andrea Tornielli)

ዓዋዲት መልእኽቲ ንዅሎም ኣሕዋትን ንዅለን ኣሓትን
17 September 2020, 12:21