ድለ

ደንበ ቅዱስ ዳማሶ ደንበ ቅዱስ ዳማሶ  

ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምእመናን ብዘሳትፍ ኣገባብ ምቕራብ ዳግም ክጅመር እዩ

ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝልግስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክሳተፉ ንዝደልዩ ምእመናን ክፉት ከምዝኾነን

ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ኮይኖም ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላልፍዎ ዝነበረ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ረቡዕ ዕለት 2 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ክንክን ጥዕና ጸረ ኾሮና ተህዋስ መምርሒ ብዘኽብር ኣገባብ ምእመናን ኣሳቲፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ደንበ ቅዱስ ዳማሶ ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝልግስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ  ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክሳተፉ ንዝደልዩ ምእመናን ክፉት ከምዝኾነን ብምስማዐ ርእየት ዘይኮነ ብቐጥታ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2020 ዓ.ም. ምእመናን ኣሳቲፉ ከምዝካየድን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ክሳተፉ ዝደልዩ ምእመናን ብዘይ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ካብ ሰዓት ሸውዓተ ፈረቓን ጀሚሮን ናብቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ናብ ዝርከብ ደንበ ቅዱስ ዳማሶ ክኣትዉ ከምዝኽእሉን ኣስተምህር ትምህርተ ክርስቶስ እውን ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ልክዕ ሰዕት ትሽዓተን ፈረቓን ክቐርብ ከምዝኾነን የመላኽት።ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ኮይኖም ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላልፍዎ ዝነበረ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ረቡዕ ዕለት 2 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ክንክን ጥዕና ጸረ ኾሮና ተህዋስ መምርሒ ብዘኽብር ኣገባብ ምእመናን ኣሳቲፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ደንበ ቅዱስ ዳማሶ ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝልግስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ  ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክሳተፉ ንዝደልዩ ምእመናን ክፉት ከምዝኾነን ብምስማዐ ርእየት ዘይኮነ ብቐጥታ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2020 ዓ.ም. ምእመናን ኣሳቲፉ ከምዝካየድን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ክሳተፉ ዝደልዩ ምእመናን ብዘይ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ካብ ሰዓት ሸውዓተ ፈረቓን ጀሚሮን ናብቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ናብ ዝርከብ ደንበ ቅዱስ ዳማሶ ክኣትዉ ከምዝኽእሉን ኣስተምህር ትምህርተ ክርስቶስ እውን ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ልክዕ ሰዕት ትሽዓተን ፈረቓን ክቐርብ ከምዝኾነን የመላኽት።

29 August 2020, 00:59